ፌስቡክ፡ ስምን ስእልን ደቂ ተባዕትዮ ብምቅላዕ ደቂ ኣንስትዮ ዘጠንቅቕ ዘሎ ጕጅለ ስለምንታይ ስክፍታ ፈጢሩ?

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ ክእለዩ ዝግባኦም ደቂ ተባዕትዮ ብስም ንምጥቃስ ዝቘመ ጕጅለ ማሕበራዊ መራኸቢ "ኣዝዩ ስክፍታ" ይፈጥር ከምዘሎ ተገሊጹ።
"ኣር ዊ ዴቲን ዘ ሰይም ጋይ ቤልፋስት/ዴሪ/ኖርዘርን ኣየርላንድ" ብዝብል ዝጽዋዕ ናይ ብሕቲ ጕጅለ ገጽ ፌስቡክ 25 ሽሕ ኣባላት ኣለዎ።
እቲ ገጽ ዕላማኡ ንኻልኦት ደቂ ኣንስትዮ ምድጋፍን ምሕያልን ምዃኑ ይገልጽ።
ንደቂ ኣንስትዮ "ብዛዕባ ሓሰውትን ዓመጽትን" መጠንቀቕታ ከምዝህብን ብዛዕባ ዝፈልጣኦ ሰብ ሓበሬታ ክረኽባ ከምዝኽእላን ይሕብር።
ካብቶም ትሕዝቶታቱ፡ ናይ ገለ ደቂ ተባዕትዮ ፕሮፋይልን ስእልን ደቂ ኣንስትዮ ብዛዕባ እቶም ውልቀሰባት ገለ መጠንቀቕታ እንተሃልዩ ሓበሬታ ዝሓትት ጽሑፍን ይርክብዎም።
ቻሪቲ ሜንስ ኣሊያንስ ኤንኣይ፡ ዝተበሃለ ዘቤታዊ ግህሰት ዘጋጠሞም ሰባት ዝድግፍ ትካል ግብረ ሰናይ፡ ብኢንተርነት ዝካየድ ጸለመ ኣብ ጥዕና ኣእምሮ ኣሉታዊ ጽልዋ ከምዘሕድር ኣጠንቂቑ ኣሎ።
ቢቢሲ ብዛዕባ ደቂ ተባዕትዮ ከቢድ ስክፍታታትን ክስታትን ዘልዕሉ ርእይቶታት ክርእይ ክኢሉ እዩ።
ብዛዕባ ባህርያት ደቂ ተባዕትዮ፡ ምስ መጻምድቲ ዘለዎም ርክብ፡ ትርኢቶም፡ መስመራት ዕላሎም እንተላይ ስእሎምን ስሞምን ዝሓዙ ርእይቶታት ኣለዉ።
'ልበይ ተሰይሩ'
ጃክ - ሓቀኛ ስሙ ዘይኰነ - ሓንቲ ሰበይቲ ብዛዕባኡ ሓበሬታ ክትሓትት ዝለጠፈቶ ትሕዝቶ ከምዘሎ ምስ ፈለጠ፡ "ልቡ ከም ዝተሰበረ" ንቢቢሲ ገሊጹ።
"ኣነ ከይፈለጥኩ፡ ገጸይን ስመይን ሰባት ርእይቶ ክህቡሉ ከምዝተለጠፈ ምሕሳብ - ዝዀነ ዝተባህለ ነገር ዋላ ሓቂ እንተዘይኰነ ከም ሓቂ ክውሰድ እዩ ዝብል ኣሻቒሉኒ ነይሩ" ይብል።
"እንተዀነ፡ ብቕንዕና እንተተጠቒምካሉ፡ ንዝዀና ብዛዕባ ደቂ ተባዕትዮ ጥርጣረ ክህልወን ዝኽእላ ደቂ ኣንስትዮ ክጠቅም ከምዝኽእል እግንዘብ እየ"።

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
ካልእ ጆኒ ዝበሃል - ንሱ’ውን ሓቀኛ ስሙ ኣይኰነን - በቲ ዘጋጠመ ነገር ከም ዝሰንበደን ተስፋ ከም ዝቘረጸ ይዛረብ።
ወሲኹ፡ ኣብ ኢንተርነት መዘራረቢ ድሕሪ ምዃኑ "ፍሉይ ጉድለት ርእሰ ተኣማንነት" ከምዘጋጠሞ ይገልጽ።
"መዓልታዊ ምሉእ መዓልቲ ከተሓሳሰበኒ ጸኒሑ። ደገ ክወጽእ ከለኹ፡ ‘እዛ ጓል ኣብቲ ፌስቡክ ስለ ዝረኣየትኒ ድያ ብዘገርም መንገዲ ትጥምተኒ ዘላ?’ ኢለ ይሓስብ ነይረ” ይብል።
"ንጥዕና ኣእምሮ ጽቡቕ ኣይኰነን። እዚ ክቕጽል ምፍቃድ ዘሕዝን'ዩ።"
ካሪ ባክስተር ካብ ቻሪቲ ሜንስ ኣሊያንስ ኤንኣይ፡ ሓደ ካብቶም ቀንዲ ስክፍታታቱ፡ “ጸለመ” ኣብ ልዕሊ ደቂ ተባዕትዮ ክህልዎ ዝኽእል ጽልዋ ምዃኑ ይዛረብ።

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
"ንደገ ምውጻእ ይፈርሑ፡ ብጥቓኦም ዝሓልፍ ሰብ ኵሉ ታሪኾም ወይ ድማ ዝተኸሰሱሉ ጉዳይ ዝፈልጥ ስለዝመስሎም ቅንዕ ኢሎም ክኸዱ ኣይክእሉን'ዮም።"
"እዚ ኣብ ጥዕና ኣእምሮኦም ዓቢ ጽልዋ ኣለዎ፣ ክሳብ ነብሰ ቅትለት ዝሓስቡሉ ደረጃ ጸገማት ጥዕና ኣእምሮ ከስዕብ ይኽእል'ዩ" ይብል።
ባክስተር፡ እቲ ጕጅለ ክሳብ ክንደይ ዓቢ ምዃኑ ምርኣይ "ብሓቂ ዘተሓሳስብ" ምዃኑ ይጠቅስ።
ወሲኹ ድማ፡ "ኣብ ኢንተርነት ዝረኣኹዎ ናይቲ ጕጅለ፡ ብዛዕባ ዝዀነ እትጠቕሰሉ ኣገባብ ዘለውዎ ሕጊታት ኣዝዮም ጽኑዓት’ዮም። ከምቲ ዝተረዳእክዎ ግን ዋላ ሓደ ካብቶም ሕጊታት ኣይክበሩን" ኢሉ።
ዝሓሸ ውሕስነት ኢንተርነት
ንግዳያት ዘቤታውን ጾታውን ዓመጽ ደገፍ ኣብ ዝህብ ትካል ኔክሰስ ትሰርሕ ጆኣን ባርነስ፡ እቲ ጕጅለ ዕላማ ብዘየገድስ፡ ነቲ ዘሎ ጸገም ዝበለጸ መፍትሒ ከምዘይኰነ ትዛረብ።
ንሳ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ "ደቂ ኣንስትዮ ንምንታይ ከምዚ ክገብራ ከምዝተሰምዐን ክንርኢ ይግባእ" ኢላ።
"እዚ ቍጽጽር ዘይግበረሉ ወይ ትሑት ቍጽጽር ዝግበረሉ መርበብ ሓበሬታ ስለዝዀነ፡ ደቂ ኣንስትዮ'ውን እቲ ከሕድሮ ዝኽእል ጽልዋ ክርድኣ የድልየና።"
ሓደጋ ጸለመ፡ ወይ'ውን ሲቪላዊ ስጕምቲ ስለዘሎ ሰባት እንታይ ይዝርግሑ ከምዘለዉ'ውን ክፈልጡ ከምዘለዎም ወሲኻ ገሊጻ።
ጾታ መሰረት ዝገበረ ዓመጽ ንምምካትን ድሕነት ኢንተርነት ንምርግጋጽን ዝሕግዙ ተበግሶታት ክተኣታቶ ከምዘለዎም ድማ ኣመልኪታ።
ቢቢሲ ካብ ኣካየድትን ተቘጻጸርትን ናይቲ ገጽ ከምኡ’ውን ካብ ፌስቡክን ርእይቶ ክረክብ ፈቲኑ ነይሩ።

ፖሊስ ኣየርላንድ ኣብ ዝምድናታትን ታሪኽን ዕርክነት ስክፍታታት እንተሃልዩ "ቀያሕቲ መስመራት ዕሽሽ ኣይትበሉ" ይብል።
መርማሪት ሊንሴ ፊሸር፡ "መብዛሕትኦም ናይ ኦንላይን ዕርክነት መርበባትን መተግበሪታትን ዝጥቀሙ ሰባት ቅኑዕ ዕላማ’ኳ እንተሃለዎም፡ ተመኵሮታትና ግን ከምቲ ኢና ዝብልዎ ዘይኰኑ ወይ ባህርያት ጾታዊ መጥቃዕቲ ዘርእዩ ሰባት ከምዘለዉ ይሕብር።"
"ንመጀመርታ ግዜ ምስ ሓደ ሰብ ፊት ንፊት ክትራኸቡ እንተወሲንኩም፡ ኣብ ህዝባዊ ቦታ ከም እትራኸቡ ኣረጋግጹ፤ ኣዕሩኽን ቤተሰብን ብዛዕባ እዚ ርክብን እቲ ቦታን ክፈልጡ ግበሩ" ትብል።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 4,135 ሰባት ጾታዊ ዓመጽን ግህሰትን ከም ዝበጽሖም ምግላጾም ፖሊስ ኣየርላንድ ይሕብር።
ካብዚኦም እቶም 338 ኣብ ገለ ህቡባት ናይ ኦንላይን ናይ ዕርክነት መድረኻትን ናይ ዕላል መተግበሪታትን ዘጋጠሙ’ዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







