መሰላት ደቂኣንስትዮ ንምሕላው ዝዓለመ ፍሉይ ሕጊ ሴራሊዮን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሴራሊዮን: ዝሓሸ መሰል ስራሕ ሓዊሱ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ዘመሓይሽ ታሪኻዊ ሕጊ ኣጽዲቓ።
እዚ ሓዱሽ ሕጊ ማዕርነት ፆታን ሓላፍነት ደቂኣንስትዮን (Gender Equality and Women’s Empowerment Act) ይበሃል።
ብመሰረት እዚ ሕጊ፡ ኣብታ ሃገር 30 ሚእታዊት ናይ መንግስታውን ውልቃውን ጽላት ስራሕ ንደቂኣንስትዮ ዝተገደበ ምዃኑ እቲ ወግዓዊ መግለጺ የመልክት።
ሚኒስተር ጾታ ማንቲ ታራዋሊ፡ "ሎሚ ሴራሊዮን ጾታዊ ዘይምዕሩይነት ንምውጋድ ብጥንቃቐ ዝተዳለወ ሕጊ ኣለዋ ክትብል እትኽእለሉ ታሪኻዊ መዓልቲ'ያ" ኢላ።
"ሎሚ ናብ ቅኑዕ ኣንፈት ዝወስድ ኣገዳሲ ስጉምቲ'ኳ እንተኾነ፡ እታ ሃገር ኣብ መላእ ጾታታት ፍትሓውነት ተረኺቡ ቅድሚ ምባላ ግን ተወሳኺ ስጉምትታት ክውሰድ ግድን’ዩ" ክትብል ገሊጻ።
ብዘይካ'ዚ፡ ደቂኣንስትዮ ኣብ ላዕለዎት ጽፍሕታት ስራሕ ቦታታት ክሕዛኣለን፡ ከምኡ'ውን እንተወሓደ ን14 ሰሙን ዝጸንሕ ናይ ወሊድ ዕረፍቲ ክረኽባ እየን።
ብተወሳኺ፡ ተጠቀምቲ ማዕረ ተበጻሕነት ልቓሕ ባንክን ዕድላት ስልጠናን ክህልወን'ዩ።
ነቲ ሓድሽ ጾታዊ ሕጊ ዘየኽብሩ ኣስራሕቲ ከቢድ መቕጻዕቲን ካልኦት ከበድቲ ሳዕቤናት ከጋጥሞም ምዃኑ ተፈሊጡ'ሎ።
ንደቂ ኣንስትዮ ፍትሓዊ ተበጻሕነት ፋይናንሳዊ ደገፍ ዘይህባ ፋይናንሳዊ ትካላት’ውን ብማእሰርቲ ክቕጽዓ ይኽእላ።
እዚ፡ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ገዛእ ርእሰን ንግዲ ንምጅማር ክቐለን ከም ዘኽእልን ከተባብዐን ትጽቢት ይግበር።
እቲ ሕጊ፡ ልዕሊ 25 ሰራሕተኛታት ንዘለዎ ዝኾነ ይኹን ትካል ከም ዝምልከት መንግስቲ ይገልጽ።
ኣብ 2018፡ እታ ሃገር ብጾታዊ ዘይማዕረነት መዐቀኒ፡ ካብ 162 ሃገራት ኣብ መበል 153 ደረጃ ሒዛ ከም ዝነበረት ትካል ልምዓት ሕቡራት ሃገራት (UNDP) ይሕብር።
ደቂ ኣንስትዮ ሴራሊዮን ብመልክዕ ዘቤታዊ ዓመጽ፡ ጾታዊ መጥቃዕቲ ዓበይትን ትሕቲ ዕድመን፡ ሓዳራዊ ዓመጽ፡ ምስ ቤት ትምህርቲ ዝተኣሳሰር ጾታዊ ዓመጽን ከም ምቑራጽ ጾታዊ ብልዕቲ ዝኣመሰሉ ጎዳኢባህላዊ ልምድታትን ከም ዘጋጥመን ዓለምለኻዊ ትካል ልምዓት ኣመሪካ (USAID) የመልክት።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







