እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዓለም ኣብ መድረኽ ኑክሌራዊ ጥፍኣት ከም ዝበጽሐት ኣንቶንዮ ጕተረዝ ኣጠንቂቝ
ዓለም ካብ ኣዕናዊ ኑክሌራዊ ኲናትን ድሕሪ ዝሑል ኲናት ተራእዩ ዘይፈልጥ ሓደጋን፡ ኣብ ኣዝዩ ተኣፋፊ ሓደጋ ኑክሌራዊ ጥፍኣት በጺሓ ከም ዘላ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቝ።
ኣንቶንዮ ጉተረስ፡ "ክሳብ ሎሚ'ውን ብዝገርም ኵነታት ዕድለኛታት ኴንና ኢና ጸኒሕና" ክብል ተዛሪቡ'ሎ።
ንሱ፡ ኣርባዕተ ሃገራት ኑክሌራዊ ኣጽዋር ንዘይምዝርጋሕ ውዕል ክኣትዋ ኣብ ዝተዳለወ ዋዕላ እዩ ነዚ መልእኽቲ ኣሕሊፉ።
እቲ ናይ 1968 ስምምዕ ድሕሪ ቅልውላው ሚሳይላት ኩባ ዝተኣታተወ ኰይኑ፡ እቲ እዋን ዓለም ናብ ኑክሌራዊ ኲናት ዝቐረበትሉ ፍጻመ ተባሂሉ ይግለጽ።
እቲ ውዕል፡ ናብ ሃገራት ዝዝርጋሕ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ደው ንምባል ከምኡ’ውን ሃገራት ምሉእ ብምሉእ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ከም ዝፈትሓ ንምግባር ዝዓለመ ነይሩ።
እተን ሓሙሽተ ዝለዓለ ኑክሌራዊ ዓቕሚ ዘለወን ዝበሃላ ሃገራት ሓዊሱ ዳርጋ ኵለን ሃገራት ዓለም ነቲ ስምምዕ ፈሪመን’የን።
ካብተን ፈጺመን ዘይፈርማ እሞ ድማ ኑክክሌራዊ ኣጽዋር ኣለወን ዝበሃላ ወይ ዝጥርጠራ ኣርባዕተ ሃገራት ከኣ ህንዲ፡ እስራኤል፡ ሰሜን ኮርያን ፓኪስታንን ምዃነን ይግለጽ።
ዓለም ኑክሌራዊ ሓደጋ ንምውጋድ ዘስተማቐረቶ "ዕድል" ነዊሕ ክጸንሕ ከምዘይክእል ዘጠንቀቐ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ፡ ኵሉ ከምዚ ዓይነት ኣጽዋር ንምውጋድ ዝግበር ድፍኢት ክሕደስ ኣተሓሳሲቡ።
"ዕድል ስትራተጂ ኣይኰነን። ናብ ኑክሌራዊ ግጭት ካብ ዘምርሕ ጂኦፖለቲካዊ ወጥሪ ዝከላኸል’ውን ኣይኰነን" ኢሉ።
ብደረጃ ዓለም ዝጓሃሃሩ ዘለዉ ወጥሪታት "ናብ ዝለዓለ ደረጃ ይበጽሑ" ከምዘለዉ ብምሕባር፡ ንወራር ዩክረይን፡ ኣብ ሓውሲ ደሴት ኮርያን ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ንዘሎ ወጥሪ ከም ኣብነት ጠቒሱ።
ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ድሕሪ ምእዋጁ፡ ኑክለራዊ ኣሃዱታቱ ኣብ ዝለዓለ ተጠንቀቕ ክጸንሑ መምርሒ ምስሃበ፡ ሃገሩ በቲ እናሓየለ ዝኸይድ ዘሎ ዓለማዊ ወጥሪ ትኽሰስ ኣላ።
ኣንጻር ሩስያ ደው ንዝብሉ ኣካላት እውን "ኣብ ታሪኽ ርኢኹምዎ ዘይትፈልጡ" ሳዕቤናት ከምዝህልዎ ኣፈራሪሑ ነይሩ። ስትራተጂ ኑክሌር ሩስያ፡ ህላወ እታ ሃገር ኣብ ሓደጋ ወዲቝ ኣብ ዝበሃለሉ እዋን ኑክሌራዊ ኣጽዋር ምጥቃም ዘጠቓልል እዩ።
ፑቲን ናብቲ ትማሊ ሰኑይ ጉተረዝ መልእኽቲ ዘሕለፈሉ ዋዕላ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ "ኣብ ኑክሌራዊ ኲናት ተዓወትቲ ክህልዉ ኣይክእሉን። ኑክሌር ፈጺሙ ክልቀቕ'ውን የብሉን" ክብል ሓቢሩ።
ነቲ ሩስያ እትፍጽሞ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ናይ ምርኣይ ንጥፈታት ዝዀነነ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ዩክረይን ግን ካብ ሩስያን ካልኦትን ክወርዳ ካብ ዝኽእል መጥቃዕቲ ውሕስነት ድሕሪ ምርካባ፡ ነቲ ካብ ዘመነ ሶቭየት ጀሚራ ዝሓዘቶ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ከም ዘረከበት ኣዘኻኺሩ።
ኣብዚ እዋን ኣብ ትሽዓተ ሃገራት ኣስታት 13,000 ኑክሌራዊ ኣጽዋር ኣብ ኣገልግሎት ከም ዘሎ ይግመት። እዚ ድማ ካብቲ ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ ዝበጽሐሉ መፋርቕ 1980ታት ተዓቂቡ ክም ዝነበረ ዝግመት 60,000 ኣዝዩ ዝወሓደ’ዩ።