ነበርቲ ሓንቲ ቁሸት 143 ሚልዮን ዩሮ ለቶሪ ተዓዊቶም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ቤልጅየም ኣብ ሓንቲ ቁሸት ዝነብሩ 165 ሰባት 143 ሚልዮን ዩሮ ሎተሪ ተዓዊቶም።
እቶም ኣብ ዓዲ ኦልምን ዝቕመጡ ሰባት፡ ነቲ ሎተሪ ማዕረ መጠን ገንዘብ ኣበርኪቶም እዮም ገዚኦም።
ነፍሲወከፎም፡ ድማ 868 ሽሕ ዩሮ ካብቲ ሎተሪ ክካፈሉ እዮም።
ብመሰረት ጸብጻብ ሃገራዊ ሎተሪ ቤልጅየም፡ ኣብቲ ሎተሪ ልዕሊ 27 ሚልዮን ዕጫታት ተሳቲፎም።
ዩሮሚሊዮንስ፡ ኣብ መንጎ ትሽዓተ ሃገራት ኤውሮጳ ዝካየድ ዕጫ ሎተሪ ኮይኑ፡ ንተዓወቲ ሸውዓተ ቅኑዕ ቁጽሪ ብምግማት ዝለዓለ ክፍሊት ክህብ ዝኽእል እዩ።
ንተዓወቲ ክሳብ 142 ሚልዮንን 897 ሽሕን 164 ዩሮ ክሽልም ይኽእል።
ወሃቢት ቃል ሃገራዊ ሎተሪ ጆክ ቨርሞር፡ ኣብ ቤልጅየም ብጉጅለ ተዓወትቲ ምዃን ዝተለምደ ኣይኮነን ኢላ።
ቅድሚ ሕጂ ክንድዚ ዝኣክል ሰብ ብሓባር ተወዳዲሩ ተዓዊቱ ኣይፈልጥን።
ወሃቢት ቃል እታ ሃገር፡ እቶም 165 ነበርቲ እታ ቁሸት፡ ሎተሪ ከምዝተዓወቱ ምስ ሰምዑ፡ ካብ መጠን ንላዕሊ ከምዝተሓጎሱ ገሊጻ።
ሓላፊ እቲ ኣብ ቤልጅየም ዕጫ ዘውጽእ ትካል፡ ሰባት ብጉጅለ ዕጫ ክወስዱ ካብ ዘተባብዕ ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ።
ነበርታ እታ ቁሸት፡ ብሓባር ተዓዊትና ኢሎም ክኣምኑ ስለ ዝኸበዶም ሽዱሽተ ግዜ ዜና ሰሚዖም።
መንነት እቶም ተዓወትቲ ክሳብ ሕጂ ኣይተገለጸን።
ኣቐዲሙሓደ ዜጋ ዓባይ ብሪጣንያ 195 ሚልዮን ፓውንድ ተዓዊቱ ነይሩ። እዚ ድማ ሓደ ሰብ ክረኸቦ ካብ ዝኽእል እቲ ዝበዝሐ ገንዘብ እዩ።
ቅድሚ ኣዋርሕ ድማ ካልኦት እንግሊዛውን መጻምድቲ፡ 184 ሚልዮን ፓውንድ ተዓዊቶም ነይሮም።
ዩሮሚልዮን ኣብ ቤልጅየም፣ ፈረንሳ፣ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ስጳኛ፣ ፖርቱጋል፣ ኣየርላንድ፣ ኦስትርያ፣ ስዊዘርላንድን ሉክሰምበርግን'ዩ ይካየድ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







