ብራዚል፡ ኔትፍሊክስ 'ንየሱስ ክርስቶስ ከም ግብረሰዶማዊ' ገይሩ ዘዘንቱ ፊልም ከየርእይ ተኣጊዱ

መርበብ ፊልም ኔትፍሊክስ ንየሱስ ክርስቶስ ከም ግብረሰዶማዊ ገይሩ ዘዘንቱ ፊልም ንህዝቢ ካብ ምርኣይ ከቋርጽ፡ ሓደ ብራዚላዊ ዳኛ ወሲኑ።

እቲ 'ዘ ፈርስት ቴምፕተሽን ኦፍ ክራይስት' (ፈላማይ ፈተና የሱስ) ዘርእስቱ ፊልም ንብዙሓት ዓቃባውያን ክርስትያናት ኣቖጢዑ ኣሎ።

እቲ ፊልም ክውገድ ንዝጠልብ ምሕጽንታ (ፐቲሽን)፡ ክልተ ሚልዮን ዝበጽሑ ሰባት ከክትምዎ ከለው፡ ነቲ ፊልም ዘፍረየ ኩባንያ፡ 'ፖርታ ዶስ ፋንዶስ' ድማ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጥቃዕቲ በጺሕዎ ነይሩ።

ነቲ ኣንጻር ኔትፍሊክስ ዝተወሃበ ብይን ኣመልኪቱ እቲ ዳኛ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት፡ . . . ፍጹም ኣይኮነን" ኢሉ።

ዳኛ በነዲክቶ ኣቢካይ ወሲኹ፡ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ውሳነ ክሳብ ዝህበሉ እቲ ግዚያዊ ውሳኒኡ፡ ነቶም ተቖጢዖም ዘለው ክርስትያናት ዘዕግብ ምዃኑ ሓቢሩ።

ዛጊት ግና መርበብ ፊልምታት ኔትፍሊክስ ኮነ ፖርታ ዶስ ፋንዶስ ነቲ ውሳነ ኣመልኪቶም ርእይቶ ኣይሃቡን።

እቲ ናይ ጭርቃን ፊልም ኣብ ዩትዩብ ብዝነጥፍ ብራዚላዊ ጉጅለ ኮመዲ 'ፖርታ ዶስ ፉንዶስ' እዩ ፈርዩ።

ኣብ ድሮ በዓል ልደት፡ ገለ ጉጅለ ሰባት ኣብ ልዕሊ'ቲ ኣብ ሪዮ ዲ ጃነይሮ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ፖርታ ዶስ ፉነዶስ መጥቃዕቲ ኣብጺሖምሉ።

ሓደ ካብቶም ነቲ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሙ ዝተጠርጠሩ ሰባት፡ ናብ ሩስያ ከም ዝሃደመን፡ ኣብ ቀይዲ ንምእታዉ ኢንተርፖል ይሰርሕ ከም ዘሎን ተገሊጹ።

ሕሉፍ የማናዊ መርገጺ ዘለዎ ፕረዚደንት ብራዚል ጀይር ቦልሶናሮ፡ ሓደ እዋን፡ ወዱ ግብረሰዶማዊ ካብ ዝኸውን ውላድ ከይህልዎ ከም ዝመርጽ ተዛሪቡ ነይሩ።

ወዱ ኤድዋርዶ ቦልሶናሮ፡ ነቲ ናይ ኔትፍሊክስ ምርኢት "ጓሓፍ" ብምባል "ንሕብረተሰብ ብራዚል ከም ዘይውክል" ኣብ ትዊተር ሓቢሩ።