ክልተ ዓበይቲ ቅልውላዋት ዝወረሰ ሓድሽ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ እንታይ ይጽበዮ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ንሚኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ጅቡቲ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ገይሮም መሪጾም።
ኣብቲ ውድድር፡ ሚኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ማዳጋስካር ነበር ሪቻርድ ራንድሪማንድራቶ ከምኡ'ውን ንነዊሕ እዋን መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ኬንያ ዝዀነ ራይላ ኦዲንጋ ሕጹያት ኰይኖም ቀሪቦም ነይሮም።
ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ምሃብ ድምጺ ሸሞንተ ዙር ዝወሰደ መረጻ ክካየድ እንከሎ፡ ኣብ ፈላሞት ክልተ ዙር ክመርሕ ዝጸንሐ ራይላ ኦዲንጋ ኣብ መበል ሻድሻይ ዙር 22 ድምጺ ብምርካብ ካብቲ ውድድር ተኣልዩ።
ሪቻርድ ራንድሪማንድራቶ፡ ኣብ መበል ሳልሳይ ዙር ክእለ እንከሎ፡ ዩሱፍ ብጠቕላላ 33 ድምጺ ብምርካብ ክዕወት ክኢሉ።
ነዚ ስዒቡ፡ ሚኒስተር ቍጠባን ፋይናንስን ጅቡቲ ኢልያስ ዳዋለህ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ዩሱፍ ኣብቲ ምርጫ "ተዓዊቱ" ብምባል ሓጐሱ ገሊጹ።
ኣብ ዲፕሎማሲ ነዊሕ ዓመታት ክጸንሑ ዝኽእሉ ውሑዳት'ዮም፤ ዩሱፍ ሓደ ካብኣቶም'ዩ።
ንሱ፡ ካብ 2005 ጀሚሩ ሚኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ጅቡቲ ኰይኑ ክሰርሕ ጸኒሑ፤ እዚ ድማ ኣብታ ኣህጕር ሚኒስትሪ ጕዳይ ወጻኢ ኰይኑ ንሓያለ ዓመታት ዘገልገለ መራሒ ይገብሮ።
ቅድሚ ሕጂ ኣብ ግብጺ ኣምባሳደር ጅቡቲ ኰይኑ'ውን ዝሰርሐ ማሕሙድ ዩሱፍ፡ ኣብ ሃገሩ ኣብ ዝነበሩ መንግስታት ሰለስተ ፕረዚደንታት እዩ ሚኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ኰይኑ ኣገልጊሉ።
እቲ ቋንቋታት ሶማል፡ እንግሊዘኛ፡ ፈረንሳን ዓረብን ዝዛረብ ማሕሙድ ዩሱፍ፡ ሕጂ ነቲ ንዝሓለፉ ሸሞንተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ሙሳ ፋቒ ማሃማት ክትክእ እዩ።
ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ዓመት ዝምረጽ ኰይኑ፡ ሓደ ሰብ ክልተ ግዜ ጥራሕ እዩ ክምረጽ ዝኽእል።
ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓበይቲ ቅልውላዋት ዝመጽአ
እቲ ኣብ መበል 38 ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተኻየደ መረጻ፡ ኲናት ኮንጐ ናብ ዞባዊ ግጭት ከይሰፍሕ ዝብል ስግኣት ዝዓብለሎ ኲናታት ከም ዝነበረ ጸብጻብ ሮይተርስ ኣመልኪቱ።
ኣብዚ እዋን፡ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ደሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጐ ዝገነኑ ዕጡቓት ኤም23፡ እታ ሃገር ናብ ልዑል ሕንፍሽፍሽ ክትጥሕል ገይሮም ይርከቡ።
እቶም ዕጡቓት፡ ኣገደስቲ ንዝበሃላ ከባቢታት እናተቘጻጸሩ ኣብ ምብራቕ ደሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንግ ካልኣይቲ ዝዓበየት ከተማ ናብ ዝዀነት ቡካቩ ይጽግዑ ኣለዉ።
ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ ዝፈነውዎ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ስዒቡ ድማ፡ ድሮ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ከም ዝሞቱ ይእመን።
ኦክሳፋም ዝተባህለ ትካል ረድኤት፡ ኣብ ጐማ 13 መዓስከራት ተመዛበልቲ ድሕሪ ምዕናወን፡ ልዕሊ 450 ሽሕ ሰባት ብዘይ መጽለሊ፡ መግቢ ወይ ማይ ከም ዝተረፉ ገሊጹ።
መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ህጹጽንን ቅድመ ኵነትን ዘይብሉን ምቍራጽ ተጻብኦታት ክግበር ክጽዉዑ እንከለዉ፡ ናብ ጐማ ረድኤት ክኣቱ ዝሕግዙ መገዲታትን መዓርፎ ነፈርቲ ጐማን ክኽፈቱ ጸዊዖም ኣለዉ።
ኣብቲ ጕባኤ ዝሳተፍ ዘሎ ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረስ ትማሊ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ በቲ ኣብ ደሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎን ሱዳንን ዝካየድ ዘሎ ጐንጺታት ዘለዎ ስግኣት ኣልዒሉ።
ግጭት ኮንጐ፡ ናብ ዞባዊ ግጭት ዝዓርገሉ "ልዑል" ተኽእሎ ከም ዘሎ ድማ ኣጠንቂቝ።
"ዝያዳ ከተማታት [ኣብ ኢድ እቶም ዕጡቓት[ እናኣተዋ ምስ ከዳ፡ ሓደጋ ዞባዊ ኲናት ኣሎ" ብምባል፡ ኣብ ልዕሊ ዲ.ኣር.ሲ. "ዲፕሎማሲያዊ" ስርሓት ክስርሑ ከም ዘለዎም ተዛሪቡ።
"ኣብዚ እዋን'ዚ ቡካቩ ኣብ ኢዶም ስለ ዝኣተወት፡ ሓደጋታት ዞባዊ ምስፍሕፋሕ እዚ ጐንጺ ኣዝዩ ልዑል'ዩ። ግልጺ ክንከውን ይግባእ፡ እዚ ጐንጺ ንምህዳእ ብኣፍሪቃ ዝምራሕ ጻዕርታት እንተሃልዩ ውጽኢት ክመጽእ'ዩ። እቲ ፍታሕ ኣብዚ [ኣብ ኣፍሪቃ] እዩ ዘሎ፡" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ሱዳን ዝቕጽል ዘሎ ቅልውላዉ ካልእ መራሕቲ እታ ኣህጕር ዝዘራረብሉ ዘለዉ ዛዕባ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።
ጉተረስ፡ ተራጸምቲ ወገናት ሱዳን ምቍራጽ ተጻብኦታት ክገብሩን ድሕነት ሰላማዉያን ሰባትን ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤትን ከዉሕሱ ጸዊዑ።
"ዓለም ዝተረጋግአት ሱዳን ክትህሉ'ያ እትደሊ። ናተይ ፍሉይ ልኡኽ ድማ ምስ ክልቲኦም ወገናት ክራኸብ'ዩ ጸኒሑ፡" ኢሉ።
ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብታ ኣህጕር እቲ ዝዓበየ ትካል እኳ እንተዀነ ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዉ ኣገደስቲ ፖለቲካዊ፡ ቍጠባውን ካልኦት ጸገማትን ኣብ ምፍታሕ ድዅም እዩ ዝብል ነቐፌታታት ከም ዝቐርበሉ ይፍለጥ።
ሓድሽ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ድማ ብቐንዱ እዞም ክልተ ዓበይቲ ቅልውላዋት ኵናትን ዕንወትን ይወርስ እዩ ዘሎ።
ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ነዚ ጕባኤ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መራሕቲ ሃገራትን መንግስታትን ኣፍሪቃ ከምኡ'ውን ሓድሽ ኣቦ መንበር እቲ ሕብረት ንሰብኣዊ መሰላት ቀዳምነት ክህቡ ጸዊዑ።
ጐንጺ ኮንጎን ሱዳንን ሓዊሱ፡ ኣብ ካልእ ክፋላት እታ ኣህጉር፡ ኣብ ሳሕልን ሶማልያን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ግጭታት ዳርጋ ብዘይ ምቍራጽ ይቕጽል ከም ዘሎ ጠቒሱ።
እዞም ግጭታት ድማ፡ ሞትን መጕዳእትን ሰላማውያን ሰባት የስዕብን፡ ህይወት ደቀንስትዮ፡ ህጻናትን ሰብኡትን ኣብ ዝኸፍአ ኵነታት ክጥሕል ይገብሩ ከም ዘለዉ ሓቢሩ።
ኣተሓባባሪ ጐስጓስ ኣፍሪቃ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ጃፌት ቢጎን፡ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ጕዳይ ሰብኣዊ መሰላት ሕምብርቲ ናይቲ ሕብረት ገይሩ ክሰርሕ ከም ዘለዎ ብምግላጽ፡ "ኣብ ልዕሊ ተራጸምቲ ወገናት ግጭት ጸቕጢ ብምግባር፡ ንዓለምለኻዊ ሰብኣዊ ሕግን ሕጊ ሰብኣዊ መሰላትን ክግዝኡ ክገብር ይግባእ፡" ኢሉ።
ማሕሙድ ዩሱፍ እንታይ'ዩ ክገብር?
ሓድሽ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ኰይኑ ዝተመርጸ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ፡ ኣብ ሰላምን ጸጥታን ኣተኵሮ ክገብር፡ ኣብ ቍጠባውን ትሕተ-ቅርጻውን ልምዓት ክሰርሕ፡ ትካላዊ ዓቕሚ ክሃንጽ ምዃኑ ገሊጹ።
ብተወሳኺ፡ ትዅረቱ ኣብ ምድንፋዕ ፖሊሲታት ሓምላይ ልምዓት፡ ኣፍሪቃ ኣብ ዓለምለኻዊ ትካላት ግቡእ ቦታ ምርግጋጽ፡ ከምኡ'ውን ንፖሊሲታት ትምህርቲ ኣፍሪቃ ምድጋፍ ምዃኑ ተመባጺዑ ኣሎ።
ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ርእሲ'ቲ ዋና ጸሓፊ ምዃኑ፡ ብሕጋዊ ወኪልነት ዓመታዊ ባጀት ናይቲ ሕብረት ይከታተል፡ ኣመሓዳርን ፈጻሚ ሓላፍን እቲ ሕብረት ኰይኑ'ውን የገልግል።
ኣብ ዲፕሎማስያዊ ዓውዲ እውን ንዕላማታትን ረብሓታትን ሕብረት ኣፍሪቃ ሒዙ ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኽ ክቐርብ ስልጣን ተዋሂብዎ ኣሎ።
ብተወሳኺ፡ እቲ ዝተመርጸ ኣቦ መንበር ኣጀንዳታት ኣፍሪቃ ይከታተል። ኣብ ውሽጢ እቲ ኮሚሽን ኣብ ዝርከቡ ወሰንቲ ሓላፍነታት ስራሕ ከኣ ሰባት ናይ ምሻም ስልጣን ኣለዎ።
እቲ ዝተመርጸ ኣቦ መንበር፡ ብሕብረት ኣፍሪቃ ንዝተበጽሑ ስምምዓትን ሕጊታትን ተቐቢሉ ከተግብር እውን ትጽቢት ይግበር።
ካልኦት ሓላፍነታት እቲ ኣቦ መንበር፡ ምስ ኣባላት ሃገራት፡ ካልኦት ትካላትን ዞባዊ ቍጠባዊ ማሕበረሰባትን ብዛዕባ ንጥፈታት እቲ ሕብረት ምምኽኻርን ምውህሃድን፡ ከምኡ'ውን ዲፕሎማስያዊ ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪቃ ምፍጻም ይርከብዎም። ተጸዋዕነቱ ግን ንመራሕቲ መንግስታት እዩ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







