እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣጐዋ፡ ስምምዕ ንግዲ ኣመሪካ ንኣፍሪቃ የርብሕ ዶ?
መጻኢ ዕጫ'ቲ ኣብ መንጐ ኣፍሪቃን ኣመሪካን ዝተገብረ ጕዳይ ስምምዕ ንግዲ ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት መዓልታት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ጆሃንስበርግ ክዝተየሉ’ዩ።
እዚ መድረኽ፡ ዋላ’ውን ኣብ ዙርያ እቲ ስምምዕ ዝቐርቡ ነቐፌታታት እንተሃለው፡ ናብ ኣዝዩ ነዊሕ ዝጸንሕ ውዕል ክቕየር ጻውዒታት ይቐርብ ኣሎ።
ውዕል ዕድላትን ዕብየትን ኣፍሪቃ (ኣጐዋ) ኣብ ግንቦት 2000 (ኣ.ኣ) ብፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ቢል ክሊንተን’ዩ ተፈሪሙ።
እዚ፡ ምስ ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃ ዘሎ ርክብ ንግድን ወፍርን ንምምሕያሽ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ደረጃ መነባብሮ ንምዕባይን ዕድላት ስራሕ ንምፍጣር ብንግዲ እምበር ብሓገዝ ኣይኰነን ብዝብል ዕላማ ዝተፈረመ ምዃኑ ይዝከር።
ንምዃኑ ኣጐዋ እንታይ እዩ?
እዚ ዕድል፡ ብቝዓት ዝዀና ሃገራት ኣፍሪቃ ግብሪ ከይከፈላ ገለ ካብ ምህርታተን ናብ ኣሜሪካ ክሰድዳ የኽእለን።
እዚ ማለት፡ ተጠቀምቲ ኣመሪካ ክገዝኡዎ ዝሓሰረ’ዩ፤ ስለዚ ድማ ዝያዳ ይገዝኡ ማለት’ዩ።
ስምምዕ ኣጐዋ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ ዝገጣጠማ መካይን ቢኤምዳብሊዩን መርሰድስን ክሳብ ዕምባባታት ኬንያን ጂንስን ዘጠቓልል ልዕሊ 1800 ፍርያት ይሽፍን።
ነዚ ዕድል ክጥቀማ ዝኽእላ ሃገራት ክኣ ከማልኣኦ ዝግባእ ረቛሒታት ኣሎ። እዚ፤
- ምእላይ ማሕለኻታት ንግድን ወፍርን ኣመሪካ
- ንዲሞክራሲ ምድጋፍ
- ምሕላው ኣህጉራዊ ኣፍልጦ ዘለዎም ሰብኣዊ መሰላት
- ንሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ ወይ ረብሓታት ፖሊሲ ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ዘዳኽም ንጥፈታት ዘይምውፋር ዝብሉ ይርከቡዎም።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ካብ 54 ሃገራት ኣፍሪቃ፡ እተን 35 በቲ ኣብ 2015 ዝተሓደሰን 30 መስከረም 2025 ከብቅዕ ትጽቢት ዝግበርን ፕሮግራም ልውውጥ ንግዲ ይገብራ ኣለዋ።
ኣመሪካ፡ ብቝዕነት ነፍሲ ወከፍ ሃገር ዓመታዊ እያ ተሐድሶ።
ካብዚ መን ይረብሕ?
ኣብቲ ብ2021 ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ እታ ዝዓበየት ሰደድ ዝገበረት ሃገር ነይራ።
መብዛሕትኡ ካብ መሸጣ ተሽከርከርቲ፡ መጋየጺታት (ወርቂ) ከምኡ’ውን ሓጺን፡ ኣስታት 2.7 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ረኺባ።
ናይጀርያ ልዕሊ 1.4 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ብምርካብ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ክትስራዕ እንከላ፡ ኬንያ ድማ ኣስታት 523 ሚልዮን ዶላር ብምርካብ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ከም እትስራዕ ስታቲስቲክስ ኮሚሽን ንግዲ ኣመሪካን ክፍሊ ንግዲ ኣመሪካን የመልክት።
ከም እስዋቲኒ፡ ኢትዮጵያ፡ ለሴቶ፡ ማላዊን ሞሪሸስን ዝበላ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ’ውን ኣብ ትሕቲ ኣጐዋ ናብ ኣሜሪካ ዝገብራኦ ሰደድ ብሰፊሑ ከም ዘዕበያ ይግለጽ።
ብኻልእ ወገን፡ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ዕድል ስራሕ ተፈጢሩ'ሎ፤
ብተወሳኺ ኣብ ኣመሪካ ንኣስታት 120 ሽሕ ስራሕ ከም ዝድግፍ ይንገር።
ይዅን’ምበር፡ መብዛሕትኡ ናይ መጀመርታ ዕብየት ሰደድ ኣብ ነዳዲ እዩ ነይሩ፤ ድሒሩ ግን እናነከየ መጺኡ።
ዕድላት ኣጐዋ ተጠቀምቲ ንምዃን ካብ ዝበቕዓ ሃገራት ድማ ምሉእ ንምሉእ ነዚ ዕድል ክጥቀማሉ ዝኽኣላ ውሑዳት’የን።
ነዚ ብርክት ዝበሉ ምኽንያታት ኣለዉ፣ ከም ቀረብ ጸዓትን ፍሉያት ዞባታት ሰደድ፡ ኔትዎርካት መጓዓዝያ ዝኣመሰሉ ትሕተ ቅርጺ ዘይምህላዎም፡ ከምኡ’ውን ዕዳጋ ኣመሪካ ዝጠልቦ ደረጃታት ንምምላእ ጸገማት ምህላዎም ይጥቀስ።
ስለምንታይ ደኣ ኣካታዒ ኰይኑ?
ሓንቲ ሃገር፡ ብሰንኪ ስክፍታታት ሰብኣዊ መሰላት ካብ ተጠቃምነት ኣጐዋ ምእላይ ማለት ኣብ ክንዲ’ቲ ዒላማ ዝኸውን ዘሎ ኣካል - ኣብ መንግስቲ ዘለዉ - ተራ ሰባት’ዮም ዝጕድኡ ክብሉ ይነቕፉ።
ንኣብነት ኢትዮጵያ ኣብ ጥሪ 2022 ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ኣብታ ሃገር “ከቢድ ግህሰት ብዓለም ደረጃ ዝጸደቑ ሰብኣዊ መሰላት” ከም ዝተፈጸመ ብምግላጽ ካብ ተጠቃምነት ኣጐዋ ኣልዩዋ እዩ።
እታ ሃገር ካብ 2000 ጀሚሩ ብመሰረት እዚ ስምምዕ ፍርያታ ናብ ኣመሪካ ትልእኽ ነይራ።
መብዛሕትን መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ዝዀና ኣስታት 200 ሽሕ ሰባት ብቐጥታ ኣብቶም ኣብ ኣጐዋ ዝነበሩ ክልተ ዕዉታት ኢንዳስትሪታት ሰደድ ዓለባን ቈርበትን ይሰርሑ ነይሮም።
ኢትዮጵያ ናብ ኣመሪካ እትልእኮ ሰደድ ኣብ 2000 ካብ ዝነበሮ 28 ሚልዮን ዶላር ኣብ 2021 ናብ ኣስታት 300 ሚልዮን ዶላር ከም ዝዓበየ ይእመን።
እንተዀነ እታ ሃገር ካብ ኣጐዋ ብምውጽኣ ኣስታት 100 ሽሕ ሰባት ስራሕ ከም ዝሰኣኑ ተደራዳሪ ንግዲ ኢትዮጵያ ነበር ማሞ ምሕረቱ ይዛረብ።
መብዛሕትአን ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ኣብ ዝርከባ ፋብሪካታት ዓለባ ዝሰርሓ ደቂ ኣንስትዮ ኰይነን ምስቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝነበረ ጐንጺ ዘራኽብ ዘይብለንን እየን።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሃገሩ ካብ ኣጐዋ ምእላያ “ኣብ ሃገርና ዝረአ ዘሎ ርኡይ ቍጠባዊ መኽሰብ ንድሕሪት ዝመልስን ንደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ብዘይፍትሓዊ መንገዲ ዝጸሉን ዝሃስን’ዩ” ኢሉ።
ካልኦት ግን፡ እቲ ኵነታት ኣብታ ኣህጉር ሰብኣዊ መሰላት ንክኽበር ወሳኒ ምዃኑን፡ ኣመሪካ ጐንጺታት ንምክልኻል ንምሕጋዝ እውን ሚዛን ሓይሊ ከም ዝህባን ይዛረቡ።
ንኣብነት ኣብዚ ሰሙን ጥራይ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ዩጋንዳ ብሰንኪ እቲ ተሪር ሓድሽ ሕጊ ጸረ ሕደጾታውያን ካብ ኣጐዋ ክትእገድ ምዃና ኣፍሊጡ ኣሎ።
ብተወሳኺ፡ ኒጀርን ጋቦንን ድሕሪ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ብምክያደን፡ ማእከላይ ሪፐብሊክ ኣፍሪቃ ድማ ምስ ሩስያዊ ጕጅለ ቫግነር ብዘለዋ ጥቡቕ ርክብ ካብቲ ስምምዕ ንግዲ ክስረዛ እየን ኢሉ።
ብኻልእ ወገን፡ ሞሪሽየስ ናብ ኣጐዋ ክትምለስ ምዃና ኣመሪካ ወግዓዊ ገይራ።
እታ ሃገር “ኣብ መሰላት ሰራሕተኛታትን ምውጋድ ግዱድ ስራሕን ርኡይን ዝዕቀንን ምዕባለታት” ከም ዘመዝገበት ድማ ገሊጻ።
ከም ህንዲን ብራዚልን ዝኣመሰላ ሃገራት ነቲ ሰፊሕ ዕዳጋ ኣመሪካ ንምጥቃም ተመሳሳሊ ሓላፍነታት ክዋጽኣ ከም ዘይግደዳ ብምግላጽ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ ካብ ኣመሪካ ኣታዊ ዝግበሩ ጠለባት ኵሎም ንግዳዊ ማሕለኻታት ከወግዳ ኣለወን ምባል ፍትሓዊ ኣይኰነን ዝብል ጥርዓን ዘለወን ሃገራት ኣለዋ።
ዓለባታት ሓራጅ ስለ ምንታይ ኣካታዒ ኰይኑ?
ሩዋንዳ፡ ብሓራጅ ዝሽየጥ ልባስ ዓለባ ናብ ሃገራ ከይኣቱ ድሕሪ ምኽልካላ፡ ኣብ ሓምለ 2018 ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ እታ ሃገር ካብ ግብሪ ናጻ ብዝዀነ መገዲ ዓለባታት ሰደድ ክትገብር ካብ ዘኽእላ መሰላት ኣጊዱዋ።
ውሳነ ሩዋንዳ ድሕሪ’ቲ ብማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃ (EAC) ኣብ 2016 ዝጸደቐ ስምምዕ ስዒቡ ዝመጽአ ኰይኑ፡ እዚ ውሳነ፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝፈሪ ዓለባታት ንምትብባዕን ንምዕባይን ኣብ 2019 ካብ ወጻኢ ዝኣቱ ኣብ ጥቕሚ ዝወዓለ ዓለባታት ክእገድ’ዩ ይብል።
ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ኣብ 2015 ካብ ወጻኢ ዝኣትው ኣብ ጥቕሚ ዝወዓሉ ክዳውንቲ ዳርጋ 13 ሚእታዊት ከም ዝነበረን እዚ ድማ ኣስታት 274 ሚልዮን ዶላር ከም ዝዀነን መጽናዕቲ ኤጀንሲ ዓለምለኻዊ ልምዓት ኣሜሪካ (USAid) ይሕብር።
ይዅን’ምበር፡ ሓደ ትካል ንግዲ ኣመሪካ፡ ነቲ ውሳነ ብምቅዋም ኣብ ልዕሊ ኢንዱስትሪ ኣብ ጥቕሚ ዝወዓለ ክዳውንቲ ኣመሪካ “ዓቢይ ቍጠባዊ ጸገም” ከም ዘስዕብ ብምግላጽ ናብ ቤት ጽሕፈት ወኪል ንግዲ ኣመሪካ ጥርዓን ኣቕሪቡ።
ማሕበር ካልኣይ ደረጃ ኣቝሑን ዳግመ-ምጥቃም ዓለባን (SMRTA) ውሳነ ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣስታት 40 ሽሕ ስራሕ ኣሜሪካን 124 ሚልዮን ዶላር ሰደድን ክሳራ ከስዕብ ከም ዝኽእል ገሊጹ።
በዚ ምኽንያት ኣሜሪካ ንኣርባዕተ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ - ኬንያ፡ ዩጋንዳ፡ ታንዛንያን ሩዋንዳን - ካብ ኣጐዋ ከተውጽአን ምዃና ኣጠንቂቓ።
ሩዋንዳ፡ ኣብቲ ገና ዝጅምር ዘሎ ኢንዱስትሪ ዓለባ ልዕሊ 25 ሽሕ ዕድላት ስራሕ ክትፈጥርን ዕዳጋኣ ብሕሱርን ካልኣይ ደረጃን ክዳውንቲ ካብ ምዕብላል ንምክልኻልን ተስፋ ብምግባር ብውሳነኣ ቀጺላ።
ኣመሪካ እገዳ ካብ ወጻኢ ዝኣቱ ኣብ ጥቕሚ ዝወዓለ ክዳውንቲ፡ ኣንጻር ሕጊታት ንግዲ ዓለም ዝኸይድ “ገደብ ንግዲ ስጕምቲ” እዩ ትብል።
ፕረዚደንት ዮወሪ ሙሰቨኒ ኣብነሓሰ ካብ ወጻኢ ዝኣቱ ኣብ ጥቕሚ ዝወዓለ ክዳውንቲ ኣጊዱ ኣሎ።
ንሱ፡ ነቲ “ዩጋንዳ ዓድግ፤ ዩጋንዳ ህነጽ” ዝብል ሃገራዊ ፖሊሲ የስፋሕፍሕ ከም ዘሎን፡ እቲ ናይ ሓራጅ ክዳውንቲ ናይ ዝሞቱ ምዕራባውያን ምዃኑን ገሊጹ።
እዚ ድማ ባይደን ንዩጋንዳ ካብ ኣጐዋ ንምእላይ ንዝወሰዶ ውሳነ ካልእ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል።
ድሕሪኡ'ኸ?
ሕጂ ዋላ’ውን እቲ ክትዓት እንተቐጸለ ተጠቀምቲ ኣጐዋ ዝዀና ሃገራት እቲ ውዕል ንግዲ ብኣጋኡ ክናዋሕን ብ10 ዓመት ክሕደስን ክጽውዓ ትጽቢት ይግበር።
ኣጐዋ፡ ብኣጋኡ ምሕዳስ ኣብ ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃ ርእሰ ተኣማንነት ኣውፈርቲ ከዕቢን ዕድላት ንግዲ ክውስኽን እዩ ዝብል ምርድዳእ ኣሎ።
ኣብ መስከረም 2023፡ ሴናተር ሉዊዚያና ጆን ኬነዲ ኣብ ኮንግረስ ኣመሪካ ሓድሽ እማመ ኣቕሪቡ ነይሩ።
እዚ ንመደብ ኣጐዋ ብ20 ዓመት - ክሳብ መስከረም 2045-- ንምንዋሕ ዝዓለመ እዩ።
ሴናተር ኬነዲ ምሕዳስ ኣጐዋ፡ ኣመሪካ ነቲ ኣብቲ ዞባ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ጽልዋ ቻይና ንምምካት ዝሕግዝ እዩ ይብል።
ኮንግረስ ኣመሪካ ግን ኣጐዋ ካብቲ ሕጂ ዘለዎ መልክዕ ከሐድሶ ዘሎ ተኽእሎ ኣዝዩ ጸቡብ’ዩ።
ካብ ተጠቀምቲ ኣጐዋ ድማ ገለ ዝዓበየ ደረጃ ምትሕግጋዝ ክሓትት ይኽእል።
ንኣብነት ደቡብ ኣፍሪቃ ንወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ኣይኩንንን ምባላ፡ እምበርከ ኣመሪካ ንደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ምንዋሕን ምሕዳስን ኣጐዋ ከተእትዋ ድያ ዝብል ሕቶታት ኣልዒሉ ኣሎ።
ኣብ ሰነ 2023 ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ፡ ኣብ ሕዳር ዝካየድ ዝነበረ መድረኽ ኣጐዋ ካብ ጆሃንስበርግ ክግዕዝ ጸዊዖም ነይሮም፤ ናይዚ ምኽንያት ድማ እታ ሃገር ኣጽዋር ናብ ሩስያ ሰድድ ትገብር ኣላ ዝብል ክሲ ነይሩ።
ደቡብ ኣፍሪቃ ግን ናብ ሩስያ ዝዀነ ዓይነት ኣጽዋር ከም ዘይሰደደት ትገልጽ።