ፍቕሪ ኣፍጋናውን ኣይሁዳዊትን - ምስጢራዊ ተለፎን ካብ ሸላታት ጣሊባን

ኣብ ነሓሰ 2021 ርእሰ-ኸተማ ኣፍጋኒስታን ዝዀነት ካቡል ኣብ ትሕቲ ጣሊባን ምስ ወደቐት፡ በቲ ኵነታት ዝተሰናበዱ ኣፍጋናውያን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ክጸቓቐጡ ዘርኢ ኣሳእል ዓለም ተዓዚባ ነይራ።

ሳፊ ራውፍ ዝተባህለ ሓኪም ኣባል ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ነበር፡ ኣብ ዋሽንግተን ኰይኑ ኣብ ኣፍጋኒስታን ተዓጽዮም ንዝነበሩ ኣዕሩኽቱን መሳርሕቱን ንምሕጋዝ ናይ ገዛእ-ርእሱ ተበግሶ ይጅምር ነይሩ።

ኣብቲ ግዜ'ቲ፡ ሰብ ካብ መዋጥር ጣሊባን ከውጽእ እናጸዓረ ኣብ ፍቕሪ ክወድቕ እየ ኢሉ ግን ኣይሓሰበን። ከም ኣማኒ ምስልምና መጠን ምስ ኣይሁዳዊት ጓለንስተይቲ ኣብ ፍቕሪ ክወድቕ ሓሊሙዎ እኳ ኣይፈልጥን።

"እናተማታእኩ እየ ንሓደ ሰብ ክሕግዝ ጀሚረ፡" ክብል ንድሕሪት ተመሊሱ ይዝክር።

ነቲ ሓደ ሰብ ንምሕጋዝ ዝገበሮ ፈተነ ሰሪሕሉ። ቀጺሉ፣ ብኡ ኣቢሉ ድማ ዓቢይ ዕማም ኰይኑ። "ኣማኢት ኣብ መሬት ኣፍጋኒስታን ነይሮም፡ ዓሰርተታት ድማ ኣብ ዋሽንግተን ነይርና።"

ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ተወሊዱ ኣብ ግዜ ኵትትናኡ ናብ ኣመሪካ ዝተሰደደ ሳፊ፡ ንነብሱ ወጥሪ ኣብ ዝመልኦ ስርሒት ህይወት ኣድሕን ረኺቡዋ።

ኣብ ከምዚ ዝበለ ጽዑቕ ኵነታት እንከሎ ድማ እዩ ኣብ ኒውዮርክ ናይ ዝመደበሩ ትያትር ዳይረክተር ምስ ዝዀነት ሳሚ ካሮልድ ዝተራኸበ።

ሳሚ፡ ስድራቤት ምሓዝኣ ካብ ካቡል ንምውጻእ ኣበርቲዓ ትጽዕር ነይራ።

ምስቶም ስድራቤት ዝዀነ ርክብ ኣይነበራን'ሞ፡ ሳፊን ጕጅለኡን ዝዓሙዎ ዝነበሩ ስራሓት ኣብ ተለቪዥን ምስ ርኣየት ክሕግዙዋ ጽሒፋትሉ። ንሱ ድማ ዝበለጸ ክገብሮ ዝኽእል ናብ ዋሽንግተን መጺኣ ምስታ ጋንታኡ ብወለንታ ክትሰርሕ ምዃኑ ገሊጹላ።

ሩዓ ጠቕሊላን ባቡር ተሰቒላን ናብ ዋሽንግተን በጽሐት፣ ናብታ ብወተሃደራት ዝነበሩ ደቂ-ተባዕትዮ ዝመልአት ጕጅለ ድማ ተጸንበረት።

"ኣብ ዙርያ ትያትር እየ ዝነበር፡" እናሰሓቐት ትገልጽ። እቲ ዝተጸንበረቶ ሓድሽ ጕጅለ ግን "ባህላዊ ረጽሚ፡" ፈጢሩላ።

ሳሚ ብዛዕባ ኣፍጋኒስታን ትፈልጦ ነገር እኳ እንተ ዘይነበራ፡ ብዝነበራ ክእለት ግን ሓጋዚት ኰይና ተረኺባ።

"ሓበሬታ ኣብ ምውህሃድን ርክባት ኣብ ምፍጣርን ተመኵሮ ስለ ዝነበረኒ፡ ነቲ ርክባት ዘካይድ ሰብ ኰይነ። እዚ መን ክግምቶ ይኽእል፧" ትብል ሳሚ።

ኣብ መንጎ ዕግርግር ዝተወልደ ብልጭታ

ነቶም ኣብ ጸበባ ዝነበሩ ንምውጻእ ኣብ ዝግበር ዝነበረ ሃተሃታን ውጥርን፡ ጐድኑ ጐድኑ ድማ ካልእ ነገር ይኽሰት ነበረ።

"ፍቕሪ ድዩ? መልሱ እወ ይመስለኒ፡" ትብል ሳሚ። ሳሚ ዓቢይ ኰይኑ ስለ ዝተሰምዓ ንፍቕራዊ ዝምድና እኹል እንተዀይኑ ዕድመኡ ኣብ ጐጉል ከም ዝፈተሸቶ ትዝክር።

"ኣብቲ እዋን ብዝነበረ ጸቕጢ ቀጢኑ ስለ ዝነበረ፡ ካብዚ ሕጂ ዘለዎ ዝዓበየ ይመስል ነይሩ፡" ትውስኽ።

ኣብ ሓደ ወጥሪ ዝመልኦ ምሸት - ዝመጽኡ ሰባት ንኬላታት ጣሊባን ክሰግሩ እናተጸበዩ - ንፈለማ እዋን እናኣዕለሉ ነዊሕ ብእግሮም ተጓዓዙ። ንሓወልትታት ዋሽንግተን ሓሊፎም ክሳብ 'ሞሞርያል ሊንከን' ዝበጽሑ ኰለል በሉ።

"ፊልም ኰይኑ ተሰሚዑኒ፡" ትብል ሳሚ። ሽዑ ኣነ፡ "ነዚ ወዲ ድየ ክምርዓዎ?" ኢለ ሓሲበ።

"ኣብ ሰገነት (ባልኮኒ) ናይቲ ንጥፈታት እነካይደሉ ማእከል እንከለና፡ እታ ናይ ፈለማ ስዕማ ስዒባ፡" ትዝክር። ባህላዊ መሰናኽላት እኳ እንተ ነበሮም፡ ምትእስሳሮም ግን ቀልጢፉ ዓበየ።

ሳሚ ምስ ስድራኡ ከላልያ ትሓቶ ነይራ። "ምዃን ከኣ ክኸውን ኣይክእልን እዩ፡" ትብል።

ስድራቤቱ ዓቃባውያን ኣመንቲ ምስልምና እዮም። ስድራኡ፡ ንሶም ዘምጽኡሉ ኣፋጋናዊት ክምርዖ እዩ ትጽቢቶም።

ሸላታት ካቡል

ሳፊ ሰብኣዊ ዕዮታት ንምስራሕ ምስ ሓዉ ኣብ ታሕሳስ 2021 ናብ ካቡል ከደ።

ናብ ኣፍጋኒስታን ክኸዱ ንውሕስነቶም ጽቡቕ ዘይምዃኑ ይንገሮም እኳ እንተ ነበረ፡ ጣሊባን ምሕረትን ከለላን ክገብረሎም ቃል ስለ ዝኣተወ ግን ክኸዱ ከም ዝወሰኑ ሳፊ ይዛረብ።

እንተዀነ፡ ኣብታ ስርሖም ወዲኦም ክምለሱላ ዝተሓስበት መዓልቲ፡ ሳፊን ሓዉን ምስ ካልኦት ሓሙሽተ ወጻእተኛታት ብስለያ ጣሊባን ተታሒዞም ተኣስሩ።

ኣብተን ፈላሞት ሒደት መዓልታት ኣብ ሓደ ቀዝሒ ዝመልኦ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝርከብ ሸላ በይኑ ተኣሲሩ ነበረ።

"እታ ክፍሊ ክልተ ሜትሮ ብኽልተ ሜትሮ ዘይትበጽሕ እያ ነይራ። መስኮት ኰነ ዓራት ኣይነበራን፡" ክብል ይዝክር።

እታ ኣብ ኒውዮርክ እትነብር ሳሚ በዚ ፍጻመ ሰንበደት። ኣብ ግጉል ማፕስ ፈትሻ ኣበይ ከም ዘሎ ኣረጋገጸት። እቲ ኣንፈት ንዋና ቤትጽሕፈት ስለያ ጣሊባን ዘርኢ እዩ ዝነበረ።

ሳሚ ብዛዕባ ካቡል ብዙሕ ኣፍልጦ እኳ እንተ ዘይነበራ፡ እቲ ቦታ ግን ኣዝዩ ሕማቕ ምዃኑ ኣፍልጦ ነይሩዋ እዩ።

ንሰሙናት ፍጹም ሓበሬታ ኣይነበረን - ሳፊ ምስ ሓደ ዕግበት ዘይነበሮ ዋርድያ ክሳዕ ዝቀራረብ።

እቲ ዋርድያ ንመርዓኡ ዝዀኖ ገንዘብ የድልዮ ብምንባሩ፡ ሳፊ ነዚ መዝሚዙ ወዲ ሓወቦኡ ገንዘብን ሞባይልን ከም ዘብጽሓሉ ገበረ።

ኣብታ ትሕቲ መሬት ዝነበረት ሸላኡ ኰይኑ ድማ ኣብታ ተሓቢኣ ዝኣተወቶ ተለፎን ቍጽሪ ስልኪ ሳሚ ጽሒፉ፡ "ሰላም ከመይ ኣለኺ? አፍቅረኪ እየ፡" ዝብል መልእኽቲ ጽሒፉ ሰደደላ።

ነዚ ክገብር ከሎ፡ ሲግናል ምእንቲ ክሰርሓሉ ኣብ መንኵብ ሓዉ ተሓንጊሩ እዩ።

"ድሕሪ 17 መዓልታት ዝተረኸበት ናይ ፈለማ ደሃይ እያ፡" ትዝክር ሳሚ። "ብህይወት ከም ዘሎ ምፍላጥ ጥራሕ ኵሉነገር እዩ ነይሩ፣ ደሃዩ ክትሰምዕ ምኽኣል ዘሐጕስ እዩ ነይሩ። እንታይ ኰን የጓንፎ ይኸውን ኢልካ ምሕሳብ ግን ዘፍርሕ እዩ ነይሩ።"

ሳፊ፡ ኣብቲ ቤት-ማሕቡስ ኰይኑ ኣብ ዝኽሪ እታ ምስ ሳሚ ኰይኖም ዝርኣዩዋ ሙዚቃዊት ድራማ 'እቶም መከረኛታት' ይጥሕል።

"ኣብተን ቀዳሞት 70 መዓልታት ጸሓይ ኣይረኣኹን። ምሉእ ግዜ ኣብ ትሕቲ መሬት ኢና ነይርና፡" ይብል። "ካልኦት ሸውዓተ ወጻእተኛታት ጅሆታት ነይሮም። ሓደ ካብኦም ኣዝዩ ሓሚሙ፡ ካልእ ድማ እምብዛ ተስፋ ቈሪጹ ነይሩ።"

ሽዑ ድማ እዩ ብትሑትን ልዙብን ድምጺ ዝደርፍ። ነታ ኣብ ድራማ 'እቶም መከረኛታት' ዘላ፡ 'ህዝቢ እናደረፈ ትሰምዕዶ?' እትብል ደርፊ ይሕድም፣ "ናይ ተቓውሞ ደርፈይ ኰይና፡" ይብል።

ኣብታ ሸላኡ ኰይኑ ምስ ሳሚ ብምስጢር ምርኻብ ቀጸለ።

"እቶም ዋርድያ ከይሰምዑኒ ኣብ ትሕቲ ኮቦርታ ኰይነ ብምሕሽዅሻዅ እየ ዘዋግዕ ነይረ፡" ይብል።

ምርኻብ ምስ ወለዲ

ምስ ጣሊባን ዝግበር ዝነበረ ዘተ እናተጓተተ ቀጸለ። መወዳእቱ ግን ኣብ መበል 70 መዓልቱ ሳፊ ክፍታሕ ኣብ ስምምዕ ተበጽሐ።

ሳሚ ከም ዝብሎ፡ ጣሊባን ኣብ ሓደ እዋን፡ ኣመሪካ ስጕምቲ እንተ ዘይወሲዳ ክቕተል ምዃኑ ኣፈራሪሑ ነይሩ።

ሳሚ ዝወጽኣሉ ኵነታት ንምቅልጣፍ፡ ሳሚን ስድራ ሳፊን ናብታ ብዙሕ ዘተታት ዝካየደላ ዝነበረ ቐጠር ክኸዱ ተወሰነ።

ሳሚ ናብ ቐጠር ብምኻድ ምስ ስድራ ሳሚ ንፈለማ እዋን ገጽ ንገጽ ተራኸበት።

"ብዛዕባይ ዝፈልጡዎ ነገር ኣይነበሮምን። ሃንደበት ድማ ንኽልተ ሰሙን ኣብ ሓደ ገዛ ተቐመጥና፡" ትዝክር።

"ወለዲ ሳፊ ከምቲ ዝድለ ሳፊ እንግሊዝኛ ስለ ዘይዛረቡ፡ ኣነ ከም ወኪል ናይታ ስድራቤት ክኸውን ከም ዘለኒ ተወሲኑ።"

ነቶም ዓቃባውያን ኣስላም ኣፍጋናውያን፡ ኣይሁዳዊት ኣፍቃሪት ወዶም ክትጸንሖም ዘሰንብድ እዩ ነይሩ።

እቲ ዝነበረ ወጥሪ ግን ተቐባልነት ክረክብ ኣገዲዱ። "ንወለዲ ሳፊ እየ ዘመስግን፡" ትብል ሳሚ፣ "ንዓይ ክቕበሉኒ ምኽኣሎም ፍሉይ እዩ ነይሩ፡" ትውስኽ።

ድሕሪ 105 መዓልታት ሳፊ ተፈቲሑ ካብ ኣፍጋኒስታን ወጺኡ ኣብ መወዳእታ ምስ ሳሚ ተራኸበ።

ህይወት ድሕሪ ዳግማይ ምርኻብ

ኣብ ኣመሪካ ዳግማይ ምስ ተራኸቡ ሓቢሮም ናብ ዝቕመጥሉ ቤት ገዓዙ። ነዊሕ ከይጸንሑ ድማ ተመርዓዉ።

ባህልታትን ልምድታትን ኣፍጋናውያንን ኣይሁዳውያንን ኣብ ሓንቲ ኣዳራሽ ተራእየ።

ሳሚ፡ ሳፊ ኣብ ማሕቡስ 32 መዓልታት ኣብ ዝገበረሉ ግዜ ዝጸሓፈታ ልቢ እትትንክፍ ጽሕፍቲ ኣንበበት።

"ኣብ በረንዳ ኣብ ጐድንኻ ኮፍ ኢለ ነዛ ዝጽሕፋ ዘለኹ ተመሊሰ ዘንብበላ መዓልቲ ክትመጽእ እሓልም። በጀኻ በጃኻ በጃኻ ተመለስ።"

ቀለቤት ናይዞም መጻምድቲ ከይተረፈ ታሪኾም ሰኒዱ ኣሎ። ካብቲ ናይ ቤት ማእሰርቱ መፍትሕ ዝተማልኦ ቍራጽ ሓጺን ኣብቲ ቀለቤቶም ከም ዝኣቱ ኰይኑ ተሰሪሑ ኣሎ። "እቲ ተመኵሮ እቲ ንህይወትና መሰረት ኣንጺፉ እዩ፡" ይብል።

ሳሚ ንድሕሪት ተመሊሳ ክትሓስቦ እንከላ፡ እቲ ዘጋጠሞም መከራ ንዝምድናኦም ዳግማይ ከም ዝቐረጾ ትኣምን።

ምስቲ ዝተፈላለየ ድሕረ-ባይታኦም ብዘይ ብዙሕ ገልጠምጠም ናብ መርዓ ዝበጽሑ ምዃኖም ትኣምን። ምኽንያቱ፡ ኣብ ከቢድ እዋን፡ "እቶም ንኣሽቱ ነገራት ኣገደስቲ ኣይኰኑን፡" ትብል።

ሳፊ ብዛዕባ ምስጋና ጥራይ እዩ ዝሓስብ፣ "ሕጂ ኣብ ህይወት ዘጓንፈና ካብቲ ዝሓለፍናዮ ዝኸብድ ኣይክኸውንን እዩ። ከይተፈላለና ብፍቕሪ ኣብዚ ከምዚ ምህላውና ተኣምር እዩ።"