ኣብ መበል 70 ዓመቱ ካልኣይ ድግሪ ዝተመረቐ ኢትዮጵያዊ

ወዲ 70 ዓመት ጥሮተኛ መምህር ታደሰ ቢተውልኝ ኣበራ፡ ኣብዚ ዓመት ካብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ብስነሕብረተሰብ - ሶስዮሎጂ ካልኣይ ዲግሪ ተመሪቑ።

እዚ 'ሓድሽ ኣተሓሳስባ' ክሕዝ ገይሩኒ'ዩ ዝበሎ ጕዕዞ፡ መጀመርታ ኣብ ዕድመ ንእስነቱ ሕክምና ከጽንዕ ዝነበሮ ድልየታት ምስ ተጐሰየ፡ ድሕሪ 50 ዓመት ናብ ዩኒቨርሲቲ ብምምላስ'ዩ ተዓዊቱሉ።

ኣብ 1950ታትን 60ታትን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ከባቢ እንዳባጕና'ዩ ተወሊዱ ዓብዩ።

መባእታን ካልኣይን ደረጃ ትምህርቱ ምስ ወድአ፡ ብቐጥታ ናብ ዩኒቨርሲቲ ኣይከደን።

እዋን ስርዓት ደርግ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ነሓሰ 1966 ዓ.ም (ኣ.ግ) ሃገራዊ ወፍሪ ዕብየት ትምህርትን ስራሕን ተኣዊጁ።

እዚ ድማ፡ ካብ 10ይ ክፍሊ ክሳብ ዩኒቨርሲቲ ዘለው ተምሃሮን መምሃራንን ዘሳተፈ ወፍሪ ስለ ዝነበረ፡ መምህር ታደሰ መጀመርታ ናብ ወፍሪ ዕብየት ብሕብረት ከይዱ።

ካብኡ ምስ ተመልሰ ዘለው ተጓንፎታቱ ብዙሓት'ዮም።

እቲ ንልዕሊ 23 ዓመታት ቋንቋ እንግሊዘኛ ዘምሃረሉ፡ ኣብ ትግራይ ታሪኻዊ ዝዀነ ቤት ትምህርቲ ሃጸይ ዮውሃንስ ክኣ ኣይፈትዎን፤ እንታይ ኰይኑ?

ካብ ሕክምና ክሳብ 'ናይ ወዲ ሃብታም ትምህርቲ' ኢሉ ዝጽውዖ ክፍሊ ትምህርቲ ክገላበጥ ዝመጽአ መምህር ታደሰ፡ ድሕሪ 50 ዓመት ናብ ዩኒቨርሲቲ ተመሊሱ ብሶስዮሎጂ ካልኣይ ዲግሪ ክመሃር ዝደረዀ ዘደንቕ ተሞኵሮ'ውን ኣሎ።

'ብምርጫይ'የ ናብ ትግራይ ዝኸይድ ኢልካ ጽሓፍ ተባሂለ'

መምህር ታደሰ ቢተውልኝ፡ ካብ ወፍሪ ዕብየት ብሕብረት ምስ ተመልሰ "ንእሽቶ ስራሕ" እየ ጀሚረ ይብል።

ኣብዚ ንሓሙሽተ ዓመታት ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ግን፡ እዋን ደርጊ ስለ ዝነበረ ንሓደ ዓመት ተኣሲሩ።

ካብኡ ምስ ወጽአ ድማ ብቐጥታ ኣብታ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ዝተኸታተላ ቤት ትምህርቲ ጸሃየ እዩ ስራሕ ጀሚሩ።

ኣብኡ ንኽልተ ዓመት ምስ ምሃረ (ብ1973 ዓ.ም) ናብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ'ኳ እንተኸደ፡ ብሰንኪ ዛሕሊ ጸገም ጥዕና ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ክቕጽል ኣይክኣለን።

"ሽዑ፡ ሓደ መሓዛይ ናብ ኣስመራ ኬድካ ዘይትመሃር ኢሉኒ። ኣብ ኣስመራ ክኣ ማሕበራዊ ሳይንስ ጥራይ ስለ ዝነበረ ቃሕ ኣይበለንን። ኣብኡ ክኣ ኣካውንቲን ነይሩ (በቲ ግዜ ዝጽላእ ስለ ዝነበረ) ብቐጥታ ናብ ስነ-ጽሑፍን እንግሊዘኛን ኣትየ" ክብል ይዝክሮ።

መምህር ታደሰ፡ ነዚ ክፍሊ ትምህርቲ 'ናይ ሃብታም ተመሃራይ' እናበለ እዩ ዝጽውዖ።

ካብዚ ምስ ተመረቐ ሕጂ'ውን ናብ ሕክምና ክምለስ ድልየት ከም ዝነበሮ ዘዘንቱ መምህር ታደሰ፡ ኣብ ኣስመራ "ኣርባዕተ ዓመት ኣብ ንባብን ስራሕን'የ ኣሕሊፈዮ፡" ይብል።

ኣብቲ ግዜ፡ ናብ ዩኒቨርሲቲ ክምለስ እንከሎ ናይ 245 ብር ደሞዝ ገዲፉ'ዩ ከይዱ።

እዚ ኣብ እዋኑ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ገንዘብ እዩ ነይሩ።

መምህር ታደሰ፡ ካብ ዩኒቨርሲቲ ክምረቕ እንከሎ ኣብ ትግራይ ኲናት ይካየድ ነይሩ።

በዚ ምኽንያት፡ ናብቲ ከባቢ ክኸይድ ሸውሃት ዝነበሮ ምሁር ኣይነበረን።

ንሱ'ውን ከምቲ መብዛሕትኡ፡ ብስርሑ ናብ ባህርዳር፡ ናዝሬትን ካልኦት ከባቢታትን ክኸይድ እዩ ዝደሊ ነይሩ።

እንተዀነ፡ ምኒስትሪ ትምህርቲ ድሮ ናብተን ከባቢታት ዝለኣኹ መምሃራን መዲቡ ወዲኡ ስለ ዝነበረ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባን ናዝሬትን ወጻኢ ዘለዋ ከባቢታት ጥራይ ንኽመርጽ ዕድል ሂቡዎ።

"ትግራይ ኢለ፤ ሽዑ ምኒስትር ትምህርቲ 'በል፡ ድሓር ጸጊሙኒ ከይትብል፡ ዕድል ተዋሂቡኒ ከሎ ብምርጫይ እየ ናብ ትግራይ ዝኸይድ ዘለኹ ኢልካ ደብዳበ ጽሓፍ' ኢሉኒ፡" በለ።

ወሲዅ፡ "ሻቡ ብዙሕ ምሁር ስለ ዘይነበረ፡ ነታ ብኲናት ዝዓነወት ዓደይ ንእሽተይ ሻዂዓ ክሽኵዕ፡ ደቀይ ቋንቋኦምን ባህሎምን ፈሊጦም ክዓብዩ ኢለ እየ ናብ ትግራይ ዝመጻእዅ፡" ብምባል ተዘክሮታቱ ብዋዛ የዕልል።

'ፍቕርን ጽልእን' ሃጸይ ዮውሃንስ ራብዓይ

መባእታውን መሰናድኦን ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሃጸይ ዮውሃንስ ራብዓይ፡ ኣብ ትግራይ ካብ ነባራት ተባሂሎም ዝጥቀሱ ፍቱዋት ኣብያት ትምህርቲ እዩ።

መባእታዊ ብርኪ ቤት ትምህርቲ፡ 1945 ዓ.ም (ኣ.ግ) ክኽፈት እንከሎ፡ 1950 ዓ.ም ዝተሃንጸ ካልኣይ ብርኪ 70 ተመሃሮ ሒዙ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ምምሃር ምስትምሃር ጀሚሩ።

እዚ፡ ንልዕሊ 60 ዓመታት ኣገልግሎት ክህብ ዝጸንሐ ቤት ትምህርቲ፡ ሓያሎ ተምሃሮ ክፈርይሉ ዝኽኣለ ብሉጽ ቤት ትምህርቲ ምዃኑ ክምስከረሉ ጸኒሑ'ዩ።

መምህር ታደሰ ክኣ፡ ብኣፍደገ ቤት ትምህርቲ ሃጸይ ዮውሃንስ ራብዓይ ከይሓለፈ ኣይውዕልን።

ሓደ፡ ካብ 1987 ክሳብ 2008 (ኣ.ግ)፡ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ምምሃሩ፡ ናይዚ ሓደ ምኽንያት ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ኻልእ ግን፡ ዝበዝሕ ኣብ ውሽጡ ዝተፈጥረ ሕርቃን ኣብዚ ቤት ትምህርቲ ካብ ዝነበሩዎ ተጓንፎታት ዝነቅል ብምዃኑ'ዩ።

ነባራት ተምሃሮኡ፡ "ኣብ ሞያኡ ብቑዕ፡ኣብ ሓላፍነቱ ሕሉቕ እዩ። ቀልቡ ኣጥፊኡ፡ ነብሱ ረሲዑ ይምህር፡" ብምባል ልዑል ሞያዊ ፍቕሪ ከም ዘለዎ ይዛረቡ።

ንሱ'ውን እንተዀነ፡ "ኣነ ንመምህርነት ዝተፈጠርኩ መሲሉ እዩ ዝርኣየኒ፡ ኣብ ክፍሊ ክምህር እንከለኹ፡ ልክዕ ኣብ ህዋ ከም ዘሎ ጠፈርተኛ እዩ ዝስምዓኒ፡" ብምባል፡ ነቲ ሞያ ዘለዎ ክብሪ ይገልጽ።

ኣብ መሰናድኦ ቤት ትምህርቲ ሃጸይ ዮውሃንስ፡ ን21 ዓመታት ቋንቋ እንግሊዘኛ ምሂሩ። እዚ ቤት ትምህርቲ ድማ፡ እቲ ዝነውሐ ናይ መምህርነት ዕድመኡ ዘሕለፈሉ'ዩ።

ኣብቲ ንሱ ምምሃር ዝጀመረሉ ዓመታት፡ እቲ ቤት ትምህርቲ ንኣስታት ሸውዓተ ዓመት ብደረጃ ሃገር ቀዳማይ ብምውጻእ መርኣያ ኣብያተ ትምህርቲ ይኸውን ነይሩ'ዩ ዝብል።

"ሽዑ ዝነበሩ ተምሃሮ'ውን ብጣዕሚ በዳህቲ ስለ ዝዀኑ ነቲ ስራሕ ክትፈትዎ ዝገብሩ ዘኹርዑ ተምሃሮ'ዮም ነይሮም። ሳልኦም'የ ጸኒሐ እምበር ብደገይ ኣይፍቶን ነይረ። ንምንታይ ከም ዝዀነ ከኣ ኣይርድኣንን፡" ኢሉ።

መምህር ታደሰ፡ ብግዜ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ብቝዓት ዘይኰኑ መምሃራን እዮም ክምደቡ ጀሚሮም ዝብል እምነት ኣለዎ።

እዚ ድማ፡ ጽርየት ትምህርቲ ክወድቕን ብቕዓት ተምሃሮ ክጐድልን ምኽንያት ከም ዝዀነ ይዛረብ።

"ህይወተይ ዘበላሸወት ቤት ትምህርቲ እያ፡" ይብል ቅሩብ ሕርቕ እናበለ።

"እዚ ቤት ትምህርቲ ሕዚ ዘለዎ ኣካዳሚያዊ ዓቕሚ ትሑት'ዩ፤ ሰብ እናተመሓየሸ ኣብ ዝኸደሉ ንድሕሪት ክስጕም ርእየዮ። ምስ ትምህርቲ ዝኣረግኹ ሰብ ስለ ዝዀንኩ፡ ሎሚ ዘይሰምዑ፡ ዕዮ ገዛ ዘይሰርሑ ተምሃሮ'ዮም ዘለው። እቶም ኣቐዲመ ዝመሃርኩዎም ቀይረዮም እነተዝነብር፡ ዝወለዱዎም ምቐየሩ ነይሮም ኢለ ንዓርሰይ እየ ዝወቅስ።"

ኣብ መንደቕ እቲ ቤት ትምህርቲ፡ ንዝሰፈራ ስነ-ምግባር ሓደ ጽቡቕ ዜጋ ዝገልጻ መትከላት -ተኣማንነት፡ ሓቀኝነት፡ ግልጽነትን ካልኦትን - እናርኣየ ክኣ፡ "ሓንቲ ካብዚአን ኣብ ግብሪ ውዒላ ኣይትፈልጥን፡" ይብል።

'እርጋን ከይተዳለኹ ከይትመጽኣኒ እየ ዝፈርሕ'- ድሕሪ 50 ዓመት ናብ ዩኒቨርሲቲ

መምህር ታደሰ፡ ክልተ ነገራት'የን ዘሐጕስኦ።

ብቐንዱ ልቢ ዘንጠልጥል መጽሓፍ ምንባብ- ንሱ እንትስኣን -መምህር ታደሰ ከም ዝብሎ 'እንትስልችዮ'- ቢራ እናሰተኻ ምውጋዕ።

"ኣብ ህይወተይ ካብ ዘሕጕሰኒ ነገር፡ ሓደ ክልተ ገጽ ዘይፈልጦ ኣንቢበ እንትድቅስ ዝፈጥረለይ ልዑል ዕግበት'ዩ።"

ንዝሓለፉ 50 ዓመታት ካብ መሰናድኦ ክሳብ ቲቪቲ ኣብ ዘለው ደረጃታት ትምህትርቲ፡ ዝተፈላለዩ ሓላፍነታት ወሲዱ ክምህር እዩ ጸኒሑ።

ኣብ መንጐ፡ ሶስዮሎጂ ብርሕቐት ክመሃር እኳ እንተጸንሐ፡ ንምዝዛም ሒደት ክተርፎ እንከሎ ኣቋሪጽዎ።

ናቱ ህልኽ፡ ምሸታዊ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ክመሃር ከም ዝወሰነ ዝገልጽ መምህር ታደሰ፡ "ትምህርቲ፡ ምንባብ ከም ምዝንጋዕ ትወስዶ እንተዄይንካ ዕድመ ኣይግድቦን፡" ኢሉ።

ድሕሪ 50 ዓመት ናብ ትምህርቲ ክምለስ እንከሎ፡ ብዙሓት 'እንታይ ክገብረልካ'ዩ ትምህርቲ ኣብዚ ዕድመ' ከም ዝበሉዎ ይጠቅስ።

"ብቐንዱ ንከንብብ ኢለ እየ ክመሃር ወሲነ፤ ከምኡ ክብሃል ከለኹ ግን፡ ንስኹም ስለ ትማሊ ክትሓስቡ ከለኹም፡ ኣነ ብዛዕባ ጽባሕ እየ ዝሓስብ'የ፡" ዝብሎም ነይረ ኢሉ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ግን፡ ንሱ ካብቶም መምሃራኑን ምስኡ ሓቢሮምዎ ዝመሃሩ ዝነበሩን ተምሃሮ ብዕድመ ዝዓበየ ነይሩ።

"ላፕቶፕ ሒዘ ክኸድ ከለኹ፡ መምህር እየ ዝመስሎም፤ ዋላ እቶም ዘምህሩኒ ኣብ መጀመርታ ግዜ ይስከፉ ነይሮም፡"ይብል።

ጕዳይ ቴክኖሎጂን ምልከት ኮምፒዩተርን'ውን ካልእ ዝፍተነሉ ዝነበረ ሸነኽ'ዩ።

እቲ ንሱ ዝተመሃረሉ ግዜን ሕጂ ዘለው ተምሃሮ ዘለዎም ዕድላትን ከነጻጽሮ እንከሎ ግን፡ ሰፊሕ ፍልልይ ዘለዎም ምዃኑ ክንግንዘብ ይግባእ ይብል።

"ንሕና ኣብ ጸልማት ኢና ተማሂርና፤ ዓሰርተ ዓመት ዶሮና ዝተላበሰ መጽሓፍ ኣብ ላይብረሪ ክንደሊ፡ ክንደይ ርስሓት፡ ጭንቀትን ሰዓልን ንወስድ ነይርና። ናይ ሕጂ ተምሃሮ ድኣ ናይ ዓለም ቤተንባብ ኣብ ሞባይሎም ኣሎ። ናይ ሎሚ ዕድለኛታት ብዙሕ ጕልበት ከየጥፍኡ ብዙሕ ፍልጠት ክረኽቡ ዝኽእሉ እዮም፤ ግዚኦም ኣበይ ከም ዘሕልፉዎ ግን እንድዒ፡" ኢሉ የስተንትን።

ንምዃኑ፡ መምህር ታደሰ ወዲ 70 ዓመት ሓንጎለይ ብዛዕባ ትምህርቲ እንታይ ምሂሩኒ ይብል? ስለ ምንታይ'ከ ሶስዮሎጂ ከጽንዕ መሪጹ?

መምህር ታደሰ ነዚ ሕቶ ክምልስ እንከሎ፡ ኣብዚ እዋን ከም ውልቀን ማሕበረሰብን "ኣብ መዋጥር -dilemma" ስለ ዘለና'የ ነዚ ዓውዲ ትምህርቲ መሪጸ ክብል ተዛሪቡ።

ናይዚ ምኽንያት ዝብሎ፡ "እቲ ዝዓበኹሉ ማሕበራዊ ክብሪን ሕጂ ኣብ ጥቓ እርጋነይ ዘሎን ዝተፈላለየ ስለ ዝዀነ፡ እዚ ኣብ ህይወተይ ምግርጫው ስለ ዘምጽኣለይ'ዩ፡" ዝብል መምህር ታደሰ፡ 'እርጋን ከይተዳለኹ ከይትመጽኣኒ እየ ዝፈርሕ' እናበለ ሳልሳይ ዲግሪ ክመሃር'ውን መደብ ከም ዘለዎ ይዛረብ።

መምህር ታደሰ፡ ብባህሪኡ ተማጓቲ፡ ሓታቲ ስለ ዝዀነ ቀልጢፉ ብነገራት ዕጽፍ ዝብል ሰብ ኣይኰነን።

መምህር ታደሰ ዘጣዕሶ . . .

ፖለቲካዊ ኵነታት ትግራይ ዘይተገማቲ ካብ ዝኸውን ዓመታት ተቘጺሮም ኣለው።

እቲ ቅድሚ ሒደት ዓመታት ዝተኻየደ ኲናት ዘስዓቦ ሰባዊን ንዋታውን ዕንወትን፡ ድሕሪኡ ዝስዓበ ቅልውላውን ዝፈጠሮ ውልቃውን ማሕበራውን ዘይዕግበት ቀሊል ከም ዘይኰነ ድማ መምህር ታደሰ ይገልጽ።

"ብኲናት ዝዓነወ ዓዲ ከጣይሽ እየ ኢለ'የ መጺአ። ከጣይሻ ኢለ ህይወተይ ገዲፈ ዝመጻእኹላ ዓዲ፡ ብህይወት እንከለኹ ክኣ ዝገደደ መሊሳ ዓንያ፡" ብምባል፡ እቲ ዝርእዮ ዘሎ ተደጋጋሚ ክስታት ኲናት ኣዝዩ ከም ዘሕዝኖ ይጠቅስ።

ኣብቲ ካብ መወዳእታ 2020 ክሳብ 2022 [ኣ.ኤ] ኣብቲ ክልል ዝተኻየደ ኲናት ሓድሕድ፡ ሚልዮናት ካብ ቤት ንብረቶም ክመዛበሉ እንከለው ልዕሊ 60 ሽሕ ነበርቲ ምዕራብ ትግራይ ናብ ሱዳን ከም ዝተሰደዱ ይፍለጥ።

ሕብረት ኣፍሪቃ ብዝሒ ናይቶም በቲ ጐንጺን ብሰንኪ እቲ ግጭት ዝሰዓበ ሰብኣዊ ቅልውላውን ዝሞቱ ሰባት ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ከም ዝበጽሕ ይሕብር።

መምህር ታደሰ፡ ካብቶም ብሰንኪ እቲ ኲናት ውላዶም ዝስኣኑ ስድራቤታት ሓደ እዩ።

እዚ ኣዝዩ መሪር ሓዘንን ጣዕሳን ዝፈጠረሉ ኲናት ምዃኑ ዝገልጽ መምርህ ታደሰ፡ "ንሶም [እቶም ኣብ ኲናት ዝሞቱ] ዝብኢ ምስ በልዖም ሕዚ ዘሎ ሓርጐጽጐስ ክርኢ ከለኹ የሕርቐኒ፤ እዚ ዅሉ ዘምጽኦ ዘሎ ኣንዊሕኻ ዘይምሕሳብ እዩ፡" ይብል።

ኣብቲ ክልል፡ ንሕጊ ምእዙዝ ናይ ምዃን ባህሊ የለን ኢሉ ዝኣምን ታደሰ፡ እዚ ድማ ተደጋጋሚ ክሳራታት'ዩ ዘምጽእ ዘሎ ብምባል ጓሂ ከም ዘለዎ ይዛረብ።

"ብዙሓት ነገራት ከምቲ ኣብ ገዛውቲ ክጻወት ዝጸንሐ ቈልዓ፡ ኣዲኡ ክትጽውዖ እንከላ ንዅሉ ኣፍሪሱዎ ዝጐዪ እዩ ኰይኑ። እቲ ዝነበረ ብፍልጠት ማእከል ጌርካ እቲ ዝተሰርሐ ልምዓት ናብቲ ወለዶ ክሰጋገር ዝነበሮ ኣፍሪስካ ዳግም ክስረት ምግባር የጕህየኒ እዩ። እዚ ድማ ፍልጠት ካብ ምውሓድ ዝመጽአ እዩ፡" ኢሉ።