'ሕማማት እዋን ጥንሲ' ዝፍውስ መድሃኒት ተስፋ ተረኺብዎ

እትነብዕ ሰበይቲ

ምንጪ ስእሊ, SUSIE VERRILL

ተመራመርቲ፡ ገለ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ እዋን ጥንሲ ንምንታይ ኣዝየን ከም ዝሓማ ክፈልጥዎ ከምዝኸኣሉን፣ እዚ ድማ ክፍውስ ዝኽእል መድሃኒት ንምርካብ ኣብ ጫፍ ከምዘብጽሖምን ኣፍሊጦም።

ዕሸላት ኣብ ውሽጢ ማህፀን እንከለዉ ከቢድ ሕማም ከስዕብ ዝኽእል ሆርሞን ዘፍርዩ ኰይኖም እዚ ድማ ‘ሃይፐረሜሲስ ግራቪዳሩም’ ( ኤች.ጂ - HG) ብዝብል ከምዝፍለጥ ሓደ መጽናዕቲ ይሕብር።

ስለዚ ነብሰጾራት ቅድሚ ጥንሲ ነቲ ‘ጂዲኤፍ15’ [‘GDF15’ - ግረውዝ ዲፈረንስየሽን ፋክተር 15] ዝተበሃለ ሆርሞን ምቅላዕ ሓድሽ ሕክምና ክኸውን ይኽእል እዩ ተባሂሉ ኣሎ።

ፕሮፌሰር ሰር ስቲቨን ኦራሂሊ ካብ ዩኒቨርሲቲ ካምብሪጅ "ሓንቲ ኣደ ነዚ ሆርሞን ዝያዳ ተኣፋፊት ብዝዀነት መጠን፡ ዝያዳ እትሓምም እያ ትኸውን" ይብል።

ወሲኹ፡ "ስለዚ ነዚ ምፍላጥና፡ ከምኡ ንኸይከውን ብኸመይ ክንከላኸሎ ከም እንኽእል ኣፋፍኖት ይህበና" ኢሉ።

ካብ 100 ጥኑሳት እተን ካብ ሓደ ክሳብ ሰለስተ ዝዀና በቲ ‘ሃይፐረሜሲስ ግራቪዳሩም’ ( ኤች.ጂ - HG) ዝተበሃለ ሆርሞን ከም ዝጥቅዓ ይግመት።

በዚ ኵነታት ተጠቃዕቲ ምዃነን ድማ ንህይወት እቲ ዕሸል ኣብ ሓደጋ ከእቱ ስለ ዝኽእል፡ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሆስፒታል ብሰራውር ደም ዝወሃብ ፈሳሲ ክወስዳ ይግበር። እዚ ከኣ ድርቀት ወይ ዋሕዲ ፈሳሲ ኣብ ሰብነት ንምክልኻል ይሕግዝ።

ገለ ኣደታት ኣብ ምሉእ እዋን ጥንሰን ኣብ መዓልቲ ክሳብ 50 ግዜ ከም ዝሓማ ይዛረባ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሕጽይቲ እንግሊዛዊ ኣትለት ግረግ ራዘርፎርድ ዝዀነት ጓል 35 ዓመት ሱዚ ቨሪል፡ ኣብ ሆርሞን‘ሃይፐረሜሲስ ግራቪዳሩም’ ( ኤች.ጂ - HG) ዝነበራ ተመኵሮ ኣዝዩ ዘሻቕል ብምንባሩ ክሳብ ነቲ ጥንሲ ምቍራጽ ክትሓስብ ከምዝገበራ ትገልጽ።

እታ ኣብ ባኪንግሃምሻየር እትነብር ኣደ ሰለስተ ቈልዑ፡ ካብ ሰለስተ ጥንሳ ኣብ ክልቲኡ ነቲ ሆርሞን ዝተቓልዐት ኰይና መዓልታዊ እናተሳቐየት ከቢድ እዋን ኣሕሊፋ።

"ንዅሉ ነገር እዩ ዝጸልዎ። ቅድሚ እቲ ህጻን ምውላዱ ድማ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ከመይ ክትሓልፋ ጥራይ ኢኻ ትጽዕር ዘለኻ" ክትብል ንዘሕለፈቶ ትዝክር።

ቅድሚ ሕጂ ዝተገበሩ መጽናዕትታት ሕማም ጥንሲ ምስ ‘ጂዲኤፍ15’ ክተሓሓዝ ከምዝኽእል ይሕብሩ እኳ እንተነበሩ ተመራመርቲ ግን "ምሉእ መካኒካዊ ርድኢት" ዝጐደሎ ምንባሩ እዮም ዝዛረቡ።

እቲ ሓድሽ መጽናዕቲ፡ ንተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ካምብሪጅ፡ ስኮትላንንድ፡ ኣመሪካን ሲሪላንካን ዘሳተፈ ኰይኑ፡ ደረጃ እቲ ሕማም ምስቲ ኣብ ማህጸን ዝፍጠር መጠን ሆርሞን ከምኡ'ውን ቅድሚ ሕጂ ምስ ዝነበረን ተቓላዕነት ዝተኣሳሰር ምዃኑ ኣረጋጊጹ’ሎ።

እቲ ሆርሞን "ኣብ ሓንጐል እታ ኣደ ናብ ዘሎ ፍሉይ ተቐባሊ" ከይበጽሕ ምክልኻል "ኣብ መወዳእታ ነዚ ጸገም ውጽኢታውን ውሑስን ብዝዀነ ኣገባብ ንምፍዋስ መሰረት ዘንጽፍ ክኸውን'ዩ" ይብል ፕሮፌሰር ሰር ስቲቨን ካብ ዩኒቨርሲቲ ካምብሪጅ።

ኣደ ክልተ ቈልዑ ቪቪያን ኩማር ካብ ቤድፎርድ፡ ኣብ እዋን ጥንሳ ኣብ ሰዓት 10 ግዜ ትሓምም ነይራ። እቲ እንኮ ዘይተምልሰሉ ዝነበረት ግዜ ድማ ኣብ እትድቅሰሉ እዋን እዩ ነይሩ።

"ኣብ ንግሆ ጥራይ ዝመጽእ ሕማም ዘይኰነስ ዘማስን'ዩ። ሓንሳብ እንተሒዙካ ፈጺምካ ኣይትሓዊን ኢኻ፤ ንዘልኣለም ምሳኻ ይጸንሕ" ትብል።

ወሲኻ፡ "ኣዝየ ዕድለኛ እየ፤ ደገፍ በዓል ቤተይን ኣደይን ኣይተፈለየንን። ብዘይካኦም በቲ ኵነታት ንኽቕጽል ተበግሶ ክህልወኒ ኣይምኸኣለን ነይሩ" ክትብል ንኽብደት እቲ ኵነታት ተረድእ።

ንሳልሳይ ግዜ ምስ ጠነሰት ንሸሞንተ መዓልታት ናብ ሆስፒታል ኣትያ ክትድቅስ ዝተገደደ ቪቪያን፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ነቲ ህጻን ስኢናቶ።

ዋና ኣካያዲት ናይቲ ‘ሃይፐረሜሲስ ግራቪዳሩም’ ( ኤች.ጂ - HG) ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ዝድግፍ ትካል ግብረ ሰናይ ሻርሎት ሃውደን፡ እዚ ጉዳይ ጥዕና ነብሰጾራት ንዊሕ እዋን ሸለል ተባሂሉ ዝጸንሐ ምዃኑ ገሊጻ።

"ሰባት ብሓቂ ዝግደሱሉ መጽናዕታዊ ዓውዲ ኣይነበረን። ‘ሞርኒን ሲክነስ’ [ሕማም ንግሆ] ጥራይ እዩ ዝበሃል ነይሩ። መን ይግደሰሉ ነይሩ?" ትብል።