ኣብ ቡርኪናፋሶ ብዝተፈፀመ ምፍንጃር ነታጒ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ተቐቲሎም

ኣብ ቡርኪናፎሶ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 35 ሰላማውያን ሰባት ከምዝተቐተሉ ተገሊፁ።

እቲ መጥቃዕቲ ጂሃዳውያን ዕጡቓት ኣብ ዝንቀሳቐስሉ ከባቢ ይጓዓዝ ኣብ ልዕሊ ዝነበረ ቃፍላይ ከምዝተፈፀመ ሰብመዚ ገሊፆም።

በቲ ንከተማታት ጅቦን ቡርዛንጋን ኣብ ዘራኽብ መስመር ጽርጊያ ዝተፈፀመ ምፍንጃር ነታጕ ካልኦት ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ከም ዝቖሰሉ'ውን ተሓቢሩ።

ብሰራዊት እታ ሃገር ዝተዓጀበ ቃፍላይ፡ ናብተን ብሚሊሻታት ዝተቖረፃ ከተማታት ቀረባት ንምብፃሕ እየን ዘገልግላ።

ኣብ ቡርኪናፋሶ ፀገማት ፀጥታ ክነውሕስ ኢና ብዝብሉ ወታሃደራት ዝምራሕ ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ’ኳ እንተተኻየደ፡ ህይወት ሰባት ዝቐዝፉ መጥቃዕትታት ግና ይውስኹ ኣለው።

ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት፡ ኣብ ቁሸታት፣ ኣብ ልዕሊ ፖሊስን ወተሃደራዊ ቦታታትን መጥቃዕቲ ክፍፅሙ ፀኒሖም እዮም።

ካብ መንጎ እተን ኣብቲ ቃፍላይ ዝነበራ ተሽከርከርቲ ሓንቲ፡ ተቐቢሩ ንዝነበረ ተፈንጃሪ ከምዝረገጸት ምምሕዳር እቲ ከባቢ ገሊጹ። ዛጊት ነቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደሉ ኣካል የለን።

ሓደ ነባሪ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቶም ግዳያት ካብ ዋና ከተማ ኦጋዶጉ ኣቑሑት ንምዕዳግ ይጓዓዙ ዝነበሩ ነጋዶን ናብታ ከተማ ይምለሱ ዝነበሩ ተምሃሮን ከምዝኾኑ ገሊፁ።

መንግስቲ እታ ሃገር በቶም ሚሊሻታት ዝፍፀሙ መጥቃዕትታት ንምክልኻል፡ እቲ ሰራዊት “መጥቃዕቲ” ኣሐዪሉ ከምዝቐፀለን፡ ምስ ገለ ዕጡቓት ጉጅለታት’ውን ልዝብ ከምዝጀመረን ገሊፁ።

እዚ ስትራተጂ፡ ብዙሓት መናእሰይ ዕጥቆም ክፈትሑን ናብ ማሕበረሰቦም ክምለሱን ከምዝሓገዘ እዩ መንግስቲ ዝምጕት።

ወተሃደራዊ መራሒ ሌተናል ኮሎኔል ፖል-ሄንሪ ዳሚባ፡ ፀገማት ፀጥታ እቲ ዞባ ብሓባር ብኸመይ ምፍታሕ ከም ዝከኣል ንምዝታይ ምስ መራሒ ማሊ ድሕሪ ምርኻቡ እዩ፡ እዚ ሓድሽ መጥቃዕቲ ተፈፂሙ ዘሎ።

ፕረዚደንት ቡርኪናፋሶ ሮች ካቦረ፡ መንግስቲ ነዚ ብእስላማውያን ዕጡቓት ዝፍፀም መጥቃዕቲ "ክምክቶ ብዘይምኽኣሉ" ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ብወተሃደራት እታ ሃገር ካብ መዝነቱ ከም ዝተዓለወ ይዝከር።

ሌተናል ኮለኔል ዳሚባ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ከም ፕረዝደንት ቃለ-መሓላ ኣብ ዝፈፀመሉ እዋን፡ “ነዚ ኵናት እዚ ንምስዓር ልዕሊ እቲ ዝጥለብ ነገር ኣለና” ኢሉ ነይሩ።

እንተኾነ ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ ይፍፀሙ ብዘለዉ መጥቃዕትታት፡ ዜጋታት እታ ሃገር ውሑሳት ኣይኰኑን።

ሓደ ጉጅለ ትካላት ረድኤት ብሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ኣስታት ዓሰርተ ሚእታዊት ካብቲ ህዝቢ፡ ብሰንኪ እቲ ዘሎ ጐንፂ ካብ መረበቱ ከምዝተመዛበለ ሓቢሩ።

እቲ ሓበሬታ ወሲኹ፡ ኣብ ቀዳሞት ሽዱሽተ ኣዋርሕ ናይዚ ዓመት፡ ካብቲ ኣብ መላእ 2011 ካብ ዝሃደሙ፡ ብዕጽፊ ዝበዝሑ ሰባት ከምእተመዛበሉ ኣረዲኡ።