እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብዛዕባ መረጻ ብራዚል ክትግደሱሉ ዘለኩም ሰለስተ ነጥብታት
ኣብ ዝመጽእ 2 ጥቅምቲ ሓያሎ ኣድመጽቲ ብራዚላውያን ሃገራዊ መረጻ ከካይዱ እዮም። እቲ መረጻን መስርሑን ኸኣ ንፖለቲካዊ ስርዓትን ኵነታት እታ ሃገርን "ወሳኒ ፈተና" ምዃኑ ተዓዘብቲ ይገልጹ።
ልዕሊ 150 ሚልዮን ሰባት፡ ኣመሓደርቲ መንግስትን ኣባላት ቤት ምኽርን ከምኡ'ውን ኣባላት ፓርላማን ክመርጹ እዮም። እንተዀነ እቲ ቀንዲ ኣቓልቦ ኣብ መንጐ እቶም ንፕረዚደንትነት ዝወዳደሩ ጃይር ቦልሶናሮን ፕረዚደንት ነበር ሉዊዝ ኢንኣቺዮ "ሉላ" ዳ ሲልቫን ክኸውን እዩ።
ካብቶም 11 ሕጹያት 50% ድምጺ እንተ ዘይተረኺቡ፡ ውጽኢት ናይዚ ኣብ መንጎ እቶም ክልተ ሕጹያት ልዑል ተወዳዳርነት ዘለዎ ፖለቲካዊ ሓሳባት ክንዮ ዶባት እታ ኣብ ላቲን ኣሜሪካ ዝዓበየትን ዝበዝሐ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ከቃልሕ እዩ።
ዓለም ድሮ ነቲ ኵነታት ብንቕሓት ትከታተሎ ኣላ - ምናልባት እውን ኣሜሪካ፡ መንግስቲ ቦልሰናሮ፡ ነቲ ብኤሌክትሮኒካዊ መገዲ ዝወሃብ ድምጺ፡ "ደሞክራስያዊ መስርሕ ክኽበር" ጸዊዓ ኣላ።
ኣብዚ ቀረባ ግዜ (ማለት ብ22 መስከረም) ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንሰበስልጣን እታ ሃገር፡ ሕጹያትን ፖለቲካዊ ውድባትን ብራዚል፡ እቲ ሓፈሻዊ መረጻ ብሰላማዊ ኣገባብ ክካየድን፡ ናዕቢ ዘይብሉ ሰላማዊ ርትዓዊ መረጻ ክኸውንን ከምዝግባእ ምሕጽንታኡ ገሊጹ ኣሎ።
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ መረጻ እታ ሃገር፡ ሓያሎ ተዓዘብቲ ኣህጉራውያን ትካላት፡ ነቲ ኵነታት ንምክትታል ናብ ብራዚል ክጕዓዛ ትጽቢት ይገብረለን ።
እቶም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሰባት ንመረጻ 02 ጥቅምቲ ግን ብምኽንያት እቲ ውዑይ ዘሎ ፖለቲካዊ ኵነታት ጥራሕ ኣይኰነን ዝርእዩዎ፤ ሕቶ ጫካ ኣማዞን'ውን ዓቢይ ቈላሕታ ይህቡዎ እዮም።
ሕቶ ጫካ ኣማዞን
ኣብዚ መረጻ'ዚ፡ መጻኢ ዕድል እቲ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ዓበይቲ ጫካታት በዞም ክልተ ቀንዲ ሕጹያት ኣብ ሓደጋ ከይወድቕ ስክፍታ ኣሎ።
ፕረዚደንት ነበር ሉላ፡ ኣብቲ ካብ 2003 ክሳብ 2010 ንኽልተ እብረ ንብራዚል ኣብ ዝመርሓትሉ እዋን፡ ዘይሕጋዊ ምብራስ ኣግራብ፡ ዕደናን ዘይሕጋዊ ምርባሕ ከብትን ዝኣመሰለ ነገር ኣብ ምዕጋት ልዑል ተራ ተጻዊታ ነይራ። ብዝገበረቶ ጻዕሪ ከኣ ነቲ ኣብ ኣማዞን ዘሎ ፍጥነት ምብራስ ኣግራብ ከም ዝጐድል ገይራ ነይራ። እዚ ከኣ ክሊማዊ ለውጢ ንምምካት ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ዓቢይ ግደ ኣለዎ ።
ቦልሶናሮ ኣብ 2018 ኣብ እተገብረ መረጻ ቅድሚ ምዕዋቱ፡ መጠን እቲ ጥፍኣትን ምብራስ ኣግራብን ኣቐዲሙ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ በጺሑ'ኳ እንተ ነበረ፡ ኣብ ጥሪ 2019 ቃለ-ማሕላ ካብ ዝፈጸመሉ ንደሓር ጥራይ እቲ ዕንወት ብዓቢይ ፍጥነት ቀጺሉ። ኣብ ብራዚል ዝመደበሩ ትካል ምርምር ከባቢ ኣማዞን፡ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብዚ ዓመት እዚ፡ ኣብ ምሕደራ መንግስቲ ቦልሶናሮ ምብራስ ኣግራብ ብ57% ከም ዝወሰኸ ገሊጹ።
እቲ የማናዊ ፖለቲካዊ ስነ ሓሳብ ዝኽተል ፕረዚደንት፡ ኣብ ኣማዞን ዝግበር ንግዳዊ ዳህሳስ ንኽቕጽል ብጋህዲ እዩ ዝጣበቐሉ። ነቲ መበቈላዊ መሬት ደቀባት ክዕቀብ ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ካብ ዘይቅበሉን ካብ 1988 ንደሓር ደቀባት ንዝነብርሉ መሬት ንምኽላል ክታሙ ዘየንበረን ፈላሚ መራሒ ብራዚል እዩ።
ሃገራት ወጻእን መንግስታትን ኵነታት ዕቃበ 'ቲ ኣከባቢ የተሓሳስበን እዩ። ወሃብ ቃል ግሪንፒስ ታስ ባንዋርት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እዚ መረጻ’ዚ "ብርሰት ኣከባብያዊ ውርሻና ከምዘይጽወር መልእኽቲ ክሰድድ ኣለዎ" ኢሉ።
ተመራመርቲ ስነፍልጠት፡ ጫካ ኣማዞን ናብቲ 'ባይታ ዕንወት’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኵነታት ይቐርብ ከም ዘሎ ብምጥንቃቕ፡ “እቲ ዱር ብሰንኪ ደርቅን ባርዕ ሓውን ነብሱ ንምሕዳስ ኣብ ዘይክእለሉ ኵነታት ክበጽሕ ይኽእል እዩ” ይብሉ።
"ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ምምሕዳር ቦልሶናሮ፡ ብመደረ፡ ብተግባራትን ስጕምትታትን፡ ንዜጋታት እታ ሃገር ይዅን ንተጣበቕቲ ከባብያዊ ዕቃበን ንደሞክራሲን ዘለዎ ንዕቀት ኣርእዩ እዩ።"
ቦልሶናሮ ዝያዳ ናይ ኣማኻሪ ተራ ከምዝጻወት እዩ ዝገልጽ። ኣብዚ ወርሒ’ዚ ኣብ ሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ እተገብረ ኣኼባ፡ እቲ ፕረዚደንት፡ ኣብ ከባቢያዊ ጉዳያት ዘለዎ ተራን ተገዳስነትን ብማዕከናት ዜና ግቡእ ቈላሕታ ከምዘይተዋህቦን ከም ዘይተገልጸን ተዛሪቡ።
"ብመንጽር ኣከባቢን ቀጻልነቱን ክርአ እንከሎ፡ ብራዚል ኣካል መፍትሕን መወከሲት ዓለምን እያ" ከኣ ኢሉ።
ብራዚል ብቝጠባን ብፖለቲካን ኣገዳሲት እያ
ኣብ ላቲን ኣሜሪካ እታ ዝዓበየትን ዝበዝሐ ህዝቢ ዝነበረላን ሃገር ኣብ ርእሲ ምዃና፡ ብራዚል ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለም ዝርከባ 15 ሓያል ቊጠባ ዘለወን ሃገራት እያ። ኣብ እተወሰነ ጽላታት ንግዲ ዓለም እውን ልዑል ተራ ኣለዋ።
ብራዚል ከም ሶያቢንስ፡ ስጋን ሓጺንን ዝኣመሰለ ኣቕሑ ብብዝሒ እተፍሪ ሃገር ኰይና፡ ቀንዲ መሻርኽቲ ንግዲ ኣሜሪካን ቻይናን እያ። ኣብዚ ቅድመ መረጻን ድሕሪኡን ዝህሉ ዕግርግርን ከኣ ኣብ መላእ ዓለም ሻቕሎት ክፈጥር ግድን እዩ።
ብራዚላዊ ክኢላ ማሕበረሰብን ኣህጉራዊ ርክባትን ሊዮናርዶ ፎንትስ፡ ብሰንኪ'ቲ ቦልሶናሮ ብተደጋጋሚ ብዛዕባ ኤለክትሮኒካዊ ስርዓተ-ድምጺ ዘቕረቦ ሕቶ፡ እቲ "ዕሸል ደሞክራሲ" እታ ሃገር ኣብ ፈተና ክወድቕ ከምዝኽእል፣ ደገፍቲ እቲ ትሮፒካዊ ዶናልድ ትራምፕ ብዝብል ቅጽል ዝፍለጥ ቮልሶናሮ፡ ድሕሪ እቲ መረጻ፡ ከምቲ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ካፒቶል ብ6 ጥሪ 2021 [ብደገፍቲ ትራምፕ] ዝተገብረ ዕግርግር ክገብሩ ከም ዝኽእሉ ግምታት ሂቡ ኣሎ ።
"ከምቲ ኣብ ሓያሎ ምዕራባውያን ሃገራት ዝተራእየ ስርዓት ዲሞክራሲ ኣብ ሓደጋ ኣትዩ ስለ ዘሎ፡ ኣብ ብራዚል እውን ድሮ ምልክታት ንርኢ ኣለና” ብምባል ፎንትስ ተዛሪቡ። "ቦልሶናሮ ስዕረት እንተጋጢሙዎ እንታይ ከም ዝገብር ክንግንዘብ ኣለና። ኣብ ብራዚል ዲሞክራሲ ይፍተን ከምዘሎ ክንዛረብ ግን ቅኑዕ እዩ" ኢሉ።
ቦልሶናሮ ኣብ ብራዚል ንዝነበረ ሕጊ ዋንነት ሽጉጥ/ብረት ስለዘፍኮሰ ኣብታ ሃገር ዕጥቂ ብረት ኣስፋሕፊሑ እዩ። ካብ 2018 ኣትሒዙ፡ ቍጽሪ እቲ ኣብ ኢድ ውልቀ ሰባት ዘሎ ብረት ናብ ኣስታት ክልተ ሚልዮን ዓሪጉ ከም ዘሎ፡ ንወተሃደራትን ፖሊስን ብራዚል ዝመዝን ሶር ዳ ፓዝ ዝተባህለ ንድሕነት ብራዚል ዝድህስስ ጕጅለ ሓሰብቲ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ገሊጹ።
ኣካያዲ ስራሕ ሶር ዳ ፓዝ ካሮሊና ሪካርዶ፡ "ሎሚ፡ ብረት ንዝዓጠቑ ሰላማውያን ሰባት ዝቈጻጸሩ ሰራዊት እዮም ዘለዉና፣ እዚ ኵነታት እዚ ከኣ ኣዝዩ ኣሰካፊ እዩ" ኢሉ።
እቲ ናይ ሓቂ ሰራዊት ድሕሪ እቲ መረጻ እንታይ ግደ ክህልዎ ከም ዝኽእል እውን ስክፍታታት ኣሎ። ብራዚል ካብ 1964 ክሳዕ 1985 ብወተሃደራዊ ሓይሊ እያ ትመሓደር ነይራ። ፕረዚደንት ቦልሶናሮ ናይ ቀደም ኣባል ሰራዊት ካፒቴን እዩ። ዳሕራይ ምክትል ፕረዚደንት ዝዀነ ምክትሉ ነበር ሃሚልተን ምብሮ ከኣ ጀነራል እዩ። ይዅን እምበር፡ ወተሃደራዊ ክኢላታት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንቢቢሲ ከም ዝሓበርዎ፡ ኣብ ውሽጢ ወተሃደራዊ ዓንኬል ዕልዋ መንግስቲ ናይ ምግባር ሸውሃት ዘሎ ኣይመስልን ክብሉ ገሊጾም።
እቲ ካልእ ዓውዲ ኲናት ግን እቲ ናይ ሓበሬታ ምዝንባዕ ግንባር እዩ። ኣብ እዋን ጎስጓስ መረጻ ብፍላይ፡ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ተጠቒምካ ወረታት ኣብ ምዝርጋሕ ብፍላይ ድማ ነቲ ኣብ ብራዚል ብቕጽበት ኣብ ኣገልግሎት ዝውዓለ ዋትስኣፕ ብዝምልከት ንጹር ስክፍታታት ኣሎ።
ዋና ዳይረክተር ህዝባዊ ፖሊሲ ብራዚል ዳርዮ ዱሪጋን፡ ንብራዚላዊት ጋዜጣ ኢስታዶ ደ ስሪ ፓውሎ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መጠይቕ፡ እቲ ብ2 ጥቅምቲ ዝካየድ ምርጫ ነታ ኣብ ዓለም ዝለዓለ ተራ ዘለዋ ኩባንያ ሜታ ኣገዳሲ ከም ዝዀነ ገሊጹ ኣሎ ።
"[ብራዚል] ኣብ ሓደገኛ ኩነታትን ዓቢ ወጥርን እትርከብ ተኣፋፊት ሃገር እያ” ክብል ገሊጹዋ ዱሪጋን ።
ምልሶት [ፖለቲካዊ ስርዓት] ሕሉፍ የማን
ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ብራዚል ካብ ዝተገብሩ መጽናዕቲታት “ሉላ” ልዕሊ መሪሕነት ቦልሶናሮ ተቐባልነት ከምዘለዎ ይሕብር። ከምኡ ክበሃል እንከሎ ግን እቲ ፕረዚደንት ነበር ንተቐናቓኒኡ ክስዕር እኹል ድምጺ ክረክብ ይኽእል እዩ ማለት ኣይኮነን።
እቲ ፖለቲከኛ ጸጋማዊ ክንፊ ግን ነቲ ኣብ ካልኣይ ዙር ዝግበር ውድድር ክስዕሮ ከምዝኽእል እዩ ዝሕበር።
ኣብዘን ዝሓለፋ ሒደት ዓመታት፡ ኣብ እተፈላለያ ሃገራት፡ ማለት ኣብ ቀረባ ግዜ ከኣ፡ ኣብ መረጻ ኢጣልያ እተረኽበ ዓወት ጆርጂያ ሜሎኒ፡ የማናውያን መራሕቲ ፖለቲካ ይዕወቱ ከምዘለዎ ዘርኢ ከምዝኾነ ተመራመርቲ ይገልጹ።
እዚ ከኣ ኣብ ዝዀነ ይዅን ኣንፈት ዓቢይ ጽልዋ እዩ ዘለዎ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኪንግስ ለንደን ዝርከብ ኮለጅ ስነ ፍልጠት መጽናዕቲ ዝገብር ዶክተር ቪኒሲዩስ ደ ካርቫሎ፡ "ብራዚል ብቝጠባን ፖለቲካን ኣገዳሲት ሃገር እያ፣ ስለዚ፡ እዚ ነቶም ሕሉፍ የማናዊ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ብደሆ ክዀኖም ይኽእል’ዩ" ኢሉ ይኣምን።
ዶክተር ካርቫሎ ኣስዒቡ፡ "ብራዚል ኣብ መላእ ዓለም ክልቲኦም ሰልፍታት [ሕሉፍ የማንን ጸጋምን] ጕሉሕ ፖለቲካ ዓወት ኣብ ዘካይድሉ እዋን እያ መረጻ እተካይድ ዘላ” ኢሉ።