ትግራይ፡ ኣጀንዳ 'ዘይሕጋዊ' ኣኼባ ካድረታት ህወሓት እንታይ'ዩ ነይሩ?

‘መንግስቲ ከይፈለጦ’ ዝተፀወዐ ኣኼባ ወዲቦም ዝተባህሉ ካድረታት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣብቶም ዝተትሓዙ ቀንዲ ኣጀንዳታት ከምዘይተዘራረቡ ኣፍሊጦም።

እንተኾነ ግን እቶም ካድረታት ንመርጊጺኦም ዘነጽር ሽድሽተ ነጥብታት ዝሓዘ መግለፂ ብምውጻእ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ነቲ ኣኼባ ንምስራዝ ዝወሰዶ ስጉምቲ "ትካላዊ ኣሰራርሓ ዘይተኸተለ ስጉምቲ" ክብሉ ነቒፎም።

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፡ ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ቀዳም ዝወፅአ መግለፂኡ፡ እዚ ኣኼባ መንግሰቲ ዘይፈልጦን ዘይሕጋውን ዝበሎ ዀይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ገለ ሓለፍቲ ዞባታት ስጉምቲ ከምዝተወስደ ገሊፁ ነይሩ። ነዚ ስዒቡ፡ እቲ ኩነታት ከዘራረብ ቀንዩ።

ኣብ’ቲ ክልል እዚ ዘይተለምደ ክስተት ኰይኑ፡ ብዙሓት ‘እንታይ እዩ ተፈጢሩ’ ኢሎም እንትሓቱ፡ ካልኦት ድማ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ምምቕቓል ከምዘሎ ክእንፍቱ ቀንዮም።

ህወሓት፡ ትማሊ ኣብ ዕላዊ ናይ ፌስቡክ ኣካውንቱ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ ግን፡ 82% ላዕለዎት ካድራታ ኣብቲ “ምስ ትካላዊ ኣሰራርሓ ተኸቲሉ ዝተጸውዐ ሕጋዊ” እዩ ዝበሎ ዋዕላ ከምዝተሳተፉ ሓቢሩ።

ጌታቸው ረዳ፡ ብ27 ጥቅምቲ “ሓላፍነት ሸለል” ብምባልን “ሃፍቲ ህዝቢ ምብኻንን” ብዝብል ሽዱሽተ ሰበስልጣን ካብ ስርሖም ኣባሪሩ ነይሩ።

እቶም ካድረታት ብወገኖም ነቲ ኣብ ልዕሊ ገለ ሰብመዚ ግዝያዊ መንግስቲ ዝወሰዶ ናይ ምስንባት ስጉምቲ ክእረም ጠሊቦም ኣለዉ።

"ብጊዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ልዕሊ ካድረታት ህወሓት ዝተወስደ ትካላዊ ኣካይዳ ዘይተኸተለ ስጉምቲ መአረምታ ክግበረሉ" ሓቲቶም።

ምስ ፈደራላዊ መንግስቲን መሻርኽቱን ንኽልተ ዓመት ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት፡ ኣብ ሕዳር 2022 ብውዕል ፕሮቶርያ ምብቅዑ ዝዝከር እዩ።

እንተዀነ በቲ ውዕል መሰረት ካብ ዝተጣየሰ ልዕሊ ሽድሽተ ወርሒ ዘቑፀረ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላትን ላዕለዎት ካድረታት ህወሓትን በዳሂ ተቓውሞታት ይገጥሞ ከምዘሎ ይዝረብ።

እንታይ ዘጋጥም ዘሎ?

እቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተራእየ ዘይምርድዳእ፡ ኣብ መንጎ ላዕለዎት መራሕቱ ናይ ስልጣን ፍሕፍሕ ከምዘሎ’ዩ ዝሕብር።

ሓደ ምእንቲ ድሕነቱ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ፈላጢ ውሽጢ፡ ካብቶም ካብ ሓላፍነቶም ክለዓሉ ተባሂሎም ኣብ ዙርያ እቲ ግዝኣዊ ምምሕዳር ዝርከቡ ላዕለዎት ኣመራርሓ ህወሓት ዝርክብዎም ከምዝዀኑ ንቢቢሲ ገሊፁ።

እቲ ምንጭና ወሲኹ፡ እቶም ተፀዊዖም ዝነበሩ ካድረታት ዕላምኦም ንመሪሕነት ግዝያዊ ምምሕዳር ንምግምጋም፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዘነፃፀረ ከምዝነበረን፡ ህወሓት ስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር ሙሉእ ንሙሉእ ንምቁፅፃር ዝዓለመ ከምዝዀነን ኣመልኪቱ።

እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ብወገኑ፡ ንባዕሉን ኣመራርሓ ፀጥታን ሓዊሱ ወድዓዊ ኩነታት’ቲ ክልል ክግምገም ኣለዎ ዝብል ቅዋም ዝሓዘ ኰይኑ፡ ገለ ጉጅለ ካድረታት ህወሓት፡ ነዚ ኣገባብ ኣይተቐበሉን።

እቲ ምስ ኣቶ ጌታቸው ዝተፋነን ዘሎ ጉጅለ ውድብ፡ ህወሓት ገዛኢ ውድብ ምዃኑን ንግዝያዊ ምምሕዳር ብላዕሊ ዀይኑ ክግምግሞን ክቆፃፀሮን ድሌት ከምዘለዎን ምንጭታትና ይሕብሩ።

"ብሓፈሻ እቲ ማእኸላይኮሚቴ በብእዋኑ እናገምገመን ንውሽጡ እናፀረየን ብዘይምምጽኡ ሕመቓት እናተደራረቡ መጺኦም ናብ ሕዚ በጺሕናዮ ዘለና ብርኪዝኸፍአ ሕመቕ ንኽንኣቱ ምኽንያት ኮይኑ እዩ" ክብሉ ነቲ ብዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ዘሎ ውድቦም ህወሓት ነቒፎም።

ኣብቲ 'ብለይቲ' ጸዊዖሞ ዝባህሉ ኣኼባ ክልዓሉ ዝተወጠኑን ብቕሉዕ ዘይተገልጹን ክልተ ኣገደስቲ ኣጀንዳታት ግን፡ ኣብ መፃኢ ካብ 10 ክሳብ 15 መዓልታት ኣብ ኣኼባ ካድረታት ክዝተየሎም ምዃኑ ኣብቲ መግለፂ ተጠቒሱ ኣሎ።

እቲ ኣኼባ፡ ንጠለባቶም ዝከታተል፡ "ነቲ ካድረ ወኪሎም ኣእ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ብንጥፈት ዝሳተፉ ኩሎም ዞባታትን ወዳበታትን ህወሓትዝውክሉ ብድምር 15 ካድረታት መሪጹ" ሓላፍነት ኣሰኪምዎም ከምዘሎ ኣፍሊጦም።

እቲ ኣጋጢሙ ዝነበረ ፍልልያት ከይባላሕ ዝተፈተነ እንተዀነ’ኳ፡ እቶም ካድራት ኣብቲ ዝተኸልከለ ኣኼባ ተታሒዞም ዝነበሩ ኣጀንዳታት፡ ከይተዘራረቡሉ ከምዝተበተኑ እዩ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ዘመልክት።

"ኣብ መጀመርያ ብውድብና ህወሓት ተታሒዞም ዝነበሩ ክልተ ኣጀንዳታት ብዝተረጋግአ ቀፃሊ ኣኼብኡ ክካየድ ወሲኑ" ይብል እቲ መግለጺ።

ኣብ ፈለማ ወርሒ መስከረም ኣቶ ጌታቸው እቲ ንሱ ዝመርሖ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዞባታትን ወረዳታትን እግሩ ከምዘይተኸለ ብምጥቃስ፡ ገለ ወረዳታት ንባዕለን ኣካል እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ገይረን ከይቈጽራ "ብዝተወደበ መንገዲ" ምንቅስቓስ ይግበር ምንባሩ ተዛሪቡ ነይሩ።

እቶም ኣብ ምውዳብ እቲ ‘ዘይሕጋዊ’ ኣኼባ ዝተሳተፉ ሓለፍቲ ዞባታት ካብ ዝሓለፈ ሓሙስ 15 ጥቅምቲ ጀሚሩ ካብ መዝነቶም ከምዝተሰናበቱ ተነጊርዎም ከምዝኰነ ይዝረብ።

"እዞም መለዓዓልቲ ህዝቢ ነቲ ኣብ መሬት ኣጋጢሙና ዘሎ ፀገም ንምፍታሕ፣ ህዝቢ ሒዝካ ኣብ ክንዲ ምውፋር ናብ መቐለ መፂኻ ምእካብ ዕላምኡ ግልፂ ኣይኮነን" ክብል ኣቶ ጌታቸው ነቒፉ ነይሩ።