እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኲናት ዩክሬን፡ 'ዓለመይ ብሚሳይል ሩስያ ዓንዩ'
ዩሪ ጎልደን፡ ገለ ነገራት ክገዝእ ኢሉ ናብ ሹቕ ውጽእ ምስ በለ'ዩ ናይ ምፍንጃር ወረ ሰሚዑ።
ኣብ መእተዊ እቲ ዝነብረሉ ህንጻ ኮይኑ ድማ ፖሊስ ናብ ውሽጢ እቲ ብሓዊ ሃልሃል ዝብል ዝነበረ ህንጻ ንክኣቱ ከፍቅድሉ ይልምን ነይሩ።
ናብቲ ንሱ ዝነብረሉ ገዛ ምስ በጽሐ፡ ኣስክሬን በዓልቲ ቤቱን ሓማቱን ተዘርጊፉዎ ጸኒሑዎ፤ ላዕለዎት ክፍልታት እቲ ህንጻ ብሚሳይል ሩስያ'ዮም ተሃሪሞም።
ኣስክሬን ጓል ሰለስተ ወርሒ ጓሉ ኪራ ግን ጸኒሑ ስለ ዝተረኽበ፡ ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ብሰንበት ናብቲ ገዛ ምስ ተመለሰ እዩ ንመጀመርታ ግዜ ርእዩዎ።
እቲ መጥቃዕቲ ሚሳይል፡ ብሰንበት 23 ሚያዚያ 2022 ኣብ ከተማ ኦዴሳ ዝበጽሐ እዩ።
እቲ ኣብ ልዕሊ እዚ ስድራ ዝበጽሐ ሓደጋ፡ ኣብታ ክልተ ኣዋርሕ ጥራይ ብዘቑጸረ ኲናት ዝደቐቐት ዩክሬን ሓያል ቁጥዐን ጽልእን ፈጢሩ።
ፕሬዝደንት ቮሎድሚር ዘሌንስኪ ብዛዕባ ቕትለት ህጻን ኪራ ክዛረብ እንከሎ ኣዝዩ ሓሪቑ ነይሩ።
"እዛ ህጻን ከመይ ኢላ ንሩስያ ስግኣት ትኸውን? ህጻናት ምቕታል ሓድሽ ሃገራዊ ሓሳብ ፌደሬሽን ሩስያ ዝኾነ'ዩ ዝመስል" ብምባል እቲ መጥቃዕቲ ዝወጠኑን ዝፈጸሙን ኣካላት "ደቓሉ" ኢሉዎም።
በቲ ናይ ሚሳይል መጥቃዕቲ ካልኦት ሓሙሽተ ሰባት'ውን ሞይቶም'ዮም።
ዩሪ፡ ካብቲ መጥቃዕቲ ዝተረፉ ነገራት እንተረኸብኩ ኢሉ ብሰንበት ናብቲ ዝዓነወ ገዝኡ ክኸይድ እንከሎ፡ ናይ ስእሊ ኣልበማት፣ ብኢድ ዝተጽሓፉ ወረቓቕትን ስብርባር ናይ ጓሉ ካሮሳን ረኺቡ።
"ኣብቲ ገዛ ዝኾኑ ነገራት እንተገዲፈ ጉሓፍ ኮይኑ ሰባት ኣውጺኦም ክድርብዩዎ'ዮም። ግን ኩሉ ንዝኽርን ትዝታታተይን ክእክቦ'የ" ኢሉ።
ንሱን በዓልቲ ቤቱ ቫሌሪያን ንትሸዓተ ዓመታት ብሓባር ጸኒሖም።
"ኣብ ኩሉ ሓጎስ ትደሊ ነይራ፤ ኦዴሳ ትፈትዎ ከተማ ነይሩ። ኣብ ርክባት ህዝቢ ስለ ዝሰርሐት ምስ ብዙሓት ሰባት ክትዘራረብ፣ ክትርድኦም ትኽእል እያ። ንፍዕቲ ጸሓፊት ምንባራ'ውን የድንቖ። ጽብቕቲ ኣደን ኩሉ ዘማልአት መሓዛን ነይራ። ከምኣ ዝበለ ሰብ ምርካብ ንዓይ ኣጸጋሚ'ዩ። ፍጹም ሰብ ነይራ፤ ከምኣ ዝበለ ሰብ ኣብ ህይወትካ ሓደ ግዜ ካብ ፈጣሪ ዝወሃበካ ውህብቶ'ዩ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ኪራ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ ማለት ቅድሚ ሓደ ወርሒ ምጅማር እቲ ኲናት እያ ተወሊዳ።
ድሕሪ ሰሙናት፡ ቫሌሪያ ቈልዓ ብምርካባ "ኣብ ሓድሽ ደረጃ ሓጎስ እየ ዘለኹ" ክትብል ኣብ ኢንስተግራም ጽሒፋ። "ጓልና ሓደ ወርሒ ገይራ ኣላ። ኣዝዩ ብሉጽ 40 ሳምንታት ኣሕሊፍና" ኢላ ነይራ።
ዩሪ፡ በዓልቲ ቤቱ ዝልኣኸትሉ ናይ ኪራ ስእልታት ኣብ ሞባይል ስልኩ ኣርእዩና።
"ምስ ተወለደት ኣዚና ሕጉሳት ነይርና፤ ክትሓርስ እንከላ ኣብ ሆስፒታል ምስኣ ነይረ። ሕጂ በዓልቲ ቤተይን ጓለይን ኣብዚ ክህልዋ ዘይምኽኣለን ክትቕበሎ ከቢድ እዩ። ዓለመይ ብምልእታ ብሚሳይል ሩስያ ዓንያ እያ" ኢሉ።
ዓለም ኣብ ልዕሊ ቤተሰቡ ዝበጽሐ ጉድኣት ክትፈልጦ ይደሊ።
"እቲ ዝኸውን ዘሎ ንስድራይ፣ ንከተማና፣ ንዩክሬን ዓብዪ ሓዘን እዩ። ንመላእ ስልጣነ ሓዘን እዩ። ታሪኽ ቤተሰበይ እቲ ኲናት ጠጠው ኣብ ምባል ክሕግዝ ተስፋ ይገብር" ይብል።
እዚ ቃለ መጠይቕ ወዲእና ክንፍለዮ እንከለና፡ ኣብ ኢድ ዝተረፈ ዳይፐር ኣብ ሓደ ሻንጣ ገይሩ ሂቡና።
"በጃኹም ውሰዱዎ፤ ንገባሪ ሰናይ ሃቡዎ። ሕጂ ኣይደልዮምን'የ" ኢሉ።