ኣካታዒ ውርሻ እታ ብ 'ኣደ መቈጻጸሪ ወሊድ' እትፍለጥ ማርጋሬት ሳንገር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
“ኣደታት! ብዙሓት ቈልዑ ንምዕባይ ዓቕሚ ኣለክንዶ? ተወሰኽቲ ቈልዑ ክህልዉኽን ትደልያ ዶ? እንተዘይኰይኑ፡ ንምንታይ ትወልዳ? ተኸላኸላ እምበር ህይወት ኣይተጥፋኣ፤ ውሑስን ጉድኣት ዘየስዕብ ንሓበሬታ ካብ ዝሰልጠኑ ነርስታት ክርከብ ይከኣል እዩ. . . "
እዚ ከም መወዓውዒ ናይቲ ብማርጋሬት ሳንገር ዝተመስረተ ፈላሚ መቈጻጸሪ ወሊድ ክሊኒክ ኰይኑ ኣብ 1916 ኣብ ጋዜጣ ኒው ዮርክ ታይምስ ዝተሓተመ እዩ።
መቈጻጸሪ ወሊድ፡ ኣብቲ እዋን ኣከራኻርን ዘይሕጋውን እዩ ዝነበረ። ብዙሕ ከይጸነሐ እቲ ክሊኒክ ተዓጽዩ፤ ሳንገር ድማ ናብ ቤት ማእሰርቲ ተደርብያ።
ሳንገር ድሕሪ 50 ዓመታት ብሞት ኣብ ዝተፈለየትሉ ግን እቲ ዝሰረሓቶ ስራሕ ኣብ መላእ ዓለም ድሮ ታሪኽ ምጣነ ስድራ ቤት ይቕይር ነይሩ።
ሚድያታትን ምሁራትን “ኣደ ምጣነ ስድራ ቤት” ኢሎም ዝጽውዕዋ ሳግነር፡ መቈጻጸሪ ወሊድ ዝዀነ ከኒና ዘማዕበለት እያ።
ኣካታዒ ተፈላጥነት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሳንገር ዝተጠቐመትሉ መገድን ዕላማኣን ግን ኣከራኻሪ እዩ። ብፍላይ ዘርኢ ደቂ ሰባት ንምምሕያሽ ምስ ዝካየድ ዝነበረ ምንቅስቓስ ዝነበራ ዝምድና ብዓሌታውነት ክትክሰስ ገይርዋ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሰሜናዊ ካሮላይና ፕሮፌሰር ታሪኽን ስነጾታን ዝኾነት ሳንጃም ኣህሉዋልያ፡ “ውርሻ ሳንገር ብሓቂ ዝተሓዋወሰ እዩ “ ክትብል ትገልጾ።
ታሪኻ ብቐሊሉ ክበንን ዘይኮነስ ብግቡእ ክጽናዕ ከምዘለዎ ድማ ትኣምን።
ኣብ ትሑት መነባብሮ ዝጀመረ ህይወት
ሳንገር ብ 1879 ኣብ ግዝኣት ኒውዮርክ ዝተወለደት ኰይና፡ ስድራኣ ካብ ዝወለድዎም 11 ቈልዑ መበል ሻድሸይቲ እያ። እቲ ቤተሰብ ድኻን ኣብ ዳስ ዝነብርን ነይሩ። ኣደኣ 18 ግዜ ዝጠነሰት ኰይና፡ 7 ግዜ ምንጻል ጥንሲ ኣጋጢምዋ።
ሳንገር ነርስ ኰይና ምስራሕ ኣብ ዝጀመረትሉ፡ ኣብ እዋን ጥንሲ ብዘጋጠመ ጸገም ኣብ ሕርሲ ዝሞተት ሰበይቲ ርእያን ሳዕቤናት ናይቶም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝካየዱ ዝነበሩ ምንጻል ጥንስታት ተዓዚባን።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሚነሶታ ፕሮፌሰር መጽናዕቲታት ኣሜሪካን ታሪኽን ዝዀነት ኢላይነ ተይለር፡ ኣብቲ እዋን ብዛዕባ ቍጽጽር ወሊድን መሳርሒታትን ሓበሬታ ምብጻሕ ክልኩል ምንባሩ ትገልጽ።
ሳንገር ምስታ መቈጻጸሪ ወሊድ ከም ሓጥያት እትወስዶ ቤተ ክርስትያን ካቶሊክ እውን ሓያል ቃልሲ ኣካይዳ።
መሰል ቍጽጽር ወሊድ
ሳንገር ኣብ መጋቢት 1954፡ ደቂ ኣንስትዮ ቍጽጽር ወሊድ ናይ ምግባር መሰል ክህልወን ዝጣበቕ፡ "ዘ ውማን ረበል" ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ መጽሓፍ ኣሐቲማ።
እቲ መጽሓፍ ሕጊ ጥሒሱ ዝብል ክሲ ስለዝቐረበሉ፡ ካብ ማእሰርቲ ንምህዳም ናብ ዓዲ እንግሊዝ ከይዳ።
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ብስርሓት ናይቲ ተፈጥሮኣዊ ሃብትታት ነቲ ብዘይ ምጣነ ዝዓቢ ብዝሒ ህዝቢ እኹል ከምዘይኰነ ዝከራኸር ቶማስ ሮበርት ማልተስ ተጸልያ።
ንሱ ርእሰ ቍጽጽርን ምድንጓይ መርዓን መፍትሒ ከምዝዀነ ይምዕድ ነይሩ። ‘ኒዮ-ማልሰተስያን’ ተባሂሎም ዝፍለጡ ጐስጐስቲ ግን ከኒና መቈጻጸሪ ወሊድ ምጥቃም ዝሓሸ ከምዝዀነ ይገልጹ ነይሮም።
“ቍጽጽር ወሊድ ሰላም ዝሕሉን ሕጽረት ምግቢ ዝቐርፍን መንገዲ እዩ ዝብል ካልእ ትረኻ እውን ክተማዕብል ጀሚራ” ትብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካምብሪጅ ዓባይ ብሪጣንያ መምህር ታሪኽ ዝዀነት ዶ/ር ካሮላይን ሩስተርሆዝ።
ፈላሚ ማእከል ጥዕና
ሳንገር ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ናብ ኣሜሪካ ተመሊሳ፡ ኣብታ ብዙሓት ድኻታትን ስደተኛታትን ደቂ ኣንስትዮ ዝነበራኣ ኒውዮርክ ፈላሚ ክሊኒክ መቈጻጸሪ ወሊድ ከፊታ።
ድሕሪ ቅሩብ መዓልቲታት ግን እቲ ክሊኒክ ተወሪሩ፤ ሳንገር እውን ተኣሲራ።
በዚ ዘይተሰኮነት ሳንገር ድሕሪ መዓልቲታት ነቲ ክሊኒክ ደጊማ ከፊታቶ፤ ዳግማይ ተኣሲራን ዕግርግር ብምፍጣር ተኸሲሳን።
ዋላ'ኳ ዓብይ ተቐባልነት እንተነበራ፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪባ ገበነኛ ኰይና ተረኺባ፤ ገንዘብ ክትቅጻዕ ወይ 30 መዓልቲ ክትእሰር ዝተፈርዳ ሳግነር፡ ማእሰርቲ መሪጻ። ማእሰርታ፡ ነቶም እሱራት ብዛዕባ መቈጻጸሪ ወሊድ ግንዛበ ንምፍጣር ተጠቒማትሉ።
“በዞም ኣጋጣሚታት ኣብ ኣሜሪካ ፍልጥቲ ሰብ ኰይና፤ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበረት ሓፍታ'ውን ኣድማ ምሕሳም መግቢ ገይራ ነይራ” ትብል ናይ ሳግነት ህይወት ታሪኽ ዝጸሓፈት ኤለን ቸስለር።
ሳንገር ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስተፈተሐት፡ ኣንጻር እቲ ዝተወሃባ ፍርዲ ይግባይ ሓቲታ ነይራ፤ እንተዀነ ንጥዕናዊ ምኽንያታት ዶካትር መቈጻጸሪ ወሊድ ክእዝዙ ይኽእሉ እዮም ብምባል ቤት ፍርዲ ውዱቕ ገይርዎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዘሕዝን ተጓንፎ
ኣብ መንጐ እቶም ክርክራት ሕጊ፡ ሳንገር ኣብ ውልቃዊ ህይወታ ሕልኽላኻት የጋጥማ ነይሩ። ኣብ 1914 ምስ በዓል ቤታ ዊልያም ተፋቲሓ፤ ኣብ 1915 እንኮ ጓላ ፒጊ፡ ኣብ ሓሙሽተ ዓመታ ብሃንደበት ሞይታ።
ኣብ ህይወታ ምስ ሸውዓተ ሰባት ፍቕራዊ ርክብ ነይርዋ። ኣብ 1922 ናይ ነዳዲ ሃብታም ምስ ዝነበረ ጀምስ ኖህ ተመርዕያ፤ ንሱ ነቲ እትገብሮ ዝነበረት ምንቅስቓስ ብገንዘብ ይሕግዙ ካብ ዝነበሩ እዩ።
ስነ-ጽሬተ ሓድጊ (ዩጀኒክስ)
ዓብይ ተቐባልነት ክህልዋ ድልየት ዝነበራ ሳንገር፡ ኣብቲ እዋን ተቐባልነት ዘይብሉ ሓሳብ የሰጉሙ ምስ ዝነበሩ ጕጅለታት፡ ምትሕግጋዝ ጀሚራ።
“ምስ ማሕበር ጽሬት ሓድጊ (ዘርኢ ወዲ ሰብ ክመሓየሽ ዝጕስጉሱ) ሓቢራ ክትሰርሕ ጀሚራ. . . ካብኦም ድማ ገንዘባዊ ሓገዝ ረኺባ” ትብል ሩስተርሆዝ።
ማእከል መጽናዕቲ ዓሌት ደቂ ሰባት ኣሜሪካ፡ ንስነ-ጽሬተ ሓድጊ (ዩጀኒክስ) “ኣብ መንጐ ዝተመረጹ ህዝብታት ብዝግበር መውስቦ ዓሌት ደቂ ሰባት ከመሓየሽ ይኽእል እዩ ዝብል ሳይንሳዊ መሰረት ዘይብሉ ክልስ ሓሳብ” ክብል ይትርጕሞ።
ቅድሚ ናዚ ጀርመን ኣብ ልዕሊ ኣይሁዳውያን ዝፈጸሞ ጨፍጫፍ ግን፡ እዚ ክልሰ ሓሳብ ብዙሕ ዘጋጥሞ ተቓውሞ ኣይነበረን።
“ድኽነት ክትቃለስ ሓያል ድልየት ነይርዋ፤ ኰይኑ ግን ገለ ጸገም ዘለዎም፡ ከም ኣካል ጐደሎ ክመኽኑ ክግበሩ ዝጽውዑ ስነ-ጽሬታዊ ስጕምቲታት ክውሰዱ ትድግፍ ነይራ" ትብል ሩስተርሆልዝ።
ኤለን ቻስለር ድማ ሳንገር ናይ ባዕላ ቅዋም ከምዝነበራ ትዛረብ።
“ቀንዲ ስነ-ጽሬታውያን ኣብ ማእከላይ ደርቢ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ መቈጻጸሪ ወሊድ ከይጥቀማ ይቃወሙ ነይሮም። ተገዳስነቶም ኣብ ዓሌት፡ ደርቢን ሕብርን እዩ ነይሩ። ንሳ ከምኡ ኣይነበረትን። ኵለን ደቂ ኣንስትዮ ውሑዳት ቈልዑ ክወልዳ እያ ትደሊ ነይራ።”

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
‘ድኻታትን ዝወሓደ ስነ ህይወታዊ ጸጋ ዘለዎምን’
ኣብ 1920ታትን 30ታትን፡ ምጣነ ስድራቤታት ብምውዕዋዕ ኣብ ሃገራት ቻይና፡ ጃፓን፡ ኮርያን ህንድን ዘይራ እያ።
ነቲ ኣብ 1935 ናብ ህንዲ ዝገበረቶ ጕዕዞ ዝመወላ ማሕበረሰብ ስነ-ጽሬታዊ ሓድግታት ለንደን ዝጸሓፈቶ ደብዳበ፡ ብናቶም ክልሰ ሓስብ ዝተቓነየ እዩ ነይሩ።
“ናብቶም ዝደኸዩን ውሑድ ስነ ህይወታዊ ጸጋ ዝተዓደሉን ፍልጠት ቍጽጽር ወሊድ ንምምጻእ” ዝብል ነይርዎ።
ኣብ ህንዲ ንዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ዝቐትል መድሃኒት ክጥቀሙ መኺራ ነይራ። ኰይኑ ግን ስምዒት ምቅጻልን ብዘይ ክትትል ሰብሞያን ክውሰድ ከቢድ ምዃኑን ብዙሕ መረረ ኣስዒቡ ነይሩ።
ሳንገር ምስ ከም ማህተማ ጋንዲን ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ራቢንድራናዝ ታጐረን ዝበሉ ጸለውቲ ህንዳውያን እውን ተራኺባ እያ።
ታጐረ ቍጽጽር ወሊድ ዝደገፈ ኰይኑ፡ ጋንዲ ግን ምናነን ርእሰ-ግትኣትን ይመክር ነይሩ። ሳንገር ቅዋም ጋንዲ ንምልዋጥ ዝገበረቶ ጻዕሪ ኣይሰመረላን።
ካልኣይ ኲናት ዓለም ነቲ ኣብ ምውዕዋዕ ስነተዋልዶ ዝነበረ ጐስጓስ ኣዘሓሒልዎ እዩ፤ በዝሒ ህዝቢ ካብ መጠን ንላዕሊ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ግን ተወሳኺ ሓይሊ ሂብዎ።
'ኣስማታዊ ከኒና'

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሳንገር፡ ከም ዳያፍራም ዝኣመሰሉ መከላኸሊ ወሊድ ከምቲ ዝድለ ውጽኢታዊ ብዘይ ምዃኖም፡ ካልኦት ምቹኣት ዝዀኑ ዝወሓጡ መድሃኒታት ክርከቡ ምሕሳብ ጀሚራ። ብዛዕባ “ኣስማታዊ ከኒና” ክትብል ዝገለጸቶ ሕልማ፡ ኣብ 1939 ብምጽሓፍ፡ ንዕኡ ክተግህዶ ግን ሓገዝ የድልያ ነይሩ።
ኣብዚ እዋን ነታ ሰብኣያ ዝሞታ ሃብታምን ጐስጓሲት መሰል ደቂ ኣንስትዮ ዝነበረትን ካታሪን ማክኮርሚክ ረኺባታ፤ ገንዘባዊ ሓገዝ ድማ ገይራትላ። ነቲ ኣዘራራቢ ዝነበረ ተመራማሪ ስነ ተዋልዶ ዶ/ር ግሪጎሪ ፒንከስ ድማ ናብቲ ውጥን ክሕወስ ኣእሚናቶ።
ኣብ ፈለማ ማክኮርሞክ 40 ሽሕ ዶላር ዝሓገዘት ኰይና፡ ጸኒሑ ግን ናብ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዶላር በጺሑ እዩ።
ድሕሪ 10 ዓመት እቲ ከኒና ተሰሪሑ፤ ኣብ ምርግጋጽን ፍቓድ ምሃብን ግን ጸገም ኣጋጢሙ።
ኣብቲ እዋን ኣብ ኣሜሪካ ምንጻል ጥንሲ ሕጋዊ ኣይነበረን። በዚ ምኽንያት እቲ ጕጅለ ኣብ መፋርቕ 1950ታት ናብ ፖርቶ ሪኮን ሀይቲን ተጓዒዙ። ኣብ ዕቑባን ናይ ድኻ ከባቢታትን ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ ኣብቲ ምርመራ ክሳተፋ ተገይሩ፤ እንተዀነ ብዙሓት እንታይ ዓይነት መድሃኒት ከምዝተወሃበን ዘይፈለጣ ክዀና ይኽእላ እየን።
“ብርግጽ በደላት የጋጥሙ ነይሮም፤ ንሱ ሕቶ የብሉን” ትብል ኢለይን ተይለር።
ኣሜሪካ፡ ኣብ 1965 ንሰብ ሓዳር ደቂ ኣንስትዮ ከምኡ እውን ኣብ 1972 ንዅለን ደቂ ኣንትዮ እቲ ከኒና ክጥቀማ ፈቒዳ።
እቲ ከኒና ኣብ ብዙሓት ሃገራት እውን ኣብ ረብሓ ውዒሉ። ሳንገር ቅድሚ ኣብ 1966 ምማታ እቲ መድሃኒት ኣብ ጥቕሚ ውዒሉ ብምርኣያ ኣዝያ ዕግብቲ ነይራ።
ውርሻታት ሳንገር
ጸለምቲ ኣሜሪካውያን ኣብያተ ጥዕና ኣብ ምህናጽ ክትሕግዞም ይዕድምዋ ነይሮም። ብ “ኔግሮ ፕሮጀክት” ዝፍለጥ መደባ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ኣሜሪካ ንዝርከቡ ድኻታት ጸለምቲ ማሕበረሰባት መቈጻጸሪ ወሊድ ንምቕራብ ዝዓለመ እዩ ነይሩ።
እዚ ግን ብጸለምትን ምንጻል ጥንሲ ዝቃወሙን ሓያል ተቓውሞ ኣጋጢምዎ ነይሩ።
ብኻልእ ገጽ፡ ንምጣነ ስድራ ቤት ኣሜሪካ መሰረት ኣንቢራ እያ።
ከኒናታት መከላኸሊ ወሊድ፡ ድሕሪ ምምካንን ኮንደምን፡ ካብቶም ብሰፊሑ ኣብ ጥቕሚ ዝወዓሉ መቈጻጸሪ ወሊድ እዮም። ኣብዚ እዋን ልዕሊ 150 ሚልዮን ደቂ ኣንስትዮ ተጠቀምቲ እዞም ከኒናታት እየን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







