ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ቀዳማይ ሚኒስተር ስዑዲ ዓረብ ኮይኑ

ወራሲ ዘውዲ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ቀዳማይ ሚኒስትር ኮይኑ ተመዚዙ።

እዚ ስልጣን እዚ ብባህሊ እቲ ንጉስ ዝሕዞ'ኳ እንተነበረ ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ብሚኒስተር ምክልኻልን ዝተገልጸ ንጉሳዊ ኣዋጅ ግን ካብቲ መሰረታዊ ሕጊ ዝተፈልየ እዩ።

እቲ ወዲ 37 ዓመት ወዲ ንጉስ ሳልማን ቢን ዓብዱልዓዚዝ፡ ድሮ ብግብሪ መራሒ ናይታ ብነዳዲ ሃብታም ዝኾነት ሃገር፡ ስዑዲ ዓረብ ኮይኑ ይረአ ኣሎ።

ነዚ ስዒቡ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ሎሚ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ስዑዲ ዓረብ ኮይኑ ዝተመዘዘ መሓመድ ቢን ሳልማን ናይ ዮሃና መልእኽቲ ከምዝለኣኸ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ትዊተር ኣፍሊጡ።

እቲ ጽሑፍ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ መልእኽቱ ኤርትራ: ኣብ ምዕባይ ሰናይ ሕውነታዊ ምትእስሳር ክልቲአን ሃገራት ዘለዋ ምሉእ እምነት ከምዘስመረሉ’ውን ይጠቅስ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ፡ ሓደ በዓል ስልጣን ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እዚ ስጉምቲ ምስቲ ቅድሚ ሕጂ እቲ ንጉስ ነቲ ልዑል ምስ ዝሃቦ ዕማም ዝሰማማዕ ምዃኑ ሓቢሩ።

"እቲ ልኡል ወራሲ ዘውዲ ... ድሮ ንቐንዲ ፈጸምቲ ኣካላት እታ ሃገር መዓልታዊ ይከታተሎም ኣሎ፡ ከም ቀዳማይ ሚኒስተር ዝኽተሎ ሓድሽ ተራ ድማ ምስቲ ኩነታት ዝሰማማዕ እዩ" ይብል እቲ በዓል ስልጣን።

ሽመት መሓመድ ቢን ሳልማን "ጭቡጥ ተራኡ ወግዓዊ ዝገብርን ቅድሚ ሕጂ ምስ ካልኦት መራሕቲ መንግስቲ ዝነበረ ናይ ፕሮቶኮል ሕቶታት ሽመት ከም ዘወገደን" ምስ ንጉሳዊ ቤት ፍርዲ ቅርበት ዘለዎ ስዑዳዊ ተንታኒ ዓሊ ሺሃቢ ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።

"ሕጂ ብጭቡጥ ጥራይ ዘይኮነስ ብሕጊ ከም መራሒ መንግስቲ ኮይኑ ይስራዕ" ኢሉ።

ኣብዚ ዓመት ክልተ ግዜ ናብ ሆስፒታል ዝኣተወ እቲ ንጉስ፡ ኣብ ኣኼባታት ካቢነ ኣቦ መንበር ኮይኑ ክቕጽል እዩ።

እቲ ኣዋጅ፡ ካልእ ወዲ እቲ ንጉስ ልኡል ካሊድ ቢን ሳልማን ሓድሽ ሚኒስተር ምክልኻል ኮይኑ ከምዝተሰይመ’ውን ይገልጽ።

ሳልሳይ ወዱ ልኡል ዓብዱልዓዚዝ ቢን ሳልማን ድማ ኣብ ሚኒስተር ጸዓት እታ ሃገር ወሳኒ ተራ ሒዙ ክቕጽል’ዩ።

ኣቡኡ ኣብ 2015 ቅድሚ ንጉስ ምዃኑ ካብ ስዑዲ ዓረብ ወጻኢ ብዛዕባ መሓመድ ቢን ሳልማን ዝሰምዑ ሰባት ውሑዳት እዮም ነይሮም።

ኣብታ ዓቃባዊት ንግስነት ወሽመጥ ዓረብ ብዘመዝገቦ ገለ ማሕበራውን ቁጠባውን ጽገናታት ናእዳ ረኺቡ እዩ።

እቲ ለውጥታት ንደቂ ኣንስትዮ መኪና ምዝዋር ዝምልከት እገዳ ምልዓልን ቁጠባ እታ ሃገር ኣብ ነዳዲ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ዝተመርኮሰ ክኸውን ዝገበሮ ጻዕሪን የጠቓልል።

ኣብ የመን ሰብኣዊ ዕንወት ዘስዓበ ኲናት ብምክያዱን ንተቓውሞታት ብምጭፍላቑን ከምኡ’ውን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ነቐፌታዊ ጽሑፋት ንዘቕረቡ ከቢድ ማእሰርቲ ብምፍራዱ ግን ኣዝዩ ክንቀፍ ጸኒሑ’ዩ።

ኣህጉራዊ ዝና እቲ ልኡል ርኡይ ዕንወት ዘጋጠሞ ግን፡ እቲ ፍሉጥ ነቓፊ ፖሊሲታቱ ዝነበረ ስዑዳዊ ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ኣብ 2018 ኣብ ኢስታንቡል ኣብ ዝርከብ ቆንስል ስዑዲ ዓረብ ምስተቐተለ እዩ።

ትካላት ስለያ ኣሜሪካ፡ እቲ ልዑል፡ ንካሾጊ ንምሓዝ ወይ ንምቕታል ንዝተኻየደ ስርሒት ከምዘጽደቐ ደምዲሞም’ኳ እንተኾኑ ንሱ ግን ዝኾነ ኢድ ከምዘይብሉ ብምግላጽ ከምዝነጸጎ ይዝከር።

ሩስያ ንዩክሬን ምውራራ ስዒቡ ዝተረኣየ ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ፡ እቲ ልዑል ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ካብ መራሕቲ ሃገራት ምዕራብ ዳግማይ ተቐባልነት ክረክብ ገይሩ እዩ።

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፡ ንስዑዲ ዓረብ ብሰንኪ ቅትለት ካሾጊ "ከምቲ ንሳቶም ዝገበርዎ ዝተነጸገት" ክገብራ ቃል ኣትዩ’ኳ እንተነበረ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ግን ናብታ ሃገር ምብጻሕ ብምግባር ነቲ ልዑል ኣብ ጅዳ ከምዝረኸቦ ይፍለጥ።