ወጥሪ ሕዝቦላህ - እስራኤል፡ ኣብ ሊባኖስ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን እንታይ ይብሉ?

ትማሊ ሰኑይ ብዙሓት ወጻእተኛታት ዜጋታት ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ቤሩት ክወጹ ይረኣዩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ብሰኑይ ብዙሓት ወጻእተኛታት ዜጋታት ካብ መዓርፎ ነፈርቲ በይሩት ክወጹ ይረኣዩ

ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ወጥሪ እናገደደ ይኸደሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ብዙሓት ሃገራት ዜጋታተን ካብ ሊባኖስ ክወጹ የጠንቅቓ ኣለዋ።

ኢራን፡ ኣብ ቅትለት ፖለቲካዊ መራሒ ሓማስ እስማዒል ሃኒያ ኢድ ኣለዋ ኣብ ዝበለታ እስራኤል "ከቢድ መቕጻዕቲ" ከምትፍጽም ተሓንያ እያ።

ቅድሚ እስማዒል ሃንያ ምቕታሉ ሰዓታት ኣቐዲሙ፡ ላዕለዋይ ኣዛዚ ናይቲ ዝሓየለ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ጕጅለ ሊባኖስ ሕዝቦላህ ፉኣድ ሹከር ኣብ ርእሰ ከተማ በይሩት ብዝተኻየደ መጥቃዕቲ ነፈርቲ እስራኤል ተቐቲሉ’ዩ።

ብኢራን ዝድገፍ ሕዝቦላህ ኣብ ሕነ ምፍዳይ ቅትለት ሃኒያ ልዑል ተራ ክጻወትን እስራኤል ድማ ምላሽ ክትህብን ዘሎ ተኽእሎ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እናገደደ ዝኸይድ ቅልውላው ከስዕብ ከምዝኽእል ይግመት።

ነዚ ስዒቡ ኣመሪካ፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣውስትራልያ፡ ፈረንሳ፡ ካናዳ፡ ደቡብ ኮርያ፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ጃፓን፡ ቱርኪ፡ ዮርዳኖስን ካልኦት ሃገራትን ዜጋታተን ካብታ ብዙሓት ስደተኛታት ኢትዮጵያ ዝነብሩላ ሊባኖስ ክወጹ ኣጠንቂቐን ኣለዋ።

‘ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ክወጹ ከለዉ፡ ህዝብና ይኣቱ ኣሎ’

ምክትል ዳይረክተር ናይቲ ኣብ ሊባኖስ ዝመደበሩ ኢትዮጵያዊ ትካል ግብረ ሰናይ 'ንሕና ንባዕልና ኣብ ስደት' ዝዀነት እኑ፡ ብፍላይ ኣብ ደቡብ ሊባኖስ ዝርከቡ ሰባት "ብፍርሒ" ይነብሩ ከምዘለዉ ንቢቢሲ ገሊጻ።

ቅድም ክብል እስራኤል፡ ሕዝቦላህ ኣብቲ እስራኤል እትቈጻጸሮ ጎላን ብዘካየዶ መጥቃዕቲ ሮኬት 12 ህጻናትን መንእሰያትን ከምዝቐተለ ገሊጻ ነይራ።

ብድሕሪ’ዚ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ወገናት ልዑል ኲናት ክለዓል ይኽእል’ዩ ዝብል ስግኣት ዓሲሉ ይርከብ።

እኑ፡ እቲ ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ዘሎ ወጥሪ ምስቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ከምዝጀመረ ትዛረብ።

"ካብቲ ከባቢ ልዕሊ 90 ሽሕ ሰባት ተመዛቢሎም'ዮም። ሓበሻ እውን ይርከብዎም። ገለ ሕማቓት ኣስራሕቲ ገዛኦም ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታቶም ዓጽዮም’ዮም ዝወጹ" ትብል።

ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ዱንባር ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕቲ፡ 90 ሽሕ ሰባት ካብ ሊባኖስ ተመዛቢሎም’ዮም። ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ መጥቃዕቲ እስራኤል 100 ሰላማውያን ሰባትን 366 ዕጡቓት ሕዝቦላህን ተቐቲሎም ኣለዉ።

ብመሰረት ሓበሬታ ሰበስልጣን እስራኤል፡ ብሰንኪ መጥቃዕቲ ሕዝቦላህ 60 ሽሕ ሰባት ተመዛቢሎም፡ 10 እስራኤላውያን ሲቪላት ዝርከብዎም 33 ሰባት ድማ ሞይቶም እዮም።

"ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ክወጹ እንከለዉ፡ ደቂ ሃገርና [ኢትዮጵያውያን] ይኣትዉ ነይሮም። እዚ ክኸውን ኣይነበሮን" እያ ትብል እኑ።

"ኣብዛ ሃገር ንነዊሕ እዋን ዝጸናሕና’ውን ዝተነገረና ነገር የለን። ገለ ነገር እንተጋጠመ ተባሂሉ ዝተዳለወ መዕቆቢ የለን።"

ኤምባሲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ከጋጥም ዝኽእል ሓደጋ ዘሕለፎ መልእኽቲ ጥንቃቐ ከምዘለየ ኣስሚራትሉ።

“ኵሉ ሰብ ኣብ ዘለዎ ቦታ ብፍርሒ እዩ ዝነብር ዘሎ። ፍንጀራ ክንሰምዕ እንከለና እንታይ ኣጋጢሙ እናበልና ብፍርሒ ንነብር ኣለና" ትብል።

ኣብ 2006 ኣብ መንጐ ሕዝቦላህን እስራኤልን ዝተኻየደ ኲናት 18 ዓመታት ኣቝጺሩ ኣሎ፤ ሕጂ ድማ እቲ ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ኲናት ናብ ሓድሽ ኵሉ መዳያዊ ኲናት ክብርኽ ተኽእሎ ኣሎ።

ነገራት እናገደዱ እንተኸይዶም ድማ እቲ ገባሪ ሰናይ ትካል ኣብ ዝኸፍአ ኵነታት ስደት ንዝርከቡ ኢትዮጵያውያን መዕቆቢ ክካረ ምንቅስቓስ ይገብር ከምዘሎ ምክትል ዳይሬክተር እኑ ትዛረብ።

ኢትዮጵያውያን ካብ ሊባኖስ ይወጹ እንተሃልዮም ምስ ተሓተተት፡ "ስራሕ ኣሎ፤ ሃንደበት ክኸዱ ዝኽእሉ ኣይኰኑን። ክኸዱ እናደለዩ ዘይክእሉ ግን ኣለዉ። ክሲ ክህልዎም ይኽእል፡ ወረቐትን ናይ ትኬት ገንዘብን ዘይብሎም ክህልዉ ይኽእሉ። ዋላ ገንዘብ እንተሃለዎም፡ 'በይሩት ተፍርሕያ’ሞ ክኸይድ’ ክብሉ ዘይክእሉ ኣለዉ" ክትብል ብዛዕባ እቲ ኣጸጋሚ ኵነታት ንቢቢሲ ተዛሪባ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝወጹ ጸብጻባት ከምዘመልክትዎ፡ ዋላ’ኳ ኣብ ከባቢ ዶብ እስራኤልን ሕዝቦላህን ዝካየድ ግጭት እንተሃለወ፡ ክልቲኦም ወገናት ግን ነቲ ናብ ዝለዓለ ኲናት ዘምርሕ መስመር ከይሰግሩ ይጽዕሩ ኣለዉ።

ኣብዚ ሰሙን ግን ነገራት ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም ዝብል ስግኣት ዓሲሉ ኣሎ።

ድሕሪ ቅትለት ላዕለዋይ ኣዛዚ ሕዝቦላህ ፉኣድ ሹከር ብሓይልታት እስራኤል ኣብ ርእሰ ከተማ ሊባኖስ በይሩት፡ ሕዝቦላህ ሕነ ክፈዲ ምዃኑ ኣፈራሪሑ እዩ።

ጓለይ 'ለይቲ ተዅሲ ክህሉ ድዩ?' ኢላ ትሓተኒ

ካልእ ኣብ ደቡብ ሊባኖስ እትነብር ኢትዮጵያዊት ትዝታ ለገሰ፡ ሮኬታት ብተደጋጋሚ ክተኮስ እንከሎ ኣብ ገዛኣ ምንቅጥቃጥ ከምዝስማዕን ኣብ ስንባደ ከምዝነበራ ንቢቢሲ ገሊጻ።

“ጓል ኣላትኒ፤ ተዅሲ ሮኬት ብዘይተጸበናዮ ስለ ዝመጽእ፡ ካብ ስንባደ ዝተበገሰ ዋላ ሓንቲ ኣይንገብርን።"

ጓላ ንመጀመርታ ግዜ ድምጺ ተዅሲ ሮኬት ክትሰምዕ ከላ ኣብ ቤት ትምህርቲ ከምዝነበረት እትገለጽ ትዝታ፡ ጓላ "ገዛ መጺኣ ነቢዓ" ትብል።

ጓላ ‘ለይቲ ተዅሲ ክህሉ ድዩ?’ ኢሉ ከምትሓታ’ውን ወሲኻ ሓቢራ።

ኣብዚ ዘሎ ኵነታት ስክፍታአን "ኲናት ከይጅምር" ምዃኑ ድማ ትዛረብ።