ተረሓሒቖም ዘይተፈላለዩ ሰብ ቃል-ኪዳን

ብ1955 ዝተመርዓዉ ክልተ መጻምድቲ፡ መሰረት ናይቲ ን70 ዓመታት ዝጸንሐ ሓዳሮም ኣኽቢሮም። እዞም ሰብ ኪዳን ካብቲ ካልእ ሓዳር ፍልይ ዘብሎም ዝበዝሕ ግዜ ተራሓሒቖም ስለ ዝሰርሑ'ዩ።

ቶሚ ባድጅን ቴልማ ብሩስን ምስ ዓባይ ሓብቲ ቶሚ ቫዮሌት ባጅን ለስሊ ፍሌትን ኣብ ኪርክዋል ኦርክኒ ናይ ሓባር ስነ-ስርዓት ኣካይዶም።

እዞም ኣርባዕተ ሰብ ኪዳን፡ ሓዳር ዝመስረትሉ ጽምብል ምስ ደቆም፡ ደቂ ደቆምን ደቂ ደቂ ደቆምን ኣኽቢሮም ኣለዉ።

ቀደም ግዜ ተፈላልዮም ዝነብሩ ዝነበሩ ሰብ ሓዳር ከም ሎሚ ብተለፎን ዘይኰነስ ብቡስጣ ደሃይ ይገባበሩ ከም ዝነበሩ ዝገለጹ እዞም መበል 70 ዓመት ጽምብል ሓዳሮም ዘኽበሩ ሰብ ቃል-ኪዳን፡ ተፈላልዮም ዘሕለፉዎ ግዜ እንከይተፋትሑ ክንጸንሑ ከም ዝሓገዞም ብዋዛ ይዛረቡ።

ቴልማ ሕጂ ጓል 87 ዓመት፡ ቶሚ ወዲ 89 ዓመት፡ ቫዮሌት ጓል 91 ዓመት ኰይና፡ ለስሊ ኣብዚ ግዜ`ዚ ወዲ 94 ዓመት እዩ።

እቲ ብ9 ሚያዝያ 1955 ዝተኻየደ ናይ ሓባር መርዓ፡ ቶሚ ንሃገራዊ ኣገልግሎት ብምጽዋዑ ምኽንያት ዝተፈጸመ'ዩ ነይሩ።

ቫዮሌትን ለስሊን ግን ኣቐዲሙ ስነ-ስርዓቶም መርዓኦም ዝካየደሉ ዕለት ተነጺሩ'ዩ ነይሩ።

ቶሚ ኣብ ገዛ ዝጸንሓሉ ግዜ ድሩት ስለ ዝነበረ፡ ኵሎም እታ ክብርቲ ዕለተ መርዓኦም ብሓባር ክገብሩዎ ድማ ወሰኑ።

መርዓኦም ኣብቲ ሓደ ዓርኰም ሰራሕተኛ መዝገብ ቤት ኰይኑ ዝሰርሓሉ ዝነበረ ሆስፒታል እዩ ተኻይዱ።

ቴልማ ነቲ ዝነበረ ኵነታት ክትገልጾ እንከላ፡ "ዓርቢ ናብ ገዝኡ መጺኡ፡ ቀዳም ተመርዒና፡ ሰኑይ ድማ ዳግማይ ከይዱ፡" ክትብል ዘኪራ።

ቫዮሌት ብወገና ድርብ መርዓኦም ቅልል ዝበለ ከም ዝነበረ'ያ ትዝክሮ።

"ክልቴና ተንሲእና ተመርዒና ድሕሪኡ ቦታ ቀይርና። እቶም ዝቐጸሉ ክልተ ድማ ተመርዕዮም" ትብል። "ኣነን ሌስን፡ ቀዲምና ዝኸድና ይመስለኒ።"

ድሕሪ እቲ ናይ መርዓ መደባትን ምልዓል ኣሳእልንን ኵሎም ኣጋይሽ ናብ ገዛ ወለዲ ለስሊ ከይዶም።

ቫዮሌት ንፈለማ ግዜ ሻምፓኝ ዝጠዓመትሉ ኣጋጣሚ ከም ዝነበረ'ውን ዘኪሮም። "ሻምፓኝ ንመጀመርታን ንመወዳእታን ግዜ ዝጠዓምኩ ሻቡ እዩ ነይሩ፡" ኢላ።

"እዋይ ኣይፈተኹዎን፣ ፈጺሙ ሻሂ ዝጥዕም ኣይነበረን፡" ክትብል ሰሓቐት።

እዞም ሕጂ መበል 70 ዓመት ሓዳር ዝመስረትሉ ጽምብል ዘኽብሩ ዘለዉ ሰብ ጸጋ ዕድመ፡ ብድሕሪ እቲ ኣብ እንዳ ወለዲ ለስሊ ዝነበረ መደብ ናብ ወለዲ ቫዮሌትን ቶሚን ከይዶም መግቢ ደርሆን ድንሽን ከም ዝተደረሩ ዘኪሮም።

ክልቲኦም መጻምድቲ ብሰንኪ ስራሕ ሓሓሊፉ ንነዊሕ እዋን ይፈላለዩ ነይርዎም። እዚ ድማ ምናልባት ኣካል ናይቲ ሓዳሮም ዝጸንዓሉ ምኽንያት ክኸውን ከም ዝኽእል ብዋዛ ዝገልጹዎ'ዩ።

ቶሚ ዋርድያ ኰይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ ኮይኑ፡ ቫዮሌት ድማ መብዛሕትኡ ናይ ስራሕ ህይወታ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝነበረ ሆስፒታላት ለይቲ ለይቲ እያ እትሰርሕ ዝነበረት።

"ለይቲ ለይቲ ይሰርሕ ቀትሪ ድማ ኣብ ገዛ እየ ዝውዕል ነይረ፡" ዝበለት ቫዮሌት፡ "ሰብኣየይ ድማ ቀትሪ ሰሪሑ ምሸት እዩ ናብ ገዛኡ ዝኣቱ ነይሩ፡" ድሕሪ ምባል ሓድሕዶም ዝራኸብሉ ኵነታት ድሩት ከም ዝነበረ ትዝክር።

ወሲኻ ድማ፡ "ብቡስጣ መልእኽቲ ጽሒፈ ኣብ መስትያት ይልጥፎ ነይረ። ንሱ ድማ ኣንቢቡ ይምልሰለይን ነይሩ። ብኸምዚ ኢና ሓዳርና ንመርሕ ነይርና፡" ኢላ።

ቴልማ'ውን ብተመሳሳሊ ከምኡ ዓይነት ሓዳር ከም ዝነበሮም ብምግላጽ፡ ሰብኣያ ቶሚ ቅድሚ ናይ ዋርድያ ስራሕ ምጅማሩ ንሰለስተ ዓመታት ወተሃደር ከም ዝነበረ ኣዘንትያ።

"ሰብዓ ዓመት ሓዳር ገይርና፣ እንተዀነ ብሓንሳብ ዘሕለፍናዮ ግዜ ምናልባት 35 ዓመት እንተኰነ'ዩ፡" በለቶ ብፍሽኽታ።

ኣስዒባ ድማ፡ "መጀመርታ ጠቕሊልና ዘይተራኸብናሉ ናይ ኣስታት 18 ኣዋርሕ ስልጠና ነይሩዎ፡" ኢላ።

ካብ ንጉስ ቻርለስን ንግስቲ ካሚላን ናይ እንቋዕ ኣብቀዓኩም ወረቐት ብምቕባሎም ዝተሓጐሱ እዞም ኣረጋውያን ሰብ ሓዳር፡ ቅድሚ ሕጂ መበል 60ን 65ን ዓመት ሓዳር ዝመስረትሉ ጽምብል ኣብ ዘኽብረሉ ግዝያት'ውን እንተዀነ ብተመሳሳሊ፡ ካብ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ናይ እንቋዕ ደስ በለኩም ሰናይ ትምኒት ተቐቢሎም ከም ዝነበሩ ነጊሮሙና።

ቫዮሌት፡ "እታ ዝረኸብናያ ናይ መጀመርታ ወረቐት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ክንኣምኖ ተጸጊምና ነይርና፡" ኢላ።

"ድሕሪኡ ካብ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ካልኣይ ናይ እንቋዕ ኣብጸሓኩም ሰናይ ትምኒት ዝሓዘ ወረቐት ምስ በጽሓና 'ንጉስ ቻርለስ ክነግስ እንከሎስ ክንህሉ ዶዀን ንኸውን' ኢልና ነይርና፡" ክትብል ንድሕሪት ተመሊሳ ዘኪራቶ።

'ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ከከም ኣመጻጽኣኣ ተዓወተላ'

ኣጋጣሚ ኰይኑ ምስቶም ቅድሚ 20 ዓመት ብ9 ሚያዝያ ዝተመርዓዉ ንጉስን ንግስትን ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ጽምብል ሓዳሮም የኽብሩ።

ቫዮሌት፡ "ፈጺምና፡ ፈጺምና ኣይንበጽሓን ኢና ኢለ ዝሓሰብኩዋ መዓልቲ እያ፡" በለት።

"ካብ ትጽቢት ዝዀነ ሰብ ንላዕሊ'ዩ ዝመስለኒ፡ ብፍላይ ኣርባዕተና ኣብዚ ምህላውናን ክንሳተፍ ምኽኣልን'ዩ። በቃ ንምእማኑ ዘጸግም'ዩ።"

ቫዮሌት ንኻልኦት ሰብ ሓዳርከ እንታይ ትመክር? ኢላ ተሓቲታ፡ "ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ከከም ኣመጻጽኣኣ ተዓወተላ፡" ዝብል መልሲ ሂባትሉ።