እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብሓደ ተምሃራይ ዝተቓልዐ መንግስቲ ኬንያ ዝፈጸሞ 'ኣካታዒ ስምምዕ መዓርፎ ነፈርቲ' እንታይ'ዩ?
ኬንያዊ ተማሃራይ ቢዝነስ፡ ኔልሰን ኣሜንያ ብዜጋታት እታ ሃገር ጅግና ተባሂሉ ይንኣድ ኣሎ።
ብፍላይ እቶም መንግስቶም ምስ ውልቀ ትካላት ኣብ ዝገብሮ ውዕላት ዝያዳ ግሉጽ ክኸውን ጎስጓስ ዝገብሩ ነዚ መንእሰይ ተማሃራይ ይውድስዎ።
ኬንያ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ብብልሽውና ብዝተጠላቐየ ዓበይቲ ናይ ትካላት ውዕላት ብተደጋጋሚ ስማ ይለዓል።
ዋላ እኳ እታ ሃገር ብሕቡእ ውዕላት ከይፍረም ዝኽልክሉ ሕግታት እንተሃለዋ: ኣብ ግብሪ ይውዕሉ ምህላዎም ግን ጥርጣረታት ኣሎ።
ወዲ 30 ዓመት ኔልሰን፡ ኣብ ፈረንሳ ብትምህርቲ ንግዲ ማስተርስ እናተምሃረ እዩ።
ኔልሰን ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኬንያን ህንዳዊ ኩባንያ ኣዳኒን ክፍጸም ዝተወጠነ ምስጢራዊ ስምምዕ እዩ ዝበሎ ናብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣቃሊዑ'ሎ።
እቲ ስምምዕ ብዛዕባ ምሕደራን ምሕዳስን ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ጆሞ ኬንያታ ዝምልከት እዩ።
ብመሰረት እቲ ስምምዕ፡ እቲ ኣዳኒ ጉሩፕ ዝተብሃለ ኩባንያ ህንዲ: ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ 2 ቢልዮን ዶላር ወፍሪ ክገብር እዩ። ከም ኣምሳይኡ ድማ ኣዳኒ ነቲ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ን30 ዓመታት ብሊዝ ተቖጻጺሩ የመሓድሮ።
እዚ ትልሚ እዚ፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ጆሞ ኬንያታ ሓድሽ መዕለቢ ነፈርቲን ዝተመሓየሸ ተርሚናል ተጓዓዝትን ምህናጽ ዘጠቓልል እዩ።
"እቲ ሰነድ ንመጀመርታ ግዜ ምስ ረኣኹዎ፡ ካልእ መንግስታዊ ስምምዕ ጥራይ እዩ መሲሉኒ። ክብደቱ ኣሰካፍነቱን ኣይተረድኣንን ነይሩ" ይብል ብቓልሲ ጸረ-ብልሽውና ዝፍለጥ ኔልሰን።
ነቲ ሰነዳት ብዕምቆት ኣብ ዝተገምገመሉ እዋን፡ እዚ ስምምዕ ክፍጸም እንተኾይኑ፡ "ንቁጠባ ኬንያ ብምህሳይ" ነቲ ህንዳዊ ኩባንያ ዘርብሕ ኮይኑ ተሰምዖ።
ንኔልሰን እዚ ስምምዕ ንኬንያ ዘይፍትሓዊ ኮይኑ ኣይተራእዮን።
ኔልሰን ብዛዕባ ሓቃውነት ናይዞም ሰነዳት ዝኾነ ጥርጣረ ኣይነበሮን፤ ምኽንያቱ "እቶም ነዞም ሰነዳት ዝሃቡኒ ውልቀሰባት ካብ ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ ከም ዘምጽእዎም እፈልጥ እየ" ይብል።
ምስ መንግስቲ ኬንያ ስምምዕ ዝኣተወ ኣዳኒ ጉሩፕ፡ ብደረጃ ዓለም ኣብ ፕሮጀክትታት መሰረተ ልምዓት፡ ዕደናን ጸዓትን ዝነጥፍ እዩ።
እቲ ኩባንያ ኣብ እስራኤል፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ፈረንሳ፣ ታንዛንያ፣ ኣውስትራልያን ግሪኽን ስራሕቲ ኣለዎ።
መስራቲ እቲ ኩባንያ ጋውታም ኣዳኒ ኣብ ቁጠባ ህንዲ ዓቢ ተራ ዝጻወት ኮይኑ፡ ናይ ቀረባ መሓዛ ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ እዩ።
ናብ ኢድ ኔልሰን ዝኣተወ ሰነድ፡ እታ ሃገር እቲ ኩባንያ ንወፍሪ ዘውጽኦ ወጻኢ ክትመልስ እንተዘይክኢላ ክትፍጽሞም ብዘለዋ ግቡኣት ዝቕይዳ ክኸውን'ዩ።
"እዚ ብመሪሕነት ፕረዚደንት፡ ብሰበስልጣን መዓርፎ ነፈርቲን ብሚኒስተርን ዝተፈጸመ ጥልመት ኣብ ልዕሊ እምነት ህዝቢ'ዩ። ኩሎም ንህዝቢ ጠሊሞም'ዮም" ይብል ኔልሰን።
ኣብ መጀመርታ እዚ መርትዖ ኣብ ኢዱ ምስኣተወ፡ ቀጺሉ እንታይ ከም ዝገብር ንምውሳን ተጸጊሙ ነይሩ።
ካብ ኬንያ ኣርሒቑ ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝሓሸ ቦታ'ኳ እንተኣቐመጦ፡ ድሕነቱ ኣብ ሓደጋ ከምዝወድቕ ግን ኣይስሓቶን። ኣብ ኬንያ ተቓለስቲ ጸረ ብልሽውና ዒላማ ዝግበሩ ኰይኖም ገሊኦም'ውን ተቐቲሎም'ዮም።
"ብውሱን ፈሪሐ ነይረ። እንታይ ከም ዝፍጠር ኣይፈልጥን ነይረ። ንሞያይን ትምህርተይን ህይወተይን ኣብ ሓደጋ ከም ዘእቱ እፈልጥ። ስለዚ ንምንታይ እየ ኣብ ሓደጋ ዘእትዎም?" ክብል ንነብሱ ከም ዝሓተተ ይገልጽ።
ኣብ መወዳእታ ግን ስቕታ ኣማራጺ ከምዘይኮነ ተሰምዖ።
ኔልሰን ነቲ ዝተላእኸሉ ሰነድ ንሰሙናት ድሕሪ ምንባብ፡ ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ 'X' ዘርግሖ።
እዚ ዝለሓዀ ሰነድ ብቕልጡፍ ኣብ መንጎ ኬንያውያን ቁጥዐ ፈጠረ።
ሽዑ ሰራሕተኛታት ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ጆሞ ኬንያታ ኣድማ ጀመሩ። እቲ ስምምዕ ክስረዝ ድማ ሓቲቶም።
"ንረብሓ ሃገረይ ዝፍጽሞ ግቡአይ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ኣብ ርሑቕ እንተሃለውኩ'ውን ንሃገረይ ክፍጽሞ ዝግባእ ግቡእ ኣለኒ። ዝሓሸት ኬንያ ክርኢ እየ ዝደሊ። ሃገረይ ልምዕቲ፡ ኢንዱስትሪ ዝሰፍሐላን ካብ ብልሽውና ዝጸረየትን ኮይና ክርእያ እየ ዝደሊ" ይብል።
ንኔልሰን ዘሻቕሎ ነገር እንተሃልዩ፡ እዚ ዘይተለምደ ውዕላት ግሉጽነት ብዘይብሉ ኩነታት ይፍጸም ምህላዉ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ሕግታት ኬንያ ዕሽሽ ይበሃሉ ምህላዎም'ውን ይዛረብ።
"ሰበስልጣን ኣብቲ ኩባንያ ግቡእ ምጽራይ ኣይገበሩን። ግቡእ መስርሕ ናይቲ ውዕል ኣይተኸተሉን" ይብል።
በዓል መዚ መዓርፎ ነፈርቲ ኬንያ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብቲ ዝቐረበ ስምምዕ ንዝምልከቶም ኣካላት ንምምኽኻር ዝተትሓዘ መደብ ከምዘየለ ኣመልኪቱ ነይሩ።
"ነዚ ስምምዕ ኣብ ወርሒ ሓምለ ምስ ኣቃላዕክዎ፡ ንኸምስሉ ህዝባዊ ተሳትፎ ጸዊዖም ከምኡ'ውን ንሰበስልጣን መዓርፎ ነፈርቲ ኬንያ ብምጽዋዕ ኣኼባታት ምክያድ ጀሚሮም" ኢሉ።
ዝተፈላለዩ ሰበስልጣን መንግስቲ ኸኣ ነቲ ኣብ መስርሕ ስምምዕ ብልሽውና ተፈጺሙ ንዝብል ክሲ ብምንጻግ ምስ ኩባንያ ኣዳኒ ካልእ ብሚልዮናት ዝቑጸር ስምምዕ ፈሪሞም። እዚ ስምምዕ ንህንጸት መስመራት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝዓለመ እዩ።
ኣዳኒ፡ ክሲ ኔልሰን "መሰረት ዘይብሉ"ን "ክፍኣት ዝመልኦን" ክብል ይነጽጎ።
እቲ ወሃቢ ቃል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "እቲ ውጥን ብመሰረት ሕግታት ምሕዝነት ውልቀን መንግስትን ኬንያ እዩ ቀሪቡ። ዓለምለኻዊ ደረጃ ዘለዎ መዓርፎ ነፈርቲ ንምህናጽን ብዙሓት ሓደስቲ ዕድላት ስራሕ ብምፍጣር ቁጠባ ኬንያ ንምዕባይን ዝዓለመ'ዩ" ኢሉ።
ኣዳኒ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ኩሉ ንሰርሖ ፕሮጀክት ግሉጽነት ዝተመልኦ እዩ፤ ሕግታት እተን ዝሰርሓለን ሃገራት ድማ የኽብር'ዩ" ይብል።
እንተኾነ መንግስቲ ኬንያ ነቲ ምስ ኣዳኒ ዝተገብረ ስምምዕ ክስርዞ እዩ ተገዲዱ።
መንግስቲ ሓሳቡ ንክቕይር ዘገደዶ ግን እቲ ኔልሰን ዘቃልዖ ሰነድ ኣይነበረን።
መንግስቲ ኣሜሪካ ንዋና እቲ ኩባንያ ዝኾነ ጉታም ኣዳኒ ምስ ቀረብ ጸዓት ብዝተኣሳሰር ናይ 250 ሚልዮን ዶላር ጉቦ ምስ ከሰሶ እዮም ሰበስልጣን ኬንያ ነቲ ስምምዕ ሰሪዞሞ።
ወከልቲ ኣዳኒ ጉሩፕ፡ ንክሲ ዓቃቢ ሕጊ ኣሜሪካ "መሰረት ዘይብሉ" ክብሉ ይነጽግዎ።
ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ፓርላማ ኣብ ዘስምዖ መደረ ክልቲኦም ምስ ኣዳኒ ዝተገበሩ ስምምዓት ከምዝተሰረዙ ወግዓዊ ምግባሩ ይዝከር።
"ምስ ብልሽውና ብዝተሓሓዝ ዘየጠራጥርን ዘተኣማምንን ሓበሬታ ምስ እንረክብ ወሳኒ ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ድሕር ኣይብልን" ኢሉ።
እቲ ውሳነ ድማ ንኬንያውያን ኣሐጒሱ።
"እቲ ዜና ኣብ ዝንገረሉ እዋን ኣብ ክፍሊ እየ ነይረ። ክኣምኖ ኣይከኣልኩን" ይብል ኔልሰን።
"ንብዓተይ ፈሲሱ። ኣዝየ ተሓጒሰ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ኔልሰን ንነብሱ ከም ጅግና ዘይርእያ እኳ እንተኾነ ብዙሓት ግን ናይ ምስጋና መልእኽቶም ሰዲዶምሉ እዮም።
"ታሪኻዊ እዩ ነይሩ። ዝገበርክዎ ጻዕሪ ኵሉ ኣብ መወዳእታ ፍረ ረኺቡ" ኢሉ።
ኔልሰን ነቲ ናይ መዓርፎ ነፈርቲ ስምምዕ ምስ ኣቃልዐ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ብወከልቲ ጉጅለ ኣዳኒን ሓደ ኬንያዊ ፖለቲከኛን ብጸለመ ተኸሲሱ።
"ካብ መንግስቲ ዝተላእኹ ገለ ሰባት የዘራርቡኒ ነይሮም። ገንዘብ ክኸፍሉኒ ድሉዋት ነይሮም። 'ገንዘብካ ተቐቢልካ ምስ መንግስቲ ምብኣስ ኣቋርጽ' ኢሎምኒ" ክብል ይዝክር።
"ግን ከኣ ነዚ እንተዝገድፎ ነይረ ኣብ ሂወተይ እቲ ዝዓበየ ጌጋ ምኾነ። ንህዝቢ ኬንያ ከም ምኽሓድ'ዩ" ኢሉ።
ፕረዚደንት ሩቶ ነቲ ስምምዕ ምስ ሰረዞ፡ ንኬንያውያን ስለምንታይ ነዚን ካልእ ብዙሕ ፕሮጀክትታትን ከም ዝቃወም ሓቲቱ ነይሩ። ነቲ መዕርፎ ነፈርቲ ዘመሓይሽሉ መንገዲ ክደልይ እየ ክብል'ውን ቃል ኣትዩ።
"ህንፀት መዕርፎ ነፈርቲ ደው ዘበሉ ጀጋኑ እዮም ክበሃል ሰሚዐ። ጀጋኑ? ህንፀት ደው ክብል ብምግባር ግን እንታይ ኢኹም ትኸስቡ?" ክብል ሓቲቱ።
ሩቶ ወሲኹ "ከመይ ክህነጽ ከምዘለዎ ሓሳብ የብሎምን። እቶም ነዚ ዝቃወሙ ከኣ እቶም እግሮም ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ረጊጾም ዘይፈልጡ እዮም። ክትቃወሙ ጥራይ ኢኹም ትደልዩ" ኢሉ።
ናይ ጸለመ ክሲ ዝቐርበሉ ዘሎ ኔልሰን፡ ንመስርሕ ቤት ፍርዲ ዝኸውን ገንዘብ የተኣኻኽብ ዘሎ ኰይኑ፡ ኣብ መጻኢ ናብ ሃገሩ ከምዝምለስ ግን ርግጸኛ ኣይኮነን።
"ካብ ትካላት ስለያን ውልቀሰባትን ንከይምለስ ምፍርራሕን መጠንቀቕታን በጺሑኒ'ዩ" ይብል።
ዝኸፈሎ ዋጋ ልዑል እኳ እንተኾነ፡ ኔልሰን ግን ዳግማይ ነዚ ካብ ምፍጻም ናብ ድሕሪት ከምዘይብል ይዛረብ።