እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
እንጥቀመሎም ናይ 'ሜክ ኣፕ' ናውቲ ክሳብ ክንደይ ሓደገኛን ዝተበከሉን ምዃኖም ንፈልጥ'ዶ?
መቸስ እቶም እንጥቀመሎም 'ሜክኣፕ' መዓስ ናይ ምጥቃም ግዜኦም ከምዘኽትም ንፈልጥ ውሑዳት ኢና።
ብዛዕባ ሓደገኛነት ግዚኦም ዘሕለፉ ሜክኣፓት ትፈልጣ'ዶ? ንመቃባብኢ እንጥቀመሎም ብራሻት'ከ ተጽርዮኦ'ዶ?
ማስካራ ካብ መሓዛኽን ተለቂሕክን ወይ ድማ ኣብ ዱዃን ኣቲኺን ሊፕስቲካ ፈቲንክን ትፈልጣዶ?
እቲ ኩሉ ኣብ ውሽጢ ቦርሳኽን ዘሎ ሜክ ኣፕ ክንድምንታይ ባክተርያታት ከምዝስሕብከ ሓሲብክናሉ'ዶ ኣለኽን?
ጋዜጠኛ ቢቢሲ ናዛኒን ሞታሜዲ ኣብ ቦርሳኣ ዘሎ ሜክአፕ ሒዛ ናብ ናብ ቤት ምርምር ለንደን ሜትሮፖሊታን ዩኒቨርሲቲ ኣምሪሓ።
ኣብቲ ዩኒቨርስቲ ኣብ ክፍሊ ሂዩማን ሳይንስ እትዓዪ ገዲም መምህር ዶክቶር ማርያ ፖላር ድማ ነቲ መጽናዕቲ ክትመርሕ ተመዚዛ።
ከባቢ 70 ዕለቶም ዘሕለፉ 'ኣይላይነር፣ሊፕስቲክ፣ፋውንደሽን፣ ማስካራን ሊፕ ግሎስ' ን ዝተባህሉ ሜክ ኣፓትን መለኻከዪ ብራሻትን መሪጻ ኣቀሚጣ።
ነፍስ ወከፍ ድማ መርመራ ክግበረሉ እዩ።
ናወቲ ሜካኣፕ ክሳብ ክንደይ ዝተመረዘ እዩ?
ኣብ ናይ ናዛኒን መሳርሒ ሜካኣፓ ዝተረኽቡ ባክተርያታት ኣዲኦም ትቑጸሮም።
"ብፍላይ ኣብ ኣይ ፐንስል(ኩሕሊ) ዝተባህለ ሜካኣፕኪ ኣዝዩ ዝተበከለን ዝያዳ እቶም ካልኦት ባክተርያ ዝተርኽቦን እዩ" ክትብል ድ/ር ማርያ ነጊራታ።
እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ፣ እቲ ርሳስ ዝመስል ኩሕሊ ምስ ቖርበትና ስለዝተናኸፍ ብዙሕ ባክተርያታት ይረክብ ብምዃኑ እዩ።
ብዙሓት ናይ ሜካፕ ኣቁሕተን ኣብ ሽንቲ ቤት እዮም ዘቀምጣ። ኣይላይነር እንድሕር ኣስጢምና ከይከደንና ኣቀሚጥናዮ ድማ ባክተሪያታት ክስሕብ ይኸእል።
"ናይ ሜካፕ ኣቑሑና ርሑሳት ወይ ጠሊ እንከልዎም ምስ እንቐምጦም ሓደገኛ እዩ።ካብ ብራሻት ስፖንጅታትን ማስካራታትን ስታፊሎኮከስ ረኺብና ኢና።" ክትብል እታ ዶክተር ተብርህ።
ስታፊሎኮከስ ካብ መጠናዊ ክሳብ ከቢድ ደረጃ ጣዕናዊ ጸገም ከምጸ ዝኸእል እዩ።
' እዚ ኩሉ ዓመታት ቡኡኡ ክጥቀም ከለኹ ደኣ እንታይ ኮይነ ዘይሓምምኩ?'
ብምባል ዛኒን ብወገና ሓቲታታ።
ዶ/ር ማሪያ ከምትገልጾ "ቆርበትና ሕቱም ምስ ዝከውን ዋላ ሓንቲ ኣይከውንን እዩ። ይኹን እንበር ኣብ ቆርበትና ቁስሊ ኮነ ጭንዳሕ ክፉት እንትሃልዩናሞ ኣብዞም ዝተበከሉ መሳሪሒታትና ዝርከቡ ባክተርያታት ናብ ውሽጢ ክኣትዉ ይኸእሉ እዮም።
ብፍላይ ድማ ድኹም ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቅሚ ዘለዎም ሰባት በዚ ምኽንያት ንሓደጋ ክቃሉዑ ይኸእሉ።
ኣእዳውና ምሕጻብ
ሜክአፕ ቅድሚ ምጥቃምና ኣእዳውና እንሕጸብ ክንደየኖት ኢና?
ኣእዳውና ብዙሓት ጀምርምታት እዩ ዝሕዝ። እዞም ጀርምታት ድማ ናብቲ መጻባበቒ ኣቕሓና ክሰግሩ ይኸእሉ። ብፍላይ ድማ ኣይ ሻዶው፣ናይ ከንፈርና ቅባኣታትን ፋውንዴሽንን ጀርምታት ክስሕቡ ዝኸእሉ እዮም።
ዶ/ር ማሪያ "ኣብ ሓደ ሓደ ናይ ሜክአፕ ኣቅሑ ኤንቴሮባክተር ዝብሃል ባክቴሪያ ይርከብ እዩ። እዚ ባክቴሪያ ከርስና ከሕምመና ዝኸእል እዩ" ብምባል ተብርህ።
"እዚ ኢድና ብዘይምሕጻብናን ካብ ሽንቲ ቤት ብዝምንጩ ባክቴራታትን ክስዕብ ዝኸእል እዩ።" ትብል።
መጽናዕትታት ከም ዘመልክትዎ ካብ ሽንቲ ቤት ማይ ኪዒና ኣብ እንወጸሉ ዝነጥሩ ገጨብታን ነጠብጣብን ክሳብ 2 ሜትሮ ናብ ላዓሊ ክነጥሩ ይኸእሉ። እዞም ነጠብጣባት ድማ ኤንትሮባክተር ዝሓዙ ኮይኖም ኣብቲ መሳርሒ ሜክኣፓትና ምስ ዛዓልቡ ባክተርያ ከመሓላልፉ ይኸእሉ ማለትዩ።
ገለ ገለ ኤንትሮባክተርያታት ድማ ሕማም ዝተሰከሙ ክኾኑ ስለዝኸእሉ ንዝተፈላለዩ ሕማማት ከቃልዑና ይኸእሉ።
ሜትሮፖሊታን ዩኒቨርሲቲ በቲ ዝተሰርሐ መጽናዕቲ ዝረኸቦ ካለእ ነገር ፋንጋስ እዩ።
እዚ ፋንጋስ ቆርበት ሓሊፉ ክኣቱ ምስ ዝከእል ድማ ኣብ ደቀንስትዮ ብልዕቲን ከባቢ ኣፈንን ሓደጋ ከውርድ ይኸእል።
ኣብ ዩናይትድ ኪንግደም ዝርከብ አስተን በርሚንግሀም ዩኒቨርሲቲ ብወገኑ ኣብ 500 ናይ መጸባበቒ ኣቕሑ ምርምር ኣካይዱ ኔሩ።
ብመሰረት እቲ መጽናዕቲ ካብ 79 ክሳብ 90 ሚኢታዊት ዝኾኑ ናይ ኮስመቲክ ኣቁሑ ፓራሳይት፣ ባክቴሪያ ወይ ፈንገስ አለዎም።
ዘብቅዓሉ ዕለት ( ኤክስፓየር ደይት) ምርኣይ
ኣብ ናይ ሜክአፕ ኣቓሑና ዝልጠፉ ናይ ኣገልግሎይ ወይ ምጥቃም ግዜን ዕለትን ፣ እቶም ንብረታት ክሳብ መዓስ ባክተርያን ካሎኦትን ክከላኸሉ ከም ዝኽእሉ ዝሕብር እዩ።
ፈሳሲ ነገር ዘለዎም ምህርትታት ብፍላይ ን ፋንጋስን ባክተርያን ምቿኣት ስለዝኾኑ ብጥንቃቀ ክተሓዙ ይግባእ።
ናይ መጻባበቒ መሳርሒታት ድማ 'ኤክስፓየር' ዝገብሩሉ መዓልቲ ካብ 3 ክሳብ 12 ወርሒ ክጸንሕ ይኸእል።
ዶ/ር ማሪያ ኣብ ዱኳናት ኣቲና ናይ ስነጽባቀ ምህርትታት ይኹኑ መሳርሒታት ክንፍትን ከምዘይብልና እያ ትመክር። ምክንያቱ ኣእዳው'ቶም ቅድሜና ዝፈትንዎ ሰባት ጽሩይ ምንባሩ ንፈልጦ ነገር ስለዝይብልና።
ብተወሳኺ ናይ ሜክአፕ ኣቑሕና በብግዚኡ ብማይ ዉዑይን ሳሙናን ኣጽሪና ብጥንቃቐ ክንሓጽቦም ተተሓሳሳብ።
ነዚ ንምግባር ክባር ንብረት ክህልወና ግዴታ ከምዝይኮነ ብምግላጽ ድማ ናይ ሰብ ሜካኣፕ ከይንጥቀምን ናትና ሜካኣፕ ድማ ንኻልእ ሰብ ከይነጠቅምን ትምዕድ።
ሰብሞያ ከምዝብልዎ፣ ሜክአፕናን መስርሒታትናን ኣብ መሕጸቢ ክፍሊ ኮነ ሽንቲ ቤት ምቕማጥ ውሑስ ኣይኮነን። ብዘይካዚ፣ ብዝግባእ ከዲንና ከንቀምጦም ይሕብሩ።