ኣብ ሴራልዮን ድሕሪ ዝተላዕለ ህዝባዊ ተቓውሞ ሰባት ይእሰሩ ኣለዉ

ሰልፈኛታት ሴራሊዮን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ሴራልዮን ድሕሪ’ቲ ኣንጻር መንግስቲ ዝተኻየደ ህዝባዊ ተቓውሞ ከባቢ 130 ሰባት ከም ዝተኣሰሩ ፖሊስ ኣፍሊጡ።

ኣብታ ሃገር ንዘሎ ናህሪ ዋጋታት፣ ብልሽውናን ጭካነ ፖሊስን ብምቅዋም ብሮቡዕ ኣብ ርእሰ ከታማ እታ ሃገር ፍሪታውን ዝጀመረ ተቓውሞ፡ ኣብ ሞንጐ ፖሊስን ሰልፈኛታትን ጐንጺ ኣስዒቡ’ዩ።

ካብዚ ብዝተላዕለ እቶም ሰልፈኛታት ፕሬዝደንት እታ ሃገር ካብ ስልጣኑ ክወርድ ይጠልቡ ነይሮም።

ፖሊስ፡ ነቶም ሰልፊ ተቓውሞ ዝገብሩ ዝነበሩ ኣሽሓት ሰባት ንምብታን መንብዒ ጋዝ ተጠቒሞም።

ክሳብ ሕጂ ክንደይ ሰላማውያን ሰባት ሞይቶም ዝብል’ኳ ብወግዒ እንተዘይተፈልጠ፡ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ዝተፈለላዩ ምንጭታት ብምጥቃስ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰላማውያን ሰባት 21 ከምዝበጽሕ ገሊጹ።

ፖሊስ ብወገኑ፡ ኣርባዕተ ኣባላቱ ከም ዝተቐተሉ ኣፍሊጡ።

ካብታ ሃገር ወጻኢ ኣብ ጉዕዞ ዝነበረ ፕሬዝደንት ጂሊየስ ማዳ ባዮ ናብ ሴራሊዮን ብምምላስ እቲ ክስተት ሙሉእ ምጽራይ ከምዝግበረሉ ቃል ኣትዩ።

ቁጠባዊ ምትሕግጋዝ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ኢኮዋስ ብወገኑ ነቲ ጐንጺ ብምኹናን ርግኣት ክሰፍን ጸዊዑ።

ብሰንኪ እቲ ጐንጺ ብሕታውን ህዝባውን ንብረት ዓንዩ’ዩ።

ካብ ዝሓለፈ ሮቡዕ ጀሚሩ ድማ ኣብ ከተማ ፍሪታውን ኣብ ሰዓታት ለይቲ እቶ እቶ ተኣዊጁ ምህላዉ ተፈሊጡ።

ሴራልዮን ብኣልማዝን ካልኦት ማዕድናትን ኣዝያ ሃብታም ሃገር እኳ እንተኰነት ንዓመታት ብዝጸንሐ ኲናት ሓድሕድን ካልኦት ማሕበራዊ ጸገማትን ተሃስያ እያ።

ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ዝመጽአ ፕሬዝደንት ጁልየስ ማዳ ባዮ፡ ኣብ 1992 ኣብ ዝነበረ ኲናት ሓድሕድ እታ ሃገር ኣባል ዕልዋ መንግስቲ ዝፈጸመ ሰራዊት እዩ ነይሩ።

ገለ ሓቅታት ብዛዕባ ሴራልዮን

  • ብ1961 - ሴራልዮን ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ነጻ ወጺኣ
  • ብ1967 - ወተሃደራዊ ዕልዋ ንመንግስቲ ሲካ ስቴቫንስ ኣልዩ። ይኹን’ምበር ድሕሪ ሓደ ዓመት ናብ ስልጣን ተመሊሱ ፕሬዝደንት ኰይኑ
  • ብ1991 - ኲናት ሓድሕድ ተወሊዑ። ብ2000 ድማ ሓይልታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት እቲ ኲናት ንከብቅዕ ሓገዝ ክገብሩ ተዋፊሮም። ድሕሪ ክልተ ዓመት (ብ2002) እቲ ኲናት ከም ዘብቅዐ ተኣዊጁ።
  • ብ2004 - ኣብ ውሽጢ ልዕሊ 30 ዓመታት ፈላማይ ከባብያዊ መረጻ ተኻይዱ፤ መስርሕ ፍርዲ ገበናት ኲናት ተጀሚሩ።
  • ካብ 2014 ክሳብ 2016 - ኣብ ዘሎ ግዜ ድማ ኣብታ ሃገር ዝተኸሰተ ለበዳ ኢቦላ ንምቁጽጻር ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ተኣዊጁ። እቲ ቫይረስ ልዕሊ 11 ሽሕ ሰባት ቀቲሉ’ዩ።
  • ኣስታት 75 ሚኢታዊት ህዝቢ ሴራልዮን ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ንምርካብ ኣዝዩ ይጽገም።