እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፍሉይ መኣዛኡ ዕምባባ ናብ ኣውሮጳ ንምልኣኽ ሰራሕተኛታት ዝኸፍሉዎ ዋጋ
ኣን፡ ስርሓ ኣዝዩ ኣድካሚ ብምዃኑ ወትሩ ኣብ ምሒር ድኻም ኰይና እያ ናብ ገዛኣ ትምለስ።
ንሳ [ሽማ ዝተቐየረ] ውላዳ ንበይና እተዕቢ ኰይና፡ ሓንቲ ካብተን ብብዝሒ ደቂ ኣንስትዮ ዝዀና ሰራሕተኛታት ኢንዳስትሪ ዕምበባ እያ።
ኣን፡ ኣብዚ ዕምበባ ጽጌሬዳ ክትለቅምን መልክዕ ከተትሕዝን ትውዕል።
ኣብ ውሽጢ እቶም ኣዝዮም ሰፋሕቲ ሕርሻታት ዕምበባ፡ ከም በዓል ኣን ዝበሉ ሰራሕተኛታት ኣብቲ ሃብታም ሓመድ ኬንያ ብብዝሒ ዝበቁል ብዙሕ ዓይነት ዕምባባታት ይዓጽዱ።
መብዛሕትኦም እዞም ዕምባባታት ናብ ኣውሮጳ እዮም ዝልኣኹ።
ኣን፡ ንልዕሊ 15 ዓመታት ኣብቲ ኣብ ኬንያ ዝዓቢ ዘሎ ኢንዱስትሪ ዕምባባታት ክትሰርሕ ጸኒሓ ኣላ።
እቲ ኢንዳስትሪ ሓደ ካብቶም ብብዝሒ ዕድላት ስራሕ ዝፈጠሩ ኢንዳስትሪታት እታ ሃገር ኰይኑ፡ ልዕሊ 150 ሽሕ ሰባት ከም ዝሓዘ ይግመት።
እታ ሃገር ድማ፡ ኣብ ዓመት ኣስታት ሓደ ቢልዮን ዶላር ሸርፊ ወጻኢ ትረኽበሉ።
ኣን፡ ዋላ’ኳ እቲ ዝነውሐ ናይ ስራሕ ህይወታ ኣብቲ ኢንዳስትሪ እንተኣሕለፈቶ፡ ወርሓዊ ደሞዛ ኣስታት100 ዶላር ጥራይ ከም ዝዀነ ትዛረብ።
በዚ ኣታዊ፡ ኣብ ኬንያ እናብኣሰ ዝመጽእ ዘሎ ቅልውላው ዋጋ መነባብሮ ክትገጥሞ እኹል ኣይኰነን፤ እዚ ድማ ዋጋታት ከም ዕፉን፡ ስርናይ፡ ሩዝን ሽኮርን ዝበሉ ሃለኽቲ መግቢታት ይዓርግ ብምህላዩ’ዩ።
ኣን፡ ንወርሒ መመላእታ ዝጸንሕ እኹል ቀረብ መግቢ ስለ እትስእን፡ መብዛሕትኡ ግዜ መግቢ እትበልዓሉ ሰዓታት ክትዘልል ትግደድ።
“ብህይወት ንኽትጸንሕ ኣብ ዕዳ ክትኣቱ ኣለካ” እትብል ኣን፡ ወዲ 23 ዓመት ወዳ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ናይሮቢ ንኽመሃር ልቓሕ ክትወስድ ከም ዝተገደደት ትሕብር።
ጸሓይ ረፋድ ነቲ ዕምበባታት ከየጸምለወቶ ንክእከብ፡ ኣን፡ ጸሓይ ክትበርቕ እንከላ እያ ካብ ገዛኣ ወጺኣ ናብቲ ሕርሻ እትኸይድ። ኣብ ሰሙን ንሽዱሽተ መዓልታት ትሰርሕ፤ ሰንበት ድማ ናብ ቤተ ክርስቲያን ትኸይድ።
ከም ግቡእ፡ ኣብቲ ሕርሻ ዕምባባታት ንሸሞንተ ሰዓታት ጥራይ ክትጸንሕ ነይሩዋ፤ እንተዀነ መብዛሕትኡ ግዜ ተወሳኺ ሰለስተ ሰዓታት ክትሰርሕ ከም እትግደድ ትዛረብ። ነዚ ተወሳኺ ሰዓት ስራሕ ግን ደሞዝ ከም ዘይትረኽበሉ ገሊጻ።
ኣብ ውሽጢ እቲ ጕንዲ ዕምባባታት ዝጽረገሉን ዝእከበሉን ዕሹግ ገዛ ትሰርሕ ነይራ። ኣብኡ ዝነበረ ኵነታት ኣዝዩ ተሪር ምንባሩ ትዝክር።
“ኣብ መዓልቲ 3700 ጕንዲ ዕምበባ ኣኪብና ከነረክብ ትጽቢት ይግበር ነይሩ” ብምባል ኣዝዩ ጸቕጢ ዝፈጥር ኵነታት ከም ዝነበረ ትዛረብ።
እዚ፡ ኣብ ውሁብ ናይ ስራሕ ሰዓታት ከተዐውቶ ክውንነት ከም ዘይብሉ እትዛረብ ኣን፡ ሰራሕተኛታት ካብቲ ሕርሻ ንከይእገዱ ተወሳኺ ሰዓታት ክሰርሑ ከም ዝግደዱ ገሊጻ።
መዓልታዊ ካብኣ ትጽቢት ዝግበር ሸቶ እንተዘይሃሪማ፡ ምኽንያት ፍሽለታ ንሓላፊኣ ከተፍልጥ ትግደድ።
“እንተዘይኣዐዊትካዮ፡ ምናልባት ክትስጐግ ትኽእል ኢኻ” ትብል።
ኣብ መጀመርታ 2023፡ ኣን ምስ ደም ብዝተሓሓዝ ጸገም ጥዕና ኣጋጢሙዋ፤ እዚ እንተዘይተሓኪሙ ቀታሊ ክኸውን ከም ዝኽእል ተነጊሩዋ።
ድኻምን ሕጽረት ምስትንፋስን የጋጥማ ስለ ዝነበረ ስርሓ ብኣግባቡ ክትሰርሕ ክትጽገም ጀሚራ።
ነርስ እቲ ሕርሻ፡ መድሃኒት ብምሃብ ንሒደት ሰዓታት ኣዕሪፋ ናብ ስርሓ ክትምለስ ከም ዘለዋ ይነግራ።
እንተዀነ፡ ኣብ ሕማቕ ኵነታት ጥዕና ከም ዘላ ብምግላጽ ክትሰርሕ ከም ዘይትኽእል ኣረዲኣ ካብቲ ሕርሻ ወጻኢ ብዘሎ ሓኪም ተወሳኺ ሕክምናዊ ሓገዝ ክትረክብ'ኳ እንተኽኣለት፡ ሓንቲ መዓልቲ ጥራይ ከተዕርፍ ከም ዝተፈቕደላ ትዛረብ።
“ብኸቢድ ሓሚመ ስለ ዝነበርኩ፡ ኣዝዩ ተሰሚዑኒ” ብምባል በቲ ዝተፈቕደላ ናይ ዕረፍቲ መዓልቲ ዕግበት ከም ዘይተሰምዓ ገሊጻ።
እቲ ዝኸፍአ ነገር ድማ፡ ኣብታ መዓልቲ ዝተዋህባ ዕማም ዘይፈጸመትሉ ምኽንያት ዘብርህ ዝርዝር ናብ ሓላፊኣ ክትጽሕ ምግዳዳ እዩ።
ኣን፡ እቶም ኣብ ሕርሻ ዕምባባታት ዝውዕሉ ገለ እታወታት ኣብ ጥዕንኣ ጽልዋ ኣሕዲሮም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ትዛረብ። ንኣብነት፡ እቶም ኣብ ልዕሊ ዕምበባታት ዝንጸጕ ዘይትፈልጦም ኬሚካላት።
እዚ፡ ብዙሓት ካልኦት ሰራሕተኛታት ዝካፈልዎ ስክፍታ እዩ።
ለቓሚት ዕምበባ ማርጋሬት ኣብ ካልእ ተመሳሳሊ ሕርሻ ዕምበባ እያ ትሰርሕ።
ሰራሕተኛታት፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ዕምበባታት ዝንጸግ ኬሚካላት ብዘይ ዝዀነ መከላኸሊ ናውቲ ከካውንዎ ከም ዝግደዱ ትዛረብ።
ማርጋሬት (ሓቀኛ ስማ ኣይኰነን) “ማንም ኣይግደስን” ትብል።
ኣብ መስከረም 2023 ኣብ ናይሮቢ ዝርከብ ዘይመንግስታዊ ትካል ‘ሩት ቱ ፉድ ኤኒሸቲቭ’ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብ ሕርሻ ኬንያ ኣዝዮም ሓደገኛታት ዝዀኑ ጸረ-ባልዕ ኣብ ጥቕሚ ከም ዝውዕሉ፤ ገሊኦም ድማ መንሽሮ ከም ዘስዕቡ ገሊጹ ነይሩ።
ማርጋሬት ኣብዚ ዙርያ ዘለዋ ስክፍታታት ብተደጋጋሚ ናብ ሓለፍታ ከም ዘቕረበት ትዛረብ።
“ኣብ ልዕሊ ደቂ ተባዕትዮ ይዅን ደቂ ኣንስትዮ . . . ኣብ ልዕሊ ዝዀነ ሰብ እዮም ዘማርሩ። ኣይግድሶምን እዩ፤ ኬንያውያን ክኣ’ዮም”።
ደቂ ኣንስትዮ፡ ብዝተፈለየ ጾታዊ ትንኮያ'ውን ከጋጥመን ከም ዝኽእል ትዛረብ፤ ምስዚ ብዝተሓሓዝ ኣብቲ ኢንዱስትሪ ብዙሓት ጥርዓናት ከም ዝቐርቡ ይፍለጥ።
መብዛሕትኦም ሕርሻታት ዕምባባ ኬንያ፡ ናይቫሻ ኣብ ዝተባህለት ከተማ እዮም ዝርከቡ።
እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ጥርዓናትን ዘይምችኡ ናይ ስራሕ ኵነታትን ዝምልከት ናብ ቤት ምኽሪ ዕምባባ ኬንያን ኣገልግሎት ተቘጻጻሪ ጥዕና ተኽሊ ኬንያን (KEPHIS) ኣቕሪብናዮ፤ እንተዀነ ኵሎም መልሲ ኣይሃቡን።
ኢንዳስትሪ ዕምባባ ኬንያ ብሓፈሻ ኣብ ከባቢ’ውን ጽልዋ የሕድር እዩ።
ፍርያት ዕምበባታት፡ ብዙሕ ማይ ይሓትት፤ ናብ ዕዳጋታት ወጻኢ ንምጕዕዓዝ ድማ ብዙሕ ነዳዲ ዝጥቀማ ነፈርቲ፣ ንመሸፈኒኦም ዝውዕል ፕላስቲክ ከምኡ’ውን ቀልጢፎም ንከይጽምልው ኣብ ልዕሊኦም ዝንዝሑ መርዛም ትሕዝቶ ዘለዎም ኬሚካላት ኣብ ጥቕሚ ክውዕሉ ዝርኣየሉ ዓውዲ’ዩ።
ኬንያ ልዕሊ 40 ሚእታዊት ፍርያት ዕምባባታት ናብ ኤውሮጳ እተቕርብ ኰይና፡ መብዛሕትኡ ዕምባባታት ናብታ ማእከል ኢንዱስትሪ ዕምባባታት ኣውሮጳ ዝዀት ሆላንድ ይለኣኽ።