እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዩክረይን፡ ዘለንስኪ ንፍሉጥ ጀነራል ሓለቓ ስታፍ እታ ሃገር ኣባሪርዎ
ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ንሓለቃ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ዩክረይን ጀነራል ቫለሪ ዛሉዘንዪ ካብ ስልጣኑ ኣባሪርዎ።
ጀነራል ቫለሪ ኵናት ዩክረይንን ሩስያን ካብ ዝጅመር ንኣስታት ክልተ ዓመታት ንሰራዊት ዩክረይን ክመርሕ ዝጸንሐ ኰይኑ ኣብ መንጐኡን ኣብ መንጐ እቲ ፕረዚደንትን ምስማዕ ከምዘየለ’ዩ ክውረ ጸኒሑ።
ምእላይ ጀነራል ቫለሪ ዛሉዘንዪ ኣብ ዩክረይን ዓቢ ቅልውላው ክፈጥር ዝኽእል ክስተት ከምዝዀነ’ዩ ዝንገር።
ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ እቲ ላዕለዋይ ጽፍሒ ሰራዊት ምክልኻል ዩክረይን "ምሕዳስ የድልዮ’ዩ” ብምባል ንምንታይ ንጀነራል ቫለሪ ዛሉዘንዪ ካብ ስልጣን ከምዝኣለዮ ኣሚቱ።
እቲ ፕረዚደንት ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ካብ ሎሚ ጀሚሩ ሓድሽ መሪሕነት ንሓይልታት ዩክረይን ክርከቦ’ዩ” ኢሉ።
ጀነራል ቫለሪ ኣብ ሰራዊትን ህዝብን ዓቢ ተቐባልነትን ተሰማዕነትን ዘለዎን ከም ሃገራዊ ጅግና ዝሕሰብን ወተሃደራዊ መራሒ’ዩ።
ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተወህበ ሚዛን ብቕዓት ሰራዊት ልዕሊ ፕረዚደንት ዘለንስኪ ነጥቢ ረኺቡ ምንባሩ’ውን ይሕብር።
ፕረዚደንት ዘለንስኪ ምስ ጀነራል ቫለሪ ዛሉዘንዪ፡ ኣብ ሰራዊትን ላዕለዋይ ጽፍሕን ምትዕርራይ ከምዘድሊ ብግሉጽ ክልተኣዊ ምይይጥ ከምዝገበሩ ብምሕባር ንዩክረይን ካብ ወራር ሩስያ ኣብ ምክልኻል ንዝገበሮ ኣስተዋጽኦ ከምዘመስገኖ ገሊጹ።
ንጀነራል ቫለሪ ዛሉዘንዪ ተኪኡ ሓለቃ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኰይኑ ተሸይሙ ዘሎ ጀነራል ስሪስኪዩ ኣብ ምጥቃዕን ኣብ ምክልኻልን ካብ ጀነራል ቫለሪ ዛሉዘንዪ ዘይሰንፍ ተመኵሮ ከምዘለዎ’ውን ዘለንስኪ ገሊጹ።
ጀነራል ስሪስኪዩ ኣብ 2022 ሩስያ ንርእሰ ከተማ ኪቭ ንምቍጽጻር መጠነ ሰፊሕ ወራር ኣብ ዝፈነወትሉ ንሰራዊት መሪሑ ነታ ከተማ ካብ ወራር ሩስያ ከምዝተኸላኸለላ’ውን ዘለንስኪ ዘኪሩ።
ፕረዚደንት ዘለንስኪ ምቅያያር ሓለፍቲ፡ ዝዀነ ካልእ ፖለቲካዊ ድፍኢት ከምዘይብሉ ብምግላጽ፡ ሰራዊት ዩክረይን ንምድልዳልን ዓመተ 2024 ሰራዊት ዩክረይን ጎልቢቱ ንኽወጽእ ንምግባርን ከምዝዀነ ገሊጹ።
ኣማኻሪ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት መይከሃሎ ፖዶልያክ ምቅይያር ሓላፍቲ ነቲ ዩክረይን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተካይዶ ዝነበረ መልሰ መጥቃዕቲ፡ ታክቲካዊ ምቅይያራት ንምግባር ዝዓለመ ከምዝዀነ ኣብሪሁ።
እንተዀነ እዚ ዘለንስኪ ዝወሰዶ ስጕምቲ ካብ ገለ ኣባላት ባይቶ ተቃወምቲ ሰልፍታት ነቐፌታታት ከጋጥሞ ጀሚሩ ኣሎ።
ከንቲባ ከተማ ኪቭ ቪታሊ፡ ጀነራል ቫለሪ ዛሉዘንዪ ንሃገሩ ንዝሃቦ ኣገልግሎት ድሕሪ ምምስጋን ሰብ መዚ ዩክረይን ንውሳነኦም ዳግመ ግምት ክገብርሉ ተላብዩ።
ኣባል ባይቶ ኦለክሲ ሀንቸረኮ ብወገኑ፡ “ፕረዚደንት ዘለንስኪ ንዝፍጽሞ ዘሎ ጌጋ ንሕና ዋጋ ክንከፍለሉ ኢና” ብምባል ምእላይ ጀነራል ቫለሪ ዛሉዘንዪ ጌጋ ቅማረ ምዃኑ ሓቢሩ።