እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ትምህርቲ ቋንቋ ግእዝ ምሃብ ንምንታይ ኣድልዩ?
ካብ ዝመጽእ ዓመት ኣትሒዙ፡ ኣብ ኵለን ኣብያተ ትምህርቲ ክልል ኣምሓራ ቋንቋ ግእዝ ካብ ሳልሳይ ክፍሊ ንላዕሊ ንዘለዉ ተምሃሮ ክወሃብ እዩ።
ቤትጽሕፈት ትምህርቲ ናይቲ ክልል ናብ ኵለን ምምሕዳራት ዞባን ከተማን ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ፡ ነቲ ቋንቋ ንምምሃር ምድላዋት ክገብሩ ኣተሓሳሲቡ።
ዳይረክተር ምድላውን ትግባረን ስርዓተ-ትምህርቲ ናይቲ ክልል ኣቶ ይገርማል ኣያሌው ነዚ ሓበሬታ'ዚ ንቢቢሲ ዘረጋገጸ ኰይኑ፡ ካብ ዝመጽእ ዓመተ-ትምህርቲ ጀሚሩ ኣብ ኵለን ኣብያተ-ትምህርቲ ናይቲ ክልል ግእዝ ከም ዓውደ-ትምህርቲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
እቲ ዳይረክተር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2017 (ግ) ካብ ሳልሳይ ክፍሊ ጀሚሩ ኣብ ኵለን ኣብያተ-ትምህርቲ ናይቲ ክልል ቋንቋ ግእዝ ከም ትምህርቲ ኣብ ርእሲ ምምሃሮም፡ ኣብ 16 ዞባታትን 45 ወረዳታትን ድማ ኣብ መባእታን ማእከላይን ኣብያተ-ትምህርቲ ብስሩዕ ይወሃብ ከም ዘሎ ሓቢሩ።
እንተዀነ፡ "ብሰንኪ ዋሕዲ መምህራን ብምልኣት ኣብ ኵለን ኣብያተ-ትምህርቲ ክልልና ክንምህር ኣይከኣልና፡" ኢሉ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብምሉእ ኣብ ተግባር ቅድሚ ምውዓሉ፡ ካብ 2015 ጀሚሩ ከም መርኣያ ዝኸውን ክወሃብ ጸኒሑ እዩ።
"እቶም ሽዑ ዝጀመሩ ተምሃሮ፡ ሎሚ ሻዱሻይ ክፍሊ በጺሖም ኣለዉ። ፈተነ እናተገብረን ኣብ ልዕሊ ተምሃሮ ገምጋም እናተኻየደን እቲ ስርዓተ-ትምህርቱ እናሃብተመን ምድላው እናተገብረሉን እዩ መጺኡ፡" ክብል እቲ ዳይረክተር ይገልጽ።
ቋንቋ ግእዝ ሓደ ካብቶም ካብ ጥንቲ ዝጸንሑ ቋንቋታት ዓለም ኰይኑ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝዝረቡ ገለ ቋንቋታት መሰረት ምዃኑ ይንገረሉ።
ካብ ጥንቲ ኣትሒዞም ብዛዕባ ዝተፈላለየ ዓውድታት ብግእዝ ዝተጻሕፉ ጽሑፋትን ፍልጠታትን ኣብ ብዙሓት ዩኒቨርሲታትን ትካላት ምርምርን ይርከቡ።
ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብዝሒ ተዛረብቲ ናይቲ ቋንቋ እናነከየ ብምምጽኡ ኣብ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ኢትዮጵያ ጥራይ ተሓጺሩ ከም ዝተረፈ ይግለጽ።
በዚ ምኽንያት ድማ ነዚ ጥንታዊ ቋንቋ ናብ መጻኢ ወለዶታት ንምትሕልላፍ፣ ከምኡ'ውን ጥንታውያን መጻሕፍትን መዛግብትን ንምርዳእ ዝግበር ጻዕሪ ነክዩ።
ምሁራትን መራሕቲ ሃይማኖትን ድማ ግእዝ ናብ ኣብያተ-ትምህርቲ ክኣቱ ሕቶታት ከልዕሉ ጸኒሖም።
ከም ውጽኢቱ ድማ መጽናዕቲ ስርዓተ-ትምህርቲ ድሕሪ ምክያዱ፡ ካብ 2015 ኣትሒዙ ንመርኣያ ከም ፈተነ ክወሃብ ከም ዝተወሰነ ኣቶ ይገርማል ይሕብር።
ነቲ ካብ ዝመጽእ ዓመት ኣትሒዙ ብስሩዕ ዝወሃብ ትምህርቲ፡ እኹላት መምህራንን መጻሕፍትን ንምቕራብ ምድላው ከም ዝተገብረ ወሲኹ ይገልጽ።
ኣብቲ ዝተኻየደ ቅድመ-ምድላዋት፡ ብስነቛንቋ ዝተመረቑን ኣፍልጦ ናይቲ ልሳን ዝጸንሖምን ንስነምምህርና ዝምልከት ድሕሪ ዝተዋህቦም ስልጠና ከም ዝተመደቡን ዋሕዲ መምህራን ንኸይፍጠር ድማ ኣብ ዝስዕብ ዓመተ-ትምህርቲ ብደረጃ ኮሌጅ ግእዝ ከም ዓውደ-ትምህርቲ ንምሃብ ምድላዋት ተገይሩን ከም ዘሎ እቲ ዳይረክተር ይገልጽ።
ንተምሃሮን መምህራንን ዝዀኑ መጻሕፍቲ፡ ክሳብ ናይ ሻዱሻይ ክፍሊ ተጻፊፉ ንሕትመት ድልው ከም ዘሎ'ውን ወሲኹ ገሊጹ።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ልዕሊ 9,000 መባእታን ካልኣይን ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ኣለዋ።