ንኽልተ ሰሙን ኣብ መርከብ ተሓቢኦም ንኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ ዝሰንጠቑ መንእሰያት

ኣርባዕተ መንእሰያት፡ ናብ ኣውሮጳ ንምእታው ኣብ ዳሕረዋይ ክፋል መርከብ ተሓቢኦም ጉዕዝኦም ጀሚሮም።

እታ መርከብ ግን ናብ ኣውሮጳ ዘይኮነት ናብ ብራዚል’ያ ትኸይድ ነይራ። ኣብቲ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝኾነ ቦታ ኮይኖም ከኣ ንኽልተ ሰሙን ተጓዒዞም ንኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ ሰንጢቖም ናብ ብራዚል ኣትዮም።

እቲ ጉዕዝኦም ከመይ ነበረ? ነዚ ኩሉ መዓልታት’ከ ብኸመይ ሓሊፎምዎ?

ናብ 27 ሰነ ኣብ ዘውግሕ ፍርቂ ለይቲ ሕልፍ ምስ በለ፡ ሮማን ኢቢመነ ፍራይደይ ነቲ ንነዊሕ ግዜ ከዋህልሎ ዝጸንሐ መግቢ ሒዙ ብጸልማት ናብታ ኣብ ወደባዊት ከተማ ሌጎስ ተጸጊዓ ዝነበት ናይ ንግዲ መርከብ ተጸጊዑ።

ሮማን ብቀትሪ ነታ 190 ሜትሮ ቁመት ዝነበራ ነዳዲ ጺዒና ዝነበረት መርከብ ምስ ርኣያ’ዩ ኣብታ መርከብ ተሓቢኡ ናብ ኣውሮፓ ክኣቱ ወሲኑ።

ሮማን ኣብታ መርከብ ክሕብኣሉ እኽእል’የ ኣብ ዝበሎ ታሕተዋይ ክፋል እታ መርከብ ዝርከብ፡ ንኣንፈት እታ መርከብ ዝቆጻጸርን፡ ነቲ ነታ መርከብ ንክትንቀሳቐስ ዝሕግዛ ዓቢ ዘዋሪ ኣካል ዝሓዘ ማሕደፋ ዝሽከም ኣካል’ዩ ከም መሕብኢ ክጥቀመሉ ሓሲቡ።

ናብቲ ቦታ ንኽበጽሕ ከኣ ሓደ ገፋፊ ዓሳ ብንእሽተይ ጃልባ ናብታ መርከብ ኣጸጊዕዎ “ሰልዲ ኣይሓተተንን፡ ክኸይድ ከምዝደለኹ ስለዝተረደኦ ኣብጽሕ ኣቢልኒ ተመሊሱ” ብምባል ነቲ ብዓል ጃልባ ዋላ ሓንቲ ከምዘይከፈሎ ኣብሪሁ።

ወዲ 35 ዓመት ሮማን ፍራይደይ ነቲ ንመንገደይ ክኾነኒ ዝበሎ መግቢ ብገመድ ኣብ ዝባኑ ኣሲሩ ናብታ መሕብኢት ዝበላ ክፋል እታ መርከብ ምስ ደየበ፡ ኣብቲ ጸልማት ካልኦት ንተመሳሳሊ ዕላማ ዝደየቡ ሰለስተ ሰባት ጸኒሖሞ።

“ርእይ ምስ ኣበልክዎም ሰንቢደ፡ እንተኾነ ጸለምቲ ከማይ ምዃኖም ምስ ፈለጥኩ ተረጋጊአ” ይብል።

ከይተራእዩ ወይ ከይትሓዙ ስለዝፈርሑ እዞም ኣርባዕተ መንእሰያት ን15 ሰዓታት ብዓቢ ጸጥታ እዮም ኣብቲ ቦታ ተሸጒጦም።

ኩሎም ዕላምኦም ናብ ኣውሮጳ ንምእታው ምዃኑ ብሕሹኽታ ተዘራሪቦም።

ኣብ ሞንጎ ግን ኣብ ላዕለዋይ ክፋል እታ መርከብ ብርቱዕ ምልውዋጥ ዘረባ ክሰምዑ ጀሚሮም። ንዕኡ ተኸቲሉ ከኣ እቲ ኣብ ትሕቲኦም ዘሎ ማይ፡ በቲ ሞተረ ናይታ መርከብ ክዘራረግ ጀሚሩ፡ እዚ እታ መርከብ ንጉዕዞ ትዳሎ ከምዘላ ዘርኢ’ዩ፡ ንዕኦም ከኣ ስግኣት ዝሓዘለ ብስራት’ዩ።

ቀዳመይቲ መዓልቲ

ካብ ወደብ ሌጎስ ተበጊሶም ካብታ ከተማ እናርሓቑ ኣብ ዝኸድሉ፡ እቲ ዝተሓብእሉ ቦታ ሓደገኛን ዘይምችኡን ከምዝኾነ ክርድኦም ግዜ ኣይወሰደን።

እቲ ማሕደፋ እታ መርከብ ኣንፈት ኣብ እትቕይረሉን ካብ መስመራ ኣብ እትወጽኣሉን ዝንቀሳቐስ ኣካላ ኮይኑ እዞም ኣርባዕተ መንእሰያት ምስ ነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓሱ ንኸይይወድቁ ወትሩ ድልዋት ክኾኑ ኣለዎም።

ሮማን ፍራይደይ፡ እቲ ጉዕዞን እቲ ውሳነን ኣዝዩ ሓደገኛ’ኳ እንተኾነ፡ ተስፋ ምስ ቆረጽካ ግን ዘይትውስኖ ከምዘየለ’ዩ ዝገልጽ።

“ኣብ ናይጀርያ ስራሕ የለን፡ ገንዘብ የለን፡ ናእሽቱ ኣሕዋተይን ኣደይ ብጥምየት እናተሳቐዩ ኢደይ ኣጣሚረ ክርእዮም ኣይደለኹን” ድሕሪ ምባል “ኣነ በዂሪ ናይ ገዛና’የ፡ ኣቦይ፡ ከኣ ቅድሚ 20 ዓመት’ዩ ሞይቱ። ስለዚ ሓላፍነት ናይ ገዛና ኣነ’የ ክሽከም ነይሩኒ፡ ስራሕ ስለዘይረኸብኩ ግን ክገብሮ ኣይክኣልኩን”

ሮማን ንሰለስተ ዓመታት ኣብ ከተማ ሌጎስ ስራሕ ንምርካብ ከርተት ኢሉ፡ ክሰልጦ ግን ኣይክኣለን።

ኣብ ናይጀርያ “ሰባት ንሓድሕዶም ይቃተሉ፡ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕትታት ፈቐድኡ’ዩ፡ ሰባት ይጭወዩ፡ ካብዚ ወጺኡ ዝሓሸ ብሩህ መጻኢ ክህልወኒ ኣለኒ ኢላ” ብምባል ንውሳኔኡ ዝደረኾ ነገር የዕልል።

ኣብታ መርከብ ምስ ሮማን ፍራይደይ ዝነበረ ካልእ ናይጀርያዊ ታንክስጎድ ኦፖሚፖ ማትየው የየ’ዩ።

ታንክስጎድ ኣቦ ክልተ ውሉዳት ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዝነበረ ብርቱዕ ዝናብን ዕልቕልቕን ዝነበሮ ሕረሻ ስለዝተዓነወ ጥራይ ኢዱ ተሪፉ።

“ሕርሻይ ኩሉ ዓንዩ፡ ብዘይ ገዛ ተሪፍና ሽዕኡ’የ ካብ ናይጀርያ ክወጽእ ከምዘለኒ ናብ ውሳነ በጺሐ”

የየ፡ ኣብ ናይጀርያ ፕረዚደንት ምርጫ ምስ ተገበረ፤ ተወዳደርቲ ንሓድሕዶም ድምጺ ተሰሪቐ እናበሉ ክካሰሱ ምስ ጀመሩ፡ ናብ ናይ መወዳእታ ውሳነ በጺሑ፤ “ኣብዚ ምርጫ ብዙሕ ሰብ ተስፋ ኣሕዲሩ ነይሩ’ዩ፡ እንተኾነ ንናይጀርያ ንፈልጣ ኢና፡ እቲ ስርዓት ብብልሽውና ዝተቋመጠዐ’ዩ” ይብል።

ንስድርኡ ከይነገረ ከኣ ካብ እንዳ ሓፍቱ ተበጊሱ ናብ ወደብ እታ ከተማ ኣምሪሑ፡ እታ ኬን ዌቭ ዝተብሃለት መርከብ ክትብገስ ትዳሎ ከምዘላ ኣፍልጦ ጸኒሕዎ’ዩ።

ከም የየን ሮማን ፍራይደይን ዝኣመሰሉ ብዙሓት ናይጀርያውያን ካብታ ሃገር ናብ ስደት ከምርሑ ምርኣይ ኣብ ናይጀርያ ንቡር ተርእዮ’ዩ ኮይኑ ዘሎ፡ ካብቶም ብመንገዲ ሳህራን ማእከላይ ባሕርን ሰጊሮም ናብ ኣውሮጳ ክኣትዉ ዝፈተኑ ኣብዚ ዓመት ጥራይ ብውሕዱ 1200 ናይጀርያውያን ከምዝሞቱ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት የረድእ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ልክዕ ከም ናይ ፍራይደይን የየን ሰለስተ ናይጀርያውያን ብተመሳሳሊ መንገዲ 2500 ማይልስ ተጓዒዞም ኣብ ደሴት ከናሪ ኣትዮም’ዮም።

እቶም ክልተ ምስ ሮማን ፍራይደይን የየን ዝተጓዕዙ ናይጀርያውያን ዊልያምን ዘዘን’ዮም ዝብሃሉ፡ ኣብ መጀመርታ መዓልታት ናይሪ ጉዕዞ ብዙሕ ዘረባ ከይተለዋወጡ’ዮም ሓሊፎሞ፡ መርከብ ኬን ዌቭ ከኣ 3500 ማይልስ ሰንጢቓ ናብ ብራዚል’ያ ትሕንበብ ዘላ።

ሓሙሸይቲ መዓልቲ

ብተዛማዲ ካብቶም ንምድረበዳ ሳህራ ሰንጢቖም ዝሓልፉ እቶም ብመርከብ ተሓቢኦም ውቅያኖስ ወይ ባሕሪ ዘቋርጹ’ዮም ዝወሓደ ሓደጋ ዘጋጥሞም።

እንተኾነ ኣብ ሓሙሻይ መዓልቶም ንብዓል ፍራይደይን የየን ዘስግእ ኩነት ተፈጢሩ።

ኩሎም ብዋሕዲ ድቃስ ክዳኸሙን ምስኦም ዝነበረ መግቢ ክውዳእን ብምጅማሩን ክሻቐሉ ጀሚሮም።

ቀልቀል ክወጽኡ ምስ ዝደልዩ ኣብ መዓንጠኦም ብገመድ ተኣሲሮም ኣብ ጫፍ ናይቲ ሓጺን ኮፍ ኢሎም እዮም ዝሸኑ።

ማዕበል ኣብ ዝብርትዓሉ ከኣ ብብርቱዕ ማዕበል ክግጨቡ ጀሚሮም።

“እቲ ማዕበል ከይወስደና ኩልና ክንፈርሕ ጀሚርና” ድሕሪ ምባል “ቅድሚ ሕጂ ውቅያኖስ ብዓይነይ ርእየ ኣይፈልጥን’የ፡ ኣብ ተሌቪዥን ንሓደገኝነት ማዕበላት ዘርኢ ፊልምታት ተዓዚበ ይፈልጥ’የ፡ ኣብ ከምዚ ኩነታት ድቃስ ብፍጹም ዘይሕሰብ’ዩ፡ እቲ ኣብ ትሕቴና ዝነበረ ሞተረ 24 ሰዓታት ኣየዕርፍን’ዩ፡ ንሕና ከኣ ብተመሳሳሊ ዓይንና ሰለም ኣየበልናን”

ሓሙሸይቲ መዓልቲ ከኣ ምስ ብርቱዕ ማዕበል እናተቓለሱ’ዮም ኣሕሊፎማ።

መዓልቲ ብለይቲ፡ ለይቲ ብቀትሪ እናተተኻኸአ ኣብ ዝኸደሉ እዞም ኣርባዕተ መንእሰያት ከኣ እናተዳኸሙን ተስፋ እናቖረጹን ከኸዱ ጀሚሮም።

ሮማን ፍራይደይ በታ ኣብ ኢዱ ዝኣሰራ ሰዓት ገይሩ ሰዓት ደጋጊሙ ይርኢ፡ ዕለት ክንደይ ከምዝተበገሱን ዕለት ክንደይ ከምዘሎን’ውን ምስ መጓዕዝቱ እሂን ምሂን ይበሃሃል።

ጉዕዝኦም መዓስ ከምዝዛዘም ርግጸኛታት ስለዘይኮኑ ነተን ዝነበረኦም መግቢ እናቖንጠሩ’ዮም ዝጥቀሙለን ነይረን።

ምስ ምንዋሕ ግዜ እቲ ዝነበሮም ማይ ሕማቕ ጨና ክገብር ጀሚሩ።

ከናፍሮም ክደርቕን ዳርጋ ኣርባዕቲኦም ቅርጸት ክገብረሎም ጀሚሩ፡ እንተኾነ ምስ’ዚ ኩሉ ንሓድሕዶም እናተተደጋገፉ ከይወድቁ ይደጋገፉ።

ዓስራይ መዓልቲ

ዓስራይ መዓልቲ እዞም ኣርባዕተ ተጓዓዝቲ እቲ ዝነበሮም መግብን ናይ መወዳእታ ንጣብ ማይን ዝጸንቐቑላ መዓልቲ’ያ ነይራ።

ኩሎም ከኣ ብጥምየትን ብጽምእን ክጥቅዑ ጀሚሮም።

የየ ነታ መዓልቲ ክዝክር እንከሎ “እታ መዓልቲ እታ ናይ መወዳእታይ’ያ ዝበልኩላ መዓልቲ’ያ” ድሕሪ ምባል “መልሓሰይ ነቂጹ፡ ንመጀመርታ መዓልቲ ከኣ ኣገዳስነት ማይ ክሳብ ክንደይ ከምዝኾነ ከሰላስል ጀሚረ” ይብል።

ኣብ ከምዚ ህሞት’ውን ወዲ ሰብ ምስሓቕ ኣይሓድግን’ዩ።

የየ ሓንቲ ተስፍኦም ማይ ክወቕዕ ምጽባይ ጥራይ ምዃኑ ምስ ሓበሮም፤ ኩሎም ብሓባር ክስሕቑ ጀሚሮም። እንተወቐዐኸ ኣብ ምንታይ ከዕቑርዎ?

ዝናብ እንተጀሚሩ ማዕበል ምብርትዑ ኣይተርፍን’ዩ፡ ምብርታዕ ማዕበል ከኣ ንጉዕዝኦም’ዮ ከጸንክሮ፡ እዚ ንሶም ኣይገመቱዎን።

ሰዓታት ካብ ንቡር ንላዕሊ ዝምጠጥ ዘሎ ኮይኑ ተሰሚዕዎም፡ ምስ ጥምየትን ጽምእን ሓንቲ ሰዓት ልዕሊ ሓደ መዓልቲ ኮይናቶም፡ ጽምእን ጥምየትን እንተሎ ሰዓታት ይነውሕ’ዩ።

ንጽባሒቱ፡ ሮማን ፍራይደይ ሓንቲ መትሓዚ ብሽኮቱ ብገመድ ኣሲሩ ናብቲ ‘ፉፍ’ ዝብል ዝነበረ ውቕያኖስ ኣውሪድዋ፡ ምስ ስሓባ ቁሩብ ጨዋም ማይ ሒዛ፡ ከምኣ እናገበሩ መልሓሶም ከተርክሱ ጀሚሮም።

ኣብ መበል 12 መዓልቲ ብሰንኪ ጨዋም ማይ ምስታዩ ከምልሶ ጀሚሮ “ነብሱ ክቆጻጸረሉ ዝኽእል ሓይሊ ኣይነበሮን፡ እቶም ካልኦት ከይሕዝዎ’ውን ብተመሳሳሊ ነብሶም’ውን ከቢድዎም’ዩ ነይሩ፡ ተጋዲለ ሒዘ መሊሰዮ’ምበር ናብቲ ሃው ዝበለ ውቕያኖስ ምወደቐ ነይሩ” ይብለ ሮማን ፍራይደይ።

እዞም ኣርባዕተ መንእሰያት ኩነታቶም ካብ ጥምየት ሰጊሩ ናብ ጥቓ ሞት’ዮም በጺሖም።

ሮማን ፍራይደይ ንህሉው ኩነታቱ እንተረሰዖ ብምባል ናብ ጫፍ እቲ ማሕደፋ ብምቕራብ ነቲ መወዳእታ ዘይብሉ ውቕያኖስ እናተዓዘበ ክሓስብ ጀመረ።

ኣብ መበል 13 መዓልቶም ከኣ ብጀከኦምን ብጀካ እታ መርከብን ካልእ ዝንቀሳቐስ ኣካል ኣብ ውሽጢ እቲ ውቕያኖስ ክዕዘብ ጀመረ፡ ክንዲ ገለ ዝኸውን ዓሳ ነባሪ።

ሮማን ፍራይደይ ብዝኽሪ ንድሕሪት ምልስ ኢሉ “ዓሳ ነባሪ ብዓቢኡ ከኣ ክንድዚ ዝግዝፉ እንስሳ ንመጀመርታ ግዜ’የ ዝርኢ ዘለኹ” ይብል።

“ንዝኾነ ኣብ ዓድና ዘሎ ሰብ ዓሳ ነባሪ ርእየ እንተዝብሎ ሓሳዊ ምበለኒ፡ ነቲ ዓሳ ክርኢ ክኣ ጥምየተይን ጽምአይን ረሲዐ ልክዕ ከምዚ ተለቪዥን ዝርኢ ዘለኹ ንነዊሕ ግዜ ተዓዚበዮ”።

መበል 14 መዓልቲ

ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቶም ካብ ርሑቕ ብርሃን ክርእዮ ጀሚሮም።

እታ መርከብ’ውን ፍጥነታ ክዝሕል ስለዝተሰመዖም ኩሎም ንሓድሕዶም ብዘይ ቃል ክጠማመቱ ጀሚሮም።

ከይጸንሑ ካብ ርሑቕ መሬት ርኣዩ፡ ጃልባ’ውን ናብታ መርከብ ገጻ ክትመጽእ ተዓዘቡ።

መርከብ ኬን ዌቭ ደው ኢላ፡ ሓደሽቲ ባሕረኛታት ናብታ መርከብ ብጃልባ መጺኦም ክስቀሉ ኣብ ዝፈተንሉ፡ ነዞም ኣርባዕተ ናይጀርያውያን መንእሰያት ርእዮሞም።

ሓደ ካብቶም ባሕረኛታት “ኣበይ ከምዘለኹም ፈሊጥኩም ዲኹም? ኢሉ ሓተቶም።

ሮማን ፍራይደይ ንዝተሓተቶ ክምልስ ኣብ ዝፈተነሉ፡ ጎረርኡ ደሪቑ ስለዝነበረ ድምጺ ከውጽአ ኣይክኣለን።

እታ ጃልባ ኣብ ዘለዎዎ ገዲፋቶም ተዓዝረት ድሕሪ ክልተ ሰዓታት ከኣ ፖሊስ ብኻልእ ጃልባ መጽእዎም።

ሓደ ፖሊስ “ኣብ ብራዚል ኢኹም ዘለኹም” ብምባል ማይ ዝመልአ ጎማ ኣቐበሎም።

ብሓገዝ እቶም ፖሊስ ካብቲ ዝነበርዎ ወሪዶም ከኣ ድሕሪ 14 መዓልታት ንመጀመርታ ግዜ እግሮም ኣብ ደረቕ መሬት ረገጸ።

ድሕሪ ክልተ ሰሙን ከኣ ንመጀመርታ ግዜ ምስ ስድረኦም ብቴሌፎን ተዘራረቡ።

ሮማን ፍራይደይን የየን ኣብ ብራዚል ክንነብር ኢና ክብሉ እንከለዉ፡ ዊልያምን ዘዘን ግን ናብ ናይጀርያ ክምለሱ ስለዝወሰኑ ናብ ናይጀርያ ተመሊሶም።

የየ “ኣብዚ ሕጉሳት ኣለና፡ ሓዲሽ ህይወት ንጅምር ኣለና” ኢሉ።

ሮማን ፍራይደይን የየን ኣብ ብራዚል ብድሆታት ክገጥሞም ምዃኑ ርዱእ’ዩ።

ኣብ ብራዚል ስደተኛታት ሕክምናን ካልእን ናይ ምርካብ መሰላት ኣለዎም እንተኾነ ኣብታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ዓሌታዊ ጽልኢ ስለዘሎ ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድሎም ጸቢብ’ዩ።

ሕጂ ኣብ ትሕቲ ዑቕባ ኣብ ሳኦ ፖውሎ ትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን’ዮም ዘለዉ።

በታ ቤተ ክርስትያን ከኣ ቋንቋ ፖርቱጋልን ካልእ ንዋታዊ ሓገዝን ይግብረሎም ኣሎ።

የየ ሓዲሽ ትካል ከፊቱ ደቁን ብዓልቲ ቤቱን ናብ ብራዘል ከምዝጽኦም’ዮም ትልሙ።

ሮማን ፍረይደይ ከኣ “ኣብ ሓዲሽ ቦታ’የ ዘለኹ፡ ነዚ ቦታ ክርዕሞ ቋንቋ ክጽንዕን ይፍትን ኣለኹ” ይብል።

እታ ንመጀርታ ግዜ ካብ ሃገሩ ክወጽእ ዝተጉዓዛ ጉዕዞ ኣብ ጥቓ ሞት’ያ ኣብጺሓቶ። ሕጂ ግን ናብ ዓዱ ናይ ምምላስ ተስፍኡ ቅሂሙ’ዩ።