እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ክልል ዓፋር ብዝተፈጠረ ምንቅጥቃጥ መሬት ውዑይ ማይ ፈልፊሉ
ኣብ ክልል ዓፋር ወረዳ ዱሌሳ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ መሬት ዝፈጠሮ ነቓዕ መሬት ውዑይ ማይ ከምንጩ ከምዝጀመረ ነበርትን ምምሕዳርን እቲ ወረዳ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ነበርቲ እቲ ከባቢ እቲ ክፍልፍል ዝጀመረ ውዑይ ማይ “መጠኑ ይውስኽ ኣሎ" ኢሎም።
ኣብቲ ወረዳ ንዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ተደጋጋሚ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከምዝተኸሰተ ዝሓበረ ኣመሓዳሪ እታ ወረዳ ኣቶ ዓሊ ደስታ ካብ ብቕድሚ ትማሊ ሰኑይ ጀሚሩ ድማ ውዑይ ማይ ክፍልፍል ምጅማሩ ሓቢሩ።
እቲ ብቕድሚ ትማሊ ምሸት ከባቢ ሰዓት ሰለስተ [ኣ.ግ] ዝጀመረ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ "ብውሑዱ ሰለስተ ግዜ" ከምዝተደጋገመ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ እቲ ከባቢ ገሊጾም።
ኣመሓዳሪ እቲ ወረዳ ኣቶ ዓሊ ብወገኑ፡ "ዓቐን ናይቲ ፍጻመ [ብመንጽር እቲ ትማሊ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ] ቁሩብ ዝነከየ'ዩ" ብምባል ኣረዲኡ።
ብሰንበት ኣብቲ ምስ ወረዳ ዱልሳ ዝዳወብ ዞባ ኣዋሽ ፈንታሌ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ መሬት ብመጠን ሪክተር 4.9 ክኸውን እንከሎ ክሳብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተሰሚዑ።
ሓላፊ እቲ ወረዳን ነበርትን ትማሊ ሰኑይ'ውን ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከምዘጋጠመ እኳ እንተገለጹ፡ ቢቢሲ ግን ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ንዝኽሰቱ ተመሳሰልቲ ፍጻመታት ንዝከታተሉ መርበብ ሓበሬታታት ተወኪሱ ብዛዕባ'ቲ ዝተገለጸ ተመዝጊቡ ኣይረኸቦን።
ቢቢሲ እቲ ፍፃመ ብኢንስቲትዩት ጂኦፊዚክስ፣ ሳይንስ ህዋን ስነ-ከዋኽብትን ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ተመዝጊቡ እንተዀይኑ ንምርግጋፅ ዝገበሮ ፈተነ እውን ኣይተዓወተን።
"ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጢሙ'ዩ" ዝብሉ ነበርቲ እቲ ፍጻመ ደው ምስ በለ ከባቢ ሰዓት ዓሰርተ ናይ ለይቲ ድምጺ ከም ዝሰምዑ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ነባሪ እቲ ከባቢ ኣቶ ሱልጣን ካሚል “እቲ ውዑይ ማይ ኣብቲ ሕብረሰብ ዝነብረሉ ከባቢ እዩ ወጺኡ። ድምጺ ነይርዎ። ለይቲ ምሉእ ፈሪሕና ኢና ሓዲርና። ንግሆ ከይድና ግን ኩሉ ክንርኢ ክኢልና" ኢሉ።
ነበርቲ ወጋሕታ ናብቲ ድምጺ ዝተሰምዐሉ ቦታ ምስ ከዱ፡ ካብቲ ዝተሰንጠቐ መሬት ውዑይ ማይ ክምንጩ ከምዝረኣዩ ኣቶ ሱልጣን ወሲኹ ገሊጹ።
ካልእ ነባሪ እታ ቀበሌ ሓሰን ብወገኑ “እቲ ውዑይ ማይ ከምቲ ኣብ ሓዊ ዝተስኽተተ ድስቲ ዝፈልሐ ማይ እዩ ዝወጽእ። ካብ መርየት ጸሊም ጭቃ ይወጽእ። እቲ ውዑይ ማይ ንላዕሊ እናተተፍአ እዩ ዝወጽእ ዘሎ” ክብል ተዛሪቡ።
ቢቢሲ ኣብቲ ካብ ዋና ኣመሓዳሪ እቲ ወረዳ ኣይተ ዓሊ ዝረኸቦ ቪድዮ፡ ጸሊም ጭቃ ዝመልኦ ማይ እናተተፍአ ክወጽእ ተዓዚቡ’ሎ። እቲ ማይ ዝወጽእሉ ከባቢ ትኪ ከምዘለዎ እውን ኣብቲ ቪድዮ ይርአ።
ነባሪ እቲ ከባቢ ኣቶ ሓሰን "እቲ ጉድጓድ [ውዑይ ማይ ዝወጽኣሉ] ብገፊሑ ተኸፊቱ ኣሎ። እቲ ማይ ጎዲሉ’ዶ ይኸውን ኢለ ሰለስተ ግዜ ተመላሊሰ ኣለኹ። እንተኾነ በብግዜኡ ይውስኽ ከምዘሎ’የ ተዓዚበ" ኢሉ።
ዋና ኣመሓዳሪ እታ ወረዳ ኣቶ ዓሊ፡ ነበርቲ ብሰንኪ እቲ ሓድሽ ክስተት ኣብ ስንባደን ስግኣትን ከምዝወደቑ ገሊጹ።
ኣብ 1990 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ኣብቲ ከባቢ ተመሳሳሊ ፍጻመ ተኸሲቱ ከምዝነበረ ካብ ዓበይቲ ዓዲ እቲ ከባቢ ከም ዝሰምዐን እቲ ክፍልፍል ጀሚሩ ዝነበረ ውዑይ ማይ ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ከም ዝጠፍአን ወሲኹ ሓቢሩ።
“ሰባት ኣብ ጥቓ እቲ ከባቢ እዮም ዝነብሩ።ሕብረተሰብና ናብራ ሰብኸሳግም ስለዝናበር ጥሪቱ ዘውዕለሉ ከባቢ እዩ” ዝበለ ኣመሓዳሪ እታ ወረዳ ኣቶ ዓሊ፡ ምምሕዳር እቲ ወረዳ ነቲ ፍጻመ ንምጽራይ ናብቲ ከባቢ ክኢላታት ልኢኹ ምህላዉ ጠቒሱ።
“እንታይ ከጋጥም ከምዝኽእል ስለዘይፍለጥ ነበርቲ ካብቲ ከባቢ ወጺኦም ናብ ካልእ ቦታ ክኸዱ ንሰርሕ ኣለና” ዝበለ ኣቶ ዓሊ “ቅድሚ ሕጂ ከምዚ ዝበለ ፍጻመ ተራእዩ ስለዘይፈልጥ ከቢድ ሻቕሎት ኣሎና” ኢሉ።
ምምሕዳር ዞባ ኣዋሽ ፈንታሌ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ከባቢ ግድብ ከሰምን እምባ ፈንታሌን ዝነብሩ ልዕሊ 700 ሰባት ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝርከቡ ሜዳማ ቦታታት ከምዘግዓዞም ንቢቢሲ ምግላጹ ይዝከር።