ምቍራጽ ጽግያት ኣብ ንእስነት የጋጥም ድዩ?

ምንጪ ስእሊ, AMANDA DAWN
ዕድመ 10ታትን 20ታትን ብዙሕ ለውጢ ዝረኣየሉ ግዜ እዩ።
ትምህርቲ፡ ፍቕሪ፡ ካብ ኮለጅን ዩኒቨርሲቲን ምምራቕ፡ ስራሕ ምጅማር፡ ካብ ወለዲ ተፈሊኻ ገዛ ምክራይ. . . መብዛሕትኡ ግዜ ኣብዚ ዕድመ’ዩ ዘጋጥም።
ምስ እዚ ዅሉ ለውጢ ድማ ኣካላትና’ውን እናተቐየረ ይኸይድ።
ብዙሕ ኣካላዊ ለውጥታት ንርኢ ኢና።
እንተዀነ ከጋጥም ዘይንጽበዮ ነገር ኣሎ - ንጽፈ-ጻግነ ወይ ምቍራጽ ጽግያት።
መብዛሕትአን ደቂ ኣንስትዮ ዕድመአን ኣብ መፋርቕ 40ታት ክሳብ ዝበጽሕ ብዛዕባ ንጽፈ-ጻግነ ኣይሓስባን። መብዛሕትኡ ግዜ እዚ ዘጋጥም ድሐሪ 45 ዓመት ዕድመ’ዩ።
ይዅን’ምበር ኣማንዳ ሉዊስ ዘጋጠማ እዚ እዩ ነይሩ። ኣብቲ እዋን ጓል 11 ዓመት ጥራይ እያ ነይራ።
"ኣደይ ናብ ሓካይም ወሲዳትኒ፡ ብዛዕባ ወርሓዊ ጽግያት ሓቲቶምኒ፡ ገለ መርመራታት ድማ ኣካይዶም" ትብል እታ ሕጂ ኣብ ሰላሳታት ዕድመኣ እትርከብ መንእሰይ።
ቅድሚ ልዕሊ 20 ዓመታት’ኳ እንተነበረ፡ ኣማንዳ ግን ልክዕ ከም ትማሊ እያ ትዝክሮ።
“ንባዕለይ ገና ቈልዓ ከለኹ ቈልዑ ኣይወልድን እየ ዝብል ሓሳብ ምቕባል ከቢድ እዩ ነይሩ” ብምባል ከቢድ ውጽኢት ምንባሩ ትገልጽ።
ኣናቤል ኦክሊ-ዋትሰን እውን ንጽፈ-ጻግነ ከጋጥማ ከሎ ጓል 15 ዓመት ጥራይ እያ ነይራ - ተፈጥሮኣዊ ወርሓዊ ጽግያት ድማ ሓደ ግዜ’ዩ ኣጋጢምዋ።
"ጓል 13 ዓመት ከለኹ ሓንቲ ግዜ ወርሓዊ ጽግያት ተራእዩኒ፤ ድሕሪኡ በቃ ደው ኢሉ” ትብል።
ድሕሪ ሓያሎ መርመራታት ድማ ንጽፈ-ጻግነ ከም ዘጋጠማ ተረጋጊጹ። ፈጺማ ክትጠንስን ክትወልድን ዘይምኽኣል ገና ኣብ ዕድመ ንእስነታ ክትቅበሎ ኣዝዩ ከቢድ’ዩ ነይሩ።
"ብሓቂ ኣመና ተሰሚዑኒ” ክትብል ዘኪራ።

ኤማ ደላኒ ብወገና ጓል 25 ዓመት ከላ እያ እዚ ኵነታት ከም ዘለዋ ተረጋጊጹ።
"ብዘይካ ምስትንታን ካልእ ዝገልጸሉ መንገዲ የለን" ትብል።
እዘን ሰለስተ መንእሰያት ዘጋጠመን ነገር ቅድመ-ግዜ ሕጽረት ማህደረ እንቋቝሖ ወይ ብኻልእ ኣጸዋውዓ ድማ ብኣጋኡ ዘጋጥም ንጽፈ-ጻግነ እዩ ነይሩ።
ብኣጋኡ ዘጋጥም ንጽፈ-ጻግነ እንታይ’ዩ?
ወርሓዊ ጽግያት ጓል ኣንስተይቲ ደው ክብል እንከሎ ንጽፈ-ጻግነ ወይ ድማ ምቍራጽ ጽግያት ይበሃል።
ከም ንቡር ንጽፈ-ጻግነ ዝጅምር ቍጽሪ ናይቶም ኣብ ማህጸን ዝተረፉ እንቋቝሖታት ትሕቲ ኣስታት 1000 ምስ ዝወርድ እዩ።
እዚ፡ እታ ጓል ኣንስተይቲ ጽግያታ ወይ ድማ ክተፍሪ ትኽእለሎም ዓመታት ኣብቂዖም ሓድሽ ምዕራፍ ህይወት ትጅመር ምህላዋ የመልክት።
እዚ ኵነታት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ከባቢ 51 ዕድመ ዘጋጥም እዩ።
ቅድሚ’ዚ ድማ ብማእከላይ ገምጋም ካብ 46 ዓመት ዝጅምር ፕሪ-ሜኖፖዝ ተባሂሉ ይፍለጥ። ኣብዚ እዋን ወርሓዊ ጽግያት ዘይስሩዕ ይኸውን።
ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ቅድሚ ኣብዚ ዕድመ ምብጻሓ ዓመታት ጽግያታ ወይ መፍረኣ እንተብቂዖም ንጽፈ-ጻግነ ብኣጋኡ ወይ ኣብ ዘይእዋኑ ኣጋጢምዋ ኣሎ ማለት’ዩ።
ቅድመ-ግዜ ወይ ብኣጋኡ ዘጋጥም ንጽፈ-ጻግነ ኣብ ዝዀነ ዕድመ ክኽሰት ይኽእል’ዩ።
ኣብ ትሕቲ 40 ዓመት ዕድመ ካብ ዝርከባ 100 ደቂ ኣንስትዮ፡ ሓንቲ እዚ ኵነታት የጋጥማ፤ ኣብ ትሕቲ 30 ዓመት ዝዕድመአን ድማ ሓንቲ ካብ 1000 ከምኡ’ውን ኣብ ትሕቲ 20 ዓመት ዝዕድሚአን ሓንቲ ካብ 10,000 ብኣጋኡ ንጽፈ-ጻግነ ከጋጥማ ተኽእሎ ኣሎ።
መንቀሊኡ እንታይ’ዩ?
ሓደ ሓደ ግዜ ብሰንኪ ከም ማህጸን ንምእላይ ዝግበር መጥባሕቲ ዝኣመሰለ ሕክምና፡ ወይ ከም ኬሞቴራፒ ወይ ራድዮቴራፒ ዝኣመሰሉ ፍወሳታት መንሽሮ ክመጽእ ይኽእል።
ብተወሳኺ ከም ዳውን ሲንድሮም ዝኣመሰሉ መሰረታዊ ሕክምናዊ ኵነታት ጠንቂ’ቲ ጸገም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ክኢላታት ይገልጹ።
ኰይኑ ግን ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት - 90 ሚእታዊት - ዝፍለጥ ንጹር ጠንቂ የብሉን።
ብኣጋኡ ዘጋጥም መጠን ንጽፈ-ጻግነ፡ ኢስትሮጅን ክንኪ ስለዝገብር፡ ኣብ ኣዕጽምትን ልብን ናይ ነዊሕ ግዜ ጽልዋ ኣለዎ።

ምክልታት እንታይ’ዮም?
ብኣጋኡ ዘጋጥም ንጽፈ-ጻግነ ብዙሕ ስምዒታዊ ለውጢታት የስዕብ’ዩ። ካብዚኦም ሓዘን፡ ጓሂ፡ ተስፋ ምቝራጽ፡ ኣንስታይነትን ጾታዊ ርክብን ዝህሉ ዝተሓዋወሰ ስምዒታት ይርከብዎም።
ምልክታት ብኣጋኡ ዘጋጥም ንጽፈ-ጻግነ ምስቶም ኣብ ንቡር ንጽፈ-ጻግነ ዘጋጥሙ ዝመሳሰሉ እዮም።
መጠን ኢስትሮጅን ክንኪ እንከሎ፡ ርእሲ፡ ወርሓዊ ጽግያት፡ ቈርበት፡ ጭዋዳታትን ስምዒታትን ኵሎም ይጥቅዑ።
ብዙሓት ምልክታት ኣለው፤ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ገለ ካብዚኦም ወይ ድማ ኵሎም ክስምዑዋ ይኽእሉ።
እቶም ኣዝዮም ዝተለመዱ ምልክታት፡
- ኣብ ገጽ፡ ክሳድን ኣፍልብን ዝፍጠር ዝያዳ ጽዑቕ ሙቐት
- ረሃጽ ለይቲ
- ጸገም ድቃስ
- ምልውዋጥ ስምዒት
- ምድንጋር፡ ምርሳዕን ትዅረትን ምስኣንን
- ሕማም ርእሲ ወይ መርዘን
- ድርቀት ርሕሚ
- ትሑት ባህጊ ጾታዊ ርክብ
- ድኻም እዮም።
ነቶም ምልክታት ዝወሃብ ሕክምና ኣሎ’ዶ?
ዝተዋሃሃደ ከኒና መከላኸሊ ጥንሲ ወይ ድማ ፍወሳ ምትካእ ሆርሞን (HRT)፡ ኣብ እዋን ብኣጋኡ ዘጋጠመ ንጽፈ-ጻግነ ክንክዩ ዝጅምሩ ከም ኢስትሮጅን ዝኣመሰሉ ሆርሞናት ክውስኹ ዝገብሩ ቀንዲ ፍወሳታት እዮም።
እዞም ሕክምናታት ምናልባት እንተወሓደ ክሳብ ዕድመ ተፈጥሮኣዊ ምቍራጽ ጽግያት (ብማእከላይ ገምጋም ክሳብ ከባቢ 51) ክውሰዱ ዝምከሩ’ዮም። እዚ ድማ ከም ምድኻም ኣዕጽምቲን ካልኦት ድሕሪ ምቍራጽ ጽግያት ዝኽሰቱ ኵነታትን ንምክልኻል ይሕግዝ።
እንተዀነ፡ መንሽሮ፡ ምርጋእ ደምን ልዑል ጸቕጢ ደምን ንዘለወን ሰባት ዘይምቹእ ክኸውን ይኽእል’ዩ።
ደቂ ኣንስትዮ፡ እዞም ዝስዕቡ ነገራት ብምግባር እውን ስምዒተን ከመሓይሻ ይኽእላ፡
- ሚዛናዊ ኣመጋግባ - ኣዕጽምቲ ንምጥንኻርን ልቢ ንምክልኻልን ትሑት ስብሕን ልዑል ካልሲየምን ዘለዎ ኣመጋግባ ምምጋብ
- ስሩዕ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምግባር - ጭንቀትን ሕማም ልቢን ንምክልኻልን
- ሽጋራ ምትካኽ ደው ምባል - ሕማም ልብን ውዑይ ፈሳስን ንምክልኻል
- ኣልኮላዊ መስተ ምውጋድ - ውዑይ ፈሳሲ ምንካይ
ድሕሪ ብኣጋ ዘጋጠመ ንጽፈ-ጻግነ ምውላድ ይከኣል ድዩ?
ብኣጋኡ ንጽፈ-ጻግነ ዘጋጠመን ደቂ ኣንስትዮ ብተፈጥሮኣዊ መንገዲ ክጠንሳ ኣይክእላን እየን።
ይዅን’ምበር ቈልዓ ክወልዳ ባህጊ ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ዝሕግዝ ኣገባብ ኣሎ - እዚ ድማ ብመንገዲ ኢን ቪትሮ ፈርቲላይዘሽን (In vitro fertilization - IVF) እዩ።
ኣይቪኤፍ፡ እንቋቑሖን ዋህዮ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይን ኣብ ላቦራቶሪ ብምጽንባር ድቂ ንምፍጣር ዝሕግዝ ቴክኖሎጂ ምፍራይ እዩ።
እንተዀነ ብኣጋኡ ንጽፈ-ጻግነ ዘጋጠማ ጓል ኣንስተይቲ ክትጠንስ ድሌት እንተሃልይዋ፡ ካብ ለጋሲት ሰብ እንቋቑሖ ክትረክብ የድልያ።

ምንጪ ስእሊ, AMANDA LEWIS
ብኣጋኡ ንጽፈ-ጻግነ ዘጋጠማ ጓል ኣንስተይቲ ንኽትጠንስ ካብ ሓደንቲ ለጋሲት እንቋቑሖ ክትረክብ የድልያ።
ሓካይም ማህጸን እታ ሰበይቲ ነታ እንቋቝሖ ንኽትቅበሎን ክትሕብሕቦን ድልውቲ ምዃና ከረጋግጹ መርመራ ይገብሩ።
ኣድላዪ እንተዀይኑ እቶም ሓካይም ነታ ጓል ኣንስተይቲ ንሓጺር እዋን ፍወሳ ኢስትሮጅን ክህብዋ ይኽእሉ እዮም፣ እዚ ድማ ሽፋን ማህጸና ንኽረግፍን ነቲ ድቂ ዝኸውን ከባቢ ከዳሉን ዘኽእል’ዩ።
ብድሕሪ’ዚ ካብታ ለጋሲት ዝተረኸበ እንቋቝሖ ምስ ዋህዮ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ኣብ ላቦራቶሪ ተጸንቢሩ ድቂ ይፍጠር።
እቲ ድቂ ናብ ማህጸና ምስተሰጋገረ፡ እታ ሰበይቲ ነቲ ጥንሲ ንምድጋፍ ዝያዳ ሆርሞናት የድልያ’ዩ፤ ከምተን ብንቡር መንገዲ ዝጠነሳ ኣደታት ነቶም ሆርሞናት ባዕላ ክትሰርሖም ስለ ዘይትኽእል ድማ ነቲ ጥንሲ ዝድግፉ ዝያዳ ሆርሞናት ክትወስድ ኣለዋ።
በዚ ኣገባብ እታ ብኣጋኡ ንጽፈ-ጻግነ ዘጋጠማ ጓል ኣንስተይቲ ባህጊ ውላዳ ምግሃድ ይከኣል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







