ትግራይ፡ ኣብ ከባቢ ራያ-ኣላማጣ ብዘጋጠመ ግጭት ዝተመዛበሉ ሰባት 50 ሽሕ በጺሖም-ሕቡራት ሃገራት

ምንጪ ስእሊ, KOBO COMM
ንክልላት ትግራይን ኣምሓራን ኣብ ዘሰሓሕቡ ከባቢታት ራያ-ኣላማጣ ብዘጋጠመ ግጭት ናይ ዝተመዛበሉ ሰባት ቁጽሪ 50 ሽሕ ከምዝበጽሐ ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።
ብሰመረት’ቲ ትማሊ ሰኑይ 14 ሚያዝያ 2016 ዝወጸ መግለጺ፡ እቶም ሰባት ካብ ከተማ ኣላማጣ፡ ዛታን ራያን እዮም ተመዛቢሎም።
እቲ ቤት ፅሕፈት፡ ካብ ሰበመዚ እቶም ተመዛበልቲ ዝተዓቚቡሎም ከባቢታት ዝረኸቦ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፡ 42 ሽሕ ኣብ ሰሜን ወሎ ከተማ ቆቦ፡ 8,300 ድማ ኣብ ዞባታት ሰቆጣን ዋግ ኽምራን ይርከቡ።
ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ፡ ህፃናት፡ መንእሰያትን ኣረጋውያንን ዝርከብዎም ተመዛበልቲ ኣብ ኣባይቲ ማሕበረሰባት ክዕቆቡ ይጽዕሩ ከምዘለዉን ካልኦት ድማ ካብ ቆቦ ሰለስተ ኪሎ ሜትር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ኢንዱስትርያዊት ቁሸት ጋራ ሌንጫ ኣብ መጽለሊ ዘይብሉ ቦታ ከምዝርከቡ እዩ ዝግለጽ ዘሎ። ብሰንኪ’ዚ ድማ ንዝናብ ተቓሊዖም ኣብ ኣጸጋሚ ኵነታት ከምዝርከቡ እቲ መግለጺ የመልክት።
ድሕሪ ምትእትታው ሓይልታት ፌደራል፡ ኵነታት ጸጥታ ከተማታት ኣላማጣ፡ ወልድያን ቆቦን ካብ ትማሊን 14 ሚያዝያ 2016 ጀሚሩ ሃዲኡ ኣሎ።
ካብ ኣላማጣ ናብ ቆቦ፡ ካብ ኣላማጣ ናብ ማይጨው ዝወስዱ መንገድታት እውን ንመጓዓዝያ ዝተኸፈቱ ክዀን እንከሎ፡ ከም ባንክታት ዝኣመሰሉ ህዝባዊ ኣገልግሎታት እውን ስርሖም ጀሚሮም ኣለዉ።
ኣብ ቀረባ እዋናት ዘጋጠመ ግጭት ስዒቡ ኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ዝርከብዎም ኤምባሲታት ሸውዓተ ምዕራባውያን ሃገራት፡ በቲ ዝተገልጸ ግጭት ስክፍታኦም ዝገልጽ ሓባራዊ መግለጺ ምውጽኦም ይዝከር። ብተወሳኺ እቲ ግጭት ክቋረጽ ዝጸውዑ ኰይኖም ምፍታሕን ምውጋድን ኣጽዋር እውን ኣተባቢዖም ኣለዉ።
ማእኸላይ መንግስቲ ምስ ሓይልታት ትግራይ ስምምዕ ሰላም ድሕሪ ምፍራሙ፣ ኣብ መወዳእታ 2022 ኣብ ኢትዮጵያ ንኽልተ ዓመታት ዝፀንሐ ኩናት ሓድሕድ ተዛዚሙ እዩ።
ይኹን'ምበር ጉዳይ እቶም ዘሰሓሕቡ ከባቢታትን ከምኡ'ውን ዕጫ ናይቶም ኣብ እዋን ኩናት ክመዛበሉ ዝተገደዱ ኣማኢት ኣሽሓት ተጋሩ ክሳዕ ሕዚ መፍትሒ ኣይረኸበን።
ወረዳ ራያ ኣላማጣ ኣብ 2020 ኩናት ክሳዕ ዝውላዕ ኣብ ትሕቲ ትግራይ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ካብኡ ንደሓር ግን ብዕጡቓት ኣምሓራ ተታሒዙ ይርከብ።
ምክትል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ግን፡ ኣብተን ከባቢታት ዘለዉ ምምሕዳራት ክልል ኣምሓራ ንምፍራስ ኣብ መንጐ ፈደራል መንግስቲን ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልልን ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ እዩ ኣብዚ ቀረባ እዋን ገሊጹ ነይሩ።
ኣብቲ ንክልተ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት ትግራይ ስዒቡ፡ ዕጡቓት ሓይልታት ኣምሓራ ንሰፋሕቲ ዞባታት ምዕራብ ትግራይ፡ ወረዳ ጸለምትን ከባብታት ራያ-ኣላማጣን ተቘጻጺሮም ምጽንሖም ይፍለጥ።
ኣብዞም ሕቶ ይግበአኒ ዘልዓሉሎም ከባቢታት ድማ ግዝያዊ ምምሕዳራት ኣቚሞም እዮም።

ምንጪ ስእሊ, ALAMATA COMM
ካብቶም ግዝኣታት ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ተጋሩ ተመዛቢሎም፡ ካብ ካልኦት ከባብታት ኣምሓራ ብዝመጹ ሰባት ተታሒዞም ከምዝጸንሑ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት ይገልጹ።
ብፍላይ ኣብ ከብታት ኣላማጣ፡ ነቶም ዝተረፉ ተወለድቲ ትግራይ፡ 'ኣምሓራ' ዝብል መንነት መለለዪ ወረቐት ይዕድሉ ምንባሮም፡ ቢቢሲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝሰርሖ ፀብፃብ የመልክት።
ነቲ ሞት ኣማኢት ኣሸሓት ዘስዓበ ደማዊ ኲናት ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ፡ 3 ብሕዳር 2022 ዝተፈረመ ውዕል ፕሪቶርያ ብዛዕባ እቶም ዘካትዑ ከባብታት ዝጠቅስ'ዩ።
እቲ ቀንዲ፡ በቲ ኣብ ግብሪ ዘሎ ሕገ-መንግስቲ መሰረት ፍታሕ ክረኸቡ ዝብል ይርከቡ።
እንተዀነ ዛጊድ ዕልባት ዘይረኸቡ ኰይኖም፡ ካብቶም ከባብታት ብሓይሊ ዝተመዛበሉ ዜጋታት ድሕሪ እቲ ውዕል ዓመት’ውን ኣንተዀነ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ይርከቡ።
ቅድሚ እዚ ብቀዳም ተራእዩ ዝተብሃለ ጐንፂ፡ ካብ ከባብታት ኣላማጣ ተመዛቢሎም ኣብ ከባቢ ማይጨው ዝፀንሑ ተመዛበልቲ፡ “ውዕል ፕሪቶርያ ይተግበር፡ ናብ መረበትና ምለሱና” ክብሉ ሰልፊ ከምዝገበሩ ጸብጻበት ይሕብሩ።
እንተዀነ፡ እቶም ብፍላይ ኣብ’ዞም ንክልቲኦም ክልላት ዘሰሓሕቡ ከባብታት ዝርከቡ ዕጡቓት ኣምሓራ፡ ንምምላስ እቶም ነበርቲ ዕንቅፋት ከምዝዀኑን፡ ሓለፍቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክወቕሱ ምጽንሖም ይዝከር።
እቶም ብክልል ኣምሓራ ዝቘመ ምምሕዳራት ክፈርሱን፡ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱን ኣብ ዝብል ኣብ ስምምዕ ከምዝተበፅሐ ሓለፍቲ መንግስቲ ይገልጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







