እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ስዑዲ ዓረብ: ኔትፍሊክስ ‘እስላማዊ ክብርታት’ ዝጥሕሱ ፊልምታት ክኣሊ ኣጠንቂቓ
ስዑድ ዓረብን ሃገራት ወሽመጥን፡ ኔትፍሊክስ እስላማውን ማሕበራውን ክብርታት ዘራኽሱ ትሕዝቶ ዘለዎም ፊልምታት ክኣልይ ከም ዝጠለባ ተገሊፁ።
ቁፅፅር ሚድያ ሃገራት ወሽመጥን ስዑድዓረብን፡ ኣብዚ ቀረባ ግዘ ንህፃናት ዝተዳለዉ ፊልምታት ሓዊሱ፡ ንሕጊ ዝጥሕስ እዩ ክብል ኣጠንቂቑ።
እንተኾነ፡ ዝኾነ ዓይነት መረዳእታ ኣየቕረበን።
ተሌቬዥን ስዑድ ዓረብ ግና፡ ኣብ ኔትፍሊክስ ብተኸታታሊ ካብ መንጎ ዝተመሓለለፉ ፊልምታት ካርቱን፡ ክልተ ሰገናት ደቂ ኣንስትዮ ንሓድሕደን ዘለወን ፍቕሪ ክገልፃን ክሰዓዓማን ዘርእይ፡ ካብ ፊልም ‘ጁራሲክ ዎርልድ ካምፕ ክሬታሴዎስ’ ዝተወሰደ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ኣደብዚዙ ኣርእዩ።
ኣካትዓይ ፈረንሳዊ ፊልም ‘ኪዩትስ’ እውን ተወሳኺ መረዳእታ ኰይኑ ብተሌቬዥን ኣል ኢኽባርያ ቀሪቡ’ዩ። ፀብፃብ ኣል ኢኽባርያ፡ ኔትፍሊክስ፡ “ጥዕንኡ ንዝሓለወ ኣተዓብያ ህፃናት ንሓደጋ ዘቃልዑ ስነ-ምግባር ዝጎደሎም መልእኽቲ ዘርእይ ፊልም” ክብል ከሲሱ።
ተለቬዥን ኣል ኢኽባርያ ኣብ ድሕረ ገፁ ዘውፅኦ ካልእ ተወሳኺ ቪድዮ ድማ፡ ፈነወ ኔትፍሊክስ፡ “ልዕሊ መጠን ኣብ ሕደ ፆታውያን ብምድሃብ፡ ርክብ ሕደ ፆታውያን ዘበረታትዕ’ዩ” ኢሉ።
እቲ ጣብያ ተሌቬዥን ተመሳሳሊ ክስታት ንዘለዎም ፍሉጣት ሰባት ቃለ-መሕተት ዝገበረ ኰይኑ፡ ሰብመዚ ህፁፅ ስጉምቲ ክወስዱ ፀዊዑ።
ጀነራል ኮምሽን ሚድያ ኦድዮቪዥዋልን ሰብመዚ ካውንስል ኮኦፕሬሽን ኤሌክትሮኒክስ ሚድያ ወሽመጥን ኣብ ዘውፅእዎ ልፍንታዊ መግለፂ፡ ኔትፍሊክስ፡ ኣብ ህፃናት ዝስርሑ ሓዊሱ፡ ንሃይማኖታውን ማሕበረሰባውን ክብርታት ዝጥሕሱ ትሕዝቶ ዘለዎም ፊልምታት ክኣልይን ሕጊ ከኽብርን ከም ዘዘራረብዎ ሓቢሮም።
እቶም ሰብመዚ፡ ንመምርሕታት ኣኽቢሮም ነዚ ጉዳይ ከም ዝከታተልዎን፡ ኔትፍሊክስ ከምዚኦም ዝበሉ ፊልምታት ምፍናው እንተድኣ ቀፂልሉ፡ ኣድላይ ዘበለ ሕጋዊ ስጉምቲ ከም ዝወስዱ ገሊፆም።
ኔትፍሊክስ፡ ኣብዚ ጉዳይ ዝሃቦ ምላሽ የለን።
እታ ብሱኒ ሙስሊም እትምራሕ ስዑድዓረብ፡ ዋላ’ኳ ኣብ ፆታዊ ጉዳያትን ፆታዊ መንነትን ዝምልከት ሕጊ እንተዘይሃለዋ፡ ኣብ መንጎ ሕደ ፆታውያን ዝግበር ፆታዊ ርክብ ሓዊሱ ካብ ሓዳር ወፃኢ ዝፍፀም ፆታዊ ርክብ ብጥብቂ ዝተኸልከለ እዩ።
ብመሰረት ትርጉም እስላማዊ ሕጊ እታ ሃገር፡ ኣብ መንጎ ሕደ ፆታውያን ብስምምዕ ዝፍፀም ፆታዊ ርክብ ኩነታት እቲ ተግባር ተራእዩ ብሞት ወይ ብመግረፍቲ የቕፅዕ።
ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ስዑድ ዓረብ ዝርከቡ እንዳ ሲኒማታት፡ ሰብመዚ ስዑድዓረብ ርክብ ሕደ ፆታውያን ዘርእዩ ትሕዝቶታት ተቖሪፆም ንክወፅኡ ዘቕረብዎ ሕቶ ብኣከፋፋሊ ፊልምታት ዲዝኒ ስቱድዮ ስለዝተነፀገ፡ ‘ዶክተር ስትሬንጅ ኢን ዘ መልቲ ቨርስ ኦፍ ማድነስ’ ዝብል ፊልም ከየርኣይዎ ተሪፎም።
ካብዚ ብተወሳኺ ሕደ ፆታውያን እንትሰዓዓሙ ዘርእይ ኣኒሜሽን ፊልም ‘ላይትይር’፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ብሰብመዚ ስዑድዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ከም ዝተኣገደ ይፍለጥ።
ዩቲዩብ’ውን፡ እስላማዊ ክብርታት ዝጥሕሱ መወዓወዕታት ፈቒዱ ዝብል ክሲ ካብ ሰብመዚ ስዑድዓረብ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ክሲ ቀሪብሉ’ዩ።