ህጻናት ንፖርኖግራፊ ይቃልዑ ኣለዉ - ሓድሽ ጸብጻብ

ክሳዕ ትሽዓተ ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት፡ ንፖርኖግራፊ (ወሲባዊ ንጥፈት ዝገልጹ ቪድዮታት፡ ስእሊታትን ጽሑፋትን) ይቃልዑ ከም ዘለዉ ብኮሚሽነር ህጻናት ዓዲ እንግሊዝ ዝተገብረ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ።

ርብዒ ካብቶም 16-21 ዓመት ዝዕድሚኦም መንእሰያት፡ ንመጀመርታ ግዜ ፖርኖግራፊ ኣብ ኢንተርነት ዝረኣዩ፡ ገና ተማሃሮ መባእታ ቤት ትምህርቲ እንከለዉ ከም ዝኾነ ይሕብር።

ኣብ 13 ዓመት ዕድሚኦም፡ 50 ሚእታዊት ንፖርኖግራፊ ተቓሊዖም ነይሮም።

እዞም ርኽበታት ምስትሑት ርእሰ-ምትእምማን መንእሰያትን ጎዳኢ ኣረኣእያታት ጾታዊ ርክብን ዝምድናታትን ዝተኣሳሰሩ እዮም።

ኮሚሽነር ዳም ራቸል ደ ሶዛ፡ "ኣዝዩ ዘሻቕል" እዩ ኢላ።

ኣብ ልዕሊ 1,000 ደቂ 16-21 ዓመት ዝዕድሚኦም መንእሰያት ዝተገብረ፡ ብደረጃ ሃገር ውክልና ዘለዎ መጽናዕቲ፡ እቶም 38 ሚእታዊት ብሃንደበት ትሕዝቶ ፖርኖግራፊ ከም ዝረኸቡ የመልክት።

ሸሞንተ ዓመት ዝዕድሚኡ ወዲ ጆኣን ሽናይደር፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝሰምዖም ናይ ጸርፊ ቃላት ኣብ መድለዪ ኢንተርኔት ምስ ጸሓፈ መርበብ ሓበሬታ ፖርኖግራፊ ኣጋጢምዎ።

"ኩሉ ንቡር ናይ ድሕነት ሜላታት ተጠቒምና፡ ከም ዩትዩብ ዝኣመሰሉ መተግበሪታት ኣሊና ኔርና፡ ግን ወደይ ኣብ ውሽጢ ሒደት ካልኢታት ንነብሱ ንቈልዑ ኣብ ዘይኸውን መርበብ ሓበሬታ ክረኽባ ከም ዝኽእል ፈጺምና ኣይሓሰብናን" ትብል ኣዲኡ ጆኣን ሽናይደር።.

እቲ ዝተፈጥረ ነገር ምስ ርኣየት፡ "ነቲ ዌብ-ሳይት ዓጽየዮ፡ ኣነን ንሱን ግን በቲ ዝረኣናዮ ነገር ሰንቢድና ተሪፍና። ብዛዕባ እቲ ኩሉ ነገር ኣዝዩ ሕማቕ ስምዒት ተሰሚዑኒ።"

"ሃንደበት ንኹሉ ክገልጸሉ ነይሩኒ፡ እንተላይ እቲ ዝረኣዮ ነገር ስኑዕን ካብቲ ናይ ብሓቂ ሰባት ዝፍጽምዎ ዝረሓቐን ከም ዝኾነ" ክተረድኦ ከም ዝተገደደት ትሕብር።

'ምሕናቕ' ከም ንቡር ይረአ

ካብቶም ካብ 18-21 ዓመት ዝዕድሚኦም፡ እቶም 79 ሚእታዊት ኣብ እዋን ንእስነቶም ጾታዊ ዓመጽ ዘጠቓልል ፖርኖግራፊ ርእዮም እዮም።

ዳርጋ ፍርቂ ካብቶም መንእሰያት፡ ኣዋልድ፡ ጾታዊ ርክብ ከም 'ምድራት መስመራት ምስትንፋስ ዝኣመሰሉ ኣካላዊ ጥቕዓት ዘጠቓለለ ክኸውን ይጽበያ እየን' ኢሎም ከም ዝሓስቡ ምግላጾም እቲ ጸብጻብ ኮሚሽነር የመልክት።

ሓንቲ ጓል 12 ዓመት፡ ኣፍቃሪኣ ንመጀመርታ እዋን ክሰዓዓሙ ከለዉ ከም "ዝሓነቓ" ንኮሚሽነር ዳም ራቸል ገሊጻ። ንሱ፡ ከምኡ ክግበር ኣብ ፖርኖግራፊ ርእዩ ስለ ዝነበረ "ንቡር መሲልዎ" ትብል።

እታ ኮሚሽነር "ነፍሲ ወከፍ ሓላፍነት ዘለዎ ዝበጽሐ ሰብ" ነቲ ርኽበታት ብዕቱብ ክወስዶ ትላቦ።

እቲ ብሃውስ ኦፍ ሎርድስ ዝረአ ዘሎ እማመ ድሕነት ኦንላይን፡ ንህጻናት ካብ ናይ ኢንተርነት ፖርኖግራፊ ንምክልኻል ክውዕል ከም ዘለዎ ትዛረብ።

"ንኣሽቱ ህጻናት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዓመጽን ጽልኢ ደቂ ኣንስትዮ ዘርእዩ ትሕዝቶታት ኣይርእዩን ማለት ኣይኮነን" ትብል።

"ድሕሪ 20 ዓመት፡ ንድሕሪት ተመሊስና ክንጥምትን በቲ ህጻናት ዝቃልዑሉ ዝነበሩ ትሕዝቶ ክንስንብድን ኢና ዝብል እምነት ኣለኒ።"

"ፍጹም ንጹር ክኸውን - ብኢንተርነት ዝቐርቡ ትሕዝቶታት ፖርኖግራፊ ምስ ኣብ መጽሔት ንረኽቦም ስእልታት ማዕረ ኣይኮነን" ክትብል ገሊጻ።

ዳም ራቸል፡ ወለዲ ኣብ ገዝኦም ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ብግልጺ ክዛተዩን ፖርኖግራፊ ዘይንቡርን ተዋስኦ ምዃኑ ብንጹር ክገልጹን ተተባብዕ።

ምእንቲ ህጻናት ከይደናገሩ፡ ወለዲ ብዛዕባ እቶም ክርእይዎም ዝኽእሉ ነገራት፡ ንዕድመ ብዝምጥን መንገዲ ክገልጹሎም ከም ዘድሊ ንቢቢሲ ሓቢራ።

እቲ እማመ 'ድሕነት ኦንላይን' ኣብዚ ሰሙን ኣብ ባይቶ ዝግምገም ኮይኑ፡ ገለ ኣባላት ባይቶ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ገደብ ዕድመ ዝምልከቱ፡ ዝያዳ ዝተረሩ ስጉምትታት ከካትቱ ጻውዒት ይገብሩ ኣለዉ።

እታ ኮሚሽነር፡ ወለዲ ብዘይ መንግስታዊ ምትእትታው "ነቲ ዋሕዚ ደው ከብሉዎ ኣይክእሉን" ብምባል ነቲ ሕጊ ዘለዋ ደገፍ ትገልጽ።

"ብግልጺ [ናይ ቴክኖሎጂ ትካላት] ብዙሕ ቢልዮናት ዘንቀሳቕሳ ኩባንያታት እየን፡ ሞራላዊ ዓውዲ ክህልወንን ነዚ ድማ ሕጂ ክትግብራን ይግባእ" ክትብል ወሲኻ ገሊጻ።

እቲ መጽናዕቲ፡ ትዊተር ንመንእሰያት ቀንዲ ምንጪ ፖርኖግራፊ ምዃኑ ይሕብር፡ 41 ሚእታዊት ብትዊተር ከም ዝረኸብዎ ይገልጹ።

ቀጺሎም ውፉያት መርበባት ፖርኖግራፊ፡ ኢንስታግራም፡ ስናፕቻትን መድለዪ መርበባትን ብተኸታታሊ ይቕመጡ።

'ሕሉፍ ትሕዝቶ'

ትካል ግብረ ሰናይ ሃገራዊ ማሕበር ምክልኻል ጭካነ ንህጻናት፡ መንግስቲ፡ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ንምክልኻል ኣብቲ እማመ ድሕነት ኦንላይን፡ ጽኑዕ ስጉምትታት ከተግብር ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ክጽውዕ ጸኒሑ እዩ።

መራሒ ፖሊሲ ሪቻርድ ኮላርድ፡ ፖርኖግራፊ ክህልዎ ዝኽእል ጽልዋ "ኣዝዩ ዘተሓሳስብ'ዩ" ኢሉ።

ንሱ፡ "ኦፍኮም (ቤት ፅሕፈት መራኸቢ ብዙሃን)፡ ፖርኖግራፊ ኣብ ዝረኣየሉ መድረኻት ዕድመ ንምርግጋጽ ዝሕግዙ ድልዱል ስጉምትታት ንምዝርጋሕ ትሑት ደረጃታት ናይ ምቕማጥ ስልጣን ክወሃቦ ኣለዎ" ኢሉ።

"እዚ ድማ ህጻናት ካብ እዋናውን መጻእን ጉድኣት ከም ዝሕለዉ ዘረጋግጽ'ዩ።"

ካብ ወሃቢ ድሕነት-ቴክኖሎጂ 'ቨሪፋይማይ' ዝኾነ ኣንዲ ሉልሃም፡ እቲ ጸብጻብ "ኣዝዩ ዘተሓሳስብ'ኳ እንተኾነ፡ እቲ ዘሕዝን ግን፡ ዘገርም ኣይኮነን" ኢሉ።

"ከምዚ ሕጂ ዘለዎ፡ ህጻናት ብቐሊሉ ፖርኖግራፊን ካልኦት ሕሉፍ ትሕዝቶታትን ኣብ ኢንተርነት ካብ ምርካብ ዝዓግቶም ነገር የለን" ይብል።

"እዚ ጉዳይ ኣዝዩ ነዊሕ ዝጸንሐ'ዩ - ፖለቲከኛታት፡ ተቖጻጸርትን ውልቃዊ ጽላትን ኣብ መወዳእታ ተኣኪቦም ነቲ ኣዝዩ ተቓላዓይ ክፋል ሕብረተሰብ ዝኾኑ ህጻናት ንምሕላው ዝሕግዙሉ እዋን ሕጂ'ዩ።"