ስልጣን ዝመንዝዐ 34 ዝዕድመኡ ካፕተን ትራኦረ መን’ዩ?

ተመሃራይ እንከሎ ኣመና ሓፋር ግን ከኣ ትኵር ዝነበረ ወዲ 34 ዓመት ካፕተን ትራኦረ፡ መራሒ ሓንቲ ካብተን ግዝኣት ፈረንሳ ዝነበረት ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ቡርኪናፋሶ ኰይኑ’ሎ።

ንሱ፡ ብጻዩ ንዝነበረ ሌተናል ኰሎነል ፓል-ሄንሪ ዳሚባ፡ ነቲ ካብ 2015 ነታ ሃገር ዝደሃኸ እስላማዊ ዕጡቕ ምንቅስቓስ ንምጭፍላቕ ዝኣትዎ መብጽዓ ከተግበር ኣይከኣለን ኢሉ ብምኽሳስ እዩ፡ ብ 30 መሰከረም ስልጣን መንዚዕዎ።

እቲ ብ 1988 ዝተወልደ ወዲ 34 ዓመት ካፕተን፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝነኣሰ መራሒ ሃገር ኰይኑ’ሎ። በዚ ነቶም ንኣሽቱ ዝዕድመኦም ብዕልዋ ስልጣን ዝጨበጡ ኣፍሪቃውያን መራሕቲ ክበሃሉ ዝጸንሑ፤ ኣብ 1981 ዝተወልደ መራሒ ጊኒ ኰሎነል ማማዲ ዶምቦያ፡ ከምኡ’ውን ኣብ 1983 ዝተወልደ መራሒ ማሊ ኰሎነል ኣሲሚ ጐኢታ ተጸንቢርዎም ኣሎ።

ካፕተን ኢብራሂም፡ መራሕቲ መንግስቲ እታ ሃገር ኣብ ዝተኣከቡሉ፡ “ካብቶም ኣብዚ ዘለኹም ኵላትኩምም ዝነኣስኩ ምዃነይ እፈልጥ እየ፣ እቲ ዝዀነ ዝደለናዮ ኣይነበረን ግን ከኣ ኣማራጺ ኣይነበረናን፡” ክብል ተዛሪቡ።

ተንተንቲ ከም ዘመልክትዎ፡ ኣብ ሓጺር እዋን መሪሕነት ‘ቲ ካብ ስልጣኑ ዝተገለፈ ኰሎነል ዳሚባ፡ ኣብ ቡርኩናፋሶ፡ ምስ ኣልቓዒዳ ምትእስሳር ዘለዎ እስላማዊ ጐነጽ እናሓያለ ክመጽእ ጸኒሑ እዩ።

ብመሰረት ጸብጻባት፡ እቶም ዕጡቓት ሓያለ ከባቢታት ገጠር ተቘጻጺሮም፡ ከተማታት ኣኽቢቦም፡ መንግስቲ ን 60 ሚእታዊት ክፋል እታ ሃገር ጥራይ ንኽቈጻጸር ኣጻቢቦምሉ እዮም።

ኣብታ ንነዊሕ እዋናት ወተሃደራዊ ዕብለላ ዝጸንሓ ሃገረ ቡርኪናፋሶ፡ ድልዱል ትካላት ዲሞክራሲ ኣይተሃንጸን፤ ካፕተን ኢብራሂም ድማ፡ ጸጥታዊ ኵነታት እታ ብፍርሒ ተዋሒጣ ዘላ ሃገሩ ከረጋግጽ ምዃኑ ቃል ኣትዩ’ሎ።

እዚ ትሽዓተ ኣዋርሕ ኣብ ዘይመልእ ግዜ ንኻልኣይ ግዜ ዝተኻየደ ዕልዋ፡ መርኣያ ናይቲ ኣብ 2021 ብዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ተላዒሉ ዝነበረ ኣሰካፊ ኵነታት ኰይኑ’ሎ።

ጉተረስ ኣብቲ እዋን፡ “ሓድነት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ብምርግጋጽ፡ ነዚ ኣሰካፊ ተርእዮ ኰይኑ ዘሎ ዕልዋ መንግስታት ብኣድማዕነት ንምክልኻሉ ምእንቲ ኽከኣል፡ ናብተን ሓያላት ሃገራት ዝቐንዐ ግልጺ ምሕጽንታ እዩ ዘሎኒ፡” ኢሉ ነይሩ።

እንተዀነ ሓያላን ሃገራት እንተስ ውሽጣዊ ቅልውላዋተን እንተስ ኲናት ዩክረይን ዓጢጡወን፡ ንከም በዓል ቡርኪናፋሶ ዝኣመሰላ ሃገራት ዝሕምስ ዘሎ ኵነታት ግዲ ኣይገበራሉን።

ምውላዕ ኲናት ዩክረይን ነተን ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት መቐናቕንቲ ዝነበራ ሃገራት ኣብ ምፍጣጥ ስለዝመለሰን፡ ጽልዋኡ ንቡርኪናፋሶን ካልኦት ሃገራትን ኣብ ዝተደናገረ ፖለቲካዊ ኵነታት ክነብራን ክሕመሳን ገይሩወን እዩ።

ሩስያ፡ ነታ ንነዊሕ ዓመታት ኣብተን ግዝኣታታት ዝነበራ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ቁጠባዊ፡ ወተሃደራዊ፡ ባህላዊ ዝምድናኣ ኣጽኒዓ ዝጸንሐት ፈረንሳ ኣወጻጺኣ፡ ኣብተን ሃገራት ጽልዋኣ ከተሐይል ትደሊ'ላ።

ካፕተን ኢብራሂም፡ “ፈረንሳ፡ ብቐጥታ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይና ምትእትታው ከምዘይትገብር እፈልጥ እየ፡” ድሕሪ ምባሉ፡ “ኣሜሪካውያን ሕጂ መሻርኽትና እዮም ዘለው፣ እንተዀነ ሩስያ’ውን መሻርኽትና ክንገብራ ንኽእል ኢና፡” ኢሉ።

እዚ ኣበሃህላኡ’ዚ፡ ኣብነት መዘናኡ መራሒ ማሊ ክኽተል ከም ዝደለየ ይእምት። መራሒ ማሊ፡ ኣንጻር ጂሃዳውያን ኣብ ዝገብሮ ቃልሲ፡ ንሓይልታት ፈረንሳ በቲ ኣካራኻሪ ዝዀነ ሩስያዊ ወተሃደራዊ ጕጅለ ዋግነር ይትክኦ ኣሎ ተባሂሉ እዩ ዝውቀስ።

እንተዀነ እዚ’ውን ዓወት ከም ዘየምጽኣሉን፣ እቲ ዝጸንሐ ህውከት ካብቲ ዕልዋ ዝተኻየደሉ ነሓሰ 2020 መሊሱ ከም ዝበኣሰ እዩ ዝንገር።

ካፕተን ትራኦረ፡ ጂሃዳውያን ብኸመይ ከም ዝገጥሞም ካብ ማሊ ተመኵሮ ወሲዱ እዩ።

ንሱ፡ ኣብ 2018 ምስ ሓይልታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ማሊ፡ ኣብታ ዘመናት ብዘቝጸረ ጥንታዊ ህንጻታት እትፍለጥ ሰሜናዊ ዞባ ቲምቡክቱ ወፊሩ፣ ብዕጡቓት ንዝተፈጸሙ “ኣዝዮም ኣሸገርቲ” መጥቃዕቲታት ንምብዳህ “ዝገርም ትብዓት” ከም ዘርኣየ እዩ ዝንገረሉ።

ኣብ ዝሰዓበ ዓመት፡ ኣብቲ ዕረፍቲ ዝተሳእኖ ምብራቓዊ ቡርኪናፋሶ ዝተኻየደ፡ “ኦታፑኣኑ” ተባሂሉ ዝተጸውዐ ንሸውዓተ ኣዋርሕ ዝኸደ ወተሃደራዊ ወፍሪ ተሳቲፉ እዩ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ሳሕል ኣብ ዝተኻየዱ ዝተፈላለዩ ወተሃደራዊ ስርሒታት’ውን ተሳቲፉ እዩ።

“ትራኦረ ምስ ብጾቱ ጥቡቕ ዝምድና ዘለዎ፡ ውፉይን ተባዕን እዩ። ንስርሒታት ከይወጸ፡ ሽዱሽተ ወርሒ’ውን ስቕ ኢሉ ኮፍ ክብል ኣይክእልን እዩ፡” ክብል ሓደ ስሙ ዘይተጠቕሰ ፈላጢኡ፡ ንራድዮ ኦሜጋ ቡርኪናፋሶ ተዛሪቡ።

እዚ ይዅን እምበር፡ ካፕተን ኢብራሂም ትራኦረ፡ ምዕሩግ ጀነራል ውግእ ኣይኰነን፤ ኣብ ወተሃደራዊ ኣካዳሚ ውሽጢ ዓዲ ጥራይ ዝተማህረ፡ ብ 2009 ኣብ ሰራዊት ዝኣተወ፡ ኣብ ሞሮኮ ታዕሊም ከቢድ ብረት ዝወሰደ ታሕተዋይ ወተሃደራዊ መኮንን እዩ።

ንሱ ሞያ ውትህድርና ዝሓረየ፡ ኣብታ ካልኣይቲ ከተማ ቡርኪናፋሶ ዝዀነት ቦቦ-ዲዮላስፖ ትምህርቲ ድሕሪ ምውድኡ ምዃኑ ይንገር።

ፈለጥቱ ከም ዝብልዎ ኣብ ትምህርቲ “ሓፋር ግን ከኣ በሊሕ” ስቱር ዓይነት ሰብን እዩ ነይሩ።

ኣብዚ እዋን ከኣ ካፕተን ትረኦረ ማእከል ኣህጉራዊ ቈላሕታ ዝዀነ መራሒ ሃገር ኰይኑ’ሎ። ብዙሓት ድማ ምስቲ ህቡብ ሰውራዊ ተቓላሲ ቡርኪናፋሶ ቶማስ ሳንካራ ከነጻጽርዎ ጀሚሮም ኣለው።

እዚ ኸኣ ኣብታ ንዓሰርተታት ዓመታት ሕጊ ተረጊጽዋ ፖለቲካዊ መድሕን ክመጽኣ ክተቋምት ዝጸንሐት ሃገር፡ ከምዚ ዝኣመሰለ መራሒ በሎኽ ኢሉ እንተመጽአ ዘገርም ኣይኰነን።

“ኢብራሂም ትራኦረ፡ ኣቐዲሙ ድሕሪ ዝተኻየደ ዕልዋ፡ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ብኻልእ ዕልዋ መሪሕነት እታ ሃገር መንዚዑ’ሎ፣ እዚ ኸኣ ምስ ኣመጻጽኣ ቶማስ ሳንካራ ዝመሳሰል እዩ። ክልቲኦም ብዕድመን ማዕርግን’ውን ይመሳሰሉ እዮም፣ ካፕተናትን ደቂ 34 ዓመትን እዮም።

እዚ ግን መቕይሮ መጻኢ እታ ሃገር ዝኸውን ምዕባለ ዶ ይኸውን?” ዋካታ ሴራ ዝተባህለ ብሕታዊ መርበብ ሓበሬታ ይሓትት።