እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ህቦብላ ሚልተን: ንነበርቲ ፍሎሪዳ 'ጉዳይ ሞትን ህይወትን' ኰይኑ ዘሎ ብርቱዕ ሓደጋ
ህቦብላ ሚልተን፡ ኣብቲ ብብዝሒ ህዝቢ ዝነብረሉ ታምፓ ቤይ ክበጽሕ ኣብ ዝተቓረበሉ እዋን፡ ነበርቲ ፍሎሪዳ ህይወቶም ከትርፉ 'እግረይ ኣውፅእኒ' ይጓየዩ ኣለዉ።
ሚልተን ኣብ ደረጃ ሓሙሽተ ዝምደብ ህቦብላ ኮይኑ፡ ክሳብ 270 ኪሎሜትሮ ኣብ ሰዓት ዝጓዓዝ ብርቱዕ ንፋስ ዝተዓጀበ እዩ።
እቲ ህቦብላ፡ ሎሚ ረቡዕ ምሸት ኣብቲ ከባቢ ክበፅሕ ትፅቢት ይግበር። እዚ ዝኸውን ዘሎ ድማ እታ ግዝኣት በቲ ኣዕናዊ ህቦብላ ሄለን ካብ እትህሰ ክልተ ሰሙን ኣብ ዘይመልእ እዋን እዩ።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ እዚ ሓደጋ "ጉዳይ ሞትን ሕየትን" ምዃኑ ብምግላፅ፡ ነበርቲ ፍሎሪዳ ቀልጢፎም ካብ ገዝኦም ክወፁን ህይወቶም ከድሕኑን ኣጠንቂቑ ኣሎ።
ምምሕዳር እታ ግዝኣት ኣድላይ ዘበለ ናይ ምግዓዝ ኣማራፂታት ኣማቻችዩ ኣሎ።
ሓደ ነባሪ ከተማ ብራደንተን ገማግም ባሕሪ "ምድብ ሓሙሽተ ማለት፡ ከም ሓደ ዓቢ መዓት ዝወርደና ዘሎ 'ዩ" ክብል ካብቲ ሃዲሙ ዝዓረፈሉ ሆቴል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ጀራልድ ለሙስለ፡ "ኣነ ኣብኡ ክፀንሕ ኣይደልን፤ ኣበይ ይሃርም ብዘየገድስ ንህይወት ሓደገኛ ዝዀነ ህቦብላ ክኸውን'ዩ" ኢሉ።
ምሉእ ህይወቱ ኣብ ብራደንተን ዝነበረ ሚስተር ለሙስ፡ ቅድሚ ሕጂ ብዝኾነ ህቦብላ ካብቲ ቦታ ወጺኡ ከምዘይፈልጥ ገሊጹ። ንድሕነት ጓል ሸሞንተ ዓመት ጓሉ ክብል ግን ክግዕዝ ከምዘለዎ ከም ዘለዎ ወሲኑ።
"ዓይና ዓይና ጠሚተያ፡ ዝዀነ ስንባደ ክገድፈላ ኣይደለኹን" ክብል ገሊጹ።
ኤም ኤል ፈርጉሰን ኣብ ኣና ማርያ ፍሎሪዳ ዝርከብ ገዝኣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ህቦብላ ሄለን ኣብ ዘጋጠማሉ እዋን ከቢድ ጉድኣት ድሕሪ ምብጽሑ፡ ዳግማይ ንምህናጽ ክትቃለስ እያ ፀኒሓ።
ካብ ከተማ ወጻኢ ኣብ ትራፊክ ጽርግያታት ደው ኢላ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ "እዚ ካብ ህቦብላ ሄለን ኣዝዩ ዝኸፍአ እዩ" ክትብል ብተሌፎን ተዛሪባ።
"መኪናይ ተሰባቢራ እያ፡ ኩላትና ካብ ስራሕና ተፈናቒልና፤ ንብረተይ ዓንዩ። እዚ ህቦብላ ምስ ኣጋጠመ ድማ፡ ብቕሉዕ ግዳም-ሓደር ክኸውን እየ።" ኢላ።
ኣመሓዳሪ ሮን ደሳንቲስ ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ህቦብላ ስዒቡ ኣብኡ ዝተረፉ ነበርቲ ንምሕጋዝ ዓሰርተታት መዕቆቢታት ከምዝተደላዉ ገሊጹ።
ኣብ ደቡባዊ ፍሎሪዳ፡ ኣብ ገለ መደበራት ነዳዲ ክውድእ ስለዝተራእየ፡ ኣብ መዐደሊ ነዳዲ ነዊሕ ሪጋ ተፈጢሩ፡
ደሳንቲስ፡ ነዳዲ ናብ መደበራት ብናይ ጽዕነት ይግዕዝ ከምዘሎን፡ ነቲ ምውጻእ ንምቅላል ድማ ኣብ ጽርግያታት ናይ ኤሌክትሪክ ተሽከርከርቲ መደበራት ከምዝተዋፈሩን ሓቢሩ።
ቺና ፐርኪንስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ኣብ ታምፓ ከምዝተረፈትን ካብቲ ዘስግእ ዞባ ርሕቕ ኢላ ኣብ ሓድሽ ዝተሃንጸ ገዛኣ ትነብር ከምዘላን ተዛሪባ።
"ሰባት ብሓቂ ኣብ ከምዚ ዝበለ ውሳነ ክበፅሑ፡ ክሳብ ክንደይ ነገር ክሕሰብ ከምዘለዎም ዝተርድኡ ኣይመስለንን" ዝበለት ንሳ፡ ክልተ ዓበይቲ ደንማርካውያን ምስኣ ከምዘለዉዋ ሓቢራ።
ፕረዚደንት ባይደን ብሰሉስ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ህቦብላ ኣብ ፍሎሪዳ ኣብ ሓደ ክፍለ ዘመን ካብ ዝረኣዩ ዝኸፍኡ ሓደ ክኸውን ከምዝኽእል ገሊፁ።
ባይደን ናብ ጀርመንን ኣንጎላን ክገብሮ ዝሓሰቦ ምብፃሕ ብሰንኩ ሰሪዝዎ ኣሎ።
ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብቲ ከባቢ ዝተራእየ ህቦብላ ሄለን፡ ድሕሪ እቲ ኣብ 2005 ዝጋጠመ ‘ካትሪና’ ኣዝዩ ቀታሊ ህቦቡላ ዀይኑ፡ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ኣመሪካ ብውሕዱ 225 ሰባት ቀቲሉ።
ካብቶም ግዳያት ብውሕዱ 14 ካብ ግዝኣት ፍሎሪዳ'ዮም። ኣብዚ ሕጂ ሚልተን ኣብ ዝፅገዐሉ ዘሎ እዋን፡ ካብ 67 ወረደታት እተን 51 ኣብ ትሕቲ ህጹጽ ኣዋጅ ሓደጋ ኣትየን ይርከባ።
ሃገራዊ ማእከል ህቦብላ፡ ሰባት ካብ ሄለን ዝሓየለን ንጎደናታት ከምዘይነበረ ንዝገብርን ብርቱዕ ንፋስ ክዳለዉ ኣጠንቂቑ።
ጠቕላላ ልዑል መጠን ዝናብ ክሳብ 38 ሴንት ሜትር፣ ኣብ ገማግም ባሕሪ ድማ ካብ 3-4.5 ሜትሮ ክበፅሕ ከም ዝኽእል ይግመት።
ደረጃ ህቦብላታት ብመሰረት ፍጥነት ንፋስ ይምደቡ።
ምድብ ሰለስተን ልዕሊኡን፡ ከም ዓበይቲ ሓደጋታት ይቑፀሩ።