እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሰሜን ኮርያ ባሊስቲክ ሚሳይል ብልዕሊ ጃፓን ተኲሳ
ሰሜን ኮርያ ብልዕሊ ሰሜናዊ ጃፓን ናይ ማእከላይ ርሕቐት ምዃኑ ዝተጠርጠረ ባሊስቲክ ሚሳይል ተኲሳ።
እቲ ተግባር፡ መንግስቲ ጃፓን ንነበርቲ ደሴት ሆክያዶ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ከመሓላልፍ ክድርኽ እንከሎ፡ ገለ ንጥፈታት መጓዓዝያ ባቡር’ውን ንግዚኡ ክድስክል ገይሩ ነይሩ።
ሰሜን ኮርያ ድሕሪ 2017 ብልዕሊ ጃፓን ሚሳይል ክትውንጭፍ እዚ ናይ ሕጂ፡ ናይ ፈለማ እዩ።
ሕቡራት ሃገራት፡ ሰሜን ኮርያ ባሊስቲክን ኑክሌራውን ኣጽዋር ካብ ምፍታን ኣጊድዋ እዩ።
መንግስቲ ጃፓን ብሰሉስ ብኣቆጻጽራ ሰዓት እቲ ከባቢ 07፡29 ቅ.ቐ ኣብ ዝዘርግሖ መጠንቀቕታ “ሰሜን ኮርያ ሚሳይል ዝወንጨፈት ይመስል። ብቕልጡፍ ናብ ህንጻታት ወይ መዕቈቢታት ትሕቲ ባይታ እተው” ይብል።
እቲ ሚሳይል ካብ ጃፓን ኣስታት 3000 ኪሜ ኣብ ዝርሕቕ ከባቢ ሰላማዊ ውቅያኖስ ከምዝወደቐን ምስኡ ዝተሓሓዝ ዝዀነ ጉድኣት ከምዘይተሓበረን ሰብ መዚ ገሊጾም።
ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን ፉምዮ ኪሺዳ ነቲ “ተጻባኢ ባህሪ” ዝበሎ ተግባር ብትሪ ክኹንን እንከሎ፡ መንግስቲ ጃፓን ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሃገራዊ ጸጥታ ክካየድ ጸዊዑ ኣሎ።
ምትኳስ እቲ ሚሳይል፡ ኣቓልቦ ናይተን ንመራሒ ሰሜን ኮርያ፡ ኪም ጆንግ-ኡን ዕሽሽ ኢለን ዘለዋ ኣሜሪካን ጃፓንን ንምርካብ ኮነ ኢልካ ዝተፈጸመ ተግባር እዩ ዝመስል።
ምስ ዝኾነት ሃገር ከይተላዘብካን ኣቐዲምካ መጠንቀቕታ ከይሃብካን ናብ ወይ ብልዕሊ ሓንቲ ሃገር ሚሳይል ምውንጫፍ ምሉእ ጥሕሰት ዓለምለኻዊ ስምምዕ እዩ።
ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር መጥቃዕቲ ምፍጻም ክመስል ስለዝኽእል መብዛሕትአን ሃገራት ኣይመርጽኦን እየን።
ኣሜሪካ ብመገዲ ኣብ ምብራቐ እስያ ዝርከብ ዲፕሎማታ ኣቢላ ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ፡ ነቲ ተግባር፡ “ዘጉሂ” ክትብል እያ ገሊጻቶ።
ኣብ ፈለማ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ጃፓን፡ ኣሜሪካን ደቡብ ኮርያን ስሉሳዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ከካይዳ እንከለዋ እቲ ተግባር ንፒዮንግያንግ ከምዘቘጥዓ ይግለጽ።
ሰሜን ኮርያ ኣብ ውሽጢ ሰሙን ንሓሙሻይ ግዜ እያ ሚሳይል ትውንጭፍ ዘላ። ብቐዳም ክልተ ሮኬት ኣብ ጥቓ ቍጠባዊ ዞባ ጃፓን ዝርከብ ማያት በጺሑ ነይሩ።
ዝበዝሐ ፈተነታት ሚሳይል ሰሜን ኮርያ፡ ነፈርቲ ካብ ዝበራሉ ኣብ ዝልዕል ብራኸ እዩ ዝፍጸም።
ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ፡ ሰሜን ኮርያ ንገዛእ ርእሳ ወናኒት ኑክሌራዊ ኣጽዋር ካብ ዝዀና ሃገራት ዘብላ ሕጊ ክተጽድቕ እንከላ፡ ኪም ጆንግ-ኡን፡ ንምእላይ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ዝምልከት ዝርርባት ከካይድ ድልየት ከምዘይብሉ ኣፍሊጡ።
ፒዮንግያንግ ካብ 2006 ክሳዕ 2017 ኣብ ዘለው ዓመታት ሽዱሽተ ኑክሌራዊ ፈተነታት ኣካይዳ፤ ብሰንኩ ከኣ ብዙሕ እገዳታት ተነቢሩላ ይርከብ።