ፈረንሳ ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ሰራዊታ ክትንኪ እያ

ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን ምንካይ ሰራዊት ኣብ ኣፍሪቃ ዝብል ፈረንሳ እትኽተሎ ሓድሽ ስትራተጂ ወግዓዊ ገይሩ።

ብመሰረት እቲ መግለጺ፡ ፈረንሳ ኣብ ኣፍሪቃ ዝጸንሓ ብዝሒ ሰራዊት ብምንካይ እቲ ዝጐድል ቁጽሪ ብሰራዊት እታ ኣህጉር ከምዝምላእ ክትገብር እያ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ ሩስያ ንሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ተወሳኺ ወተሃደራዊ ደገፍ ክትህብ ምዃና ድሕሪ ምሕባር ሒደት ሳምንቲ እዩ።

ፕረዚደንት ማክሮን ብዙሓት ሓያላት ዓለም ሃገራት ኣብ ኣፍሪቃ ጽልዋን ተጽዕኖን ክፈጥሩ ቁርቁስ ቅድሚ ምጅማሮም እዩ ነቲ ሓድሽ ስትራተጂ ኣሚሙዎ።

ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከብ ወተሃደራዊ መደበራት ፈረንሳ ከኣ ካብ ቀደም ዝጸንሐ ጥንታዊ ፈረንሳዊ ውርሻ እዩ ክብል ገሊጽዎ።

ይዅን እምበር፡ ሃገሩ ንውድቀት እቶም ኣብ ምድረ ሳሕል ዝጫጭሑ ዘለው ጥሩፋት ጕጅለታት መመኽነይታ ፍሽለት ክትከውን የብላን ኢሉ።

ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ኣብቲ ዞባ ኣንጻር ዕጡቓት ኣሸበርቲ ክዋግኡ ዝጸንሑ ሓይልታት ፈረንሳ፡ ሃገረ ማሊ ንጕጅለ ዋግነር ካብ እትዕድም ንደሓር ነታ ሃገር ገዲፎማ ወጺኦም እዮም።

ፕረዚደንት ማክሮን፡ ነቶም ጕጅለ ናይ ዝፈሸሉ መንግስታት ናይ ህይወት መድሕን እዩ ክብል ገሊጽዎ።

ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ'ውን ሰራዊት ፈረንሳ ካብ ቡርኪናፋሶ ክወጽኡ ዝዕድም ናዕቢ ተለዓዒሉ ነይሩ።