እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቡርኪናፋሶ፡ ወተሃደራዊ መራሒ ድሕሪ ዕልዋ ብወግዒ ስልጣኑ ክለቅቕ ተሰማሚዑ
ዝሓለፈ ዓርቢ ብዕልዋ መንግስቲ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ወተሃደራዊ መራሒ ቡርኪናፋሶ፡ ብወግዒ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ከምዝተሰማምዐ መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን 'ታ ሃገር ገሊጾም።
እቲ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ሌተናል ኰሎነል ፖል-ሄንሪ ዳሚባ ስልጣኑ ዝለቀሉ ዘቐመጦ ቅድመ ኵነት፡ በቲ ሓድሽ መራሒ እታ ሃገር ምዃኑ ዘፍለጠ ካፕተን ኢብራሂም ትራኦረ ተቐባልነት ከምዘረኸበ፡ እቶም ዓበይቲ ዓዲ ገሊጾም።
እዚ መግለጺ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ትካላት ፈረንሳ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ስዒቡ ዝመጽአ ኰይኑ፣ ኣቐዲሙ ሌ/ ኰ ዳሚባ ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከር ፈረንሳ ተዓቚቡ ምህላው ተነጊሩ ነይሩ እዩ።
እዚ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ ዕልዋ፡ ኣብዚ ዓመት ዝተኻየደ ካልኣይ ዕልዋ መንግስቲ እዩ።
ኣብ ክልቲኡ ፍጻመታት፡ ከም ድርኺት ምምንዛዕ ስልጣን ዝቐርብ ምኽንያታት፡ እታ ሃገር ኣትያቶ ዘላ ኣሰቃቒ ጸጥታዊ ኵነታትን፡ ፍሽለት ንብድሆ እስላማዊ ምንቅስቓስን እዩ።
ቡርኪናፋሶ ክሳብ 60 ሚእታዊት ካብ ግዝኣታ ጥራይ ትቈጻጸር ከምዘላ ክኢላታት የመልክቱ፤ እስላማዊ ዓመጽ ድማ እናገደደ ይመጽእ ከምዘሎ እዩ ዝግለጽ።
ሕብረት ኣፍሪቃ ምስ ዞባዊ ቍጠባዊ ማሕበረሰብ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ (ኢኮዋስ) ብምስምማዕ፡ ኣብታ ሃገር እንተወሓደ ክሳብ ሓምለ 2023 ቅዋማዊ ስርዓት ክምለስ ሓቲቱ ነይሩ፤ ምብራር ሌ/ ኮ ዳሚባ ኸኣ "ኢ-ቅዋማዊ" ክብል ገሊጽዎ።
ኢኮዋስ ኣቐዲሙ፡ እታ ሃገር ናብ ሲቪላዊ ምሕደራ ንኽትምለስ ኣብ እትሰርሓሉ ዘላ እዋን፡ ወተሃደራት ስልጣን ክምንዝዑ "ዘይግቡእ'ዩ" ክብል ገሊጹ።
እቲ ስልጣን ሒዙ ዝጸንሐ ኰሎነል ዳሚባ፡ ዛጊት ብቐጥታ ዝተዛረቦ ነገር የለን።
እንተዀነ፡ እቶም መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን፡ ኰሎነል ዳሚባ ባዕሉ፡ "ክስዕብ ንዝኽእል ከቢድ ሰብኣውን ንዋታውን ዕንወት ንምግታእ" ስልጣኑ ክለቅቕ ከም ዘረጋገጸሎም ምግላጾም፡ ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ይሕብር።
ምስዚ ተተሓሒዙ፡ ዳሚባ ስልጣኑ ክለቅቕ እንተዀይኑ፡ ውሕስነት ድሕነቱ ክረጋገጽ፡ እቲ ክግበር ዝጸንሐ ጻዕሪታት ንሃገራዊ ዕርቂ ክቕጽል፡ ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ሲቪላዊ ምሕደራ ንኽምለስ ውሕስነት ክህሉ ዝብሉ ዝርከብዎም፡ ክፍጸሙ ኣለዎም ዝበሎም 7 ቅድመ ኵነታት ኣቐሚጡ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።
እቲ ሕጂ ስልጣኑ ዝተመንዝዐ ኮሎነል፡ ነቲ ኣብታ ሃገር እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ዕጡቕ እስላማዊ ዓመጽ ክገጥሞ ኣይከኣለን ኢሉ ብምኽሳስ እዩ፡ ንፕረዚደንት ሮኽ ካቦረ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ‘ዚ ዓመት’ዚ ካብ ስልጣኑ ኣውሪድዎ ነይሩ።
ኣብታ ቡርኪናፋሶ ዝነብሩ ብዙሓት ዜጋታት፡ ውሕስነት ካብ ዝስእኑ ነዊሕ እዋን ኰይኑ ምህላዉ እዩ ዝግለጽ።
ኣብ 2015 ዝተላዕለ እስላማዊ ምንዕዓብ፡ ኣሽሓት ሰባት ክሞቱን ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ሰባት ድማ ካብ ቤት ንብረቶም ክፈናቐሉን ምኽንያት ኰይኑ እዩ።
ቡርኪናፋሶ ኣብ 1960 ናጽነት ካብ እትረክብ ንነጀው ንታሽዓይ ግዜኣ ዕልዋ መንግስቲ ተአንግድ ኣላ።