እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሰሜን ኮርያ ሚሳይላት ድሕሪ ምውንጫፋ፡ ካማላ ሃሪስ ደቡብ ኮርያ ኣትያ
ምክትል ፕሬዝደንት ኣሜሪካ ካማላ ሃሪስ፡ ሰሜን ኮርያ ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ክልተ ሓጺር ርሕቐት ዘለዎም ባላስቲክ ሚሳይላት ምስ ኣወንጨፈት ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ኣብ ደቡብ ኮርያ ምብጻሕ ንምግባር ኣትያ።
እቲ ስጉምቲ፡ እገዳታት ኣሜሪካ ዝጥሕስ ኰይኑ፡ ኣሜሪካን ደቡብ ኮርያን ኣብ ማያት ጥቓ ሓውሲ ደሴት ኮርያ ሓበራዊ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ ምጅማረን ስዒቡ ዝወሰደቶ ስጉምቲ እዩ።
ሰብ መዚ ደቡብ ኮርያን ጃፓንን “ምትንዃይ” ክብሉ ኰኒኖም። ሰሜን ኮርያ፡ ኣብዚ ሰሙን ጥራይ ክልተ ግዜ ሚሳይል ኣወንጪፋ ኣላ።
ካማላ ሃሪስ፡ ኣብ ደቡብ ኮርያ ኣብ እትገብሮ ምብጻሕ፡ ክልቲአን ኮርያ ናብ ዝፈልየን ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ከይገበረሉ ስምምዕ ዝተበጽሓሉ ዞባን ዶብን ክትጉዓዝ እያ።
ትማሊ፡ ኣብ ጃፓን ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ንዝርከቡ ወተሃደራት ኣሜሪካ ዘረባ ከተስምዕ እንከላ፡ ሰሜን ኮርያ ኣብ ቀረባ ንዝገበረቶ ምውንጫፍ ሚሳይላትን “ዞባዊ ምርግጋእ ኣብ ሓደጋ ዘጥሕል ዘይሕጋዊ ፕሮግራም ኣጽዋር” ንዝበለቶን ኰኒና።
ክልቲአን ኮርያ፡ ዓቕሚ ሰራዊት ምክልኻለን የሐይላ ብምህላወን ሰሜን ኮርያ ኒዩክሌር ጠጠው ክተብል ዝግበሩ ዝነበሩ ዝርርባት ፍረ ኣየፍረዩን።
ኣብቲ ሰሙን - እቲ ናይ መጀመርታ ሚሳይል፡ ኣሜሪካን ደቡብ ኮርያን ሓበራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ቅድሚ ምጅማረን ብሰንበት ዘወንጨፈቶ ኰይኑ - ካብ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ንፈለማ ግዜ እዩ።
ኣብዚ ዓመት ግን፡ ልዕሊ 30 ኣጽዋር ንፈተነ ኣወንጪፋ እያ፤ እዚ ድማ ምስ ሕሉፍ እንትነጻጸር እቲ ዝበዝሐ ፈተነ ዝገበረትሉ ዓመት እዩ።
ሰብ መዚ ደቡብ ኮርያ፡ እቶም ትማሊ ሮቡዕ ዝተወንጨፉ ሚሳይላት 360 ኪሎ ሜትሮ ርሕቐትን 30 ኪሎ ሜትሮ ብራኸን ዝውንጨፉ’ዮም ኢሎም።
“ትንኰያ ሰሜን ኮርያ፡ ዓቕሚ ምክልኻልን ምላሽ ምሃብን ኣሜሪካን ደቡብ ኮርያን ዝያዳ ዘጠናኽር፤ ሰሜን ኮርያ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ክትግለል ዝገብር እዩ” ክትብል ደቡብ ኮርያ ገሊጻ።
ተንተንቲ፡ ስጉምቲ ሰሜን ኮርያ፡ ነቲ ክልቲአን ሃገራት ጀሚረንኦ ዘለዋ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ ዝተዋህበ ምላሽ እዩ ይብሉ።
እቲ ንኣርባዕተ መዓልታት ዝጸንሕ ሓበራዊ ልምምድ፡ ካብ 2017 ጀሚሩ ንፈለማ እዋን ዝካየድ ዘሎ እዩ።
ኣምባሳደር ሰሜን ኮርያ፡ ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን ኣብ ኣኼባ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘስምዖ ዘረባ፡ ንወተሃደራዊ ልምምድ ደቡብ ኮርያን ኣሜሪካብ ብምንቃፍ፤ ነቲ ዞባ “ናብ ጫፍ ኲናት” የምጽእኦ ኣለዋ ክብል ወቒሱ።
ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ እትኽተሎ “ተጻባኢ ፖሊሲ”፡ ምኽንያት እቲ ሕጂ ዓለም “ናብ ዝኸፍአ ምዕራፍ እትኸደሉ ዘላ” ኩነታት እዩ ኢሉ።
ክልቲአን ሃገራትግን፡ እቲ ዘካይድኦ ዘለዋ ወተሃደራዊ ልምምድ፡ እቲ ዞባ ንምርግጋእ ዝዓለመ’ዩ ይብላ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ናብ ስልጣን ዝመጽአ ፕሬዝደንት ደቡብ ኮርያ ዮን ሱክ-ዮል፡ ስግኣት ሰሜን ኮርያ ንምክልኻል ምስ ኣሜሪካ ዘለዎ ርክብ ኣብ ምጥንኻር ትኹረት ገይሩ ክሰርሕ እዩ ጸኒሑ።