እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ዘመነ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሓዘንና ብኸመይ ንገልጽ?
ኣብዚ ዲጂታላዊ ዘመን፡ ሰባት ካብ ብኣካል ንላዕሊ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ይነጥፉ ከም ዘለዉ ይግመት።
ኩሉ ሰብ ሰበር ዜና ነጋሪ፡ ኩሉ ሰብ ርእይቶ ወሃቢ እናኾነ ይመጽእ ኣሎ።
ኩሉ ሰብ ብቐሊሉ ሓጎሱን ሓዘኑን ንሓፋሽ ክገልጽ፡ ኣብ ፖለቲካ ሃገር ርእይቶ ክህብን ኣብ ኩነታት ተፈጥሮ ናይ ገዛእ ርእሱ ኣረኣእያ ከንጸባርቕን ይኽእል።
እዞም ብምስልታትን ብጽሑፍ ዝተደገፉ መልእኽትታት መብዛሕትኡ ግዜ ብቕልጡፍ ከም ዝዝርግሑ ተዓዚብና ኢና።
ብፍላይ ፌስቡክ፡ ንዝሓለፉ 15 ዓመታት ተጠቀምቲ ዝተፈላለየ ትሕዝቶታት ዘካፍልሉ ኣገባብ፡ ንትውፊታትን ልምድታትን ሕብረተሰብ ጥሒሱ ናይ ገዛእ ርእሱ መስርሕ እናሓዘ መጺኡ እዩ።
ብፍላይ ኣብታ ተደጋጋሚ ግጭታት ዘጋጠማ ኢትዮጵያ፡ ስእሊ ናይቶም ኣብቲ ግጭት ዝተጎድኡ ወይ ዝሞቱ ውልቀሰባት ምዝርጋሕ ልሙድ ኮይኑ’ሎ።
ነዚ ጉዳይ ብቐረባ ዝተዓዘበ ምሁር ታሪኽን ደራስን ድሪቢ ደምሰው፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሞት ዝግለጸሉ ኣገባብ ትውፊቱን ስርዓቱን ይስእን ከም ዘሎ ይዛረብ።
ድሪቢ፡ "ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘስካሕክሕ ገበናትን ቅትለት ደቂ ሰባትን ምዝርጋሕ፡ በቲ ሓደ ወገን ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ዝፍጸም ግህሰት ምቅላዕ'ዩ። ብኣንጻሩ እዚ ተግባር እዚ ብዝለዓለ መጠን ንሕልና ደቂ ሰባት ዘደንዝዝ’ዩ” ይብል።
ንሱ፡ ብተደጋጋሚ ኣብ ዘጋጠሙ ግጭታት ዝረአ ዘሎ ቁጽሪ ሞት እናወሰኸ ብምምጽኡ "ንሞትን ንዝሞቱን ሰባት ዘለና ኣኽብሮት" ይምንምን ከም ዘሎ ይሕብር።
ድሪቢ ከም ዝብሎ፡ ኣብ ማእከል ግጭት ዝሞቱ ሰባት ምስሊ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምዝርጋሕ፡ ግህሰትን ዓመጽን ዘቃልዕ’ኳ እንተኾነ፡ ንስድራቤታትን ኣዝማድን ግን ዝያዳ ዘጭነቕ እዩ።
ካህን ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ቀሺ በላይ መኮንን ብወገኑ፡ ዝበዝሑ ተጠቀምቲ ፌስቡክ ዝያዳ 'ላይክን ሼርን' ከምኡ’ውን ተፈታውነት ንምርካብን ክብሉ ካብ ልምድን ባህልን እቲ ሕብረተሰብ ወጻኢ ሓበሬታ ከም ዝዝርግሑ ይዛረብ።
"ሬሳ ዝኾነ ይኹን ሰብ ክብሪ ኣለዎ። ስለዚ ብመሰረት ትውፊትን ባህልን እቲ ሕብረተሰብ ክእንገድ ይግባእ እምበር ናይ ዝሞተ ሰብ ስእሊ ምልጣፍ ኣንጻር ኣነባብራ ሕብረተሰብና እዩ” ይብል ቀሺ በላይ።
“ቀደም ሞት እተርድኣሉ ኣገባብ ነይርዎ። ትውፊት እውን ነይርዎ። ብቐጥታ ነቲ ስድራ ኣይንገረን፤ ንግሆ ናብ ገዛ እቲ ስድራ ከይድካ ኮፍ በሉ ተባሂሉ ምስ ሃድኡ ቀስ ኢልካ ተርድኦም እምበር ኣብ ዕዳጋ ሞት ሰብ ኣይተርድእን።”
"ኣብዚ እዋን'ዚ ሰባት ኣብ ዕዳጋ እናበልዑ ወይ ደው ኢሎም ሬሳ ኣዝማዶም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ይርእዩ" ይብል።
ብተወሳኺ፡ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሞት ጥራይ ዘይኮነ፡ ካልኦት ትውፊታትን ባህልን እቲ ሕብረተሰብ ዝዘርጉ ጉዳያት’ውን ከም ዝዝርግሑ ይጠቅስ።
“ንውልቀሰባት ይጸርፉ። ስድራቤትን ኣዝማድን ዝምልከት ጉዳይ ይልጥፉ። ኣብ ሓደ ውልቀ ሰብ ቅሬታ ስለዘለዎም ጥራይ ንመላእ ቀቢላ ምጽራፍ ልሙድ ኮይኑ'ሎ"።
ብሓፈሻ እዚ ዘመን፡ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ረብሓታትን ከምኡ እውን ሳዕቤናትን ሒዙ ዝመጸ ምዃኑ ይሕብር።
ኣብቲ ሕጂ ዝፍጸም ዘሎ ነገር ስክፍታ ከም ዘለዎ ዝሕብር ድሪባ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ክቡር ሞት ደቂ ሰባት ከም ተራ ነገር ተቖጺሩ እናተለመደ ከም ዝመጸ ይገልጽ።
“ሞት እናበዝሐ ክመጽእ እንከሎ፡ ሬሳታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክዝርጋሕ እንከሎ፡ ሞት ደቂ ሰባት ልሙድ ይኸውን። ካብ ሰብ ሞይቱ ምባል ናብ ክንደይ ሰብ ሞይቱ ክንሰግር ኢና። ነቲ ቁጽሪ እምበር ንሞት ደቂ ሰባት ክብሪ ምሃብ እናነከየ ይመጽእ ኣሎ ማለት’ዩ"።
ሓዘን ንምግላጽ ወይስ ንዝና?
ሰባት ሞት ኣባላት ስድርኦም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብምዝርጋሕ ሓዘኖም ይገልጹ።
እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ዓለማት ኣብ ቀረባን ኣብ ርሑቕን ዝርከቡ ኣዝማድን ፈተውትን ኣብ ሓደ መድረኽ ምርካብ ስለዝከኣል ብኡ ኣቢሎም ሓዘኖም ንምግላጽ እዩ።
ካብዚ ወጻኢ ግን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ስእሊ ምዉታት ዝዝርግሑን ብዛዕባ ዝሞቱ ሰባት ዝተፈላለየ ነገራት ዝጽሕፉን ሰባት ዝተፈላለየ ዕላማ ክህልዎም ከም ዝኽእል ድሪቢ ይጥርጥር።
ገሊኦም፡ "ዝተሰምዖም ሓዘን ንምግላጽ" ዝተወሰኑ ድማ "ዝና ንምርካብ" ክብሉ ክልጥፉ ከም ዝኽእሉ ይሕብር።
እንተኾነ ግን፡ እቲ ጸገም ናይ ቴክኖሎጂ ወይ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘይኮነስ፡ ሰባት ነቲ ቴክኖሎጂ ዝጥቀሙሉ ኣገባብ ምዃኑ ድሪቢን ቀሺ በላይን ይሰማምዑ።
ንኣብነት፡ ገለ ሰባት ተፈታውነት ንምርካብ ስእሊ ናይ ዝሞተ ሰብ ክልጥፉ ከለዉ ፖለቲካዊ ዕላማ ክህልዎም ይኽእል እዩ ዝብል ድሪቢ፡ እዚ ተግባር ኣብቶም ኣዝማድን ቤተሰብን እቲ መዋቲ ኣብ ልዕሊ ሓዘን፡ ሓዘን ክውስኽ ከም ዝኽእል ይገልጽ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦም ካልኦት ሰባት'ውን፡ ብዘይ ፍቓድ ስድራቤት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምስሊ ምዉት ሰብ ምዝርጋሕ ኣብ ስድራ መዋቲን ከምኡ’ውን ኣብ ትውፊትን ስርዓትን እቲ ሕብረተሰብን ብዝተፈላለየ መንገዲ ኣሉታዊ ጽልዋ ከሕድር ከም ዝኽእል ይገልጹ።
ብፍላይ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተፈላለዩ ገበናት ኣብ ዝዝርገሓሉ ዘሎ እዋን፡ ሰባት ዘካፍልዎ ዝኾነ ይኹን ሓበሬታ ብሓላፍነት ክፍጸም ከም ዘለዎ ምኽሮም ይልግሱ።