እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
“ጠያይቲ ኣዝኒቦምልና” - ናብ ስዑዲ ንምእታው ዝፈተኑ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት
ሓድሽ ጸብጻብ ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ሓለውቲ ዶባት ስዑዲ ዓረብ ጃምላዊ ቅትለት ስደተኛታት ይፍጽሙ ምህላዎም ከሲሱ።
እቲ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ፡ ብዙሓት ካብ'ቶም ስደተኛታት ካብታ ብኲናት ዝተሃስየት የመን ሰጊሮም ናብ ስዑዲ ዓረብ ዝበጽሑ ኢትዮጵያውያን ይርከብዎም።
ንቢቢሲ ዝተዛረቡ ገለ ስደተኛታት፡ ብጥይት ኣካላዊ ጉድኣት ከምዘጋጠሞምን ኣብ መገዲ ሬሳታት ከም ዝረኣዩን ንቢቢሲ ሓቢሮም።
እቲ ‘ተኹሲ ኣዝኒቦምልና’ ብዝብል ኣርእስቲ ዝወጽአ ጸብጻብ፡ ኣብቲ ጽንኩር ሰሜናዊ ዶብ የመንን ስዑዲ ዓረብን፡ ብፖሊስን ወተሃደራትን ስዑዲ ዓረብ ብጥይት ከምዝተሃርሙን ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ብነታጒ ዒላማ ከምዝተገብሩ ዝገልጹ ስደተኛታት ምስክርነት ዝሓዘ እዩ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦም ስደተኛታት፡ ኣብታ ብነዳዲ ሃብታም ዝዀነት ሃገር፡ ስራሕ ንምድላይ ዶብ ክሰግሩ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝርከብዎም ኢትዮጵያውያን፡ ኣብ’ቲ ናይ ለይቲ ጉዕዞ ዝረእዩዎ ቅትለታት ተዛሪቦም።
ስዑዲ ዓረብ ግን ኣብቲ ምስ የመን ኣብ ዘዳውብ ከባቢ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ብሓለውቲ ዶባት ዝፍጸም ዘሎ ቅትለት ንዝገልጽ ጸብጻብ ነጺጋ።
ሓደ በዓል ስልጣን ስዑዲ ዓረብ፡ እቲ ጸብጻብ - ምስቶም ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ሰባት ኣብ ዝተገብረ ቃለ መሕትት ዝተመርኮሰ - ዘየተኣማምን ጸብጻብ እዩ ኢሉ።
ወዲ 21 ዓመት ሙስጣፋ ሱፍያ መሓመድ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እቲ ተኹሲ ብዘይ ዕረፍቲ እዩ ዝቕፅል" ኢሉ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ሓምለ፡ 45 ዝኾኑ ስደተኛታት ዝነበራ ጉጅለኡ ዶብ ሰጊሮም ክሓልፉ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን ብዙሓት ከምዝተቐተሉ ሓቢሩ።
"ብጥይት ከምዝተወቓዕኹ’ውን ኣየስተብሃልኩን ነይረ" ይብል ንሱ፡ "ተንሲአ ክኸይድ ኣብ ዝፈተንኩሉ እዋን ግን ገለ ክፋል ሓደ እግረይ ምሳይ ኣይነበረን”።
ጥምየትን ዓመጽን ዝመልኦ ናይ ሰለስተ ወርሒ ጉዕዞ ዘስካሕኽሕ እዩ ነይሩ።
ኣብቲ እዋን ዝተቐድሐ ቪድዮ፡ ጸጋማይ እግሩ ኣዝዩ ከምዝተሃሰየ የርኢ።
ሙስጠፋ፡ ሕጂ ናብ ወለዱ ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሱ፡ ትሕቲ ብርኩ ተቖሪጹ ብምርኩስ'ዩ ዝንቀሳቐስ።
"ህይወት ስድራይ ከማሓይሽ ስለዝደለኹ እየ ናብ ስዑዲ ዓረብ ዝኸድኩ" ይብል እቲ ኣቦ ክልተ ቈልዑ።
"እቲ ተስፋ ዝገበርክዎ ግን ቅሂሙ። ሕጂ ወለደይ ኩሉ ይገብሩለይ ኣለዉ።"
'ግራውቲ ቅትለት'
ገለ ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ሰባት ምልክታት ስንባደ የርእዩ።
ኣብ ርእሰ ከተማ የመን እትነብር ዛህራ፡ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ክትዛረብ ኣይትኽእልን እያ።
ጓል 18 ዓመት ምዃና እያ ትገልጽ፡ ግን ንእሽቶ ትመስል። መንነታ ንምሕላው ትኽክለኛ ስማ ኣይኮናን ንጥቀመሉ ዘለና።
እቲ ኣስታት 2,500 ዶላር ዝኸፈለትሉ ጉዕዞኣ፡ ኣብ ዶብ ብጥይት ተዛዚሙ።
ሓንቲ ጥይት ንኹለን ኣጻብዕቲ ኢዳ ወዲኣተን።
ብዛዕባ መጉዳእታ ምስ ተሓተተት፡ ናብ ኻልእ ሸነኽ ትጥምት፡ ደፊራ ብዛዕብኡ ክትዛረብ ኣይትኽእልን።
ብመሰረት ጸብጻብ ኣህጉራዊ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ዓመት ልዕሊ 200 ሽሕ ሰባት ነዚ ሓደገኛ ጉዕዞ ይፍትኑ።
ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ የመን ብባሕሪ ይሰግሩ፡ ድሕሪኡ ድማ ናብ ስዑዲ ዓረብ ብእግሪ ይጓዓዙ።
ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ብዙሓት ኣብ መንገዲ ማእሰርትን መግረፍትን ከምዘጋጥሞም ይገልጹ።
እቲ ጉዕዞ ባሕሪ ሓደገኛ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ገማግም ባሕሪ ጅቡቲ ብዘጋጠማ ምጥሓል ጃልባ ልዕሊ 24 ስደተኛታት ደሃዮም ከምዝጠፍአ ይዝከር።
ኣብ የመን ቀንዲ መስመር ስደተኛታት ብመቓብር ናይቶም ኣብ መንገዲ ዝሞቱ ሰባት ዝመልአ እዩ።
ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ርእሰ ከተማ ሰንዓ፡ ንመብዛሕትኡ ክፋል ሰሜናዊ የመን ብዝቆጻጸሩ ሓይልታት ሑቲ ኣብ ዝመሓደር መዳጎኒ ማእከል ዝተልዓለ ባርዕ ሓዊ፡ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ሞይቶም።
ኣብቲ ጸብጻብ ዝተዘርዘሩ ግህሰታት ግን፡ ብዓቐንን ብባህሪኦምን ዝተፈላለዩ እዮም።
"እቲ ዝሰነድናዮ ብመሰረቱ ጃምላዊ ቅትለት'ዩ" ትብል ቀንዲ ኣዳላዊት’ቲ ጸብጻብ፡ ናድያ ሃርድማን።
"ሰባት ከም ግራውቲ ቅትለት ዝጽውዑ፡ ሬሳታት ኣብ ፈቖድኡ ተደርብዩ ዝረኣየሎም ቦታታት ከምዘለዉ ገሊጾም፡" ትብል።
እቲ ካብ መጋቢት 2022 ክሳብ ሰነ ናይዚ ዓመት ዝሽፍን ጸብጻብ፡ ነታጒ ዘካተተ 28 ዝተፈላለዩ ፍጻመታትን ካብ ቀረባ ርሕቀት ዝተፈጸመ 14 ተኹስታትን ብዝርዝር ይገልጽ።
"ብህይወት ዝደሓኑ ሰባት ዝላእኹለይ ኣማኢት ምስልታትን ቪድዮታትን ርእየ እየ። ዘስካሕክሕ መጉዳእትን ቁስልን ዝሓዙ እዮም።"
ርሕቐት ናይቲ መሳገሪ ዶባትን ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ሰባት ንምድላይ ኣጸጋሚ ምዃኑን፡ ክንደይ ሰባት ከምዝተቐትሉ ብትኽክል ንምፍላጥ ከምዘይከኣልን እቶም ኣዳለውቲ ይዛረቡ።
"ብውሑዱ 655 ንብል፡ እንተኾነ ግን ኣሽሓት ክኾኑ ተኽእሎ ኣሎ" ትብል ሃርድማን።
"እቲ ግህሰት ሰፊሕን ስርዓታውን ምዃኑን ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ክኸውን ከምዝኽእልን ብጭቡጥ ኣረጋጊጽና ኢና" ኢላ።
ብሓይልታት ጸጥታ ስዑዲ ዓረብ ዝተፈጸመ ሰፊሕ ቅትለት ዝገልጽ ጸብጻባት ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ክኢላታት ሕቡራት ሃገራት ናብ መንግስቲ እታ ሃገር ኣብ ዝጸሓፍዎ ደብዳበ እዩ ተዘርጊሑ።
"ስርዓታዊ ቅዲ ዝመስል ሰፊሕን ማእለያ ዘይብሉን ስግረ-ዶባዊ ቅትለት፡ ብመዳፍዕን ብሓይልታት ጸጥታ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝትኩስ ንኣሽቱ ኣጽዋርን ብምጥቃም ዝፍጸም እዩ" ክብሉ ኣጉሊሖም።
እቲ ክስታት ኣዝዩ ዘስካሕክሕ እኳ እንተኾነ፡ እቲ ደብዳበ ዳርጋ ተዓብዒቡ እዩ ተሪፉ።
ስዑዲ ዓረብ ነቲ ክስታት ትነጽግ
መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ነቲ ክስታት ብዕቱብ ከምዝወስዶ እኳ እንተገለጸ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ግን እቲ ቅትለት ስርዓታዊ ወይ ሰፊሕ ምዃኑ ምግላጹ ብትሪ ነጺግዎ።
መንግስቲ፡ "ብመሰረት እቲ ዝተረኽበ ውሱን ሓበሬታ፡ ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ዝርከቡ ሰበስልጣን ነቲ ክስታት ዘረጋግጽ መረደእታ ወይ መርትዖ ኣይረኸቡን" ክብል መሊሱ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግን፡ ‘ሚክስድ ማይግሬሽን’ ዝተባህለ ዓለማዊ መርበብ መጽናዕቲ፡ ምስቶም ዝደሓኑ ሰባት ዝገበሮ ቃለ መሕትት መሰረት ብምግባር፡ ኣብቲ ዶብ ብዝተፈጸመ ቅትለት ተወሳኺ ክስታት ኣሕቲሙ ነይሩ።
እቲ ጸብጻባ ኣብ መላእ’ቲ መገዲ፡ ፋሕ ዝበሉ ዝመሽመሹ ሬሳታት ከምዘለውን፡ ዝተትሓዙ ስደተኛታት ኣበየነይቲ እግሮም ክውቅዑ ከም ዝደልዩ፡ ብሓለውቲ ዶብ ስዑዲ ዓረብ ከምዝሕተቱን ይገልጽ።
እቲ ብሂዩማን ራይትስ ዎች ዝተዳለወ ጸብጻብ ክሳብ ሕጂ እቲ ኣዝዩ ዝዓሞቐ ኮይኑ፡ ብዙሓት ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ጸብጻባትን ሳተላይት ምስልታትን ናይቶም ቅትለታት ዝተፈጸመሎም መሳገሪ ነጥብታት ከምኡ'ውን ግዝያዊ መቓብር ቦታታትን ዝሓዘ እዩ።
እቲ ጸብጻብ፡ ብዛዕባ ኣብ ውሽጢ የመን ኣብ ዝርከብ ‘ሞናቢህ’ ዝተብሃለ መዳጎኒ ማእከል'ውን ይገልጽ፤ ስደተኛታት ብዕጡቓት ኣሰጋገርቲ ተዓጂቦም ነቲ ዶብ ቅድሚ ምስጋሮም ዝእከቡሉ እዩ።
ብመሰረት ሓደ ቃለ መሕትት ዝተገብረሉ ስደተኛ፡ ዕጡቓት ሑቲ የመን ኣብ ሞናቢህ ሓላፍቲ ጸጥታ ኮይኖም ምስቶም ኣሰጋገርቲ ኮይኖም ይሰርሑ።
ብሳተላይት ዝተወሰደ ስእሊ፡ ኣብ ውሽጢ ብሓጹር ዝተኸበበ ቀጽሪ፡ ኣብ ቀረባ ዝተሰርሑ ድሙቓት ኣራንሺ ዝሕብሮም ቴንዳታት የርኢ።
ጸብጻብ ሂዩማን ራይትስ ዎች ክሳብ ሰነ ናይዚ ዓመት ዘጋጠሙ ፍጻመታት ዝሽፍን ክኸውን ከሎ፡ ቢቢሲ ግን እቲ ቅትለት ይቕጽል ከምዘሎ ዘርኢ መርትዖታት ኣቃሊዑ ኣሎ።
ኣብ ሰሜናዊት ከተማ ሳዓዳ፡ ቢቢሲ ዝረኣዮ ተንቀሳቓሲ ስእሊ፡ ኣብ ዶብ ዝተጎድኡ ስደተኛታት ናብ ሓደ ሆስፒታል ክኣትዉ የርኢ። ኣብ ጥቓኡ ኣብ ዝርከብ መቓብር፡ ስነስርዓት ቀብሪ ይካየድ ነይሩ።
ቢቢሲ ብዛዕባ’ቶም ብጸብጻባት ዝቐረቡ ክስታት ርእይቶ ንምርካብ ናብ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ሓቲቱ’ኳ እንተነበረ፣ መልሲ ኣይረኸበን።