እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሰሜን ኮርያ፡ መርከብ ኣሜሪካ ናብ ደቡብ ኮርያ ምእታዋ ስዒቡ ባሊስቲክ ሚሳይል ኣወንጪፋ
ሰሜን ኮርያ ናብ ምብራቓዊ ገማግም ባሕራ ባሊስቲክ ሚሳይል ኣወንጪፋ ክትኸውን ከምእትኽእል ይግለፅ ኣሎ።
እዚ ድማ ድሕሪ’ቲ ኣብ ወርሒ ሰነ ዝተኻየደ ንፈለማ እዋን ዝፍለጥ ፈተነ ምዃኑ ወተሃደራዊ ሰበስልጣን ደቡብ ኮርያ ሓቢሮም።
ሓንቲ መርከብ ጽዕነት ነፈርቲ ኣመሪካ ኣብ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ንምስታፍ ናብ ደቡብ ኮርያ ድሕሪ ምእታዋ ዝተኻየደ ምውንጫፍ ባሊስቲክ ሚሳይል ምዃኑ'ውን ተገሊፁ።
ደቡብ ኮርያ "ከቢድ ተግባር ትንኮያ" ክትብል ገሊፃቶ’ላ።
ሕቡራት ሃገራት ንሰሜን ኮርያ ፈተነ ባሊስቲክን ኒኩለርን ከይትገብር ከምዝኽልክላ ይፍለጥ።
ሰራዊት ደቡብ ኮርያ፡ ቅድሚ ሰዓት 07፡00 ብኣቆጻጽራ እታ ሃገር (11፡00 GMT) ካብ ሰሜን ፒዮንግያንግ ልዕሊ 100 ኪ.ሜ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ታኤቾን ዝተተኮሰ ናይ ሓጺር ርሕቀት ሚሳይል ዘመልክት መረዳእታ ከምዝረኸበ ሓቢሩ። ኣብ 60 ኪ.ሜ ብራኸ ኣስታት 600 ኪ.ሜ ርሕቐት ከምዝተወንጨፈ ድማ ኣመልኪቱ።
"ሰራዊትና ኣብ ሙሉእ ድልውነት ዝርከብ ኮይኑ ምክትታልን ንቕሓትን እናጠናኸረ ከኣ ምስ ኣሜሪካ ይተሓባበር ኣሎ" ይብል ሰራዊት ደቡብ ኮርያ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ።
ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ጃፓን ነቲ ዝተኻየደ ምውንጫፍ ሚሳይል ብምርግጋፅ መራኽብ "ጥንቁቓት" ክኾና ኣተሓሳሲቡ።
ሚኒስተር ምክልኻል ጃፓን ያሱካዙ ሃማዳ፡ እቲ ሚሳይል ብኣስታት 50 ኪሎሜትር ብራኸ ተወንጪፉ ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ሰሜን ኮርያ ከምኡ’ውን ካብቲ ፍሉይ ቁጠባዊ ዞባ ጃፓን ወጻኢ ኣብ ዝርከብ ማያት ከምዝወደቐ ኣፍሊጡ።
ተንታኒ ራንድ ኮርፖሬሽን ሱ ኪም ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ሰሜን ኮርያ ንምሕዝነት [ኣመሪካ] ተቓውሞኣ ዘርእየትሉ ኣገባብ'ዩ" ኢሉ።
እታ ብኒኩለር እትሰርሕ ‘ዩኤስኤስ ሮናልድ ሬጋን’ ብዝብል እትፍለጥ መርከብ፡ ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ደቡብ ኮርያ ኣብ ዝካየድ ሓባራዊ ልምምድ ንምስታፍ፡ ኣብ ደቡባዊት ወደባዊት ከተማ ቡሳን ብዓርቢ እያ ተዓሺጋ (ዓሪፋ)። እቲ ልምምድ "ኣብ ሓውሲ ደሴት ኮርያ ሰላምን ምርግጋእን ንምርግጋፅ ዝዓለመ" ምዃኑ ሓይሊ ባሕሪ ደቡብ ኮርያ ይሕብር።
ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ኣሜሪካ ካማላ ሃሪስ ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ከም ኣካል ናይቲ ናብቲ ዞባ እትገብሮ ጉዕዞ ናብ ደቡብ ኮርያ እትበፅሕ ኮይና፡ መገሽኣ ንስነስርዓት ቀብሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን ነበር ሺንዞ ኣቤ ዘጠቓልል እዩ።
ኣብ ሓውሲ ደሴት ኮርያ ዝነበረ ወጥሪ ምስቲ ሰሜን ኮርያ ብርክት ዝበሉ ባሊስቲክ ሚሳይላት ምውንጫፋ ስዒቡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እናተጓሃሃረ ምምጽኡ ይግለፅ።
ኣብ ወርሒ ግንቦት ስልጣን ናብ ስልጣን ዝመፅአ ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ዩን ሱክ-የኦል ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ዝያዳ ተሪር መርገጺ ከምዝህልዎ ብምርግጋፅ፡ ምስ ኣሜሪካ ድማ ዝያዳ ጥቡቕ ርክብ ከምዝፈጥር ኣመልኪቱ ነይሩ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ሰሜን ኮርያ ንነብሳ ኒኩለራዊ ኣጽዋር ዘለዋ ሃገር ምዃና ዝእውጅ ሕጊ ከምዘጽደቐት ይዝከር።
መራሒ እታ ሃገር ኪም ጆንግ ኡን ብዛዕባ ምውጋድ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ዝምልከት ዝርርብ ክካየድ ከምዘይክእል’ውን ኣፍሊጡ ነይሩ።
ሰሜን ኮርያ ዋላ'ኳ ተደጋጋሚ እገዳታት ኣብ ልዕሌኣ እንተተገብረ፡ ኣብ መንጎ 2006ን 2017ን ኣብ ዘለዉ ዓመታት ሽዱሽተ ፈተነታት ኒዩክለር ኣካይዳ’ላ።