ብዕልዋ ናብ ስልጣን ዝመጸ መራሒ ቡርኪናፋሶ ብዕልዋ ተኣልዩ

ሓለቓ ሰራዊት ቡርኪናፋሶ ኢብራሂም ትራኦረ፡ ንሌተናል ኮሎኔል ፖል-ሄንሪ ዳሚባ ካብ ስልጣኑ ከምዘውረዶ ኣብ ቴሌቪዥን እታ ሃገር ቀሪቡ ኣፍሊጡ።

ሌተናል ኮሎኔል ዳሚባ፡ ነቲ እስላማዊ ናዕቢ ፍታሕ ክገብረሉ ኣይክኣለን ዝበለ እቲ ሓለቓ ሰራዊት ወሲኹ’ውን ዶባት ንዘይተወሰነ እዋን ከምዝተዓጽወን ኩሉ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ከምዝተቛረጸን ገሊጹ።

ብትራኦረ ዝተፈረመ መግለጺ፡ ዳሚባ ኣብ ሕቶ ጸጥታ ከተኩር ንምግባር ብዙሕ ግዜ ከምዝፈተኑ ይሕብር።

"ተግባራት ዳሚባ ካብቲ ክነሳኽዖ ዝተበገስናሉ ዕላማ ይጥምዝዝ ከምዘሎ ኣእሚኑና። ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ ዳሚባ [ካብ ስልጣን] ክእለ ወሲንና" ይብል።

ካብ ምሸት ሰዓት 9 ክሳብ ንግሆ ሰዓት 5 ዕጽዋ እውን ተኣዊጁ’ሎ።

ሃለዋት ሌተናል ኮሎኔል ዳሚባ ግን ኣይተፈልጠን።

ኣሜሪካ ኣብ ቡርኪናፋሶ ብዘጋጠሙ ፍፃመታት "ኣዝያ ከምዘሻቐለት" ብምግላፅ ዜጋታታ ኣብታ ሃገር ዝግበር ምንቅስቓሳት ክድርቱ ኣተሓሳሲባ።

ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ፡ "ኩሎም ኣካላት ናብ ህድኣት ክምለሱ ንጽውዕ" ኢሉ።

ዞባዊ ማሕበረሰብ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ (ኢኮዋስ)፡ "ብዘይሕገ መንግስታዊ መንገዲ ስልጣን ምውሳድ” ከምዝቃወም ብምርግጋጽ ነቲ ስጉምቲ ኮኒኑ።

ሌተናል ኮሎኔል ዳሚባ፡ ወረ ዕልዋ መንግስቲ እናሓየለ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ ኣብ ሞንጎ ገለ ወተሃደራት "ምቅይያር ስሚዒት" ዝተፈጥረ "ህውከት ዝመልኦ ኩነታት" ከምዘሎ ገሊጹ ነይሩ።

ሰባት ክሃድኡን ካብ ግምታት ማሕበራዊ መራኸቢታት ክቑጠቡን ዘተሓሳሰበ እቲ ወተሃደራዊ መራሒ፡ "ህድኣትን ቅሳነትን ንምምላስ ድርድር ይካየድ ኣሎ" ምባሉ’ውን ይዝከር።

ሌተናል ኮሎኔል ዳሚባ፡ ነቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ዕጡቕ እስላማዊ ዓመጽ ክስዕር ከምዘይከኣል ብምግላጽ፡ ንፕረዚደንት ሮች ካቦረ ካብ ስልጣኑ ዘውረዶ ኣብ ወርሒ ጥሪ ነይሩ።

ዓርቢ ድሕሪ ቀትሪ ገለ ሰልፈኛታት ናብ ጎደናታት ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ወጺኦም፡ ሌተናል ኮሎኔል ዳሚባ ካብ ስልጣን ክእለይ ጸዊዖም ነይሮም።

ብሰንኪ እቲ ኣብ 2015 ኣብ ቡርኪናፋሶ ዝተወልዐ እስላማዊ ናዕቢ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ሞይቶም፡ ኣስታት ክልተ ሚልዮን ዝግመቱ ድማ ተመዛቢሎም እዮም።

እታ ሃገር ኣብ 1960 ናጽነት ካብ እትረክብ ንደሓር ሸሞንተ ዕዉታት ዕልዋ መንግስቲ ከምዝተኻየዱ ይፍለጥ።