እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትግራይ፡ ረድኤት ድሕሪ ምቁራጹ ብውሕዱ 1400 ሰባት ብጥሜት ሞይቶም
ኣብ ትግራይ ረድኤት ብሰንኪ ስርቂ ድሕሪ ምቁራጹ፡ ብውሕዱ 1400 ሰባት ብጥሜት ከምዝሞቱ ሓደ በዓል ስልጣን ገሊጹ።
ፕሮግራም መግቢ ሕቡራት ሃገራት (WFP) ከምኡ’ውን ትካል ረድኤት ኣሜሪካ (ዩኤስኤይድ)፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት እዮም ናብ ትግራይ ዘቕርብዎ ናይ መግቢ ሓገዝ ደው ኣቢሎም።
ሰብ መዚ ትግራይ ድሕሪ ዝገበርዎ መርመራ፡ ኣብቲ ስርቂ ዝተዋፈረ፡ 500 ሰባት ዘለዎ ሓደ ጉጅለ ምርካቦም፡ እቲ በዓል ስልጣን ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ዝተካየደ ኲናት ኣብ 2021 ዓጸቦ ዝመስል ኵነታት ተኸሲቱ ምንባሩ ይዝከር።
እቲ ሰራዊት ኤርትራ’ውን ዝተሳተፈሉ ኲናት ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር ኣብ ፕሪቶርያ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ህወሓትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ብዝተበጽሐ ስምምዕ እዩ ኣብቂዑ።
ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሊሰጎን ኦባሳንጆ፡ ብሰንኪ እቲ ንኽልተ ዓመት ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ኣስታት 600 ሽሕ ሰባት ከምዝሞቱ ገሊጹ ነይሩ። ሞት እቶም ኣማኢት ኣሻሓት ሰላማውያን ኲናት፣ ጥምየትን ሕጽረት መድሓኒትን ከምዝኾነ እዮም ኣጽናዕቲ ይሕብሩ።
ፕሮግራም መግቢ ሕቡራት ሃገራትን ዩኤስኤይድን ብሰንኪ እቲ ኲናት ንዝተሃስዩ ከባቢ 6 ሚልዮን ነበርቲ ትግራይ ረድኤት ክልእኹ እኳ እንተጀመሩ፡ እቲ ረድኤት ተጨውዩ ኣብ ዕዳጋታት ይሽየጥ ምህላው ድሕሪ ምርግጋጾም እዮም ነቲ ሓገዝ ደው ኣቢሎምዎ።
ወሃቢ ቃል ፕሮግራም መግቢ ሕቡራት ሃገራት ኣብዚ ሰሙን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ “ነቲ ገብናዊ ንጥፈታት ርኢና ከምዘይረኣና ክንሰግሮ ኣይንኽእልን፡” ኢሉ።
ዩኤስኤይድ ካብ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ኣብ ካልእ ክፋላት ኢትዮጵያ’ውን ዘቕርቦ ሓገዝ ደው ኣቢሉ ኣሎ።
ብዙሓት መራኸቢ ብዙሓን ከም ዝጸብጸብኦ፡ ልሒዅ ዝወጸ መዘክር፡ ብትካላት ፌደራላውን ክልላውን መንግስታት “ዝተወደበ ገበናዊ ሽርሒ” ኣብ መላእ እታ ሃገር ንወተሃደራዊ ኣሃዱታት ተረባሕቲ ዝገብር ምንባሩ ይጠቅስ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ክስታት ይምርምሮ ከምዘሎ እኳ እንተሓበረ ዛጊት ብዛዕባ ርኽበታቱ ኣይገለጸን።
ሰራዊት ኢትዮጵያ ግና ወተሃደራቱ ተጠቀምቲ ናይቲ ዝተሰረቐ ረድኤት መግቢ ምንባሮም ንዝገልጽ ክሲ ነጺግዎ።
ሓላፊ ኮምሽን ምእላይ ስግኣት ሓደጋ ትግራይ ኣቶ ገብረሂወት ገብረእግዚኣብሄር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቲ ሓገዝ ካብ ዝቋረጽ ንደሓር ካብ ሰለስተ ዞባታት ጥራሕ - ማለት ሰሜን፡ ሰሜናዊ ምዕራበን ደቡባዊ ምብራቕን፡ ከባቢ 1400 ብሰንኪ ጥሜት ምማቶም ገሊጹ።
ኣሃዛት ናይ ካልኦት ዞባታት ትግራይን ከተማ መቐለን እንተተወሲኽዎ እቲ ቁጽሪ ኣዝዩ ክዛይድ ከምዝኽእል’ውን ሓቢሩ።
492 ጥርጡራት መርመራ ይግበረሎም ከምዘሎን፡ ዛጊት ኣብቲ ውዲት ተሳትፎ ዝነበሮም 198 ክሲ ከምዝተመስረተሎም ከኣ ገሊጹ።
ካብ መንጎ እቶም ጥርጡራት፡ ሰብ መዚ መንግስቲ፡ ሰራሕተኛታት ትካላት ረድኤት፡ ብሰንኪ እቲ ግጭት ንዝተመዛበሉ ሰባት ኣዕቍበን ናይ ዝርከባ መዓስከራት ኣካየድቲ ከምኡ’ውን “ረድኤት መግቢ ዝዕድሉ መሻርኽቲ ኣካላት” ከምዝርከቡዎም ኣቶ ገብረሂወት የረድእ።
“ነጋዶ ብፍላይ ከኣ ናይ እኽሊ መሸጣን እንዳ መጥሓንን ዘለዎም’ውን” ከምዝተሳተፍዎ ዝገልጽ እቲ ሓላፊ እቲ መርመራ ዳርጋ ናብ ምዝዛሙ ከምዝተቓረበ ሓቢሩ።
እቲ ሓገዛት መዓስ ዳግማይ ከምዝጅምር ኣይፍለጥን።
ወሃቢ ቃል ፕሮግራም መግቢ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ትግራይ ኣባላቱ፡ “መግቢ ዳግማይ ኣብ ኢድ ዘይምልከቶም ኣካላት ከምዘይኣቱ ንምርግጋጽ ለይትን ቀትርን ይሰርሑ ኣለው” ኢሉ።
ንሱ ወሲኹ፡ “ዳብሊውኤፍፒ፡ ዝኾነ ምቁራጽ ሓገዝ ኣብ ልዕሊ እቶም ተጸበይቲ ክህልዎ ዝኽእል ጽልዋ ኣዝዩ የሻቕሎ እዩ፤ ስለዚ እቲ ረድኤት መግቢ ኣብቶም ዘድልዮም ከምዝበጽሕ ንምርግጋጽ ክግበር ዝከኣል ኩሉ ንገብር ኣለና፡” ኢሉ።
ቢቢሲ ንኩነታት ጥሜት ንምርኣይ ናብ ከተማ ሽረ ተንቀሳቒሱ ኔሩ።
ብዋሕዲ ደም እትሳቐ፡ ጓል 28 ዓመት ወይዘሮ መብርሂት ሃይላይ ካብ ሕዳር ጀሚሩ ረድኤት ከምዘይተቐበለትን ክትልምን ከምዝተገደደትን ተዛሪባ።
“ዝበዝሕ ግዜ፡ እንጀራ ጨው ጌርና ኢና ንበልዕ። ሓካይም ዝተመጣጠነ መግቢ ክበልዕ ነጊሮምኒ፤ ግና ካበይ ከምጽኦ?”
ሸሞንተን ሽዱሽተን ዝዕድሚኦም ኣዝዮም ማሲኖም ኣዒንቶም ንውሽጢ ኣትዩ ኣዕጽምቶም ጎሊሑ ይርአ።
ሸዑ ወይዘሮ መብርሂት መዓልታ ዝቐረበ ነፍሰጾር እያ ኔራ፤ ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ከኣ ጓል ተገላጊላ።
ዕድል ጌራ እታ ህጻን ጥዕይቲ ምዃና ነጊራትና።
ኣብኡ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል እትሰርሕ ነርስ ክብራ መብራህቱ፡ ብዙሓት ኣደታት መግቢ ብዘይምርካበን ከጥብዋ ከምዘይክእላን “ብዙሓት ቈልዑ ናብ ሞት ተሳጢሐም” ናብቲ ሆስፒታል ከምዝመጹ ትገልጽ።
“ኣብዚ ወርሒ ጥራሕ ኣርባዕቲ ሞይቶምና። ሳዕቤን እቲ ግጭት፡ ስእነት መግቢ፡ ሕጽረት መጉዓዝያ፡ ከቢድ እዩ፡” ኢላ።
ቢቢሲ ኣብቲ ሆስፒታል ጓል ሸሞንተ ዓመት ህጻን ራሄል፡ ኣዝያ ማሲና መሰንግለታታ ጎሊሑ ተቓሊዑ ርእዩ።
ንሳ ክብደታ 10 ኪግ ጥራሕ እዩ ኔሩ እዚ ማእከላይ ሚዛን ናይ ቈልዓ ሓደ ዓመት እዩ።
ኣዲኣ ወይዘሮ ሂወት ለባሲ፡ እቲ ረድኤት መግቢ ከምዝተቋረጸ ብዳብሊውኤፍፒን ዩኤስኤይድን ቅድሚ ምእዋጁ ቅድሚ ኣዋርሕ ጀሚሩ ይወሃባ ከምዘይነበራ ገሊጻ።
“ሳሕቲ፡ ሒደት ይመጽእ ኔሩ፡ ኣነ ግና ኣይተዋሃብኩን። ብልሽውና ዘሎ ይመስለኒ፡” ኢላ።