ሕብረት ኣውሮጳ፡ ብቀዳማይ ሚኒስተር ሃንጋሪ ተዓጊቱ ዝጸንሐ 50 ቢልዮን ዩሮ ንዩክረይን ክወሃብ ተወሲኑ

መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ 50 ቢልዮን ዩሮ ዝበጽሕ ሓገዝ ነታ ንጎበጣ ሩስያ ንምክልኻል ኣብ ኲናት እትርከብ ዩክረይን ክህቡ ተሰማሚዖም።

እቲ ሓገዝ፡ ኣባል እቲ ሕብረት ዝኾነት ሃንጋሪ ደገፋ ብዘይምሃባ ተዓጊቱ ከምዝጸንሐ ይፍለጥ።

ሎሚ ግን ኩለን 27 ኣባል ሃገራት፡ እንኮላይ ሃንጋሪ፡ ነቲ ውጥን ኣጽዲቐንኦ ኣለዋ።

በቲ ውሳነ ሓጎሱ ዝገለጸ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ እቲ ሓገዝ ኣብ ሃገሩ ቁጠባዊን ፋይናንሳዊን ምርግጋእ ዘምጽእ ምዃኑ ገሊጹ።

ሚኒስትሪ ቁጠባ ዩክረይን ብወገኑ፡ ገለ ክፋል ናይቲ ገንዘብ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ ክቕበል ትጽቢት ከምዝገብር ሓቢሩ'ሎ።

ብሪጣንያ እትርከበን ብዙሓት ሃገራት ኣውሮጳ፡ ብውልቂ ዓቢ ወተሃደራዊ፡ ፋይናንሳዊን ሰብኣዊን ሓገዝ ንዩክረይን ክህባ ምጽንሐን ይፍለጥ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሃንጋሪ ስለምንታይ ንዩክረይን ዝወሃብ ሓገዝ ዓጊቱ ነይሩ?

ኣብ ሕብረት ኣውሮጳ ካብ ዘለዉ መራሕቲ ከም ቪክቶር ኦርባን ንሃገሩ ንነዊሕ ግዜ ዝመርሐ የለን።

ካብ 2010 ጀሚሩ፡ ሃንጋሪ ብባይቶ ኣውሮጳ "ሕውስዋስ ስርዓት መረጻ ምልካዊ ስርዓት" ተባሂላ ናብ ትዅነን ሃገር ቀይርዋ እዩ።

ንናይ ገዛእ ርእሱ ምህዞ ብኸመይ ከም ዝገልጾ ርግጸኛ ዘይኰነ ይመስል፤ እንተዀነ "ኢ-ሊበራላዊ ዲሞክራሲ" ምስ "ክርስትያናዊ ሓርነትን" ዝተሓዋወሰ ስርዓት ክፍትን ጸኒሑ እዩ።

ብዝዀነ መንገዲ፡ ስልጣኑ ብኸመይ ከምዝዕቅብን ብቐጻሊ ከምዘሐይልን ተረዲኡ ኣሎ።

ኣብ ሕብረት ኣውሮጳ ምስ ዘለዉ መሳርሕቱ ብዛዕባ ስደትን ኲናት ዩክረይን ብተደጋጋሚ ዝተጋጨወ ክኸውን እንከሎ፡ ንዩክረይን ዝሕግዝ 55 ቢልዮን ዶላር ሕብረት ኣውሮጳ ከይወሃብ ከልኪሉ ነይሩ።

ሃንጋሪ፡ ኣባልነት ሽወደን ዘየጽደቐት እንኮ ኣባል ሃገር ኔቶ እያ፤ ዋላ’ኳ ቀዳማይ ሚኒስተራ ንሽወደን ከምዝድግፍ እንተገለጸ።

ኣንድራስ ኮሳ ኣብ 2018 ዝጸሓፎ ታሪኽ ህይወት ኦርባን፡ ‘ማን ኦፍ ኬኦስ’ ወይ ድማ ‘ፈጣሪ ሕንፍሽፍሽ’ ዝብል ኣርእስቲ ዝሃቦ ክኸውን እንከሎ፡ ካልኦት ኣብ ዝፈጠርዎ ዕግርግር ንነብሱ ከም እንኮ መፍትሒ ኰይኑ ከቕርብ ክእለት ከምዘለዎ ይሕብር።

ኣብ 2010 ካብ ዕደና ዝወጽአ መርዛም ረሳሕ ፈሳሲ ወይ ጨፈቃ ንገማግም ባሕሪ ዳኑብ ኣብ ሓደጋ ምስ ኣእተዎ፡ ንሱ እጅገኡ ሰብሲቡ ኣብ ጐድኒ መጥፋእቲ ሓዊን ወለንተኛታትን ሑጻ ዝመልአ ካሻታት ይደራርብ ነይሩ።

ድሕሪ ናይ 14 ዓመታት ዘይተቛረጸ ስልጣን፡ ውልቃዊ ሞገስ ቪክቶር ኦርባን፡ ጐድኒ ጐድኒ "ንኣገዳሲ ነገር ኣቓልቦ ናይ ምሃብ" ክእለቱ፡ ዘየጠራጥር ቀመም ዓወቱ'ዩ።

"ብኣእምሮኣዊ መንገዲ ኣዝዩ በሊሕ ውልቀሰብ" እዩ ዝብል ኣማኻሪ ፖለቲካ ነበር ጆርጅ በርንባም፡ "ጽቡቕ ትምህርቲ፡ ኣብ ነገራት ዓሚቕ ፍልጠት ዘለዎ፡ እዚ ድማ ኣዝዩ ሳሕቲ ዝረአ" ምዃኑ ከምዝዝክር ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ቪክቶር ኦርባን ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ሃንጋሪ ስሙ ክተክል ዝጀመረ ኣብ መወዳእታ 1980ታት እዩ፤ ኣብቲ ሕብረት ሶቭየት ክትፈርስ ዝጀመረትሉ እዋን፡ ፊደዝ ወይ ኪዳን መንእሰያት ዲሞክራትስ ዝበሃል ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ መስሪቱ።

ኣብ 1989 ንቀይሕ ሰራዊት ሶቭየት ናብ ዓዱ ክኸይድ ዝጽውዕ ድፍረት ዝተመልኦ መደረ ከስምዕ እንከሎ ገና ኣብ ኮሌጅ ተምሃራይ ሕጊ እዩ ነይሩ።

ነቲ ምልካዊ ምሕደራ ዝተክአ ዲሞክራሲ ግን ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብዓቢኡ ተቐይሩ ንድሕሪት ይምለስን ሰፊሕ ቅሬታታት የስዕብን ኣሎ።

ተወላዲ ሃንጋሪ ዝዀነ ገዲም ጋዜጠኛ ፖል ሌንድቫይ፡ ቪክቶር ኦርባን "ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ተስፋ ዘለዎም ተጣበቕቲ ዲሞክራሲ ሃንጋሪ ናብ ቀንዲ መራሒ ውድቀት" ይቕየር ከምዘሎ የብርህ።

ሚኒስተር ባህሊ ነበር ፕሮፌሰር ኣንድራስ ቦዞኪ፡ ሃንጋሪ ካብ 2010 ጀሚሩ "ኣብ ሕብረት ኣውሮጳ ዝተጠርነፈት ኣብ ደረጃ ድቂ ኢዲሞክራስያዊ ስርዓት ዝበጽሐት እንኮ ሊበራላዊ ዲሞክራሲ ነበር " ክብል ይገልጻ።

ውድቀት ሶቭየት ከም "ዝዓበየ ጂኦፖለቲካዊ ዕንወት" መበል 20 ክፍለ ዘመን ዝቝጽርን ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ መሬት ኣውሮጳ ዝዓበየ ኲናት ዝጀመረን ፕረዚደንት ሩስያ፡ ኣብ ሕብረት ኣውሮጳ ዘለዎ ናይ ቀረባ መሓዛ ቪክቶር ኦርባን ምዃኑ ዘገርም ይመስል።

ኦርባን ኣብ 1963 ካብ ቡዳፐስት ንምዕራብ መገዲ ሓደ ሰዓት ኣብ ዝርሕቕ ዓዲ እዩ ተወሊዱ።

ኣብ 1989 ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ብኣቦኡ ይግረፍ ከምዝነበረ ይዝክር።

"ክሃርመኒ ከሎ፡ ንሱ'ውን ይጭድር ነይሩ። እዚ ኵሉ ከም ሕማቕ ተመኵሮ እየ ዝዝክሮ" ኢሉ ነይሩ።

ኣብ ንእስነቱ እንከሎ ምስ ዓበየ ንኮሚኒስታዊ ስርዓት ክብድህ ምዃኑ ዝሕብር ነገር ኣይነበረን። እንተዀነ ኣብ ኮሚኒስት ሊግ መንእሰያት ይነጥፍ ነይሩ።

ቀንዲ ተገዳስነቱ ኩዕሶ እግሪ እዩ ነይሩ፤ ነታ ኣብ ከባቢኡ ዝነበረት ክለብ ኤፍ.ሲ. ተጻዊቱ እዩ። ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት፡ ኣብቲ ከባቢ ፓንቾ ዓረና ዝበሃል ኣካታዒ ሓድሽ ስታድዩም መሪቑ እዩ።

ቅድሚ ናብ ዩኒቨርሲቲ ምእታዉ ኣብ ዝነበሩ ኣዋርሕ፡ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ኣካይዱ፤ ኣብኡ ወሃቢ ሓበሬታ ንክኸውን ካብ ኮሚኒስታዊ ምስጢራዊ ኣገልግሎት ዝቐረበሉ ሕቶ ከምዝነጸገ ይዛረብ።

ምስታ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዝረኸባ ብጻይቱ ተምሃሪት ኣኒኮ ለቫይ ክምርዖ ከሎ ወዲ 23 ዓመት እዩ ነይሩ። ኣርባዕተ ኣዋልድን ሓደ ወድን ድማ ኣፍርዮም እዮም።

ዕድል ትምህርቲ ረኺቡ ኣብ ኦክስፎርድ ሊበራላዊ ፖለቲካዊ ፍልስፍና ከጽንዕ ጀሚሩ’ኳ እንተነበረ፡ ኣብ ውሽጢ ኣዋርሕ ኣቋሪጹ ኣብ መረጻ 1990 ጎስጓስ ክገብር ጸኒሑ፤ ሰልፊ ፊደዝ 22 መናብር ተዓዊቱ፡ ሽዑ ቪክቶር ኦርባን ኣብ ቅድሚት ዝርዝር እቲ ሰልፊ ይስራዕ ነይሩ።

ኣብ እዋን ተምሃራይነቱ ዝነበሩ ኣዕሩኽቱ ቀንዲ ኣባላት ፊደዝ እዮም።

ቪክቶር ኦርባን ከም መንእሰይ ኣባል ባይቶ ኰይኑ ኣብ 1992 ናብ ዓለማዊ ሊበራላዊ ምንቅስቓስ ተጸንቢሩ።

ኣብ ካልኣይ መፋርቕ 1990ታት ስነ-ሓሳብ ከምዘቐየረ ፖለቲካዊ ሳይንቲስት ዞልታን ላክነር ይኣምን። ሃንጋሪ ብሊበራላዊ-ሶሻሊስታዊ ጥምረት ትመሓደር ስለ ዝነበረት፡ "ፖለቲካዊ ዓወት ንምርካብ ንሊበራሊዝም ሕቘኡ ሂቡ ንውድቡ ናብ ሃገራዊ፡ ጸረ-ሊበራላዊ ፖለቲካዊ ሓይሊ ክቕይሮ ከምዘለዎ" ተረዲኡ።

ምናልባት እዚ ለውጢ ኣብ ኦክስፎርድ ዝተጀመረ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብተን ኣብ ኮለጅ ፐምብሮክ ዝጸንሓለን ውሑዳት ኣዋርሕ፡ ምስቲ ዓቃባዊ ፈላስፋ ሮጀር ስክሩተን ዕርክነት ፈጢሩ ነይሩ።

እንተዘይኰይኑ ድማ ምናልባት ዝያዳ ፖለቲካዊ ዕድለኛ እዩ።

ኦርባን ኣብ 1993 መራሒ ፊደዝ ኰይኑ፡ ዓቃባዊ ሰልፊ ኤምዲኤፍ ኣብ 1994 ስልጣን ኣብ ዝሰኣነሉ እዋን ድማ ንፊደዝ ድሮ ናብ ማእከል የማን ይደፍኦ ነይሩ። ሽዑ ፊደዝ ነቲ በቶም ዝደኸሙ ዓቃባውያን ዝተገድፈ ሃጓፍ ክሽፍን ክኢሉ።

ኣብ ኦክስፎርድ ዝመደበሩ ስነ-ቑጠባዊ ምሁርን ሕጹይ ፕረዚደንት ሃንጋሪ ነበርን ፒተር ሮና፡ ኣብ መጀመርታ 1990ታት ምስ ቪክቶር ኦርባን ዝገበሮ ርክብ ክገልጽ እንከሎ፡ ኦርባን "ዘመናዊ ዓቃባዊ ሰልፊ" ክፈጥር ይደሊ ከምዝነበረ ይዛረብ።

ፒተር ሮና፡ ቅድሚ ሕጂ ተመሳሳሊ ነገር ዝፈተኑ ፖለቲከኛታት ኣብቲ እዋን ዝነበሩ ኵነታት ኣብ ዝጠለቡሉ እዋን ነቲ "ዘመናዊ" ቀልጢፎም ከምዝገደፍዎ ምስ ኣጠንቀቘ፡ ቪክቶር ኦርባን "እሞ ከምኡ ይኹን" ኢሉ መሊሱሉ።

ኣብ 1998 ቪክቶር ኦርባን ንፊደዝ መሪሑ ኣብ መረጻ ዓወት ኣመዝጊቡ፡ ኣብ 35 ዓመት ዕድመኡ ድማ ዝነኣሰ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውሮጳ ኰይኑ፤ ኣብ 1999 ድማ ሃንጋሪ ናብ ኔቶ ክትጽንበር ገይሩ።

ኣብ ዝሓለፉ 14 ዓመታት፡ ንሃንጋሪ ብብዙሕ ለውጢ ሕግታታን ቅዋማን ብምቕያር፡ ኣብ ኣርባዕተ ተኸታተልቲ መረጻታት "ልዕለ-ኣብዝሓ ድምጺ" ብምዕዋት፡ ክልተ ሲሶ ፓርላማ ተቘጻጺሩ።

ሳንዶር ሲንታላን፡ መሓዛን ነቓፍን ቪክቶር ኦርባን ነበር፡ "ንነብሱ ኣኽራሪ ምግባር ቀጻሊ ድሌት” ከምዝነበሮ ይዛረብ፡ እዚ ድማ ካብ ካልኦት ዓቃባውያን ኤውሮጳውያን ዝፈልዮ ነገር እዩ።

መራሒ ሃንጋሪ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ዝነበሮ ምሕዝነት፡ ከምኡ’ውን ንእስራኤል ዝህቦ ደገፍ ተጠቒሙ፡ ነቲ ጸረ-ሴማውነት ዝብል ክሲ ብምንጻግ ይፍለጥ።

ተቖጻጻሪ ማዕከናት ዜና ሃንጋሪ መርተክ ከምዝብሎ፡ ካብ 2010 ጀሚሩ፡ ፊደዝን ደገፍቱን በብቑሩብ ንናይ ወጻኢ ኣውፈርቲ ብምትካእ ንመልክዓ ሚድያ ሃንጋሪ ተቖጻጺሮም እዮም።

ኣብ 2018 ዳርጋ ኵለን "ንኦርባን ዝምችኣ ሚድያታት"፡ መሰል ዋንነት ናብ ከስማ ዝተባህለ ፋውንዴሽን ከምዘሰጋገራን ቦርድ እቲ ፋውንዴሽን ብኣባላት ባይቶ ፊደዝን ንሓላፊ ፊደዝ ብዝምችኡ ሰባትን ዝቘመ ምዃኑ መርተክ ይሕብር።

ቅድሚ መረጻ ኣውሮጳ 2019 ሰሊዅ ዝወጸ ዝተቐድሐ ድምጺ፡ ሓደ ላዕለዋይ ኣሰናዳኢ ፈነወ ኤምቲቪኤ፡ ነቶም ሓላፍነት ዘለዎም ሰባት "መብዛሕትኡ ብዛዕባ ስደተኛታትን ብራስለስን ዝምልከት ግቡእ ትረኻ፡ ኣገባብን ኣንፈትን" ክኽተሉ ከመይ ከምዝኣዘዞም ኣቃሊዑ እዩ።

ስደት፡ ሕብረት ኣውሮጳን ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኲናትን ንቪክቶር ኦርባን ምንጪ ኣታዊ ኰይኑ ኣሎ።

ኣብ ሓምለ 2015፡ ሓተትቲ ዑቑባን ዘይስሩዓት ስደተኛታትን ብዶባት ሃንጋሪ ኣቢሎም ናብ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ዝኣትዉሉ ዝነበሩ እዋን፡ "ኣብ መንጐ ናብ ኣውሮጳ ዝመጹ ዘይሕጋውያን ስደተኛታትን ምስፍሕፋሕ ግብረሽበራን ንጹር ምትእስሳር" ከምዘሎ ገሊጹ ነይሩ።

እቲ መፍትሒ ድማ ንጹር ከምዝዀነ ተዛሪቡ፡ "ኣውሮጳ ንኣውሮጳውያን ክትከውን ኢና ንደሊ... ከምኡ'ውን ... ሃንጋሪ ንሃንጋርያውያን ክንዕቅባ ኢና ንደሊ" ኢሉ።

ኣብ ዶብ ሰርብያ ሓጹር ተሃኒጹ፡ ስደተኛታት ከም ገበነኛታት ዝቘጽር ሓደስቲ ሕጊታት ድማ ተኣታትዮም።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሕብረት ኣውሮጳ፡ መንግስቲ ሃንጋሪ ብመሰረት ሕጊ ሕብረት ኣውሮጳ ግዴታ ትዋጻእ ከምዘየላ ወሲኑ። ሓደ ካብቶም ብዙሓት ውሳነታት ንሕጊታት ሕብረት ኣውሮጳ ብምጥሓሳ፡ እቲ ሕብረት ንሃንጋሪ ዝህቦ ዝነበረ ምወላ ክቋረጽ ዝፈቅድ እዩ።

ፓርላማ ኣውሮጳ፡ ሃንጋሪ ኣብ ልዕሊ ልዕልና ሕጊ፡ ብልሽውናን መሰላት ኤልጂቢቲን ንድሕሪት ከምዝተመልሰት ይኸስስ።

ቪክቶር ኦርባን፡ ሕብረት ኣውሮጳ ብዛዕባ ዩክረይን ጌጋ ኣንፈት ይሕዝ ከምዘሎ ይምጕት፤ ምኽንያቱ ዩክረይን ኣብቲ ኲናት ፈጺማ ክትዕወት ከምዘይትኽእል ኢሉ እዩ ዝኣምን። ግብራዊ ሰብ ክኸውን ይኽእል እዩ፤ እንተዀነ ካብ ዝዀነ መራሒ ሕብረት ኣውሮጳ ንላዕሊ ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ቅርበት ኣለዎ።

ኣብዚ ቅንያት እዚ ቪክቶር ኦርባን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ዋዕላታት ሕብረት ኣውሮጳ ከምብሕታዊ ሰብ ይንቀሳቐስ።

ንሱ ግን መሓዙት ዘይብሉ መራሒ ኣይኰነን፡ ምስቲ ኣብ ሰነ ዝካየድ መረጻ ኣውሮጳ ድማ ለውጢ ኣብ መንገዲ ክህሉ ከምዝኽእል ይኣምን፤ እንተላይ ንግዜ ስልጣኑ።