እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኑክሌራዊ ምጾታት ዓለም ክሳብ ክንደይ የስግእ?
ሰዓት ምጾታት ዓለም ወይ ድማ ‘ዘ ዱምስደይ ክሎክ’፡ 90 ካልኢት ጎደል ንፍርቂ ለይቲ ክትከውን ተገይራ ዝተመልአት ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን እዩ ነይሩ።
እዚ ድማ ዓለም ብኑክሌራዊ ኣርማጌዶን ንኽትጠፍእ ክንደይ ዝኣክል ከምዝቐረበት ዘመልክት ተምሳላዊ ሰዓት እዩ።
ስግኣት ሓድሽ ውድድር ኑክሌራዊ ኣጽዋር፡ ኲናት ዩክረይን፡ ሰብሰርሖ ብልሒን ስክፍታታት ለውጢ ክሊማን፡ ዓለም ናብ "ጥፍኣት" ክትቀርብ ክገብሩ ዝኽእሉ ረቛሒታት ምዃኖም ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ይገልጹ።
እታ ሰዓት ዓመታዊት ብ’ቡለቲን ኦቭ ዘ ኣቶሚክ ሳይንቲስት’ ትምላእ።
ሰዓት ምጾታት ዓለም እንታይ እያ?
እታ ሰዓት ሰብ ዝሰርሖ ዓለማዊ ዕንወት ንክኽሰት ዘሎ ተኽእሎ ትውክል ምልክት እያ።
ብጄ ሮበርት ኦፐንሃይመርን ኣቶሚክ ቦምብ ብዝሰርሑ ብጾቱ ኣሜሪካውያን ሳይንቲስትን ኣብ 1947 ተሰሪሓ።
ክልተ ዓመት ኣቐዲሙ ማለት ኣብ መወዳእታ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣብ ከተማታት ሂሮሺማን ናጋሳኪን ጃፓን ዘስዓቦ ኣዕናዊ ጽልዋ ርእዮም ነይሮም። ንህዝቢ ከጠንቅቑን ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ዓለም ጸቕጢ ብምግባር ኑክሌራዊ ኣጽዋር ዳግማይ ኣብ ጥቕሚ ከምዘይውዕል ከረጋግጹን ድሌት ኣሕዲሮም።
ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ድማ ብዛዕባ ካብ ቍጽጽር ዘይተገብረሎም ሳይንሳውን ቴክኖሎጂያውን ምዕባለታት ክመጹ ዝኽእሉ ስግኣታት መጠንቀቕታ ንምሃብ ነታ ሰዓት ምምላእ ተጀሚሩ።
በዚ መሰረት ሓደ ግምታዊ ዓለማዊ ዕንወት ኣብታ ሰዓት ብፍርቂ ለይቲ ይውከል፤ ዓለም ናብ ሓደ ዕንወት ክሳዕ ክንደይ ከምዝቐረበት ዘመልክት ድማ እተን ቅድሚ ፍርቂ ለይቲ ዘለዋ ደቓይቕ ወይ ካልኢታት እየን።
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣብ ጥሪ፡ ዓለም ናብ ሓደ ዕንወት ክሳዕ ክንደይ ከምዝቐረበት ገምጋም ይካየድ።
ከም ኑክሌራዊ ውግእ፡ ለውጢ ክሊማን ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ (ኤኣይ)ን ዝኣመሰሉ ኵነታት ነዚ ዝጸልዉ ቀንዲ ረቛሒታት እዮም።
እዚ መስርሕ ኣብ ዝተጀመረሉ ዓመት፡ እታ ሰዓት 7 ደቓይቕ ጐደል ንፍርቂ ለይቲ እያ ነይራ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ 8 ግዜ ንድሕሪት 17 ግዜ ድማ ንቕድሚት ተመሊኣ እያ።
እቲ ካብ ፍርቂ ለይቲ ዝረሓቐ ዝነበረ ኣብ 1991 ኣብ መወዳእታ ዝሑል ኲናት ኰይኑ፡ ኣብቲ እዋን 17 ደቓይቕ ጎደል ነይሩ።
እቲ ዝቐረበ ድማ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ብ24 ጥሪ 2024 ዝተመልአ እዩ፤ ኣብዚ እዋን ዓለም ንኽትጠፍእ ዝተረፋ ግዜ ብ90 ካልኢት ተወኪሉ ኣሎ።
ተኽእሎ ምጾታት ዓለም ዘመልክቱ ኵነታት
እታ ሰዓት ኣብዚ እዋን ከምተመልክቶ፡ ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ ምጾታት ዓለም ከጋጥም ተኽእሎ ኣሎ።
ቡለቲን ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ቻይና፡ ሩስያን ኣሜሪካን ኵለን "ኑክሌራዊ ኣጽዋረን ንምስፋሕ ወይ ዘመናዊ ንምግባር" ብዙሕ ገንዘብ የውጽኣ ከምዘለዋ ይሕብር።
እዚ ድማ ኣብ ዝዀነ ግዜ "ብስሕታን ወይ ብጌጋ ቀመር ሓደጋ ኑክሌራዊ ኲናት" ንኽፍጠር ዘሎ ተኽእሎ ክብርኽ ዝገብር እዩ።
ብተወሳኺ እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት እውን "ኵሉ ግዜ ዝነበረ ሓደጋ ኑክሌራዊ ወሰኽ" ፈጢሩ ከምዘሎ ይገልጽ።
ምስ ለውጢ ክሊማን "ዘይግቡእ ኣጠቓቕማ" ዝቕልቀሉ ዘለዉ ባዮሎጂያዊ ቴክኖሎጂታትን መሳርሒታት ሰብሰርሖ ብልሒን ኣብ ዝተኣሳሰሩ ሓደጋታት ዝተወሰደ ስጕምቲ ዘይምህላዉ እውን ተጠቒሱ።
ፕረዚደንት ቡለቲን ራቸል ብሮንሰን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ "ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከብአን ኵለን ዓበይቲ ሃገራት፡ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ንኣዝዩ ነዊሕ እዋን ኣብ ጥቕሚ ከምዝውዕል ጌረን ኣብ ኑክሌራዊ ኣጽዋረን ወፍሪ ይገብራ ኣለዋ። እዚ ኣዝዩ ሓደገኛ እዋን'ዩ... መራሕቲ ብሓላፍነት ኣይዋስኡን ኣለዉ" ኢላ።
ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ምምላእ እታ ሰዓት ዝተዋፈረ ፓቨል ፖድቪግ ዝተባህለ ክኢላ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ሩስያ እውን፡ ድሕሪ ወራር ዩክረይን ፕረዚደንት ፑቲን ንሓይልታት ኑክሌር ሩስያ ኣብ መስርሕ ተጠንቀቕ ምስ ኣእተወ ከምዝሰንበደ ይዛረብ።
እዚ ስጕምቲ ሩስያ ንዓለም ዘርዓደ እዩ ነይሩ፤ እቲ መራሒ ሩስያ ግን ኰነ ኢሉ ዝገበሮ ቀመር ይመስል።
"ህላወ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ድማ ነዚ እዩ ዘገልግል፡ ዝተወሰነ ናይ ተግባር ነጻነት ከምዘለካ ንምርግጋጽ" ይብል ፖድቪግ።
"ፕረዚደንት ሩስያ ነቶም መግለጺታት ብምሃብ ምዕራባውያን ኣብ ዩክረይን ኢዶም ካብ ምእታው ክዓግቶም ከምዝኽእል ኣሚኑ እዚ ድማ ቅኑዕ ቀመር እዩ ነይሩ፤ ግትኣት ብኸምዚ እዩ ዝሰርሕ።"
ዋላ'ኳ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ስምምዓት ቍጽጻር ኣጽዋር እንተሃለወ፡ ብደረጃ ዓለም ግን ሕጂ እውን ኣስታት 13,000 ኑክሌራዊ ርእሲ ሚሳይል ኣለዉ። ካብዚኦም እቶም 90 ሚእታዊት ናይ ሩስያን ኣሜሪካን እዮም።
ካልኦት ሽዱሽተ ሃገራት ድማ ኑክሌራዊ ሓይሊ ከምዘለወን ተኣዊጀን ኣለዋ። ንሳተን ዓባይ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳ፡ ቻይና፡ ህንዲ፡ ፓኪስታንን ሰሜን ኮርያን እየን።
እስራኤል’ውን ከምዘለዋ ብሰፊሑ ይእመን፤ እንተዀነ እታ ሃገር ነዚ ኣረጋጊጻ ኣይትፈልጥን።
መብዛሕትኡ ዘመናዊ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ካብቲ ንሂሮሺማን ናጋሳኪን ዘዕነወ ብብዙሕ ዕጽፊ ዝሓየለ ከምዝዀነ ድማ ይፍለጥ።
ኣብ 2021 ዓባይ ብሪጣንያ ርእሲ ሚሳይላ ካብ 225 ናብ 260 ኣበሪኻ እያ፤ እዚ ድማ ተወሳኺ 35 ርእሲ ሚሳይል ክህልዋ ከምዝኽእል የመልክት።
ኑክሌራዊ ሓይሊ እታ ሃገር እውን ኣብ ልዑል ጥንቃቐ ይርከብ። ኲናት ዩክረይን ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ሩስያ ኣንጻር ብሪጣንያ ክውዕል ከምዝኽእል ዝሕብሩ ኣበሃህላታት ካብ ላዕለዎት ሩስያውያን ይስማዕ ኣሎ።
ኑክሌራዊ ምክልኻል ብሪጣንያ ኣብ ምዕራብ ስኮትላንድ ኣብ መደበር ፋስሌን ተኸዚኑ ይርከብ። ናይ ትራይደንት ኑክሌራዊ ርእሲ ሚሳይል ዝጸዓና ኣርባዕተ ቫንጋርድ ሳብማሪናት ዝርከባሉ መደበር እዩ።
ኣብ ሳብማሪን ኤችኤምኤስ ቪክቶርየስ ዘገልገለ ሌተና ኮማንደር ነበር ፌርጋል ዳልተን፡ ሓደ ካብቶም ብጭቡጥ ትራይደንት ሚሳይል ዝተኮሱ ብኣጻብዕ ዝቑጸሩ ሰባት እዩ፤ እዚ ድማ ብምስሊ-ኣካል ርእሲ ሚሳይል ፈተነ ሚሳይል ኣብ ዘካየደሉ እዋን እዩ ነይሩ።
"ኵሉ ግዜ ኣብ ሓደ ቦታ፡ መጠንቀቕታ ምስ ዝወሃብ ኣብ 15 ደቓይቕ ትትኩስ ሓንቲ [ሳብማሪን] ኣላ" ይብል ዳልተን። "ኣብዚ ንዛረበሉ ዘለና እዋን ከይተረፈ ኣብ ገለ ቦታ ኑክሌራዊ መከላኸሊ ኣሎ። ዓለም ቭላድሚር ፑቲን እዚ ይፈልጥ እዩ፡ ተኣማንነት ዘለዎ'ዩ፡ ኣድላዪ እንተዀይኑ ድማ ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና።"
ተቓውሞታት ኑክሌራዊ ኣጽዋር
ኣቶሚክ ቦምብ ካብ ዝፍጠር ኣትሒዙ፡ ኣብ ልዕሊ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ተቓውሞታት ክስምዑ ጸኒሖም እዮም።
ኣብ 1980ታት፡ ደቂ ኣንስትዮ መዓስከር ሰላም ግሪንሃም ኮመን፡ ኵሉ ኑክሌራዊ ሚሳይላት ኣሜሪካ ካብ መሬት ብሪጣንያ ንኽእለ ተቓሊሰን እየን፤ እተን ናይ መወዳእታ ርእሲ ሚሳይላይት ድማ ኣብ 2008 ተኣልየን።
ይዅን እምበር ኣብ ሳፎልክ ኣብ ዝርከብ ንጉሳዊ ሓይሊ ኣየር ሌከንሂት ወፍሪ ኑክሌራዊ ምፍታሕ ኣጽዋር (CND) ሕጂ ኣብ ምምላስ ኣጽዋር ኣሜሪካ ዝብል ተኽእሎ ተቓውሞ የስምዕ ኣሎ።
ንመጀመርያ ግዜ ብፈደሬሽን ሳይንቲስት ኣሜሪካ ዝተጸብጸቡ ሰነዳት ፔንታጎን፡ "ፍሉይ" ኣጽዋር ኣሜሪካ ኣብቲ መደበር ክዕቀቡ ምዃኖም ይሕብሩ። ከምዚ ዓይነት ኣጽዋር ክድርብያ ዝኽእላ ነፈርቲ ውግእ ኣሜሪካ ኣብ 2021 ናብ ላከንሂት ዝበጽሓ ኰይነን፡ ሕጂ ድማ ሓይሊ ኣየር ኣሜሪካ ኣብቲ ቦታ ክካየድ ንዝኽእል ኑክሌራዊ ተልእኾ ንዘገልግሉ ወተሃደራት መደቀሲ ክፍልታት ንምህናጽ መደብ ሒዙ ኣሎ።
ካብ ወፍሪ ኑክሌራዊ ምፍታሕ ኣጽዋር ዝዀነት ሶፊ ቦልት፡ "ብወገንና ህዝባዊ ደገፍ ከምዘለና ንፈልጥ ኢና" ትብል እታ ንእሽቶ ጕጅለኣ ኣብ ልዕሊ ዙርያ ሓጹር ናይቲ መደበር ጭርሖታት እናስምዐት። "ዳርጋ 60 ሚእታዊት ህዝቢ፡ ኣብ ብሪጣንያ ኑክሌራዊ ቦምባታት ክዕቀቡ ኣይደልን'ዩ።"
"ምስዚ መደበር ዝዀነ ርክብ የብልናን፡ ፍጹም ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ኣሜሪካ እዩ ዝርከብ" ይብል ኣላን ራይት ዝተባህለ ካልእ ሰልፈኛ። "ትራምፕ ኣብ መጻኢ እንተተዓዊቱ ካብ ፑቲን ዝዓቢ መጠወቒ ስለዝህልዎ ነቲ መጠወቒ እንተጠዊቕዎ - ሽዑ ዒላማ ንኸውን ኣለና ማለት'ዩ።"
እንተዀነ ዶናልድ ትራምፕ ቅድሚ ሕጂ ድሕሪ ምምራጹ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ከብቅዕ ከምዝገብር ተዛሪቡ ነይሩ፤ ብኸመይ ዝብል ግን ኣይገለጸን። ገለ ተንተንቲ፡ ኣሜሪካ ንዩክረይን እትህቦ ደገፍ ብምንካይ ክኸውን ከምዝኽእል ይኣምኑ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት፡ መራሒ ናይታ ናብ ኑክሌራዊት ሓይልታት ዝተጸንበረት ናይ መወዳእታ ሃገር ሰሜን ኮርያ ዝዀነ ኪም ዮንግ ኡን፡ ፍርሒ ኑክሌራዊ ኲናት ንኽጋደድ ምኽንያት ኰይኑ እዩ። ንኣሜሪካ ክወቕዑ ዝኽእሉ ሚሳይላት ብዘለዎ ኑክሌራዊ ዓቕሚ ክምካሕ ምጽንሑ ይፍለጥ።
ኣባል ቡለቲን ኦቭ ኣቶሚክ ሳይንቲስትን ኣማኻሪ ሰዓት ዱምስደይ ሎክን ዝነበረ ሲግ ሄከር፡ ከም ኣካል መደብ ሳይንሳዊ ምርምር ናብ ትካላት ኑክሌር ሰሜን ኮርያ 7 ግዜ ዝበጽሐ ኰይኑ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ካብ 50 ክሳብ 60 ርእሲ ሚሳይላት ክህልዋ ከምዝኽእልን ይግምት።
"ኑክሌራዊ ኣጽዋር፡ ኑክሌራዊ ግብረሽበራ፡ ምብዛሕ ኑክሌራዊ ኣጽዋር - ኵሉ ናብ ግጉይ ኣንፈት እዩ ዝኸይድ ዘሎ" ይብል።