ህንዲ፡ ኣብ በዓቲ ምስ ደቃ ዝተረኽበት ሩስያዊትን ምስጢሩን

ፖሊስ ህንዲ ኣብ ደቡባዊ ግዝኣት ካርናታካ ኣብ ዝርከብ በዓቲ ክትነብር ዝተረኽበት ሩስያዊት ጓል ኣንስተይቲ ኵነታታ ንምርዳእ ይጽዕሩ ኣለዉ። እታ ኣደ ምስ ክልተ ንኣሽቱ ኣዋልድ ደቃ እያ ነይራ።

ፖሊስ ነታ ጓል 40 ዓመት ኒና ኩቲና ብ9 ሓምለ ክረኽቡዋ ዝኸኣሉ፡ በጻሕቲ ዝፈትውዎ ከባቢ ኣብ ጥቓ ጎቦታት ራምቲርታ ኣብ ጫካ ጎካርና ስሩዕ ኰለላ (ፓትሮል) ኣብ ዝገብርሉ ዝነበሩ እዋን እዩ።

እቶም ሰብመዚ፡ ኒናን ደቂ ሓሙሽተን ሽዱሽተን ዓመት ዝዀና ደቃንን፡ "ኣብ ህንዲ ክጸንሓ ዘኽእለን ግቡእ ሰነዳት የብለንን'" ይብሉ። ሕጂ ኣብ ጥቓ ርእሰ ከተማ ካርናታካ ቤንጋሉሩ ኣብ ዝርከብ መዳጐኒ ማእከል ወጻእተኛታት ዝርከባ ኰይነን፡ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ሩስያ ክስጐጓ እየን።

ኩቲና ንኤኤንኣይ ዝተባህለ ናይ ህንዲ ማዕከን ዜና ኣብ ክልተ ቪድዮታት ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ንሳን ደቃን ኣብቲ በዓቲ ምንባረን ሕጕሳት ምዃነንን "ተፈጥሮ ጽቡቕ ጥዕና ከም ዝህብን" ገሊጻ።

ይዅን'ምበር፡ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ምስ ተረኽባ እውን፡ ሰባት ብኸመይ ናብኡ ከም ዝበጽሓ፡ ብኸመይ ኣብቲ ጫካ ንነዊሕ እዋን ከም ዝጸንሓ ወይ ብልክዕ መን ምዃነን ኣይፈልጡን እዮም።

ፖሊስ ዘይሓሰቡዎ ኣብ በዓቲ ሰብ ረኺቦም

"እቲ ከባቢ ብደቂ ዓዲ ብፍላይ ድማ ብወጻእተኛታት በጻሕቲ ተፈታዊ'ዩ፡" ይብል ኣብ ኣውራጃ ኡታራ ካናዳ (Kannada) ዝነብር ፖሊስ ኤም ናራያና። "እንተዀነ፡ ብዙሓት ኣትማን ኣለዉ። ኣብ እዋን ዝናብ ድማ ምፍራስ መሬት የጋጥም። ድሕነት በጻሕቲ ሃገር ንምሕላው፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዝና ኣብዚ ጫካ ኮለላ ክንገብር ጀሚርና፡" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ካልእ ኣካል ናይቲ ፓትሮል ዝነበረ ግን ከኣ ስሙ ዘይተገልጸ ኣባል ፖሊስ፡ ካብቲ ጎቦ ንቝልቍል እናወረዱ ከለዉ ነቲ በዓቲ ከም ዝረኸቡዎ ገሊጹ። ንኽነቅጽ ኣብ ደገ ተሰጢሑ ዝነበረ ድሙቕ ክዳውንቲ ንኣቓልቦኦም ስሒቡዎ። ናብቲ ብሕብራዊ ሳሪ ጨርቂ ዝተሸፈነ በዓቲ ምስ ቀረቡ - ሓንቲ ንእሽቶ ብሓይ ዝጸጕራ ቈልዓ ጐየየት።

ፖሊስ ደድሕሪኣ ናብ ውሽጢ ብምእታው ንኒናን እታ ካልእ ጓላን ረኸቡወን። ኣብቲ ቦታ ውሑድ ንብረት ነይሩ፤ ፕላስቲክ መንጸፍ፡ ክዳውንቲ፡ ኖድል፡ ከምኡውን ገለ ኣስቤዛታት። እቲ በዓቲ ከኣ ተሾሽ-ተሾሽ ይብል ነይሩ።

ቭድዮታት ፖሊስ ከም ዘርእዮ፡ እተን ሕብራዊ ክዳውንቲ ህንዲ ዝተኸድና ቈልዑ ናብ ካሜራ ፍሽኽ ይብላ ነይረን።

"እታ ሰበይትን ደቃን ኣብኡ ጽቡቕ ዘለዋ ይመስላ ነይረን፡" ይብል ናራያና። "ኣብኡ ምንባር ሓደገኛ ምዃኑ ከነእምና ገለ ግዜ ወሲዱልና።"

ፖሊስ እቲ በዓቲ ብሰንኪ ተመንን እንስሳ ዘገዳምን ውሑስ ከም ዘይኰነ ምስ ነገራ፡ "እንስሳታትን ኣትማንን ኣዕሩኽትና እዮም። ሰብ ሓደገኛ እዩ፡" ኢላ።

ብድሕሪኡ፡ ኵነታተን ንምፍላጥ ናብ ሓደ ሆስፒታል ተወሲደን፣ ጥዑያት ኰይነን ተረኺበን።

ኒና ኩቲና መን እያ?

ኣብ ህንዲ ዝርከብ በዓል ስልጣን መንግስቲ፡ ኒና ኩቲና ሩስያዊት ምዃና ገሊጹ። ወግዓዊ መስርሓት ምስ ወድአት ናብ ሩስያ ክትምለስ ምዃና ወሲኹ ሓቢሩ። መንግስቲ ህንዲ ምስቲ ኣብ ቸይና ዝርከብ ቆንስል ሩስያ ርክብ ከም ከም ዝገበረ ገሊጹ። ቢቢሲ እውን ኣብ ደልሂ ንዝርከብ ኤምባሲ ሩስያ ሓቲቱ'ኳ እንተ ነበረ፡ ክሳብ ሕጂ ግን መልሲ ኣይተዋህበን።

ኩቲና ምስ ናይ ህንዲ ማዕከናት ዜና ኤኤንኣይን ፒቲኣይን ዝገበረቶ ቃለመሕትት ዘርኢ ቪድዮ፡ ኣብ ሩስያ ከም ዝተወልደት ገሊጻ። እንተዀነ፡ ኣብ ሩስያ ካብ ዘይትነብር 15 ዓመት ኣቍጺራ ኣላ። ናብ ብዙሓት ሃገራት፡ ማለት ናብ ኮስታሪካ፡ ማሌዥያ፡ ባሊ፡ ታይላንድ፡ ኔፓልን ዩክረይንን ተጓዒዛ እያ።

ኩቲና ኣርባዕተ ቈልዑ ከም ዘለውዋ እውን ገሊጻ። ዕድሚኦም ካብ 5 ክሳዕ 20 ዓመት እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት በዅሪ ወዳ ብሓደጋ መኪና ኣብ ጎዋ ከም ዝሞታ'ውን ተዛሪባ።

ሰበስልጣን እታ ሃገር፡ ካልኣይ ወዳ ወዲ 11 ዓመት ኰይኑ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ሩስያ ከም ዘሎ ይገልጹ። ነዚ ሓበሬታ ንቆንስል ሩስያ ኣካፊሎምዎ ኣለዉ።

ሰሉስ ምሸት፡ ሰብመዚ ህንዲ፡ ንኣቦ እታ ቈልዓ ድሮር ጎልድስታይን ከም ዝረኸቡዎ ገሊጾም። እስራኤላዊ ነጋዳይ እዩ። "ሕጂ ኣብ ህንዲ ኣሎ፡" ኢሎም። ኩቲናን ደቃን ናብ ዓደን ንኽምለሳ ገንዘብ ክኸፍል ዝኽእል እንተዀይኑ ንኽሓትዎ እዮም ተራኺቦም።

ትማሊ ረቡዕ ጎልድስታይን ንናይ ህንዲ ቲቪ ቻነል ኤንዲቲቪ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኩቲና ከይነገረቶ ካብ ጎዋ ከም ዝተበገሰ ገሊጹ። ኣብኡ ንዝነበሩ ፖሊስ ድማ ብዛዕባ ምጥፍአን ሓበሬታ ከም ዝሃበ ገሊጹ። ብተወሳኺ፡ ንደቁ ስድራቤታዊ መዕበያ ስለ ዝደሊ መንግስቲ ህንዲ ናብ ሩስያ ከይሰደን ዝከኣሎ ክጽዕር እዩ።

መዓስ እያ ናብ ጎካርና መጺኣ?

ኩቲናን ኣዋልዳን ብኸመይን መዓስን ናብቲ ኣብ ካርናታካ ዝርከብ ጫካ ከም ዝበጽሓ ንጹር ኣይኰነን። ፖሊስ፡ ኣብቲ በዓቲ ንሓደ ሰሙን ከም ዝጸንሓ ከም ዝነገረቶም ሓቢሩ። ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣቢሉ ካብ ሓደ ናይቲ ከባቢ ድኳን ገለ ኣሕምልትን ምግቢን፡ እንተላይ ኖድልስ ገዚኣ።

ካብ ጎዋ ናብ ካርናታካ ከም ዝኣተወትን ኣብኡ እውን ኣብ በዓቲ ከም ዝነበረትን ገሊጻ። ሓንቲ ካብ ደቃ ኣብ በዓቲ ጎዋ ከም ዝተወልደት ከይተረፈ ገሊጻ።

ኩቲና ኣብ ዝገበረቶ ቃለመሕትት፡ ብዛዕባ እቲ ንሳን ደቃን ዝዕቈባሉ መዳጐኒ ማእከል ጥርዓን ኣቕሪባ፣ "ከም ቤት ማእሰርቲ እዩ፡" ክትብል ትገልጽ። ኣብቲ በዓቲ ጽቡቕ ይነብራ ከም ዝነበራ፡ ሕጂ ግን ናብ ደገ ክወጽኣ ከም ዘይክእላ ትዛረብ። እቲ መዳጐኒ ማእከል ኣዝዩ ረሳሕን እኹል መግቢ ከም ዘይብሉን ተብርህ።

ኩቲና መዓስን ብኸመይን ናብ ህንዲ ከም ዝኣተወት ንጹር ኣይኰነን። ንሳ ንፖሊስ ፓስፖርታ ከም ዝጠፍአ እኳ እንተ ገለጸት፡ ንሳቶም ግን ግዜኡ ዝሓለፎ ኣረጊት ፓስፖርት ከም ዝረኸቡ ገሊጾም። እቲ ፓስፖርታ ካብ ጥቅምቲ 2016 ክሳዕ ሚያዝያ 2017 ብቢዝነስ ቪዛ ናብ ህንዲ ከም ዝመጽአት ይሕብር።

ገደብ ግዜ ቪዛኣ ስለ ዝሓለፈ ተታሒዛ፡ ኣብ 2018 ካብ ህንዲ ክትወጽእ ፍቓድ ተዋሂቡዋ። ኣብ 2018 ንሰለስተ ኣዋርሕ ናብ ኔፓል ከም ዝተጓዕዘት መዛግብታ ይሕብሩ። ብድሕሪኡ ናበይ ከም ዘበለት ንጹር ኣይኰነን። ኩቲና ኣብ 2018 ካብ ህንዲ ካብ እትወጽእ ንደሓር ናብ 20 ሃገራት ከም ዝተጓዕዘት ገሊጻ።

ዳግማይ መዓስ ናብ ህንዲ ከም ዝተመልሰት እውን ንጹር ኣይኰነን። ገለ ጸብጻባት ኣብ ለካቲት 2020 ከም ዝተመልሰት ይሕብሩ። ንሓደ ማዕከን ዜና፡ "ንህንዲ ብሓቂ ንፈትዋ ኢና፡" ኢላ።

ኩቲና ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ ቪዛኣ ከም ዝወድአ ተኣሚና። ኣብ ሓዘን ወዳ ከም ዝነበረትን ብንጹር ክትሓስብ ስለ ዘይከኣለት ከም ዘየሐደሰቶን ገሊጻ።

ኩቲና ስለምንታይ ኣብ በዓቲ ትነብር ነይራ?

ኣብ በዓታ ፓንዱራንጋ ቪታላ ዝተባህለ ናይ ሂንዱ ኣምላኽ ጣኦት ክሪሽና ምስ ተረኽበ፡ ገለ ጸብጻባት ኣብኡ ንምስትንታንን ብመንፈሳዊ ምኽንያታትን ከም ዝነበረት ይሕብሩ።

ምስ ኤ.ኤን.ኣይ ኣብ ዝገበረቶ ቃለመሕትት ግን እዚ ሓቂ ከም ዘይኰነ ገሊጻ፣ "ብዛዕባ መንፈሳውነት ኣይኰነን። ንተፈጥሮ ንፈትዎ፡ ጥዕና ስለ ዝህበና እዩ። ንጥዕናና ኣዝዩ ጽቡቕ'ዩ፣ ኣብ ገዛ ከም ምንባር ኣይኰነን።"

ኣብ ጫካ ናይ ምንባር ተመኵሮ ከም ዘለዋ ብምግላጽ፡ ደቃ ኣብኡ ሕጕሳትን ጥዑያትን ከም ዝነበራ ገሊጻ። እቲ በዓቲ "ኣዝዩ ዓቢይን ጽቡቕን" ምንባሩ ሓቢራ። ናብ ሓንቲ ዓዲ ቀረባ ስለ ዝነበረት፡ መግብን ካልእ ዘድልየን ነገራትን ክትገዝእ ትኽእል ነይራ።

ንሳ ንኤ.ኤን.ኣይ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ "ንሞዉት ኣይኰነን ነይርና። ደቀይ ኣብ ጫካ ንኽሞታ ኢለ ኣይመጻእኩን። ኣዝየን ሕጕሳት እየን ነይረን። ኣብ ማይጫዕጫዕታ ሓምቢሰን፡ ልዋም ደቂሰን፡ ብጭቃ ገይረን ጥበባዊ ነገራት ሰሪሐን፡ ቀቢአን። ምኡዝን ጥዑምን መግቢ በሊዕና። ኣዝዩ ጽቡቕ ምግቢ ድማ ከሺነ።"

ኩቲና ኣብ ጫካ ምንባር ንደቃ ከም ዘይጐድአን እውን ገሊጻ፣ "ኣብኡ ውሑዳት ኣትማን ርኢና። እዚ ድማ ከምቲ ሰባት ኣብ ገዛኦም፡ ክሽነኦም ወይ ሽቓቖም ተመን ዝረኽቡ እዩ።"