ቃንዛ ወርሓዊ ጽግያት፡ ድሕሪ መርዓ ይገድፈካ ድዩ?

ወርሓዊ ጽግያት ኣብ ዝባጻሐት ጓለንስተይቲ ዝኽሰት ንቡርን ተፈጥሮኣውን ዑደት እዩ።

ይኹን እንበር ገለ ደቀንስትዮ ብክቱር ቃንዛ ነተን ወርሓዊ ጽግያተን ዝፈሳለን መዓልቲታት ብሹቁረራ ክጽበያ እንከለዋ፡ ገለ ድማ እንከይዘከረኦ ደበኽ ከም ዝብልን ቃንዛ ዝብሃል ከም ዘይፈልጣኦን እየን ዝዛረባ።

ኣብቲ ፈለማ መጠናዊ ቃንዛ ከም ዝነበራን ምስ ግዜ እናጐደለ ከም ዝኸደን ትገልጽ ጓል 46 ዓመት ሳራ "እቲ ቃንዛ ኣብ ኵለን ደቀንስትዮ ዝተፈላለየ መጠን ኣለዎ። ንዓይ ምስ ግዜ እንዳሓሸኒ እዩ ከይዱ፡ ብፍላይ ምስ ወለድኩ ጠቅላላ ቃንዛ ዝብሃል ጠፊኡ፡" ትብል።

ጓል 34 ዓመት ዳናይት'ዉን ኣደ ክልተ ቈልዑ'ያ።

"ናተይ ተሞክሮ ብጣዕሚ ጽቡቕ እዩ።ቃንዛ ዝብሃል ስለ ዘይብለይ ዕለቱ ከይተረፈ ዝርስዖ ግዜታት ኣሎ፡" ብምባል ዝዀነ ዘይምቹእነት ከም ዘይስምዓ ትገልጽ።

ብኣንጻሩ ድማ ገለ ደቀንስትዮ ክሳብ ካብ ስራሕን ምህሮን ክቦኽራ ዝድርኽ ከቢድ ቃንዛ ከም ዘሕልፋ እየን ዝገልጻ።

ፋና ዝተባህለት ጓል 22 ዓመት ነባሪት ዓባይ ብሪጣንያ፣ ወርሓዊ ጽግያት ኣብ ዝመጽኣ ዕለታት ኣዝያ ከም እተንጸርጽርን ጭንቕ ከም ዝብላን ትዛረብ።

"ካብ መጀምርያ መዓልቲ ክሳብ መወዳእታ ብከቢድ ቃንዛ እየ ዝሳቐ። ማዕረ ትምህርቲ ክሳብ ዘብኩር እዩ ዘሕመኒ፡ ክሳብ ሕጂ ድማ ካብ ዓመት ናብ ዓመት እናገደደ ይኸይድ ኣሎ፡" ክትብል ብምስቈርቋር ትገልጽ።

ሳራ ሕክምናዊ ደገፍ ክትሓትት ኣብ ዝፈተነትሉ እዋን፡ ኣብ ብዙሓት ደቀንስትዮ ዝረአ ንቡር ነገር ምዃኑን፡ ፈውሲ ቃንዛ ብምውሳድን ኣብ ቤት ብዝግበር ክንክንን ዕረፍትን ክመሓየሽ ከም ዝከእልን እዩ ተነጊሩዋ።

እንተዀነ፡ እቲ ኵነታታ ከም ዘይተመሓየሸን ተስፋ ከም ዘቑረጻን ትዛረብ።

"ቃንዛ ወርሓዊ ጽግያት ኣብ ገለ ደቅንስትዮ መጠኑ ዝሓለፈ ቓንዛን ብስጭትን ከም ዘስዕብ ዝግንዘብ ሰብ ሒደት እዩ፡ " ትብል።

ክኢላ ጥንሲ፡ ሕርስን ማህጸንን ዶ/ር ማርታ ስዩም፡ "ኣብ ወርሓዊ ጽግያት ዝረኣይ ቃንዛ፡ ረኽሲ ውሽጣዊ ማህጸን ዘለወን ኣደታት ምስ ዝዀና ናይቲ ዘይንቡር ቃንዛ ጠንቅታት ክዀኑ ስለ ዝኽእሉ፡ ዝዀነት ጓለንስተይቲ ሕክምናዊ ሓገዝ ክትሓትት ኣገዳሲ እዩ፡" ትብል።

ብዘይካ'ዚ ኣብ እዋን ወርሓዊ ጽግያት ቃንዛ ዘለወን ደቀንስትዮ ዝምገብኦን ዝሰትዮኦን ከሰተብህላሉ ትመክር።

"ካፈይን ካብ ዘለዎም መግብታት ከም ቸኮላታ፣ ኮካን ሻሂን ንቃንዛ ዘጋድዱ ስለ ዝዀኑ ካብኦም ክትርሕቕ ጽቡቕ'ዩ። ኣብ ክንዱኡ ፈሳሲ ብብዝሒ ምውሳድ፣ ፍራፍረታትን ፎኪስ ምንቅስቃስን ምዝውታር ኣዝዩ ሓጋዚ እዩ፡" ኢላ።

እተን ወርሓዊ ብከምዚ ዓይነት ከቢድ ቃንዛ ዝሳቐያ ደቀንስትዮ፡ ብዘይካ ኣካላዊ ስቃይ እቲ ወርሒ መጽአ ካብ ንቡር ንጥፈታትካ ምብዃር ንገዛእ ርእሱ ኣብ ኣእምሮአን ጸቕጢ ከም ዝፈጥር ይገልጻ።

ገለ ብብዝሒ ደም ዝፈሰን'ውን ናብ ደም ዋሕዲ ከም ዝቃልዓ እየን ዝሕብራ።

ዶ/ር ማርታ ብወገና፡ እዚ ናይ ደም ዋሕዲ ብግቡእ ሕክምናዊ ክትትል እንተዘይተፈዊሱ ከቢድ ሳዕቤን ከስዕበለን ከም ዝኸእል ብምጥቃስ ሸለል ክብሃል የብሉን ትብል።

ብተደጋግሚ ብቃንዛ ወርሓዊ ጽግያት ዝሽገራ ገለ ደቀንስትዮ፡ ነፍሰን ንፀረ-ቃንዛ ከይለምዶ፡ ከኒና ካብ ምውሳድ ይቑጠባን ኣብ ስቃይ ይነብራን እየን።

ይኹን'ምበር እቶም ብተደጋጋሚ ዝእዘዙ ናይ ጸረ-ቃንዛ ከኒናታት መብዛሕትኦም ካብቶም ዘይለምዱ ዓይነት ብምዃኖም ከይተሰከፋ ግቡእ ፈውሲ ቃንዛ ኣብ እዋኑ ክጥቀማ ትመክር።

ቃንዛ ወርሓዊ ጽግያት፣ ድሕሪ መርዓ ይገድፈካ ድዩ?

ብዙሓት ድቀንስትዮ ቃንዛ ወርሓዊ ጽግያት፣ ድሕሪ መርዓ ይገድፈካ እዩ ዝብል እምነት ኣለወን። እዚ ግን ሓቅነቱ ክሳብ ክንደይ እዩ?

እታ ክኢላ ከም እትብሎ፡ እዚ ብሂል እዚ ብስነፍልጠታዊ መጐት እንድሕር ሪኢናዮ ብዙሕ ዝጭበጥ መርቶዖ የብሉን።

ይኹን'ምበር ድሕሪ መርዓ ከም ጥንሲ ሕርስን ምጥባው ቈልዓን ዝኣመሰለ ብዙሕ ለውጥታት ክመጽእ ይኸእል እዩ።

እዚ ድማ ኣብ ነብስና ዘሎ ዓቀን ሆርሞናት ብዙሕ ለውጥታት ስለዘስዕብ፡ ነቲ ቃንዛ ክንክዮ ዝኽእል ምዃኑ ዘይከሓድ ነገር ምዃኑ ትዛረብ።

ካብኡ ሓሊፉ ግን፡ 'ሓንቲ ጓለንስተይቲ ክትምርዖ እንከላ ጥራይ እዩ ቃንዛ ወርሓዊ ጽግያታ ጠጠው ይብል'ዩ ዝብል ብሂል ብሳይንስ ዝድገፍ ከም ዘይኰነ ወሲኻ ኣብሪሃ።

ጠንቂ ከቢድ ጽግያታዊ ደም እንታይ እዩ?

ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት፡ ጠንቂ ከቢድ ጽግያታዊ ደም ኣይፍለጥን፡ እንተዀነ ከቢድ ጽግያታዊ ደም ከስዕቡ ዝኽእሉ ብርክት ዝበሉ ኵነታት ኣለዉ።

ሓደ ካብቶም ከቢድ ጽግያታዊ ደም ዘስዕቡ ጠንቂታት ዘይምዕሩይነት ሆርሞናት እዩ።

ሆርሞናት ኣብ ምዕቃብን ምቕጻልን ምሉእ ጥዕና ወሳኒ ተራ ይጻወቱ እኳ እንተዀኑ፡ ምስ ኩነታት ግን ክለዋወጡ ይኽእሉ።

ኣብ ኣካላት ይውሓድ ይብዛሕ ዝዀነ ምልውዋጥ እንተሎ ድማ፡ ምልክታት የርእዩ እዮም።

ስለ ዝዀነ ብሰንኪ ዝኽሰቱ ምልውዋጥ ሆርሞናት ሕክምናዊ ክንክን ዘድልዮምን ኩነታት ከም ዘሎ ምፍላጥ የድሊ።

ንኣብነት ኣብ እዋን ጽግያት መጠን ሆርሞናት ይቀያያር እዩ።

ሆርሞናት ኣብ ኣካላት ብዝርከቡ ጽክታት ፈርዮም ብዑደት ደም ኣቢሎም ናብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ከም ቆርበት፣ ጭዋዳታት፣ ካልኦትን ብምስዳድ ዋሃዮታት ግቡእ ስረሖም ክገብሩ ቁጽጽር ይገብሩ።

ኣብ ጽግያት ድማ ንዑደት- ንጽፈ ዝቈጻጸሩ ክልተ ቀንዲ ሆርሞናት ኣለዉ -ኦስትሮጅንን ፕሮጀስትሮን።

ኦስትሮጅን ኣብ ግዜ ወርሓዊ ጽግያት ብዓቐን ብምውሳኽ ንውሽጣዊ ቀጸላ ማህጸን ብድንፍስዕን ንፍርያምነት ዝያዳ ብምስሳን ድልዊ ይገብሮ።

ፕሮጀስተርዮን - ኣብ ካልኣይ ክፋል ጽግያት መጠን እቲ ሆርሞን ፕሮጀስተርዮን ይውስኽ እዩ ። ማህደረ-እንቋቝሖ እንተ ድኣ ተጸጊዩ መጠን ናይቲ ማህደረ-እንቋቝሖ ልዑል ኢዩ ጽግያት እውን ኣይክህሉን ኢዩ። እዚ እንተዘይኮይኑ ግን መጠን ፕሮጀስተርዮን ይንኪ ድሕሪኡ ኸኣ ጽግያት ደም ይፈስስ ።

ዑደት ወርሓዊ ጽግያት ከመይ ይመስል

ነፍስ-ወከፍ ዑደት ብገምጋም 28 መዓልታት ክወስድ ይኽእል።

እዚ ወርሓዊ ዑደት ጥንሲ ክሳብ ዘይተፈጥረን እታ ጓል ኣብ ዕድመ ንጽፈ-ጽግያት [ሞኖፖዝ] ክሳብ ዘይበጽሐትን ቀጻሊ ይኸውን።

ዋላ'ኳ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝፈላለ እንተዀነ፡ ዑደት ወርሓዊ ጽግያት ብገምጋም ኣብ መብዛሕትአን ንግርዝውና ዝበጽሓ ደቀንስትዮ ካብ 8 ክሳብ 14 ዕድመአን ክረኣየን ይኽእል።

ኣብ ከባቢ 14 ዓመታት ድማ እዚ ዝስዕብ ኣካላዊ ለውጥታት የርእያ፡

  • ኣብ ትሽትሽ ጸጕሪ ይበቍል
  • ኣብ ከባቢ መራብሒ ኣካል ጸጕሪ ይበቍል
  • ብሰንኪ ምልውዋጥ ሆርሞን ሽታ ሰብነት እናበርትዐ ይኸይድ
  • ጐሎ ይሰፍሕ
  • መጠን ኣጥባት እናወሰኸ ይኸይድ
  • ኣብ እዋን ወርሓዊ ጽግያት ድማ ማህደር እንቋቝሖ የፍሪ