እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣልቓዒዳ ንሸውዓተ ዓመት ጅሆ ዝሓዞ ሽማግለ ዶክተር ፈቲሑ
ኣብ ሰሜን ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝንቀሳቐስ ዕጡቕ ጕጅለ ጨንፈር ኣልቓዒዳ ንልዕሊ ሸውዓተ ዓመት ጅሆ ሒዝዎ ዝጸንሐ 88 ዓመት ዝዕድመኡ ኣውስትራልያዊ ዶክተር ከም ዝለቐቐ ተፈሊጡ።
እቲ ዶክተር ኬነት ኢሊዮት ዝተባህለ ኣውስትራልያዊ፡ ኣብ ጽቡቕን ውሑስን ኵነታት ምስ ስድራኡ ከምዝተራኸበ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣውስትራልያ ገሊጹ።
ዶክተር ኬነትን በዓልቲ ቤቱን ኣብ 2016 ኣብ ከባቢ ዶብ ማሊን ቡርኪናፋሶን ኣብቲ ኣብ 1972 ዝመስረትዎን ንልዕሊ 40 ዓመታት ዝሰርሑሉን ክሊኒክ እዮም ተታሒዞም።
ኣልቓዒዳ ጨንፈር ምዕራብን ሰሜንን ኣፍሪቃ፡ ኣብቲ እዋን ነቶም መጻምድቲ ከም ዝጨወየ ገሊጹ ነይሩ።
እቲ እስላማዊ ዕጡቕ ጕጅለ፡ ዝተፈላለየ፡ ብፍላይ ካብ ህዝቢ ‘ቲ ከባቢ ጽዑቕ ጸቕጢታት ምስ ቀረበሉን፡ “ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኲናት ዝኣመሰሉ ነገራት ክኣትዋ ግቡእ ኣይኰነን” ዝብል ካብ ላዕለዎት መራሕቱ "መምርሒ" ተቐቢለ ድሕሪ ምባልን፡ ንበዓልቲ ቤቱ ጆሰሊን ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን’ዩ ፈቲሑዋ።
"[ዶክተር ኬነት] ኣብ 88 ዓመቱ፡ ንነዊሕ ዓመታት ካብ ገዛኡን ስድራኡን ርሒቝ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሕጂ ከዕርፍን ነብሱ ክጽግንን፡ ግዜን ብሕትውናን የድልዮ። ስለዝተረዳእኩምናን ንዘርኣኹምዎ ሓልዮትን ድንጋጸን ከኣ ነመስግን" ክብሉ ስድራኡ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ሓቢሮም።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣውስትራልያ ፔኒ ቮንግ፡ ዶክተር ኢሊዮትን ስድራኡን "ኣብ ኣዝዩ ፈታኒ ዝዀነ ከቢድ እዋን" ንዘርኣይዎ ጽንዓት ኣድኒቓ።
ንሳ ኣብ መግለጺኣ፡ "ነቶም ዶክተር ኢልዮት ንኽፍታሕ ንነዊሕ ዓመታት ዝጸዓሩን፡ ንስድራቤቱ ንምድጋፍ ከይተሓለሉ ዝሰርሑን ሰበስልጣን ኣውስትራልያ ነመስግን" ኢላ።
ዶክተር ኢሊዮትን በዓልቲ ቤቱን ኣብ ቡርኪናፋሶ ኣብ እትርከብ ከተማ ዲጅቦ፡ 120 ዓራውቲ ዘለዋ ክሊኒክ የካይዱ ምንባሮም ዝተፈልጠ ኰይኑ፡ ንሱ ድማ እቲ እንኮ ሓኪም መጥባሕቲ ኣብቲ ቦታ እዩ ነይሩ።
እዞም መጻምዲ ድሕሪ ምትሓዞም፡ ህዝቢ እቲ ከባቢ ንኽፍትሑ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ - ፈይስቡክ - ጽዑቕ ጐስጓስ ኣካይዱ እዩ።
ሽዑ፡ "ኢሊዮት ቡርኪናዊ ሰብኣዊ ሰብን'ዩ... ነቲ ዝለዓለ ሰብኣውነት ይውክል" ዝብል ጽሑፋት ክዝርጋሕ ጀሚሩ።
ኣልቓዒዳ ከምኡ'ውን ኣብ እስላማዊ መቕረብን (AQIM) ካልኦት ኣብ ሰሜንን ምዕራብን ኣፍሪቃ ዝንቀሳቐሱ ኣኽረርቲ ዕጡቓት ጕጅለታትን፡ ሰባት ምጭዋይን ኣምሳያኡ መበጆ ገንዘብ ምኽፋልን ከም ሜላ ምኽዕባት ገንዘብ፡ ንነዊሕ ዓመታት ክጥቀሙሉ ጸኒሖም እዮም።
እዚ፡ ኣብ 1990ታት ኣብ ኣልጀርያ ካብ ዝነቶገ መሪር ኲናት ሓድሕድ ከም ዝብገስ ዝንገረሉ ጕጅለ፡ ኣብ መላእ ዞባ ሳሕለ-ሰሃራ፣ ንደቡብን ኣብ ውሽጢ ማሊን ቡርኪናፋሶን እዩ ዝንቀሳቐስ።
እታ ግዝኣት ፈረንሳ ዝነበረት ኣልጀርያ፡ ኣብ 2013 ነቲ ጕጅለን መሻርኽቱን ንምውጋእ፡ 5ሽሕ ሰራዊታ ናብ ማሊ ልኢኻ፤ ዝተፈላለዩ ስርሒታት ብምክያድ ድማ ኣብ 2020 ንመራሒኡ ዓብደልማሌክ ድሩክደል ቀቲላቶ።
ፈረንሳ ግን፡ ብሰንኪ’ቲ እናዓበየ ክመጽእ ዝጸንሐ ዘይቅቡል ወተሃደራዊ ስርሒታታ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ማሊ ካብ ጸወታ ወጺኣ እያ።