ጌታቸው ረዳ፡ ኣለም ገብረዋህድ ዝርከቦም 4 ላዕለዎት ኣመራርሓ ካብ ሓላፍነቶም ኣልዩ

ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፡ ንኣርባዕተ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ኣብቲ ክልላዊ ምምሕዳር ካብ ዝነበሮም ሓላፍነት ሰጕጉ።

ብምክትል ርእሰ ምምሕዳር ኣማኻሪ ህዝባዊ ምልዕዓል ዝነበረ ኣይተ ኣለም ገብረዋህድ፣ ቺፍ ካቢኔ ሴክሪታሪ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ፣ ኣማሓዳሪት ዞባ ደቡብ ምብራቕ ትግራይ ወይዘሮ ሊያ ካሳን ኣማሓዳሪ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ኣይተ ተኽላይ ገብረመድህንን፡ ካብቶም ካብ መዝነት መንግስቲ ዝተኣለዩ ላዕለዎት ኣመራርሓ እዮም።

ኣለም ገብረዋህድ ኣባል ፈጻሚት ህወሓትን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት እቲ ውድብን ክኸውን እንከሎ፡ እቶም ዝተረፉ ድማ ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ እዮም።

ጌታቸው ረዳ፡ ናብ ኣርባዕቲኦም ላዕለዎት ሰብመዚ ዝፀሓፎ ደብዳበ፡ ካብ 14 ን 15 ጥቅምቲ 2016 ኣቆፃፅራ ግእዝ ጀሚሩ ካብ ሓላፍነት መንግስቲ ከም ዝተኣለዩ ይገልፅ።

ኣብ መንጐ እቲ ኵናት ትግራይ ንምግታእ ዝተኸተመ ስምምዕ ፕሪቶርያ ስዒቡ ዝተጣየሸ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ህወሓትን ዘይስኒት ከም ዝተፈጠረ ክግለፅ ፀኒሑ እዩ።

ላዕለዎት ኣመራርሕኡ ካብ መንግስታዊ መዝነት ዝተሰጐጕዎ ህወሓት፡ ዛጊድ ኣብዚ ጉዳይ ዝሃቦ ወግዓዊ ምላሽ የለን።

እቲ ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ካብ ዝኸውን ኣስታት ትሽዓተ ወርሒ ዘቑፀረ ጌታቸው፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዞባታትን ወረዳታትን እግሩ ክተክል ከም ዘይከኣለን፡ ገለ ወረዳታት’ውን ንርእሰን ኣካል እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ገይረን ከይቖፅራ ዝተወደበ ምንቅስቓስ ይግበር ከም ዝነበረን ኣፍሊጡ እዩ።

"ዝዀነ ይዅን ምምሕዳር ዞባን ወረዳን ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ኣይመርሐንን ምባል ከብቅዕ ከም ዘለዎ" 'ውን ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ፡ “ብዘይኣፍልጦ መንግስቲ” ኣብ ከተማ መቐለ ኣኼባ ንምክያድ ብለይቲ ኣኼባ ፀዊዖም ኣብ ልዕሊ ዝበሎም ሓለፍቲ ዞባታት ስጉምቲ ብምውሳድ፡ እቲ ስጉምቲ ተጠናኺሩ ከም ዝቕፅል ምግላፁ ይዝከር።

ምስ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ምትፍናን ዝኣተወ ገዛኢ ውድብ ህወሓት፡ ንግዝያዊ ምምሕዳር ብላዕሊ ኰይኑ ክግምግሞን ክቆፃፀሮን ከም ዝደልይ ምንጭታት ቢቢሲ ይገልፁ።

እዚ ብፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝተወስደ ስጉምቲ፡ ንብዙሓት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ የዘራርብ ኣሎ።

ብዙሓት እቲ ስጉምቲ ትኽክለኛን ክቕፅል ዘለዎን ብምባል ድጋፎም ክገልጹ እንከለው፡ ገለ ደገፍቲ እቲ ውድብ ድማ ነቲ ስጉምቲ ክቃወምዎ ተራእዮም።

ኣብታ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ብኵናት ዝተሃሰየት ትግራይ፡ ማሕበራዊ፣ ቁጠባውን ፖለቲካውን ቅልውላው ሰፊኑ ይርከብ።