ኣመሪካ፡ ዝኸፍአ ስምብራት ዝሓደገ ህቦብላ ሄለን

ብሰኑይ ከንቲባ ፓትሪክ ፊትዝሲሞንስ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ማእከል ሓደጋ እዩ ረኺቡዋ። እታ ኣብ ሰሜን ካሮላይና እትርከብ ዊቨርቪል እትበሃል ከተማኡ፡ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣይነበራን።

ኣብታ ከተማ ሓደ ቤት መግቢ ጥራይ ይሰርሕ ከምዝነበረን ኣዕኑድ ኤሌትሪክ ወዲቘም፡ መከፋፈሊ ማይ ዕልቕልቕ ከምዝበለን ሰባት ንኣርባዕተ መዓልታት ብዘይ ውሑስ ዝስተ ማይ ከምዝጸንሑን ንቢቢሲ ገሊጹ።

ኣብቲ ዊቨርቪል እትርከበሉ ባንኮምብ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ምምሕዳር፡ ብውሕዱ 35 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ኣስታት 600 ድማ ደሃዮም ከምዘይተፈልጠን ሲቢኤስ ኒውስ ጸብጺቡ።

ከንቲባ ፊትዝሲሞንስ፡ እቲ ምምሕዳር ሰባት ብዛዕባ ዝጠፍኡ ሰባት ዝሓቱሉ መርበብ ሓበሬታ ከም ዝኸፈተ ገሊጹ። ሰበስልጣን ክሳብ ሕጂ 11 ሽሕ ሕቶታት ከምዝበጽሖም ተፈሊጡ’ሎ።

ኣብ መላእ ደቡባዊ ምብራቕ ኣመሪካ፡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ነበርቲ ብሰንኪ ህቦብላ ሄለን ኣብ ሓደጋ ወዲቘም ይርከቡ።

ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ፍሎሪዳ ዝተኸሰተ እቲ ህቦብላ፡ ናብ መላእ ግዝኣታት ጆርጅያ፡ ደቡብ ካሮላይና፡ ሰሜን ካሮላይናን ተነሲን በርሚላ ተዘርጊሑ፡ ውሕጅ፡ ምጥፋእ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ሞትን ኣስዒቡ።

ኣብ መላእ ሃገር ብውሕዱ 116 ሰባት ሞይቶም ክብሉ ሰበስልጣን እታ ሃገር ገሊጾም።

ካብቶም ግዳያት ሓንቲ ኣደ ማዲሰን ሻው እያ ነይራ። “ናይ መወዳእታ ቃላታ... ‘እፈትወኪ እየ፡ ደሓን ኩኒ፤ ክንራኸብ ኢና’” ክትብል ነባሪት ኣንደርሰን ደቡብ ካሮላይና ንሲቢኤስ ኒውስ ተዛሪባ። “ኣነ’ውን ይፈትወኪ’የ’፤ ዳግማይ ክንራኸብ ኢና ኢለ መሊሰላ” ኢላ።

ንሳ ንሲቢኤስ ኒውስ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ "ክገልጾ'ውን ኣይክእልን'የ" ኢላ። “ማማ ብልጽቲ ዓርከይ እያ ነይራ” ኢላ።

ወሃቢት ቃል ዋይት ሃውስ ብሰኑይ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ክልተ ሚልዮን ሰባት ብዘይ ኣገልግሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ይርከቡ።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ነቲ ህቦብላ "ታሪኻዊ" ኢሉዎ። ገለ ካብቶም ኣዝዮም ዘስካሕክሑ ጸብጻባት ካብ ሰሜን ካሮላይና ዝመጽእ ዘሎ ኰይኑ፡ ኣመሓዳሪ እታ ግዝኣት ሮይ ኩፐር፡ “ሕብረተሰብ ካብ ካርታ ጠፊኦሙና” ድሕሪ ምባል ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ጋንታታት ህይወት ምድሓን ከምዝተዋፈሩን ገሊጹ።

ግዝኣት ቡንኮምብን ምዕራባዊ ኩርናዕ ሰሜን ካሮላይናን ገለ ካብቲ ዝኸፍአ ስምብራት ህቦብላ ሄለን ዝረኣዩ ከባቢታት’ዮም።

እቲ ግዝኣት፡ ኣብ ኣኽራናት ብሉ ሪጅ እትርከብ ብስነ-ጥበብን ሙዚቃን እትፍለጥ ከተማ ኣሸቪል ዘጠቓልል እዩ። ሄለን ዝተሰመየ ህቦብላ ነታ ከተማ ብውሕጅ ማይ ኣዕለቕሊቑ፡ ሰባት ካብ ገዛኦም ኣመዛቢሉ፡ ነበርቲ ድማ መሰረታዊ ድሌታት ንምርካብ ክዳፍኡ ኣገዲድዎም’ዩ።

ናይ ጽዕነት መካይንን ኣግራብን ናብ ህንጻታት ክወድቁ እንከለዉ፡ ዝወደቑ መስመራት ሓይሊ ኤሌክትሪክን ተሌፎንን ድማ ኣብ ጐደናታት ተሓላሊኾም ይረኣዩ።

"ኣባይቲ ዓንዮም" ይብል ወዲ 21 ዓመት ጆሽ ግሪፊት ነባሪ ከተማ ሌስተር።

እቲ ምስ ሕጽይቱ ዝነብረሉ ኣባይቲ ኣብ በሪኽ ቦታ ዝርከብ ስለዝዀነ ንከቢድ ሓደጋ ኣይተቓልዐን። ይዅን እምበር ሓይሊ ኤሌትሪክ ይዅን መግቢ ስለ ዘይነበሮም ናብ ሰሜናዊ ምብራቕ ጆርጅያ ክሃድሙ ከምዝወሰኑ ገሊጹ።

ሰበስልጣን ግዝኣት ቡንኮምብ ብሰኑይ ኣብ መላእ እቲ ከባቢ ኣርባዕተ መከፋፈልቲ ማይ ከፊቶም።