ጋናዊ ተጻዋታይ ኵዕሶ እግሪ ክርስቲያን ኣትሱ ብሰንኪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ቱርኪ ሞይቱ

ክርስቲያን ኣትሱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ብሰንኪ እቲ ኣብ ቱርኪ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ መሬት ደሃዩ ጠፉኡ ዝቐነየ ጋናዊ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ክርስቲያን ኣትሱ ከም ዝሞተ ተገሊጹ።

ክርስቲያን ኣትሱ ድሕሪ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ንክልተ ሰሙን ክድለ እኳ እንተጸንሐ፡ ኣብ ዑናታት ገዝኡ ሞይቱ ከም ዝተረኸበ ወኪሉ ኣፍሊጡ።

ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣፍቃሪቱ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት፡ "ክሳብ ሕጂ ኣብ ጸሎት ኣለኹ። ብህይወት ክረኽቦ ድማ ተስፋ እገብር" ምባላ ይዝከር።

እታ ዝጻወተላ ክለብ ሃታይስፖር፡ ኣትሱ "ተጎዲኡ ብህይወት ከምዝተረፈ" ገሊጻ ነይራ።

ይኹን 'ምበር ድሒሩ ዝተገብረ መርመራ፡ እቲ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ከም ዘይተረኸበ ኣመልኪቱ’ዩ።

"ንኹልኹም ብህይወት ክርከብ ሰናይ ትምኒትኩም ክትገልጹ ዝጸናሕኩም፡ ሎሚ ንግሆ ሬሳ ክርስቲያን ኣትሱ ከም ዝተረኽበ ክሕብረኩም ከለኹ ኣብ ውሽጢ ከቢድ ሓዘን ኮይነ እየ” ክብል ወኪል እቲ ተጻዋታይ ናና ሰቸረ ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።

“ንስድርኡን ንዝፈትዎምን ጽንዓት ይሃብኩም። ንኹሎም ብጸሎት ዝሓገዝኩም ከመስግኖም እደሊ” ይብል ናና።

ኣትሱ ናይ መወዳእታ ጸወታ ኣብ ዘካየደሉ ዕለት 5 ለካቲት 2023 እታ ክለብ ክትዕወት ዘኽኣለት ሸቶ ኣመዝጊቡ ነይሩ።

ንጽባሒቱ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ስለዘጋጠመ ንኽልተ ሰሙን ዝኣክል ኩነታት ከይተፈልጠ ጸኒሑ።

ወዲ 31 ዓመት ኣትሱ፡ ኣብ ፕሪምየር ሊግ እንግሊዛዊት ምስ ክለብ ኒውካስል ዩናይትድ 107 ጸወታታት ተጻዊቱ። ምስ ቸልሲ፡ ኤቨርተንን ቦርንማውዝን'ውን ከም ዝተጻወተ ይፍለጥ።

"ክርስቲያን ኣትሱ ኣብ ቱርኪ ብዘጋጠመ ኣዕናዊ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብዘሕዝን መንገዲ ህይወቱ ከምዝሰኣነ ምስ ፈለጥና ኣዝዩ ከቢድ ሓዘን ተሰሚዑና" ይብል መግለጺ ክለብ ኒውካስል።

ብተወሳኺ፡ “ንፉዕ ተጻዋታይን ፍሉይ ሰብን፡ ብተጻወትትና፡ ሰራሕተኛታትናን ደገፍትናን ወትሩ ብፍቕሪ ክዝከር'ዩ።”

ኤቨርተን ቼልሲን ሓዘንን ገሊጸን ኣለዋ።

ኣትሱ ምስ ስዑዲ ዓረብ ኣል-ራእድ ሓደ ዓመተ ድሕሪ ምጽዋት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም እዩ ናብ ክለብ ቱርኪ ሃታይስፖር ተጸንቢሩ።

እቲ ጠንቂ ሞት ክርስቲያን ኣትሱ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለምና ዘስካሕክሑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኮይኑ፡ ኣብ ደቡባዊ ቱርኪን ሰሜናዊ ሶርያን ድማ ሞት ኣስታት 50 ሽሕ ሰባት ኣስዒቡ እዩ።