ስሪላንካ፡ ስርዓት ንምሕላው ወተሃደራት ኣድላዪ ስጕምቲ ክወስዱ ቀዳማይ ሚኒስተር ጸዊዑ

ቀዳማይ ሚኒስተር ስሪላንካ ራኒል ዊክረሚሲንግ፡ ተቓወምቲ ብረቡዕ ቤት ጽሕፈቱ ምስ ተቘጻጸሩ ወተሃደራት "ኣድላዪ ስጕምቲ ወሲዶም ስርዓት ከትሕዙ" ጸዊዑ።

ፕረዚደንት ጎታባያ ራጃፓካሳ ካብታ ሃገር ድሕሪ ምህዳሙ እዩ ዊክረሚሲንግ ተተካኢ ፕረዚደንት ኰይኑ ተሸይሙ።

እንተዀነ ግን ተቓወምቲ እቲ ሓዱሽ ዝተሸመ ቀዳማይ ሚኒስተር እውን ካብ ስልጣን ክወርድ ኣለዎ ብዝብል ተወሳኺ ተቓውሞታት ኣለዓዒሎም።

ስሪላንካ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ዝኸፍአ ቝጠባዊ ቅልውላው ትርከብ።

ብዙሓት ሰባት ድማ ነቲ ምሕደራ ራጃፓካሳ ተሓታቲ ይገብሩ። እቲ ኣብ ግንቦት ቀዳማይ ሚኒስተር ዝዀነ ዊክረሚሲንግ እውን ከም ሓደ ኣካል እቲ ጸገም እዮም ዝርእይዎ።

ረቡዕ ኣብ ውሽጢ ሰሙን ንኻልኣይ ግዜ ተቓወምቲ ናብቲ ኣዝዩ ዘተኣማምን መንግስታዊ ህንጻ ጥሒሶም፡ ነቲ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ተቘጻጺሮምዎ።

ኣብ ሶፋታት ኮፍ ኢሎም ክሰኣሉን ኣብ ሰድያታትን ሰደቓታትን ደው ኢሎም ባንዴራ ስሪላንካ ከንበልብሉን ተራእዮም።

ሚስተር ዊክረሚሲንግ ኣብ ተለቪዥን ኣብ ዝገበሮ መደረ፡ ነቶም ተቓወምቲ ካብቲ ዝሓዝዎ ቤት ጽሕፈቱን ካብ ካልእ መንግስታዊ ህንጻታትን ንኽወጹን ምስ ሰበስልጣን ንኽተሓባበሩ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

"ቅዋምና ከነፍርስ ኣይንኽእልን ኢና። ፋሺስት ነዚ ንኽቈጻጸሩ ክንፈቕደሎም የብልናን። እዚ ፋሺስታዊ ስግኣት ዲሞክራሲ ደው ክነብሎ ይግባእ" ኢሉ።

እንተዀነ፡ እቲ ቐዳማይ ሚኒስተር ዝተዛረቦ ዘረባ እቲ ሰራዊት ኣብ ትሕቲ ቝጽጽሩ ከም ዘሎ ዝሕብር እንተ ዀይኑ፡ ዝተሓተተ ኣብ ኮሎምቦ እትነብር ጠበቓ ሰብኣዊ መሰላት ባቫኒ ፎንሴካ፡ ስሪላንካ "ከምተን ካልኦት ኣብቲ ከባቢ ዝነበራ ሃገራት ዘይኰነስ፡ ወተሃደራት ኣብ ፖለቲካ ወይ መንግስቲ ብንጥፈት ዝሳተፉሉ ታሪኽ የብላን" ክትብል ንቢቢሲ ገሊጻ።

ወሲኻ፤ "ኣዝዩ ድልዱል ዲሞክራሲ ኣለና፤ ኣብቲ ግደ እቲ ኸኣ ተወከልቲ ተመሪጾም እዮም። እንተዀነ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ኵነታት እዩ ዘሎ። ስለዚ እንታይ ከምዝፍጠር ኣይፍለጥን" ኢላ።

ጋዜጠኛ ቢቢሲ ተሳቮንግ፡ ዕጡቓት ወተሃደራት፡ ነቶም ኣብ ውሽጢ እቲ ቤት ጽሕፈት ዘለዉ ተቓወምቲ ኣብ ደገ እቲ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ደው ኢሎም ይርእይዎም ከምዘለዉ ገሊጻ።

እቶም ተቓወምቲ፡ እቲ ቐዳማይ ሚኒስተር ካብቲ ቤት ጽሕፈት ንኽወጹ ዘቕረቦ ጻውዒት ዕሽሽ ኢሎምዎ እዮም።

"ሸቶና ጎታ ካብ ስልጠን ንኽወርድ እዩ። ራኒልን ካልኦት ኣባላት ካቢነን እውን ክወርዱ ኣለዎም" ክብል ሓደ ኒክሰን ቻንድራናታን ዝተበሃለ ተቓዋሚ ንቢቢሲ ገሊጹ። "ሕጂ ንስሪላንካ ንምህናጽ ሓቀኛታትን እሙናትን መራሕቲ እዮም ዘድልዩና።"

“ሓበን ይስመዓና እዩ፡” ክብል ሳቲሽ ቢ ዝበሃል፡ እቲ ተቓወምቲ ዝተቘጻጸርዎ ቤት ጽሕፈት ክበጽሕ ዝመጸ ነጋዳይ ንኤ.ኤፍ.ፒ ሓሳቡ ገሊጹ። "ኣብዛ ሃገር እዚኣ ግቡእ ምምሕዳር የለን። ጽቡቕ ኰይኑ ኣይፈልጥን እዩ። መናእሰይ ከምዚ ኢሎም ክቕጽሉ ድልየት የብሎምን።"

ፕረዚደንት ራጃፓክሳ ናብ ማልዲቭስ ከም ዝሃደመ ምስ ተነግረ እቲ ናዕቢ ቐጺሉ እዩ።

እቲ ዝሃደመ ፕረዚደንት ካብ ስራሑ ከም ዝሰናበት ተመባጺዑ እዩ።

እቲ ካብ ክሲ ናጻ ናይ ምዃን መሰል ዝነበሮ ፕረዚደንት፡ ብሓድሽ ምምሕዳር ምእንቲ ከይእሰር፡ ካብ ሃገር ክሃድም ከምዝደለየ ይእመን።

እንተዀነ፡ ክሳብ ሕጂ ወግዓዊ ደብዳበ ስንብታ ኣየቕረበን።

እቲ ፕረዚደንት ካብ ስሪላንካ ምህዳሙ፡ ኣብ ስሪላንካ ናይ ስልጣን ክፍተት ከየምጽእ ስለ ዘስግእ፡ ቍጠባዊ ዕንወት ዘወግድ መንግስቲ የድልያ እዩ።

ፖለቲከኛታት ካልኦት ሰልፊታት፡ ሓድሽ ሓድነት ዘለዎ መንግስቲ ብዛዕባ ምምስራት ይዛረቡ'ኳ እንተለዉ ክሳዕ ሕጂ ግን ከም ዝተሰማምዑ ዝሕብር ዋላ ሓንቲ ምልክት ግን የለን። ህዝቢ፡ ነቲ ዝብልዎ ነገር ዝቕበሎ እንተ ዀይኑ'ውን ንጹር ኣይኰነን።

ሓድሽ መራሒ ምምራጽ'ውን ናይ ባዕሉ ጸገማት ኣለዎ።

ጕጅለ ሚስተር ዊክረሚሲንገ ረቡዕ ኣብ ዘዳለዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ነቲ ወሃቢ ቃል ባይቶ፡ "ኣብ መንግስትን ተቓወምቲን ተቐባልነት ዘለዎ" ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ንኽመዝዝ ከም ዝሓተቶ ገሊጹ።

ኣቐድም ኣቢሉ፡ ሳጂት ፕራማዳሳ ዝበሃል ቀንዲ መራሒ ተቓዋሚ ንፕረዚደንትነት ከም ዝቋምት ንቢቢሲ ገሊጹ ነይሩ።

እንተዀነ፡ ከም ሚስተር ዊክረሚሲንገ ህዝባዊ ደገፍ የብሉን። ኣብ ፖለቲከኛታት እውን ብሓፈሻ ዓሚቝ ጥርጣረ ኣሎ።

እቲ ንስሪላንካ ናብ ጫፍ ለውጢ ዝወሰዳ ተቓውሞ'ውን ንመሪሕነት እታ ሃገር ዝኸውን ንጹር ተወዳዳሪ የብሉን።